ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዛ ሸፈጥ ዝመልኣ ዓለም ብኸመይ ሓቀኛታት ክንከውን ንኽእል፧

ኣብዛ ሸፈጥ ዝመልኣ ዓለም ብኸመይ ሓቀኛታት ክንከውን ንኽእል፧

ኣብዛ ሸፈጥ ዝመልኣ ዓለም ብኸመይ ሓቀኛታት ክንከውን ንኽእል፧

ሸፈጥ ከምቲ እነስተንፍሶ ኣየር፡ ኣብ ኵሉ እዩ ተዘርጊሑ ዘሎ። ሰባት ይሕስዉ፡ የታልሉ፡ ይሰርቁ፡ ዕዳኦም ኣይከፍሉን፡ ኣብ ንግዲ ብዚፍጽምዎ ቕጥፈት እውን ይንየቱ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው ክንነብር ከለና፡ ብዙሕ ግዜ ነቲ ብሓቀኛነት ንኽንመላለስ ዘሎና ቘራጽነት ዚፈታተን ኵነታት የጋጥመና እዩ። ነቲ ኣብ ሸፈጥ ኢድና ንኸነእቱ ዘሎና ዝንባለ ብኸመይ ክንጻረሮ ንኽእል፧ ከምኡ ንኽንገብር ዚሕግዘና ሰለስተ ረቛሒታት እስከ ንርአ። እዚ ኸኣ፡ ፍርሃት የሆዋን ሰናይ ሕልናን ዕግበትን እዩ።

ፍርሃት የሆዋ

ነብዪ ኢሳይያስ፡ “እግዚኣብሄር ፈራዲና፡ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ኢሳ. 33:22) ነቲ የሆዋ ዘለዎ ስልጣን ምፍላጥና፡ ፍርሃት ኣምላኽ የሕድረልና እዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ከኣ፡ ንናይ ሸፈጥ መንፈስ ንኽንጻረሮ ዚሕግዝ ሓይሊ እዩ። ምሳሌ 16:6፡ “ሰብውን ብፍርሃት እግዚኣብሄር ካብ እከይ ይርሕቕ” ትብል። እዚ ፍርሃት እዚ፡ ንሓደ ቒመኛ ኣምላኽ ዘሎና ራዕዲ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣጸቢቑ ዚሓልየልና ሰማያዊ ኣቦና ንኸይነጕህዮ ዘሎና ጥዑይ ሻቕሎት እዩ።—1 ጴጥ. 3:12

ሓደ ናይ ሓቂ ተመክሮ፡ ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጥዑይ ሻቕሎት ወይ ፍርሃት ዜሕድሮ ኣወንታዊ ጽልዋ የርኢ እዩ። ሪካርዶን ሰበይቱ ፈርናንዳን ምስ ሸውዓተ ሚእቲ ዶላር ኣመሪካ ዚመዓራረ ገንዘብ ካብ ባንክ ኣውጽኡ። * ፈርናንዳ ነቲ ገንዘብ ከይቈጸረት ኣብ ቦርሳኣ ኣእተወቶ። ንእተፈላለየ ወጻኢታት ከፊሎም ናብ ቤቶም ምስ ተመልሱ፡ ክንዲ እቲ ዘውጽእዎ ዚኣክል ገንዘብ ኣብ ቦርሳ ፈርናንዳ ምስ ረኸቡ ደንጸዎም። “እታ ተሓዚት ገንዘብ ዝያዳ ሂባትና ኽትከውን ኣለዋ” ኢሎም ደምደሙ። ኣብ ፈለማ፡ ብዙሕ ካልእ ኪኽፈል ዘለዎ ወጻኢታት ስለ ዝነበሮም፡ ነቲ ገንዘብ ኪጥቀሙሉ ሓሰቡ። ብዛዕባ እዚ፡ ሪካርዶ ኸምዚ በለ፦ “ነቲ ገንዘብ ንኽንመልሶ ሓይሊ ንምርካብ ናብ የሆዋ ጸለና። ነቲ ኣብ ምሳሌ 27:11 ዚርከብ ጻውዒቱ ምላሽ ብምሃብ ንኸነሐጕሶ ዘሎና ድሌት፡ ነቲ ገንዘብ ንኽንመልሶ ደረኸና።”

ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልና

ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ብምጽዓርን፡ ንሕልናና ኸነሰልጥኖ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ‘ነቲ ህያውን መስለጥን ዝዀነ ቓል ኣምላኽ’ ኣብ ኣእምሮና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ልብና እውን ከነሕድሮ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ፡ ‘ብዅሉ ደግነት [“ሓቀኛነት፡” NW] ንኽንነብር’ ይድርኸና እዩ።—እብ. 4:12፣ 13:18

ንኣብነት፡ ንዦኣ ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ምስ ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ዚመዓራረ ገንዘብ ተዓድየ። ድሕሪኡ ዕዳኡ ኸይከፈለ ናብ ካልእ ከተማ ገዓዘ። ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት፡ ሓቂ ፈለጠ፣ እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ኸኣ፡ ነቲ ኣለቃሒኡ ረኺቡ ዕዳኡ ኪኸፍል ደረኾ። ዦኣ ንሰበይቱን ንኣርባዕተ ደቁን ብሒደት ኣታዊ የመሓድር ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣለቃሒኡ ነቲ ዕዳኡ በብቝሩብ ኪኸፍሎ ፈቐደሉ።

ዕግበት

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። . . . ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ፡ ንሱ ይእከለና” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ጢሞ. 6:6-8) ነዚ ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሪ ኣብ ልብና እንተ ኣሕዲርናዮ፡ ብስስዐ ተደሪኽካ ብዚግበር ዜተሓታትት ንግዲ ወይ ቀልጢፍካ ሃብቲ ንምሕፋስ ተባሂሉ ብዚወጽእ ዘይከውን መደባት ኣይንታለልን ኢና። (ምሳ. 28:20) ነዚ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ምስዓብና፡ ዜድልየና ዘበለ መሰረታዊ ነገራት ከም ዚማልኣልና ተኣማሚንና፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ንኽንህብ እውን ይሕግዘና እዩ።—ማቴ. 6:25-34

ኰይኑ ግን፡ ‘ሃብቲ ኼዐሽወና’ ስለ ዚኽእል፡ ብስስዐ ንኸይንስነፍ ክንጥንቀቕ ኣሎና። (ማቴ. 13:22) ኣካን እንታይ ከም ዝገበረ ኣይንረስዕ። እስራኤላውያን ብተኣምራዊ መገዲ ንፈለግ ዮርዳኖስ ኪሳገሩ ኸለዉ፡ ብዓይኑ ርእዩ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብስስዐ ስለ እተሰነፈ፡ ካብቲ ኻብ ከተማ ያሪኮ እተዘምተ ምርኮ እተወሰነ ብሩርን ወርቅን ክቡር ክዳንን ሰረቐ። ብሰንኪ እዚ ህይወቱ ሰኣነ። (እያ. 7:1, 20-26) ድሕሪ ዘመናት፡ የሱስ፡ “ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ” ኢሉ ኼጠንቅቕ ሓቁ እዩ።—ሉቃ. 12:15

ኣብ ስራሕ ሓቀኛ ኹን

ሕጂ፡ ነቲ ብዅሉ ሓቀኛነት ንምንባር ዘሎና ቘራጽነት ኪፈታተን ዚኽእል ገሊኡ ዅነታት እስከ ንርአ። ኣብ ስራሕ ሓቀኛ ምዃን ኪበሃል ከሎ፡ ስርቂ ኸም ንቡር ጌርካ ኣብ ዚረኣየሉ ቦታታት እውን እንተ ዀነ ‘ዘይምስራቕ’ የጠቓልል። (ቲቶ. 2:9, 10ትርጕም 1990) ኣብ መንግስታዊ ትካል ዚሰርሕ ጁራንዲር፡ ንጕዕዞ ዜውጽኦ ወጻኢታት ብልክዕ እዩ ጸብጻብ ዚህብ ነይሩ። መሳርሕቱ ግን፡ ካብቲ እተጓዕዙሉ ንላዕሊ ገንዘብ እዮም ዚሓቱ ነይሮም። ሓለቓኦም እውን ተሓባባሪኦም እዩ ነይሩ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ንጁራንዲር ብሓቀኛነት ብምምልላሱ ገኒሕዎን ብስራሕ ናብ ካልእ ዓዲ ኸይከይድ ኣጊድዎን እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ግን፡ እቲ ትካል ናይ ሕሳብ መርመራ ምስ ተገብረሉ፡ ጁራንዲር ብሓቀኛነቱ ተናእደ። ናይ ስራሕ ዕቤት እውን ረኸበ።

ኣንድሬ ዚበሃል ሸያጣይ፡ ካብ ናይ ባንክ ሕሳብ ዓማዊሉ ዕጽፊ ኪቘርጽ ብኣስራሒኡ ትእዛዝ ተዋህቦ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺስዕብ ዜኽእሎ ትብዓት ምእንቲ ኺረክብ፡ ናብ የሆዋ ጸለየ። (መዝ. 145:18-20) ንኣስራሒኡ ኸኣ፡ ከምቲ ዝኣዘዞ ኺገብር ዘይክእለሉ ምኽንያት ኬረድኦ ፈተነ፣ ንሱ ግን ኪሰምዖ ኣይደለየን። ስለዚ፡ ኣንድሬ ነቲ ጽቡቕ ደሞዝ ዚረኽበሉ ዝነበረ ስራሕ ኪሓድጎ ወሰነ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ግን፡ እቲ ናይ ቀደም ኣስራሒኡ ድሕሪ ደጊም ንዓማዊል ናይ ምጥፍፋእ ተግባር ከም ዘይፍጸም ብምርግጋጽ፡ ናብ ስራሑ ኺምለስ ሓተቶ። ኣንድሬ ናይ ስራሕ ዕቤት ብምርካብ፡ ኣካያዲ ስራሕ ኰነ።

ዕዳኻ ኽፈል

ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ “ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሀሉኹም” ኢሉ ምዒድዎም እዩ። (ሮሜ 13:8) ኣለቃሒና ብዙሕ ገንዘብ ስለ ዘለዎ፡ ዕዳና ኽንከፍል ከም ዘየድሊ ጌርና ኸነመኻኒ ንፍትን ንኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ “ረሲእ ይልቃሕ ኣይመልስንውን” ኢሉ የጠንቅቐና።—መዝ. 37:21

ብሰንኪ “ጊዜን ኣጋጣምን” ዕዳና ኽንከፍል እንተ ዘይከኣልናኸ፧ (መክ. 9:11) ፍራንሲስኮ ምስ ሸውዓተ ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ዚመዓራረ ገንዘብ ካብ ኣልፍረዶ ተለቅሐ። ኣብ ስራሑ እተወሰነ ዕንቅፋት ስለ ዘጋጠሞ ግን፡ ዕዳኡ ብእዋኑ ኪኸፍል ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ባዕሉ ተበግሶ ወሲዱ ንኣልፍረዶ ኣመያየጦ፣ ኣልፍረዶ ድማ በብቝሩብ ንኪኽፈሎ ተሰማምዐ።

ኣምሰሉ ኣይትኹን

እቶም ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ሃናንያን ሰጲራን ዝገበርዎ ነገር ኣይንረስዓዮ። ግራቶም ምስ ሸጡ፡ እተወሰነ ኽፋል እቲ ገንዘብ ከም ምሉእ ዋጋ ግራቶም ኣምሲሎም ናብ ሃዋርያት ኣምጽእዎ። ብሰባት ምእንቲ ኺፍተዉ፡ ብዙሕ ከም ዝለገሱ መሲሎም እዮም ቀሪቦም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ግን፡ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ኣቃልዖም፣ የሆዋ ድማ ቀዘፎም።—ግብ. 5:1-11

ብኣንጻሩ ግን፡ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቀኛታት እዮም ነይሮም። ሙሴ፡ ቍጥዓኡ ኸም ዝገንፈለ፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ናብ ምድሪ ተስፋ ኸይኣቱ ኸም እተኸልከለ ኸይሓባብአ ጽሒፉ እዩ። (ዘሁ. 20:7-13) ዮናስ እውን ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ንሰብ ነነዌ ቕድሚ ምስባኹን ድሕሪኡን ዝነበሮ ድኽመታት ኣብ ክንዲ ዚሓብኦ፡ ብንጹር ጽሒፍዎ እዩ።—ዮና. 1:1-3፣ 4:1-3

ሓቂ ምዝራብ፡ ዋጋ ኬኽፍል ስለ ዚኽእል፡ ትብዓት ይሓትት እዩ። ናታያ ዝስማ ጓል 14 ዓመት ጐርዞ፡ ኣብ ቤት ትምህርታ ኸምኡ እዩ ኣጋጢምዋ። ውጽኢት መርመራኣ ኽትርእዮ ኸላ፡ ሓንቲ ኻብተን መምህራ ቕኑዕ ገይሩ ዝኣረማ መልስታት፡ ጌጋ ምዃና ኣስተብሃለት። እዚ ንነጥባ ብኣሉታዊ መገዲ ኸም ዝጸልዎ እናፈለጠት ክነሳ፡ ንመምህራ ኸይዳ ኻብ ምንጋር ድሕር ኣይበለትን። “ወለደይ ንየሆዋ ምእንቲ ኸሐጕሶ፡ ሓቀኛ ክኸውን ከም ዘሎኒ ዅሉ ሳዕ እዮም ዚምህሩኒ። ንመምህረይ እንተ ዘይነግሮ ነይረ፡ ሕልናይ ምረበሸኒ” በለት። መምህራ ብሓቀኛነታ ተሓጒሱ እዩ።

ሓቀኛነት—ንየሆዋ እተኽብሮ ባህርይ

ጂዘል ዝስማ ጓል 17 ዓመት ጐርዞ፡ ሰነዳትን ምስ 35 ዶላር ኣመሪካ ዚመዓራረ ገንዘብን ዝሓዘት ቦርሳ ረኸበት። ነዚ ድማ ብሓለፍቲ ቤት ትምህርታ ኣቢሉ ናብ ዋናኡ ኸም ዚምለስ ገበረት። ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ምክትል ርእሰ መምህራን ሓንቲ ደብዳበ ኣብ ቅድሚ ደቂ ኽፍላ ኣንበበ፣ ኣብታ ደብዳበ ኸኣ ንጂዘል ስለቲ ሓቀኛነታ ወደሳ፡ ንስድራ ቤታ ድማ ስለቲ ጽቡቕ ስልጠናኦምን ሃይማኖታዊ ኣተዓባብያኦምን ነኣዶም። እቲ ‘ጽቡቕ ግብራ’ ንየሆዋ ኣኽቢርዎ እዩ።—ማቴ. 5:14-16

ኣብ መንጎ ‘ፈተውቲ ርእሶምን ፈተውቲ ገንዘብን ተጀሃርትን ዕቡያትን ርኹሳትን’ እናነበርና ብሓቀኛነት ምምልላስ፡ ጻዕሪ ይሓትት እዩ። (2 ጢሞ. 3:2) ይኹን እምበር፡ ፍርሃት የሆዋን ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናን ዕግበትን፡ ኣብዛ ሸፈጥ ዝመልኣ ዓለም ብሓቀኛነት ንኽንመላለስ ይሕግዘና እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ምስቲ ‘ጻድቕን ንጽድቂ ዜፍቅርን’ የሆዋ ዝጠበቐ ዕርክነት ነማዕብል።—መዝ. 11:7

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 5 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ፍርሃት የሆዋ ነቲ ብሓቀኛነት ንኽንመላለስ ዝገበርናዮ ቘራጽነት የደልድሎ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ሓቀኛታት እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ነኽብሮ ኢና