ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብትኽክል ክንደይ መሲሓዊ ትንቢታት ከም ዘሎ ኺፍለጥ ይከኣልዶ፧

ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተጠንቂቕና ምስ እነጽንዖ፡ ነቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እተፈጸመ ሓያሎ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና። እዚ ትንቢታት እዚ፡ ብዛዕባ ድሕረ ባይታ እቲ መሲሕ፡ ብዛዕባ ዚመጽኣሉ ግዜ፡ ብዛዕባ ተግባራቱ፡ ብዛዕባ ዜጋጥሞ ዅነታት፡ ከምኡውን ኣብ ስርዓት የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘለዎ ቦታ ብዙሕ ነጥብታት ይገልጽ እዩ። ኵሉ እዚ ነጥብታት እዚ ብሓደ ተደሚሩ፡ ንየሱስ ከም መሲሕ ንኸነለልዮ ኺሕግዘና ዚኽእል ምሉእ ምርዳእ እዩ ዚህበና። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብትኽክል ክንደይ ትንቢታት ከም ዘሎ ኽንውስን ከይንፍትን ክንጥንቀቕ ኣሎና።

ሓደ ነገር፡ መሲሓዊ ትንቢት ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ዅሎም ሰባት ኣይኰኑን ዚሰማምዑሉ። ኣልፍረድ ኤደርሻይም ኣብታ ዘ ላይፍ ኤንድ ታይምስ ኦቭ ጂሰስ ዘ መሳያህ እትበሃል መጽሓፉ፡ ጥንታዊ ጽሑፋት ረቢ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብዛዕባ መሲሕ ዚዛረብ 456 ጥቕስታት ከም ዝዘርዘረ፡ ኰይኑ ግና መብዛሕትኡ እቲ ጥቕስታት ንመሲሕ ፈልዩ ኸም ዘይረቝሖ ገሊጹ ኣሎ። ነዚ 456 ጥቕስታት ተጠንቂቕና ምስ እንምርምሮ፡ ገለ ኻብኡ ንየሱስ ክርስቶስ ዜመልክት ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ሕቶታት ዜልዕል እዩ። ንኣብነት፡ ኣይሁድ ንዘፍጥረት 8:11 መሲሓዊት ትንቢት ከም ዝዀነት ገይሮም ከም ዚቘጽርዋ፡ ኤደርሻይም ገሊጹ ኣሎ። ኣይሁድ፡ “እታ ርግቢ ነቲ ቘጽሊ ኣውልዕ ካብ ከረን እቲ መሲሕ ከም ዘምጽኣቶ” እዮም ዚኣምኑ። እቲ ደራሲ ንዘጸኣት 12:42 እውን ጠቒሱ ኣሎ። ኣይሁድ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ብኸመይ ብጌጋ ኸም እተረድእዋ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ከምቲ ሙሴ ኻብ ምድረ በዳ ዝመጸ፡ እቲ መሲሕ እውን ካብ ሮሜ እዩ መጺኡ” በለ። መብዛሕትኦም ምሁራትን ካልኦትን፡ ነዘን ክልተ ጥቕስታት እዚኣተንን ነቲ ግጉይ መግለጺታትን ምስ የሱስ ክርስቶስ ኬተሓሕዝዎ ይኸብዶም እዩ።

ኣብቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እተፈጸመ ትንቢታት ጥራይ እኳ ነቕልብ እንተ ዀንና፡ ብትኽክል ክንደይ ትንቢታት ከም ዘሎ ኽንውስን ግና የሸግረና እዩ። ንኣብነት፡ እታ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ሓያሎ ትንቢታት ዝሓዘት ኢሳይያስ ምዕራፍ 53 ንውሰድ። ኢሳይያስ 53:2-7፡ “መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ . . . ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ . . . ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ . . . ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ . . . ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ . . . ኣፉ ኣይከፈተን” ዚብል ትንቢት ሒዛ ኣላ። እዚ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 53 ዘሎ ጥቕስታት ከም ሓደ ትንቢት ድዩ ኪቝጸር ዘለዎ፡ ወይስ ነፍሲ ወከፍ ዝርዝር በብሓደ እዩ ኪቝጸር ዚግባእ፧

ኢሳይያስ 11:1 ኸኣ ንርአ፣ እታ ጥቕሲ፡ “ካብቲ ኽሩት ጕንዲ እሰይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ኺጭብጭብ እዩ፡ ሓደ ጨንፈርውን ካብ ሱሩ ፍረ ኺፈሪ እዩ” ትብል። እዚ ትንቢት እዚ፡ ኣብ ቍጽሪ 10 ብተመሳሳሊ ቓላት ተደጊሙ ኣሎ። ነዘን ክልተ ጥቕስታት ከም ክልተ ትንቢታት ዲና ኽንቈጽረን ዘሎና፡ ወይስ ከም ሓደ እተደግመ ትንቢት፧ እቲ ብዛዕባ ኢሳይያስ ምዕራፍ 53ን ምዕራፍ 11ን ዚግበር ውሳነ፡ ንቝጽሪ እቲ መሲሓዊ ትንቢታት ከም ዚጸልዎ ፍሉጥ እዩ።

ስለዚ እምበኣር፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኽንደይ መሲሓዊ ትንቢታት ከም ዘሎ ኽንውስን የብልናን። ውድብ የሆዋ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ሓያሎ ትንቢታትን ፍጻመታቱን ዚሕብር ዝርዝር፡ ኣብ ጽሑፋት ኣሕቲሙልና ኣሎ። * እዚ ዝርዝር ትንቢታትን ፍጻመታቱን ከኣ፡ ኣብቲ ብብሕቲ ዀነ ብስድራ ቤት እንገብሮ መጽናዕቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣገልግሎትና እውን ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። እዚ ሓበሬታ እዚ፡ የሆዋ እተዛረቦ ዘበለ ወትሩ ኸም ዚፍጸም ንዘሎና እምነት ኬደልድለልና ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ቍጽሩ ኽንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ መሲሓዊ ትንቢታት፡ የሱስ፡ ክርስቶስ ወይ መሲሕ ከም ዝዀነ ዜእምን ድልዱል መርትዖ እዩ ዚህበና።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 7 ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ ጥራዝ 1፡ ገጽ 1223፣ ጥራዝ 2፡ ገጽ 387 (እንግሊዝኛ)፣ “ኦል ስክሪፕቸርስ ኢዝ ኢንስፓየርድ ኦቭ ጎድ ኤንድ በነፊሻል፡” ገጽ 343-344 (እንግሊዝኛ)፣ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ገጽ 200