ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ነቲ ኣብ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዘሎ ኣሃዛት ብኸመይ ክንርድኦ ኣሎና፧

ኣብ ዓዓመት፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዓመትን ኣብ ናይ ለካቲት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትናን ዚወጽእ ጸብጻብ ኣገልግሎት ክንርኢ ሃንቀው ንብል ኢና። ህዝቢ ኣምላኽ ብደረጃ ጕጅለ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ናይ ስብከትን ትምህርትን ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዓመምዎ ነገራት ክንርኢ ኸለና የሐጕሰና እዩ። እቲ ጸብጻብ እንታይ ማለት ምዃኑ ብንጹር ምእንቲ ኺርድኣና ግና፡ እቲ ስማትን እቲ ኣሃዛትን ንምንታይ ከም ዜመልክት ኪበርሃልና ኣለዎ። ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ።

ዓመት ኣገልግሎት። እዚ ኻብ መስከረም ክሳዕ ነሓሰ ንዘሎ ኣዋርሕ ዚሓቍፍ እዩ። እቲ ኣብ ዓመታዊ ዚወጽእ ጸብጻብ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻብ ዝሓዘ እዩ። ስለዚ፡ መጽሓፍ ዓመት 2011ን (እንግሊዝኛ) ናይ ለካቲት 2011 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትናን፡ ናይ 2010 ጸብጻብ ኣገልግሎት ዝሓዘ እዩ፣ እዚ ኸኣ ካብ 1 መስከረም 2009 ክሳዕ 31 ነሓሰ 2010 እተገብረ ኣገልግሎት እዩ።

ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕትን ገምጋም ኣስፋሕትን። “ኣስፋሕቲ” ዚበሃሉ እቶም እተጠመቑ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን እቶም ሰብኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኪዀኑ ዚበቕዑ ዘይተጠመቑ ኣገልገልትን እዮም። እቲ “ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ” ዚበሃል ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓመት ኣገልግሎት ኣብ ዘላ ዝዀነት ትኹን ወርሒ እተዋህበ ዝለዓለ ቝጽሪ ኪኸውን ከሎ፡ ቅድሚ እታ ወርሒ እቲኣ ንዘይተዋህበ ድሒሩ ዝመጸ ጸብጻብ እውን ዚሓቍፍ እዩ። በዚ መገዲ እዚ ገሊኣቶም ኣስፋሕቲ ኽልተ ግዜ ኪቝጸሩ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣገልጊሎም ክነሶም ጸብጻብ ዘይሃቡ ኣስፋሕቲ ኣብዚ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ኣይድመሩን እዮም። እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ቐልጢፉ ጸብጻብ ኪህብ ኣገዳሲ ምዃኑ ዜጕልሕ እዩ። “ገምጋም ኣስፋሕቲ” ዚበሃል ድማ፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዚህቡ ውልቀ ሰባት እዩ።

ድምር ሰዓታት። ብመሰረት እቲ ኣብ 2011 ዝወጸ ጸብጻብ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልዕሊ 1.6 ቢልዮን ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣሕሊፎም እዮም። እዚ ድምር እዚ ግና፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ኣምልኾና ዘሕለፍናዮ ሰዓታት ኣየጠቓልልን እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ኣብ ጕስነትን ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ምስትንታንን ኣብ ካልእ ንጥፈታትን ኣዘውቲርና እንውፍዮ ሰዓታት ኣይድመርን እዩ።

ገንዘብ። ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2010፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ፍሉያት ፈለምትን ሚስዮናውያንን ገየሽቲ ሓለውትን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚገብርዎ ዕዮ ንምድጋፍ፡ 155 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣውጺኦም። እንተዀነ ግና፡ እዚ ኣሃዝ እዚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና ንምሕታም ዘውጻእናዮ ገንዘብ ኰነ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከብ መሳለጥያታት ጨንፈር ዜገልግሉ ልዕሊ 20,000 ወለንተኛታት ቤትኤል ተባሂሉ ንዝወጸ ገንዘብ ኣየጠቓልልን እዩ።

ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ዚወስዱ። እዚኣቶም እቶም ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚኽበር በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ዚወስዱ እተጠምቁ ሰባት እዮም። እዚ ቝጽሪ እዚ፡ ኣብ ምድሪ ኽንደይ ቅቡኣት ከም ዘለዉ ዜመልክት ድዩ፧ ከይከውን ይኽእል እዩ። ገሊኣቶም ብእተፈላለየ ምኽንያት፡ ማለት ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝነበሮም ግጉይ እምነት ወይ ብሰንኪ ኣእምሮኣዊ ወይ ስምዒታዊ ጸገማት ሰማያዊ ጽውዓ ኸም ዘለዎም ገይሮም ብጌጋ ኺሓስቡ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ኣብ ምድሪ ብትኽክል ክንደይ ቅቡኣት ከም ዘለዉ ኽንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ኣመሓዳሪ ኣካል ስማት እቶም ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ኣይሕዝን እዩ። *

እቲ ንብርቱዕ ጸበባ ዜመልክት ኣዕናዊ ንፋሳት ኣብ ምድሪ ኺፍኖ ኸሎ፡ ገለ ኻብቶም “ባሮት ኣምላኽና” ዝዀኑ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ከም ዚህልዉ ጥራይ ኢና እንፈልጥ። (ራእ. 7:1-3) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ እቶም ቅቡኣት ነቲ ኣብ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣገልግሎትና ብግቡእ እተመዝገበ፡ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ከኣ እቲ ዝዓበየ ዝዀነ ናይ ስብከትን ናይ ምምሃርን ዕዮ እናመርሕዎ ኺጸንሑ እዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 8 ነታ ኣብ ናይ 15 ሰነ 2009 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 24 እትርከብ፡ “እቲ እሙን መጋብን ኣመሓዳሪ ኣካሉን” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።