ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኻዊ ኣኼባ

ታሪኻዊ ኣኼባ

ታሪኻዊ ኣኼባ

“እዚ ኣኼባ እዚ ኺዛዘም ከሎ፡ ‘እዚ ዓመታዊ ኣኼባ እዚ፡ ኣብ ቲኦክራሲ ብሓቂ ታሪኻዊ ኣኼባ እዩ’ ኽትብሉ ኢኹም።” ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ስቴፈን ለት፡ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ ንሓያሎ ተኣከብቲ ሃንቀውታ ኣለዓዓለሎም። እቲ ኣኼባ እቲ፡ ብ2 ጥቅምቲ 2010፡ ኣብ ጀርሲ ሲቲ፡ ኒው ጀርሲ፡ ዩ.ኤስ.ኤ. እተገብረ መበል 126 ዓመታዊ ኣኼባ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ እዩ ነይሩ። ገለ ኻብቲ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣኼባ ጐሊሑ ዝነበረ ነገራት እንታይ እዩ፧

ሓው ለት ኣብቲ ናይ መኽፈቲ መደረኡ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል፡ ተገሊጹ ዘሎ ሰረገላ የሆዋ ብውዕዉዕ ስምዒት ኣጕልሖ። እዚ ዓብይን ግርማውን ሰረገላ እዚ፡ ንውድብ ኣምላኽ ዜመልክት እዩ፣ የሆዋ ነዚ ውድብ እዚ ምሉእ ብምሉእ እዩ ዚቈጻጸሮ። ሓው ለት ከም ዝገለጾ፡ እቲ ብመንፈሳውያን ፍጥረታት ዝቘመ ሰማያዊ ኽፋል እቲ ውድብ፡ ብናይ ብርሃን ፍጥነት እዩ ዚጐዓዝ፣ እዚ ኸኣ ንፍጥነት ሓሳባት የሆዋ የመልክት። እቲ ምድራዊ ኽፋል እቲ ውድብ እውን ብፍጥነት እዩ ዚጐዓዝ። ሓው ለት፡ ኣብዚ ዚርአ ኽፋል ውድብ ኣምላኽ፡ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ሓያሎ ዜሐጕስ ምዕባለታት ከም እተራእየ ገለጸ።

ንኣብነት፡ ገሊኣተን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ሓደ ስለ እተጠርነፋ፡ ኣብተን ሃገራት እቲኣተን ኣብ ቤትኤል ዜገልግሉ ዝነበሩ ሓያሎ ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ኬተኵሩ ኽኢሎም እዮም። ሓው ለት ነቶም ተኣከብቲ፡ ነቲ ተወካሊ እቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ዝዀነ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ እሙን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣስተውዓሊ ዀይኑ ንኪቕጽል ኪጽልዩሉ ተላበዎም።—ማቴ. 24:45-47

ዜተባብዕ ጸብጻባትን ልቢ ዚትንክፍ ቃለ መጠይቓትን

ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሀይቲ ዜገልግል ታብ ሃንስበርገር፡ ብ12 ጥሪ 2010፡ ብገምጋም 300,000 ዝዀኑ ሰባት ዝቐተለ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ ብዛዕባ እተገብረ ነገራት ጸብጻብ ሃበ። እቲ ሓው ከም ዝገለጾ፡ ኣቕሽሽቲ ንምእመናኖም፡ እቶም ዝሞቱ እሙናት ብዘይምዃኖም ብኣምላኽ ከም እተቐጽዑ፡ እቶም ጻድቃን ግና ከም እተዓቝቡ እዮም ዚነግርዎም። ኰይኑ ግና፡ ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ መናድቕ ኣብያተ ማእሰርቲ ምስ ፈረሰ፡ ብኣሽሓት ዚቝጽሩ ገበነኛታት ወጺኦም እዮም። ሓያሎ ሀይቲያውያን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜና ሽግራት በዚሑሉ ዘሎ ምኽንያት ዚገልጽ ሓቂ፡ ትምህርቲ ብምቕሳም ምጽንናዕ ይረኽቡ ኣለዉ። ሓው ሃንስበርገር ከም ዝጠቐሶ፡ ሰበይቱ በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝሞተቶ እሙን ሀይቲያዊ ሓው፡ “ክሳዕ ሎሚ እበኪ እየ። ሓዘነይ ክሳዕ መዓስ ከም ዚቕጽል ዘይፈልጥ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ፍቕሪ ውድብ የሆዋ ኸስተማቕር ብምኽኣለይ ግና ሕጉስ እየ። ተስፋ ኣሎኒ፣ ካልኦት ሰባት እውን ነዚ ተስፋ እዚ ምእንቲ ኺረኽብዎ ንኽሕግዞም ቈሪጸ እየ” በለ።

ሕጂ ኣባል ስድራ ቤትኤል ብሩክሊን ዝዀነ ማርክ ሳንደርሰን፡ ብዛዕባ ፊሊፒንስ ጸብጻብ ሃበ። ቅድሚ ሕጂ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር እታ ሃገር ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ኣብታ ሃገር ብተኸታታሊ ን32 ግዜ ዚኸውን ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ኸም እተራእየ፡ ቍጽሪ መጽናዕቲ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ካብ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ኣዝዩ ዝዛየደ ምዃኑ ተሓጒሱ ኣቕረቦ። ወዲ ወዱ ብዛዕባ እተቐትሎ ሚገል ዝስሙ ሓው ከኣ ኣዘንተወ። ሚገል ነቲ ቐታሊ ኸሲሱ ንኼእስሮ ብዙሕ ጽዒሩ እዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኼገልግል ከሎ፡ ነቲ ቐታሊ ረኸቦ። ሚገል ሓሪቑ እኳ እንተ ነበረ፡ ብልእመትን ብሕያውነትን ኣዛረቦ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ መርሓሉ፣ እቲ ሰብኣይ ነቲ ትምህርቲ ብጽቡቕ ስለ እተቐበሎ ንየሆዋ ኼፍቅሮ ጀመረ። ሕጂ እተጠምቀ ሓው እዩ። ዓርኪ ሚገል ከኣ ኰነ፣ ሚገል ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንኼውጽኦ ይጽዕረሉ ኣሎ። *

ኣብቲ መደብ ቀጺሉ ዝቐረበ ቓለ መጠይቕ እዩ ነይሩ። ነቲ ቓለ መጠይቓት ዘቕረቦ ኸኣ ኣብ ክፍሊ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መምህር ዝዀነ ማርክ ኑማር እዩ። ኣሌክስ ራይንሙለርን ሳራ ራይንሙለርን፡ ዴቪድ ሻፈርን ክሪስታ ሻፈርን፡ ሮበርት ሲራንኮን ኬትራ ሲራንኮን ንዚበሃሉ ሰለስተ መጻምድቲ ኸኣ ቃለ መጠይቕ ገበረሎም። ኣብ ኮሚተ ሕትመት ዚሕግዝ ኣሌክስ ራይንሙለር፡ ወዲ 15 ዓመት ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ በይኑ እናኣገልገለ ፈላሚ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንሓቂ ብኸመይ ካብ ውሽጡ ኸም ዝኣመነላ ኣዘንተወ። ኣብ ቤትኤል ዝያዳ ጽልዋ ዝገበረሉ መን ምዃኑ ምስ ተሓትተ ኸኣ፡ ንሰለስተ እሙናት ኣሕዋት ብምጥቃስ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ንኺገብር ብኸመይ ከም ዝሓገዝዎ ኣጕልሐ። ሳራ ሰበይቱ ድማ፡ ምስ ሓንቲ ብምኽንያት እምነታ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቻይና እተኣስረት ሓብቲ ብዛዕባ ዝነበራ ምሕዝነት ገለጸት። ኣስዒባ ኸም ዝገለጸቶ ኸኣ፡ ናይ ብሕቲ ጸሎት ብምግባር ኣብ የሆዋ ኽትውከል ከም ዘለዋ ተማህረት።

ኣብ ኮሚተ ሕትመት ዚሕግዝ ዴቪድ ሻፈር፡ ኣዲኡ ድልድልቲ እምነት ከም ዝነበረታ ገለጸ፣ ኣዕጻው እናቘረጹ ብዛዕባ ዚናበሩ ኣሕዋት ብምዝንታው ድማ፡ እዚኣቶም ኣብ ግዜ ንእስነቱ ሓጋዚ ፈላሚ ዀይኑ ንኼገልግል ከም ዝሓገዝዎ ገለጸ። ክሪስታ ሰበይቱ፡ እቶም ከምቲ የሱስ ዝበሎ ‘ብሒደት እውን እሙናት’ ዝዀኑ ዓበይቲ ኣባላት ቤትኤል ጽቡቕ ጽልዋ ኸም ዝገበሩላ ገለጸት።—ሉቃ. 16:10

ኣብ ኮሚተ ጽሕፈት ዚሕግዝ ሮበርት ሲራንኮ፡ ብዛዕባ እቶም ካብ ሃንጋሪ እተሰድዱ ቕቡኣት ክርስትያናት ዝዀኑ እኖሓጎታቱን ኣቦሓጎታቱን ኣዘንተወ። ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብ1950ታት ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ኪእከብ ከሎ ኣዝዩ ይምሰጥ ነበረ፡ ውድብ የሆዋ ኻብ ጉባኤኡ ኣዝያ ዝዓበየት ምዃና ኸኣ ተገንዘበ። ኬትራ ሰበይቱ፡ ክሕደትን ካልእ ጸገማትን ኣብ ዝነበራ ጉባኤ ፈላሚት ኰይና ኣብ እተገልግለሉ ዝነበረት እዋን፡ ብዛዕባ ተኣማንነት ብኸመይ ከም እተማህረት ገለጸት። ኣብቲ ግዜ እቲ ስለ ጸንዐት፡ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ናብ ካልእ ጉባኤ ተመደበት፣ በቲ ኣብዛ ጉባኤ እዚኣ ዝነበረ ሓድነት ከኣ ልባ ተተንከፈ።

ቀጺሉ ኸኣ፡ ሓው ማንፍሬድ ቶናክ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ጸብጻብ ሃበ። ኢትዮጵያ ኻብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣትሒዛ ዝነበረት ሃገር ክትከውን ከላ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ልዕሊ 9,000 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣለውዋ። መብዛሕትኦም ኣስፋሕቲ፡ ኣብታ ርእሲ ኸተማኣ ዝዀነት ኣዲስ ኣበባ ወይ ኣብ ከባቢኣ ስለ ዚነብሩ፡ ኣብቲ ርሕቕ ዝበለ ቦታታት ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ የድልዩ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ካልእ ሃገራት ዚነብሩ ኢትዮጵያውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ናብ ርሑቕ ቦታታት ኢትዮጵያ ኸይዶም ኪሰብኩ ዕድመ ቐረበሎም። ብዙሓት ነቲ ዕድመ ተቐቢሎም መጹ፡ ንኣሕዋት ኣተባብዕዎም፡ ሓቂ ኺሰምዑ ዚደልዩ ሰባት ከኣ ረኸቡ።

ኣብቲ መደብ ጐሊሑ ዝነበረ ኽፍሊ ኸኣ፡ እቲ ብዛዕባ ኣብ ሩስያ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ሕጋዊ ተፈላጥነት ንኺረኽቡ ዚገብርዎ ዘለዉ ቓልስን ዜጕልሕ ዓውደ መጽናዕቲ እዩ ነይሩ። ኣባል ቤት ጸሕፈት ጨንፈር ሩስያ ዝዀነ ኣኡሊስ ቤርግዳ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሩስያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሞስኮ ዚነብሩ ኣሕዋት ዘሕለፍዎ ስደት ኣዘንተወ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ኣብ ክፍሊ ሕጊ ዚዓዪ ፊሊፕ ባርምለይ፡ ኣብዚ ቐረባ ኣዋርሕ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝቐረበ ትሽዓተ ኽስታት ሰሚዑ ብዛዕባ ዝወሰዶ ዜሐጕስ ስጕምትታት ገለጸ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ትሽዓቲኡ ኽስታት ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ተሰማምዐ፡ እቲ ዝቐረበ ኽስታት ጌጋ ዝዀነሉ ምኽንያት ንኼረድእ ድማ ብዙሕ ሳዕ ጽዒሩ እዩ። ውጽኢቱ ብሕጂ ዚርአ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓው ባርምለይ እቲ ቤት ፍርዲ ዜመሓላልፎ ውሳነ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ኣወንታዊ ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ኣተስፈወ።

ደድሕሪ እዚ ዜሐጕስ ዜና ኸኣ፡ ሓው ለት፡ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈረንሳን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን እተፈጥረ ንግብሪ ዚምልከት ነዊሕ ግዜ ዘንጠልጠለ ጕዳይ ከም እተቐበሎ ኣፍለጠ። እዚ ኣኽቢርካ ዚርአ ቤት ፍርዲ እዚ፡ ንኸምዚ ዓይነት ጥርዓን መብዛሕትኡ ግዜ ኣይቅበሎን እዩ። ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚምልከት ክሳዕ ሕጂ ዝረኣዮ ጥርዓናት 39 ኪኸውን ከሎ፡ 37 ካብዚ ንረብሓና እዩ ወሲኑ። ሓው ለት ንዅሎም ህዝቢ የሆዋ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ብጸሎት ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ኬቕርብዎ ኣተባብዖም።

ነቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ዘቕረቦ ኸኣ፡ እቲ መምህር ቤት ትምህርቲ ሽማግለታት ጉባኤ ዝዀነ ሪቻርድ ሞርላን እዩ። ብዛዕባ እቲ ቤት ትምህርትን እቶም ኣብኡ እተኻፈሉ ሽማግለታት ብዛዕባ ዝሃብዎ ኣወንታዊ ምላሽን ብውዕዉዕ ስምዒት ተዛረበ።

ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ዘቕረብዎ ኻልእ መደረታት

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ጋይ ፒርስ፡ ኣብታ ‘ኣብ ስም የሆዋ ተማዕቈቡ’ እትብል ጥቕሲ ዓመት 2011 ዘተኰረ ልቢ ዚትንክፍ መደረ ኣቕረበ። (ጸፎ. 3:12NW) እዚ ግዜ እዚ ንህዝቢ የሆዋ ብብዙሕ መገድታት ዜሐጕስ ግዜ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣርዚንና ኽንርእዮ ዚግባእ ግዜ ምዃኑ እውን ሓበረ። መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እኳ እንተ ዀነት፡ ሰባት ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ ካብ ፖለቲካዊ ትካላት፡ ካብ ስጋዊ ጥሪት፡ ካብቲ ኻብ ክውንነት ንምህዳም ዜተባብዕ ፍልስፍና ዀነ ኻብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ዕቝባ ኺረኽቡ ይደልዩ እዮም። ናይ ሓቂ ዕቝባ ንኽንረክብ ንስም የሆዋ ኽንጽውዕ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ፡ ንየሆዋ ኽንፈልጦ፡ ኣጸቢቕና ኸነኽብሮ፡ ከምኡውን ብዅልንትናና ኸነፍቅሮን ኣብኡ ኽንውከልን ኣሎና ማለት እዩ።

ቀጺሉ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ዴቪድ ስፕለይን፡ “ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ኣቲኹምዶ፧” ብዚብል ኣርእስቲ ዕቱብን ዜመራምርን መደረ ኣቕረበ። ዕረፍቲ ኣምላኽ ኪበሃል ከሎ ኣምላኽ ካብ ንጥፈታቱ ኣዕሪፉ ማለት ከም ዘይኰነ ሓበረ። ከመይሲ፡ የሆዋ ነቲ ምስ ምድሪ እተተሓሓዘ ዕላማኡ ንኺፍጽም ምስ ወዱ የሱስ ብሓባር ኣብታ ምሳልያዊት መዓልቲ ዕረፍቲ ‘ይዓዪ እዩ ዘሎ።’ (ዮሃ. 5:17) ብኸመይ ደኣ ኢና ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ክንኣቱ እንኽእል፧ ገለ ኻብኡ፡ ካብ ሓጢኣትን ካብቲ ንርእስኻ ምምጽዳቕ ዚሓቍፍ ተግባራትን ብምርሓቕ እዩ። እምነት ከነርኢ፡ ዕላማ ኣምላኽ ንኺፍጸም ዚከኣለና ዅሉ ብምግባር ድማ ምስቲ ዕላማ እቲ ተሰማሚዕና ኽንነብር ኣሎና። ከምዚ ምግባር፡ ሓድሓደ ግዜ ዜጸግም እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚወሃበና ምኽሪ ኽንቅበሎ፡ ምስቲ ዚወሃበና መምርሒ ኸኣ ክንተሓባበር ኣሎና። ሓው ስፕለይን፡ ነቶም ተኣከብቲ ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ንኺኣትዉ ዚከኣሎም ዘበለ ኺገብሩ ተላበዎም።

እቲ ብሓው ኣንቶኒ ሞሪስ፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ዝቐረበ ናይ መደምደምታ መደረ፡ “እንታይ ኢና እንጽበ ዘሎና፧” ዚብል ኣርእስቲ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ሓው ሞሪስ፡ ነቶም ተኣከብቲ ብዛዕባ እቲ ዅሎም እሙናት ሰባት ብሃንቀውታ ዚጽበይዎን ብሕጂ ዚፍጸምን ትንቢታዊ ነገራት፡ ህጹጽነትን ምዉቕ ስምዒትን ብዜንጸባርቕ መንፈስ ኣዘኻኸሮም። እዚ ኸኣ፡ ነቲ “ሰላምን ደሓንን” ዚብል ኣዋጅን ንጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ዜጠቓልል እዩ። (1 ተሰ. 5:2, 3፣ ራእ. 17:15-17) ሓው ሞሪስ፡ መፈጸምታ እዚ ትንቢታት እዚ ዘይኰነ ዜና ምስ ዚቐርብ፡ “እዚ ኣርማጌዶን ኪኸውን ኣለዎ” ኺበሃል ከም ዘይግባእ ኣጠንቀቐ። ከምቲ ኣብ ሚክያስ 7:7 ተገሊጹ ዘሎ ድማ ብሓጐስን ብትዕግስትን ብተስፋን ናይ ምጽባይ ኣረኣእያ ኺህሉ ኸም ዚግባእ ኣዘኻኸረ። ምስናይዚ እውን፡ ንዅሎም እቶም ተኣከብቲ፡ ልክዕ ከምቲ ወተሃደራት ኣብ ማእከል ውግእ ኪኣትዉ ኸለዉ ንሓድሕዶም ዚቀራረቡ ምስ ኣመሓዳሪ ኣካል ኪቀራረቡ ተላበዎም። ‘ኣቱም ብየሆዋ ተስፋ እትገብሩ ዅሉኹም ልብኹም ይጽናዕ’ ከኣ በለ።—መዝ. 31:24

ኣብ መደምደምታ ድማ ዜሐጕስን ታሪኻውን ምልክታታት ተነበ። ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ጀፍሪ ጃክሰን፡ ነቶም እንግሊዝኛ ብዙሕ ዘይፈልጡ ሰባት ንምሕጋዝ፡ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ ንፈተነ ንኺዳሎ መደብ ከም ዘሎ ኣፍለጠ። ቀጺሉ ሓው ስቲፈን ለት፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዘለዉ ሓለውቲ ኣውራጃን ንኣንስቶምን ጕስነታዊ ምብጻሕ ንምግባር መደባት ከም ዚገብር ኣፍለጠ። ቀጺሉ እቲ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ዚበሃል ዝነበረ ንንጽል ኣሕዋት ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዚብል መጸውዒ ኸም እተተክአ ሓበረ። ንክርስትያን ሰብ ሓዳር ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚበሃል ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ኸም ዚኽፈት ከኣ ኣፍለጠ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ሰብ ሓዳር ንውድብ የሆዋ ዝያዳ ምእንቲ ኺጠቕምዋ ተወሳኺ ስልጠና ኺህቦም ተባሂሉ እዩ ዚዳሎ። ሓው ለት፡ ንገየሽቲ ሓለውትን ንኣንስቶምን ዚኸውን ቤት ትምህርቲ ዀነ ንኣባላት ኮሚተ ጨንፈርን ንኣንስቶምን ዚኸውን ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ዓዓመት ኣብ ክንዲ ሓደ፡ ክልተ ኽፍሊ ንኺወሃብ ከም እተመደበ፡ ነቶም ቅድሚ ሕጂ እተኻፈሉ ኸኣ ካልኣይ ግዜ ንኺካፈሉ መሰናድዎ ኸም ዚግበር ኣፍለጠ።

ኣብ መደምደምታ፡ እቲ ንሓያሎ ዓመታት ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ወዲ 97 ዓመት ዝዀነ ጆን ባር፡ ትሕትና ዚንጸባረቐሉ ልባዊ ጸሎት ኣቕረበ። * ኵሎም ተኣከብቲ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብሓቂ ታሪኻዊት መዓልቲ ኸም ዝዀነት እያ ተሰሚዓቶም።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 7 መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2011 (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 62-63 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 20 ሓው ባር ብ4 ታሕሳስ 2010 ምድራዊ ህይወቱ ዛዘመ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኵሎም ተኣከብቲ በቲ ዝቐረበ ቓለ መጠይቓት ተሓጒሶም እዮም

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

የሆዋ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዚግበር ዕዮ ስብከት ባሪኽዎ እዩ