ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ተጠንቂቕካ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

• ነቲ ኣብ ሸፈጥ ኢድና ንኸነእቱ ዘሎና ዝንባለ ንኽንጻረሮ ኺሕግዘና ዚኽእል ሰለስተ ረቛሒታት እንታይ እዩ፧

(1) ፍርሃት ኣምላኽ ኣማዕብል። (1 ጴጥ. 3:12) (2) ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልና ኣማዕብል። (3) ዕግበት ንኸተጥሪ ኣበርቲዕካ ዕየ።​—15/4፡ ገጽ 6-7

• ንኣምላኽ ብርዝነት ምግልጋል ኪበሃል ከሎ፡ ኵሉ ሳዕ ተረርቲ ንኸውን ወይ ኣይንዘናጋዕን ማለት ከም ዘይኰነ ብኸመይ ንፈልጥ፧

ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ክንሓስብ ንኽእል ኢና። የሱስ ኣብ ጽቡቕ ሃዋህው ምስ ካልኦት ሓቢሩ ይምገብ ነበረ። ጸዋግን ተሪርን ከም ዘይነበረ ንፈልጥ ኢና። ቈልዑ እውን ከይተረፉ ኸይተሰከፉ ይቐርብዎ ነበሩ።​—15/4፡ ገጽ 10

• ሰብ ሓዳር፡ ውሉዳት ድሕሪ ምውላዶም ርክቦም ከም እተዳኸመ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎም፡ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ንሓድሕዶም ዘላቶም ፍቕሪ ኺገልጹ ኣለዎም። ሰብኣይ ነቲ ሰበይቱ ኺስምዓ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ስክፍታ ንምውጋድ ኪጽዕር ይኽእል እዩ። ክልቲኦም ድማ፡ ብዛዕባ ስምዒታውን ኣካላውን ድሌቶም ጽቡቕ ምርድዳእ ንኺህልዎም ኪጽዕሩ ኣለዎም።​—1/5፡ ገጽ 12-13

• እቲ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 11 ተገሊጹ ዘሎ ኦም ኣውልዕ እንታይ የመልክት፧

እቲ ኦም ኣውልዕ ነቶም ካልኣይ ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ መንፈሳውያን እስራኤልውያን የመልክት። የሆዋ ብሱር እቲ ኦም ዚምሰል ኪኸውን ከሎ፡ የሱስ ድማ ንጕንዲ እቲ ምሳልያዊ ኦም ኣውልዕ የመልክት። ዝበዝሑ ኻብቶም ብስጋ ኣይሁድ ንየሱስ ምስ ነጸግዎ፡ እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ኣህዛብ ኣብቲ ምሳልያዊ ኦም ኣውልዕ ተተኽሉ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ቍጽሪ እቶም ካልኣይ ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም መልአ።​—15/5፡ ገጽ 22-25

• ንድኻታት ብፍላይ እንታይ ዓይነት ብስራት ኢና ኸነበስሮም እንኽእል፧

ኣምላኽ ንየሱስ ንጉስ ኪኸውን ከም ዝሾሞ ዚገልጽ ብስራት ከነበስሮም ንኽእል ኢና። የሱስ ንድኽነት ኬጥፍእ ዚኽእል ፍጹም ገዛኢ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንዅሎም ደቂ ሰብ ኪገዝኦም እዩ፡ ስጕምቲ ንኺወስድ ዜድልዮ ሓይሊ ኸኣ ኣለዎ፣ ንድኻታት ይድንግጸሎም እዩ፣ ነቲ ጠንቂ ድኽነት ዝዀነ፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምድላይ ሓጥእ ዝንባለና ኼወግዶ ይኽእል እዩ።​—1/6፡ ገጽ 7

• የሱስ ንቀያፋ፡ “ንስኻኳ በልካ” ኺብሎ ኸሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧—ማቴ. 26:63, 64

እቲ “ንስኻኳ በልካ” ዚብል መግለጺ፡ ንሓቅነት እቲ ኣቐዲሙ እተዘርበ ሓሳብ ዜረጋግጽ ልሙድ ቍንቍኛ ኣይሁድ እዩ ነይሩ። እቲ ቀያፋ ዝስሙ ሊቀ ኻህናት ንየሱስ፡ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ እዩ ሓቲትዎ። እቲ የሱስ፡ “ንስኻኳ በልካ” ኢሉ ዝሃቦ መልሲ ድማ፡ ኣወንታዊ ምላሽ እዩ ነይሩ።​—1/6፡ ገጽ 18

• ዘርኢ እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ ኪዀኑ ዚኽእሉ ሰባት፡ ክፍሊ እቲ በጃ ኪዀኑ ይኽእሉ ድዮም፧

ኣይክእሉን። የሱስ ፍጹም ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ዘርኢ ኺህልውዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዘርኢ የሱስ ኪዀኑ ዚኽእሉ ሰባት ግና፡ ክፍሊ እቲ በጃ ኣይነበሩን። እቲ የሱስ ዝነበሮ ፍጹም ህይወት ጥራይ እዩ ምስ ህይወት ኣዳም ዚመዓራረ ነይሩ። (1 ጢሞ. 2:6)​—15/6፡ ገጽ 13

• ክርስትያናት ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30 ተመዝጊቡ ዘሎ ብዛዕባ መምህራን ሓሶት እተዋህበ መጠንቀቕታ ኣብ ልቦም ከም ዘሕደርዎ ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧

ንመምህራን ሓሶት ናብ ቤቶም ኣይቅበልዎምን፡ ወይ ሰላም ኣይብልዎምን እዮም። (ሮሜ 16:17፣ 2 ዮሃ. 9-11) ክርስትያናት፡ ናይ ከሓድቲ ጽሑፋት ኬንብቡ፡ ንዕኦም ዜቕርብ መደብ ተለቪዥን ኪርእዩ፡ ትምህርትታቶም ዝሓዘ ወብ ሳይት ኬንብቡ የብሎምን።​—15/7፡ ገጽ 15-16

• ንቘልዑ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪምህሮም ዚግባእ መን እዩ፧

ኣቦን ኣደን ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ምኽሪ ብምስምማዕ፡ ንቘልዑ ብዛዕባ ኣምላኽ ኣብ ምምሃር ኪካፈሉ ኣለዎም። (ምሳ. 1:8፣ ኤፌ. 6:4) ርኽበታት ከም ዚሕብሮ፡ ክልቲኦም ወለዲ ተሳትፎ ምግባሮም፡ ኣብ ቈልዑ ጠቓሚ ጽልዋ ኣለዎ።​—1/8፡ ገጽ 6-7