ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመሲሕ ተጸብዮምዎ

ንመሲሕ ተጸብዮምዎ

ንመሲሕ ተጸብዮምዎ

“እቶም ህዝቢ ኺጽበዩ ኸለዉ፡ ኵሎም ከኣ ብዛዕባ ዮሃንስ፤ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ ኢሎም በብልቦም ኪሐስቡ ኸለዉ።”​—ሉቃ. 3:15

1. ሓደ መልኣኽ ንገሊኣቶም ጓሶት እንታይ ኢሉ እዩ ኣበሲርዎም፧

 ጓሶት ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ነበሩ። እቶም ጓሶት፡ መልኣኽ የሆዋ ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሉ፡ ክብሪ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ዙርያኦም በሪሁ ምስ ረኣዩ፡ ኣዝዮም ተደነቑ። እቲ መልኣኽ፡ “እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፡—ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡—ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ” ኺብሎም ከሎ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ “ክርስቶስ ጐይታ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ንመሲሕ እዩ ዜመልክት። እቲ መልኣኽ ነቶም ጓሶት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ጥቓኦም ኣብ እትርከብ ከተማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ኺረኽብዎ ኸም ዚኽእሉ ሓበሮም። ሽዑ ብሃንደበት፡ “ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ፡” “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” እናበሉ ንየሆዋ ኣመስገንዎ።​—ሉቃ. 2:8-14

2. “መሲሕ” እንታይ ማለት እዩ፧ ኪልለ ዚከኣልከ ብኸመይ እዩ፧

2 እቶም ኣይሁዳውያን ጓሶት፡ “መሲሕ” ወይ “ክርስቶስ” ኪበሃል ከሎ ን“ቕቡእ” ኣምላኽ ከም ዜመልክት ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ዘጸ. 29:5-7) ኰይኑ ግና፡ እቲ መልኣኽ ዝጠቐሶ ሕጻን፡ የሆዋ ዝቐብኦ መሲሕ ምዃኑ ዝያዳ ፍልጠት ብምርካብ ንኻልኦት ሰባት ብኸመይ ኬእምንዎም ይኽእሉ፧ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ ትንቢታት ብምምርማር፡ ነዚ ኸኣ ምስ ንጥፈታትን ህይወትን እቲ ሕጻን ብምውድዳር እዮም ኬረጋግጹ ዚኽእሉ ነይሮም።

ሰባት ንመሲሕ እተጸበይዎ ስለምንታይ እዮም፧

3, 4. ንዳንኤል 9:24, 25 ብኸመይ ኢና እንርድኣ፧

3 ዓመታት ጸኒሑ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ስብከቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ገሊኣቶም ሰባት ብምኽንያት ዘረባኡን ተግባሩን፡ መሲሕ ዝመጸ መሲልዎም ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 3:15 ኣንብብ።) ነቲ ብዛዕባ “ሰብዓ ሰሙን” ዚገልጽ ንመሲሕ ዚምልከት ትንቢት ብልክዕ ዚርድእዎ ሰባት ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ እቲ መሲሕ መዓስ ከም ዚመጽእ ኪፈልጡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እቲ ትንቢት ብኸፊል፡ “እቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል ካብ ዚወጽእ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሲህ፡ መስፍን፡ ሾብዓተ ሰሙን እየን። . . . ስሳን ክልተን ሰሙን ድማ” ይብል። (ዳን. 9:24, 25) ሓያሎ ምሁራት፡ እዘን ሰሙናት እዚኣተን ናይ ዓመታት ሰሙናት ምዃነን ይሰማምዑ እዮም። ንኣብነት፡ እታ ጥቕሲ ብመሰረት ትርጕም 1990፡ “ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ ዓመታት ኪሓልፍ እዩ” ትብል።

4 ሎሚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እተን ኣብ ዳንኤል 9:25 ተጠቒሰን ዘለዋ 69 ሰሙን ወይ 483 ዓመት፡ ብ455 ቅ.ክ. ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ ንነህምያ ንየሩሳሌም ኪሕድሳን እንደገና ኺሃንጻን ፍቓድ ምስ ሃቦ ኸም ዝጀመራ ይፈልጡ እዮም። (ነህ. 2:1-8) እዘን ሰሙናት እዚኣተን ድሕሪ 483 ዓመት፡ ማለት ብ29 ድ.ክ. የሱስ ብዓል ናዝሬት ምስ ተጠምቀ ተዛዘማ፣ ኣብቲ እዋን እቲ፡ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐብአ፡ መሲሕ ከኣ ኰነ።​—ማቴ. 3:13-17 *

5. ከመይ ዝኣመሰለ ትንቢታት ኢና ኽንምርምር፧

5 ካብቲ ኣብ ውልደትን ንእስነትን ኣገልግሎትን የሱስ እተፈጸመ ንመሲሕ ዚምልከት ሓያሎ ትንቢታት፡ ሒደት እስከ ንመርምር። ከምኡ ምግባርና፡ ነታ ኣብቲ ትንቢታዊ ቓል ኣምላኽ ዘላትና እምነት ኬደልድላ እዩ። ብዘይካዚ፡ የሱስ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ዜርኢ ንጹር መርትዖ ኽንረክብ ኢና።

ብዛዕባ ንእስነቱ ዚገልጽ ትንቢት

6. ዘፍጥረት 49:10 ብኸመይ ከም እተፈጸመት ግለጽ።

6 እቲ መሲሕ ካብ ነገድ ይሁዳ ኸም ዚመጽእ ተሓቢሩ ነይሩ። እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ያእቆብ፡ ኣብ ኣጋ ሞቱ ንደቁ ኺባርኾም ከሎ፡ “ሺሎ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ካብ ይሁዳ በትሪ፡ ዘንጊ ገዛኢ ኸኣ ካብ ማእከል ኣእጋሩ ኣይዝምብልን። ህዝብታት ይእዘዝዎ” ኢሉ ተነበየ። (ዘፍ. 49:10) ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁዳውያን ምሁራት፡ ነተን ቃላት ምስቲ መሲሕ የተሓሕዝወን እዮም። እቲ ንጉስ ይሁዳ ዝነበረ ዳዊት ኪገዝእ ካብ ዚጅምር ንነጀው፡ በትሪ (ንጉሳዊ ስልጣን) ከምኡውን ዘንጊ ገዛኢ (ግዝኣት) ካብ ነገድ ይሁዳ ኣይዘምበለን። እታ “ሺሎ” እትብል ቃል፡ “ናቱ፡ ወናኒ” ማለት እያ። ኣምላኽ ነቲ ናይ መወዳእታ ንጉስ ይሁዳ ዝነበረ ጼድቅያስ፡ ንጉሳዊ መስመር ይሁዳ፡ “ሺሎ” ኺገዝእ ምስ ጀመረ ኸም ዚዛዘም፡ እቲ ንግስነት ከኣ ነቲ ሕጋዊ መሰል ዘለዎ ኸም ዚወሃብ ነገሮ። (ህዝ. 21:26, 27) ካብ ዘርኢ ዳዊት፡ ድሕሪ ጼድቅያስ ንግስነት ከም ዚረክብ መብጽዓ እተገብረሉ፡ የሱስ ጥራይ እዩ ነይሩ። ገና ኸይተወልደ ኸሎ፡ ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን” በላ። (ሉቃ. 1:32, 33) ስለዚ እምበኣር፡ ሺሎ፡ እቲ ኻብ ዘርኢ ይሁዳን ዳዊትን ዝመጸ የሱስ ክርስቶስ ኪኸውን ኣለዎ።​—ማቴ. 1:1-3, 6፣ ሉቃ. 3:23, 31-34

7. እቲ መሲሕ ኣበይ እዩ ተወሊዱ፧ እዚኸ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

7 እቲ መሲሕ ኣብ ቤት-ልሄም ከም ዚውለድ ተገሊጹ ነይሩ። ነብዪ ሚክያስ፡ “ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነአስኪ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፡ እቲ ምውጻኡ ኻብ ጥንቲ ኻብ ዘለኣለም ዝዀነ፡ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኺወጸለይ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሚክ. 5:2) እቲ መሲሕ ኣብታ ኣብ ይሁዳ እትርከብ፡ ምናልባት ኤፍራታ ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ቤት-ልሄም ከም ዚውለድ ተገሊጹ ነይሩ እዩ። ማርያም ኣደ የሱስን እቲ ዘዕበዮ ዮሴፍ ኣቦኡን ተቐማጦ ናዝሬት እኳ እንተ ነበሩ፡ ሮማውያን ኵሉ ሰብ ኪጸሓፍ ትእዛዝ ምስ ኣውጽኡ ግና ናብ ቤት-ልሄም ኪኸዱ ተገደዱ፣ ብ2 ቅ.ክ. ከኣ የሱስ ኣብኡ ተወልደ። (ማቴ. 2:1, 5, 6) ከመይ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ፍጻመ ትንቢት ኰን እዩ!

8, 9. ብዛዕባ ውልደት እቲ መሲሕን ብዛዕባ እቲ ቐጺሉ ዘጋጠመ ፍጻመታትን ዚገልጽ እንታይ ትንቢት እዩ ተነጊሩ ነይሩ፧

8 እቲ መሲሕ ካብ ድንግል ከም ዚውለድ ተነጊሩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 7:14 ኣንብብ።) ኢሳይያስ 7:14፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ ምዃና እያ እትገልጽ። ብቛንቋ እብራይስጢ ንድንግል ዜመልክታ በቱላህኣልማህን ዚብላ ቓላት ኣለዋ። እታ ኣብ ኢሳይያስ ተጠቒሳ ዘላ ቓል፡ ኣልማህ እትብል ኰይና፡ “ጓል” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ፣ ርብቃ ቕድሚ መርዓኣ በዛ ቓል እዚኣ እያ ተረቚሓ ነይራ። (ዘፍ. 24:16, 43) ማቴዎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ኢሳይያስ 7:14 የሱስ ኣብ እተወልደሉ እዋን ከም እተፈጸመት ሓበረ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸኣ፡ ነታ ን“ድንግል” እተመልክት ፓርቲኖስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ተጠቕመ። እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝዀኑ ማቴዎስን ሉቃስን፡ ማርያም ድንግል ከም ዝነበረትን ብመንፈስ ኣምላኽ ከም ዝጠነሰትን ገሊጾም እዮም።​—ማቴ. 1:18-25፣ ሉቃ. 1:26-35

9 ድሕሪ ውልደት እቲ መሲሕ፡ ሕጻናት ከም ዚቕተሉ ተሓቢሩ ነይሩ። ዘመናት ኣቐዲሙ፡ ፈርኦን ግብጺ፡ ኵሎም ዕሸላት እብራውያን ኣወዳት ናብ ፈለግ ኒል ኪድርበዩ ኣብ ዝኣዘዘሉ እዋን፡ ተመሳሳሊ ነገር ተፈጺሙ ነበረ። (ዘጸ. 1:22) ይኹን እምበር፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ኤርምያስ 31:15, 16 ዚርከብ ጸብጻብ ኣቓልቦ ኺግበረሉ ዚግባእ እዩ፣ ኣብቲ ጸብጻብ፡ ራሄል ብምኽንያት እቶም ናብ “ሃገር ጸላኢ” እተወስዱ ደቃ ኸም ዝበኸየት ተገሊጹ ነይሩ እዩ። ብኽያት ራሄል ክሳብ ራማ፡ ማለት ክሳብ እቲ ብሰሜናዊ ሸነኽ የሩሳሌም ዝነበረ ግዝኣት ብንያም እዩ ተሰሚዑ። ማቴዎስ፡ ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ቤት-ልሄምን ኣብ ኵሉ ጐደቦታትን ዘለዉ ሕጻናት ኪቕተሉ ኣብ ዝኣዘዘሉ እዋን፡ ቃላት ኤርምያስ ከም እተፈጸመ ገለጸ። (ማቴዎስ 2:16-18 ኣንብብ።) ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረ ሓዘን እሞ ገምቶ!

10. ሆሴእ 11:1 ኣብ የሱስ ብኸመይ ከም እተፈጸመት ግለጽ።

10 እቲ መሲሕ፡ ልክዕ ከም እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኸም ዚጽዋዕ ተገሊጹ ነይሩ። (ሆሴ. 11:1) ሄሮድስ ንሕጻናት ኬቕትል ቅድሚ ምጅማሩ፡ ሓደ መልኣኽ ንዮሴፍ፡ ንማርያምን ንየሱስን ሒዝዎም ናብ ግብጺ ኪኸይድ ኣዘዞ። ዮሴፍ ከኣ፡ “እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ [ሆሴእ]፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ፡ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍጸም ድማ፡ ሄሮድስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኣ ጸንሔ።” (ማቴ. 2:13-15) ልክዕ እዩ፡ የሱስ፡ እቲ ምስ ውልደቱን ምስ ንእስነቱን ዚተሓሓዝ ትንቢታት ምእንቲ ኺትግበር፡ ኪቈጻጸሮ ኣይክእልን እዩ ነይሩ።

እቲ መሲሕ ኣገልግሎቱ ጀመረ

11. ንቕቡእ የሆዋ ኣቐዲሙ መገዲ እተዳለወሉ ብኸመይ እዩ፧

11 ንቕቡእ ኣምላኽ ኣቐዲሙ መገዲ ኸም ዚዳለወሉ ተነጊሩ ነይሩ። ሚልክያስ፡ “ነብዪ ኤልያስ” ንልቢ እቶም ህዝቢ ናይ ምድላው ዕዮ ኸም ዚዓዪ ተነብዩ ነይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንምምጻእ እቲ መሲሕ ንኺዳለዉ ዚዕየ ዕዮ እዩ ነይሩ። (ሚልክያስ 4:5, 6 ኣንብብ።) እቲ ኣብዚ “ኤልያስ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ንዮሃንስ መጥምቕ ከም ዜመልክት፡ የሱስ ባዕሉ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 11:12-14) ማርቆስ እውን፡ ኣገልግሎት ዮሃንስ ንትንቢታዊ ቓላት ኢሳይያስ ከም ዝፈጸሞ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 40:3፣ ማር. 1:1-4) የሱስ ንዮሃንስ፡ ከም ኤልያስ ኰይኑ መገዱ ኺጸርገሉ ኣይነገሮን። የግዳስ፡ ሰባት ነቲ መሲሕ ምእንቲ ኼለልይዎ፡ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ንዮሃንስ ዕዮ ኤልያስ ኪዓዪ መሪጽዎ።

12. ኣየናይ ዕዮ እዩ ንመሲሕ ከነለልዮ ዚሕግዘና፧

12 ኣምላኽ ነቲ መሲሕ፡ መዝነት ከም ዚህቦ ተሓቢሩ ነይሩ። የሱስ ኣብታ ዝዓበየላ ኸተማ ናዝሬት ኣብ ዚርከብ ቤት ጸሎት፡ ካብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ኣንቢቡ፡ ነቲ ዘንበቦ ኣብ ርእሱ ኣውዓሎ፣ ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለአኸኒ።” የሱስ ናይ ሓቂ መሲሕ ስለ ዝነበረ፡ “እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ” ኺብል ይኽእል ነበረ።​—ሉቃ. 4:16-21

13. እቲ የሱስ ኣብ ገሊላ ዝገበሮ ህዝባዊ ኣገልግሎት ብትንቢት እተገልጸ ብኸመይ እዩ፧

13 እቲ መሲሕ ኣብ ገሊላ ህዝባዊ ኣገልግሎቱ ኸም ዚጅምር ተገሊጹ ነይሩ። ኢሳይያስ ብዛዕባ “ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን . . . ናይ ኣህዛብ ገሊላ”ን ኪገልጽ ከሎ፡ “እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዚነብሩውን ብርሃን ኣብርሃሎም” ኢሉ ጸሓፈ። (ኢሳ. 9:1, 2) የሱስ ህዝባዊ ኣገልግሎቱ ኣብ ገሊላ ጀመረ፣ ኣብታ ብዙሓት ተቐማጦ ዛብሎንን ንፍታሌምን ዚነብሩላ ዝነበሩ ቅፍርናሆም ኰይኑ ኸኣ መንፈሳዊ ብርሃን ኣብርሀ። (ማቴ. 4:12-16) ገሊላ፡ የሱስ ነቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ዘቕረበሉ፡ ንሃዋርያቱ ዝመረጸሉ፡ ናይ መጀመርታ ተኣምር ዝፈጸመሉ፡ ከምኡውን ድሕሪ ኻብ ሞት ምትንሳኡ ን500 ደቀ መዛሙርቱ እተራእየሉ ቦታ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 5:1–7:27፣ 28:16-20፣ ማር. 3:13, 14፣ ዮሃ. 2:8-11፣ 1 ቈረ. 15:6) በዚ ኸምዚ፡ ኣብ “ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን” ስለ ዝሰበኸ፡ ንትንቢት ኢሳይያስ ፈጺምዎ እዩ። ልክዕ እዩ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት እስራኤል እውን ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኹ እዩ።

ብዛዕባ ኻልእ ንጥፈታት እቲ መሲሕ ዚገልጽ ትንቢታት

14. መዝሙር 78:2 ኣብ የሱስ እተፈጸመት ብኸመይ እያ፧

14 እቲ መሲሕ ብምሳልያዊ ዛንታ ወይ ብምሳሌ ኸም ዚዛረብ ተነጊሩ ነይሩ። እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝዀነ ኣሳፍ፡ “ኣፈይ ብምስላ እኸፍት” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 78:2) እዚ ትንቢት እዚ ንየሱስ ከም ዜመልክት ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ማቴዎስ፡ እዚ ትንቢት እዚ ብኸመይ ከም እተፈጸመ ሓቢሩና ኣሎ። ነቲ የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዚምልከት ኪምህር ከሎ እተጠቕመሉ ብዛዕባ ፍረ ኣድርን ማይ ብሑቝን ዚገልጽ ምሳሌ ድሕሪ ምጥቃስ፡ “የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ፡ እቲ ብነብዪ፤ ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነበረ እነግር፡ ተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኺፍጸም ኢሉ፡ እዚ ዅሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን” በለ። (ማቴ. 13:31-35) ሓደ ኻብቲ የሱስ ብውጽኢታዊ መገዲ ንምምሃር ዚጥቀመሉ ዝነበረ መገድታት፡ ምሳልያዊ ዛንታ እዩ ነይሩ።

15. ኢሳይያስ 53:4 ብኸመይ ከም እተፈጸመት ግለጽ።

15 እቲ መሲሕ ንሕማምና ኸም ዚጸውር ተሓቢሩ ነይሩ። ኢሳይያስ፡ “ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዐኖ” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳ. 53:4) ማቴዎስ፡ “እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፤ ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረ፡ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡” የሱስ ንሓማት ጴጥሮስን ንብዙሓት ሰባትን ከም ዘሕወየ ገለጸ። (ማቴ. 8:14-17) እዚ ፍጻመ እዚ ግና፡ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ የሱስ ንሕሙማት ዘሕወየሉ ሓያሎ ፍጻመታት፡ እቲ ሓደ እዩ።

16. ሃዋርያ ዮሃንስ፡ የሱስ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 53:1 ዚርከብ ትንቢት ከም ዝፈጸሞ ዝሓበረ ብኸመይ እዩ፧

16 እቲ መሲሕ ብዙሕ ጽቡቕ እኳ እንተ ገበረ፡ ብዙሓት ብእኡ ኸም ዘይኣምኑ ተገሊጹ ነይሩ። (ኢሳይያስ 53:1 ኣንብብ።) ሃዋርያ ዮሃንስ፡ እዚ ትንቢት እዚ ኸም እተፈጸመ ኺገልጽ ከሎ፡ “[የሱስ] እዚ ኽንድዚ ዚአክል ተኣምራት እኳ ኣብ ቅድሚኦም እናገበረ ኽነሱ፡ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ፤ ጐይታይ፡ ንምስክርናኸ መን አመኖ፧ ቅልጽም እግዚኣብሄርሲ ንመን ተጋህደ፧ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብእኡ ኣይአመኑን” ኢሉ ጸሓፈ። (ዮሃ. 12:37, 38) ዓመታት ጸኒሑ እውን እንተ ዀነ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ይሰብከሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ የሱስ መሲሕ ምዃኑ ዘይኣምኑ ብዙሓት ሰባት ነይሮም እዮም።​—ሮሜ 10:16, 17

17. ዮሃንስ፡ መዝሙር 69:4 ኸም እተፈጸመት ዝሓበረ ብኸመይ እዩ፧

17 እቲ መሲሕ ብኸንቱ ኸም ዚጽላእ ተነጊሩ ነይሩ። (መዝ. 69:4) ሃዋርያ ዮሃንስ ንየሱስ ጠቒሱ ኸምዚ በለ፦ “[ነቶም ህዝቢ] ኻልእ ዘይገበሮ ግብሪ እንተ ዘይገብረሎም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና። እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎም፤ ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ፡ ጽሑፍ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዝዀነ።” (ዮሃ. 15:24, 25) እታ “ሕጊ” እትብል ቃል፡ መብዛሕትኡ እዋን ንብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት እያ እተመልክት። (ዮሃ. 10:34፣ 12:34) ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ጸብጻብ፡ የሱስ ብፍላይ ብመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ከም እተጸልአ የረጋግጽ እዩ። ክርስቶስ እውን፡ “ዓለም ንኣኻትኩም ክትጸልእ ኣይከአላን፡ ንኣይ ግና፡ ግብራ ኽፉእ ምዃኑ እምስክር እየ እሞ፡ ትጸልኣኒ እያ” ኢሉ ነይሩ እዩ።​—ዮሃ. 7:7

18. የሱስ መሲሕ ምዃኑ ንዘሎና እምነት ዜደልድል እንታይ ተወሳኺ ምርምር ኢና ኽንገብር፧

18 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ፡ የሱስ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ መሲሓዊ ትንቢታት ስለ ዝፈጸሞ፡ መሲሕ ምዃኑ ርግጸኛታት እዮም ነይሮም። (ማቴ. 16:16) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ገሊኡ ትንቢታት ብግዜ ንእስነትን ኣገልግሎትን የሱስ ብዓል ናዝሬት ከም እተፈጸመ ርኢና ኢና። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ከኣ፡ ተወሳኺ መሲሓዊ ትንቢታት ክንምርምር ኢና። ነዚ ትንቢታት እዚ ብጸሎት ኣዕሚቝና ንሓስበሉ እንተ ዄንና፡ የሱስ ክርስቶስ ብሓቂ በቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ እተቐብአ መሲሕ ምዃኑ ዘሎና እምነት ኪድልድል እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 4 ብዛዕባ እተን “ሰብዓ ሰሙን” ዚገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 ርአ

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሱስ ኪውለድ ከሎ፡ እንታይ ትንቢታት እዩ ተፈጺሙ፧

• ነቲ መሲሕ ኣቐዲሙ መገዲ እተዳለወሉ ብኸመይ እዩ፧

• እንታይ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 53 ዚርከብ ትንቢታዊ ቓላት እዩ ኣብ የሱስ እተፈጸመ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]