ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምልኾ ስድራ ቤትን ንብሕታዊ መጽናዕትን ዚኸውን ሓሳባት

ንኣምልኾ ስድራ ቤትን ንብሕታዊ መጽናዕትን ዚኸውን ሓሳባት

ንኣምልኾ ስድራ ቤትን ንብሕታዊ መጽናዕትን ዚኸውን ሓሳባት

ኣብ መጀመርታ 2009፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መደብ ኣኼባታተን ኣተዓራርየን እየን። ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ዝነበረ ኽልተ ኣኼባታት ብሓደ ስለ እተጠርነፈ፡ ኵሎም ኣስፋሕቲ ነታ ኣኼባ ዘይህልወላ ምሸት፡ ንኣምልኾ ስድራ ቤት ወይ ንብሕታዊ መጽናዕቲ ኺጥቀሙላ ተተባቢዖም እዮም። ነዚ ሓድሽ መሰናድዎ እዚ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧ ካብኡኸ ጥቕሚ ትረክብዶ ኣለኻ፧

ገሊኣቶም ኣስፋሕቲ፡ ንኣምልኾ ስድራ ቤት ዚኸውን ጽሑፍ ኣብ ምምራጽ ይጽገሙ እዮም። ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ኵለን ስድራ ቤታት ዚስዕባኦ ሓደ ዓይነት መደብ ኬውጽእ ኣይደልን እዩ። ኵነታት ስለ ዚፈላለ፡ ነፍሲ ወከፍ ርእሲ ስድራ ቤት ወይ ውልቀ-ሰብ፡ ነቲ መሰናድዎ ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ኺጥቀመሉ ኸም ዚኽእል ኪሓስብ ኣለዎ።

ገሊኣቶም ነቲ ግዜ፡ ንኣኼባታት ጉባኤ ኣብ ምድላው የውዕልዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብኡ እተሓጽረ ኪኸውን ኣለዎ ማለት ግና ኣይኰነን። ገሊኣቶም የንብቡን ይመያየጡን እዮም፣ ብፍላይ ንኣሽቱ ቘልዑ እንተ ኣልዮምዎም ከኣ፡ ንቕዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ብመልክዕ ድራማ የቕርብዎ እዮም። ከምቲ ኣብ ስሩዕ ኣኼባታት ዚግበር፡ ኵሉ ሳዕ ብሕቶን መልስን ጥራይ ኪኸውን ኣድላዪ ኣይኰነን፣ ባህ እውን ኣየብልን እዩ። ውዕዉዕ ምይይጥ ንምግባርን እሂን ምሂን ንምብህሃልን፡ ባህ ዜብል ሃዋህው ኪህሉ ኣገዳሲ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው፡ መሃዚ ኸም እትኸውን ስለ ዚገብር፡ እቲ ምይይጥ ዘይርሳዕን ዜሐጕስን እዩ ዚኸውን።

ኣቦ ሰለስተ ውሉዳት ዝዀነ ሓደ ሓው ከምዚ በለ፦ “መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምምይጥ ኢና እንገብር። ነፍሲ ወከፍና ኣቐዲምና ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰነ ምዕራፋት ነንብብ፣ ደቅና ኸኣ እተወሰነ ምርምር ገይሮም ይመጹ እሞ፡ ብዛዕባኡ ይነግሩና። ማይክል [ወዲ ሸውዓተ] መብዛሕትኡ እዋን ስእሊ ስኢሉ ወይ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ጽሒፉ እዩ ዚመጽእ። ዴቪድን ኬትሊንን [ደቂ 13ን 15ን] ከኣ፡ ሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዓይኒ ሓደ ተዓዛቢ ኺርአ ኸሎ ኸመይ ከም ዚመስል ጽሒፎም ይመጹ። ንኣብነት፡ ዮሴፍ ንሕልሚ እቶም ኣሰላፍ ሜስን ሰንካት እንጌራን ፈርኦን ዝነበሩ ሰባት ከም ዚፈትሐ ብዛዕባ ዚገልጽ ዛንታ ኸነንብብ ከለና፡ ኬትሊን፡ እቲ ትርኢት ብዓይኒ ሓደ ኣብኡ ዝነበረ እሱር ከመይ ኪመስል ከም ዚኽእል ዚገልጽ ቴማ ጸሓፈት።”​—ዘፍ. ምዕ. 40

ሓቂ እዩ፡ ኵነታት ይፈላለ እዩ። ንሓደ ውልቀ-ሰብ ወይ ስድራ ቤት ዚኸውን መደብ፡ ንኻልእ ግብራዊ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ሳጹን ዚርከብ ሓሳባት፡ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ወይ ኣብ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ካልእ ሓሳባት እውን ኪመጸልካ ይኽእል ይኸውን።

[ኣብ ገጽ 6, 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

የዝጐበዙ ደቂ ንዘለዉወን ስድራ ቤታት

• ካብታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍ ኣንቢብኩም ተመያየጡ።

• ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ትነብሩ ኸም ዝነበርኩም ጌርኩም ሕሰቡ። (ናይ 15 ግንቦት 1996 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 14፡ ሕጡብ ጽሑፍ 17-18 ርአ።)

• ብዛዕባ ኣብ ነዊሕን ሓጺርን ግዜ ዚብጻሕ ሸቶታት ተዘራረቡ።

• ሓሓሊፍኩም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ቪድዮ ርኢኹም ተመያየጡ።

• ነቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዚወጽእ “ንመንእሰያት” ዚብል ዓምዲ ተመያየጡሉ።

ውሉዳት ንዘይብሎም ሰብ ሓዳር

• ካብታ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ንምዕራፍ 1311-16 ተመያየጡሉ።

• ነቲ ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምርምርኩም ተዘራረቡሉ።

• ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ወይ ንመጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ተዳለዉ።

• ከም ሰብ ሓዳር መጠን ኣገልግሎትኩም ከተስፍሑ ብዛዕባ እትኽእሉሉ መገድታት ተመያየጡ።

ንንጽል ኣሕዋትን ኣሓትን ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት ንዚነብሩን

• ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ዝወጸ ሓድሽ ጽሑፍ ኣጽንዑ።

• እዋናዊ ዀነ ዝሓለፈ መጽሓፍ ዓመት ኣንብቡ።

• ኣብቲ ዘለኹምሉ ኽሊ ብዛዕባ ዚለዓል ልሙድ ሕቶታት ምርምር ግበሩ።

• ንኣገልግሎት ወፍሪ ዚኸውን ኣቀራርባ ተዳለዉ።

ንኣሽቱ ውሉዳት ንዘለዉወን ስድራ ቤታት

• ንዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ብመልክዕ ድራማ ኣቕርብዎ።

• ኣብ ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 30ን 31ን ዚወጽእ ጸወታታት ተጻወቱ።

• ሓሓሊፍኩም፡ ሓድሽ ነገር ምሃዙ። (ነታ ኣብ ናይ 15 ለካቲት 2011 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 11 ዝወጸት፡ “ጻማ ኣለዎ!” እትብል ዓንቀጽ ርአ።)

• ነቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዚወጽእ “ንደቅኻ ምሃሮም” ዚብል ዓምዲ ተመያየጡሉ።