ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር ሰላም ስዓቡ

ኣስኣሰር ሰላም ስዓቡ

ኣስኣሰር ሰላም ስዓቡ

“ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገር . . . ንስዐብ።”​—ሮሜ 14:19

1, 2. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓድሕዶም ሰላም ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧

 ኣብዛ ዘለናላ ዓለም፡ ናይ ሓቂ ሰላም ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ። ተመሳሳሊ ዓሌትን ሓደ ዓይነት ቋንቋን ዘለዎም ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ፍልልይ ኣለዎም። ብኣንጻሩ ግና፡ ህዝቢ የሆዋ፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን” ዝመጹ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ሰላም ኣለዎም።​—ራእ. 7:9

2 እቲ ኣብ ንሓድሕድና ዘሎ ሰላም፡ ብሃንደበት ዝመጸ ኣይኰነን። ብቐንዱ ኣብቲ ንሓጢኣትና ኺድምስስ ኢሉ ደሙ ዘፍሰሰ ወዲ ኣምላኽ ብምእማንናን ‘ምስ ኣምላኽ ሰላም ኪህልወና ብምኽኣሉን’ እዩ። (ሮሜ 5:1፣ ኤፌ. 1:7) ብዘይካዚ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንእሙናት ኣገልገልቱ፡ መንፈስ ቅዱስ ይህቦም እዩ፣ ፍረ እዚ መንፈስ እዚ ኸኣ፡ ሰላም ዜጠቓልል እዩ። (ገላ. 5:22) ሰላማዊ ሓድነት ከም ዚህልወና ዚገብር ካልእ ምኽንያት ከኣ፡ ‘ካብ ዓለም ዘይምዃንና’ እዩ። (ዮሃ. 15:19) ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ኢና። ‘ንኣስያፍና ናብ ማሕረሻታት ስለ ዝቐየርናዮ፡’ ኣብ ሃገራዊ ዀነ ኣብ ኣህጉራዊ ውግእ ኣይንካፈልን ኢና።​—ኢሳ. 2:4

3. ኣብ ንሓድሕድና ዘሎና ሰላም፡ እንታይ ክንገብር እዩ ዚድርኸና፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣብ ንሓድሕድና ሰላም ኣሎና ኺበሃል ከሎ፡ ንኣሕዋትና ኣይንጐድኦምን ማለት ጥራይ ኣይኰነን። እታ ዘለናላ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ እተፈላለየ ዓሌትን ባህልን ብዝመጹ ሰባት ዝቘመት እኳ እንተ ዀነት፡ ‘ንሓድሕድና ንፋቐር’ ኢና። (ዮሃ. 15:17) ሳላ እቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ሰላም፡ ‘ንዅሉ ሰብ፡ ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንገብር’ ኢና። (ገላ. 6:10) ስለዚ፡ ነቲ ሰላም ዝሰፈኖ መንፈሳዊ ገነትና ኣኽቢርና ኽንርእዮን ክንሕልዎን ኣሎና። ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ ኣስኣሰር ሰላም ከም እንስዕብ እስከ ቐጺልና ንመርምር።

ዘይምርድዳእ ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን

4. ንሓውና እንተ ኣጕሂናዮ፡ ምስኡ ንኽንተዓረቕ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

4 ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ፡ ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ . . . ብቑዕ ሰብኣይ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእ. 3:2) ስለዚ፡ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ዘይምስምማዕን ዘይምርድዳእን ኬጋጥም ይኽእል እዩ። (ፊል. 4:2, 3) ይኹን እምበር፡ ነቲ ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ዚለዓል ጸገም፡ ንሰላም እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸይዘረግካ ኺፍታሕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ንሓውና ኣጕሂናዮ ኸም ዘለና ምስ ፈለጥና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ዚግባእ ምኽሪ እስከ ንርአ።​—ማቴዎስ 5:23, 24 ኣንብብ።

5. ካልኦት ኬጕህዩና ኸለዉ ኣስኣሰር ሰላም ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 ካልእ ሰብ ንዓና እንተ ኣጕህዩናኸ፧ እቲ ዘጕሃየና ሰብ መጺኡ ይቕረ ኽንብለሉ ኽሳዕ ዚሓትተና ዲና ኽንጽበ ዘሎና፧ ቀዳማይ ቈረንቶስ 13:5፡ “[ፍቕሪ] ኣይትቕየምን እያ” ትብል። ሓደ ሰብ ኬጕህየና ኸሎ ይቕረ ንብለሉን ንርስዖን እንተ ዄንና፡ ኣስኣሰር ሰላም ንስዕብ ኣሎና ማለት እዩ፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘ኣይንቕየምን።’ (ኤፌሶን 4:32 ኣንብብ።) በብመዓልቱ ንዜጋጥም ንኣሽቱ ጌጋታት በዚ መገዲ እዚ ንፈትሖ እንተ ዄንና፡ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ሰላማዊ ርክብ ይህልወና፣ ናይ ኣእምሮ ሰላም ከኣ ንረክብ። ሓደ ጥበብ ዝሓዘለ ምስላ፡ “ንበደል ምሕላፍ [ንሰብ] ክብረቱ እዩ” ይብል።​—ምሳ. 19:11

6. ነቲ እተበደልናዮ በደል ዕሽሽ ክንብሎ እንተ ዘይክኢልና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

6 ነቲ እተበደልናዮ በደል ዕሽሽ ክንብሎ እንተ ዘይከኣልናኸ፧ ንዝረኸብናዮ ዘበለ ሰብ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ክንነግር ጥበባዊ ኣይኰነን። ከምዚ ዓይነት ወረ ንሰላም እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እዩ ዚዘርጎ። እሞኸ ነቲ ጕዳይ ብሰላም ንምፍታሕ እንታይ ኢና ኽንገብር ዚግብኣና፧ ማቴዎስ 18:15፡ “ሓውኻ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውኻ ረባሕካዮ” ትብል። ኣብ ማቴዎስ 18:15-17 ዚርከብ ሓሳብ ንኸቢድ ሓጢኣት ዜመልክት እኳ እንተ ዀነ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ቍጽሪ 15 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ግና፡ ንበይንና ናብቲ ዘጕሃየና ሰብ ኬድና፡ ብሕያውነት ከነዘራርቦን ምስኡ ንምትዕራቕ ክንጽዕርን ኣሎና። *

7. ነቲ እተላዕለ ዘይምርድዳእ ቀልጢፍና ኸነደቅሶ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሀብዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 4:26, 27) የሱስ እውን፡ “ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ” በለ። (ማቴ. 5:25) ስለዚ፡ ኣስኣሰር ሰላም ምስዓብ ኪበሃል ከሎ፡ ነቲ እተላዕለ ዘይምርድዳእ ቀልጢፍካ ምድቃሱ ዜጠቓልል እዩ። ስለምንታይ፧ ከምኡ እንተ ዘይጌርና፡ እቲ ዘይምርድዳእ ልክዕ ከም ዘይተሓከመ ቝስሊ እናዓበየ ኪኸይድ ይኽእል እዩ። ኵርዓትን ቅንእን ፍቕሪ ገንዘብን፡ ነቲ እተላዕለ ዘይምርድዳእ ቀልጢፍና ንኸይነደቅሶ ኺዓግተና ኣይነፍቅድ።​—ያእ. 4:1-6

ንብዙሓት ዜጠቓልል ጸገም ኣብ ዚለዓለሉ እዋን

8, 9. (ሀ) ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ሮሜ፡ ከመይ ዝበለ ዘይምርድዳእ እዩ ኣጋጢሙ፧ (ለ) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ምኽሪ እዩ ሂብዎም፧

8 ሓድሓደ ግዜ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዜጋጥም ዘይምስምማዕ፡ ንኽልተ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብዙሓት ሰባት ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቶም ሃዋርያ ጳውሎስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ መልእኽቲ ዝጸሓፈሎም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎም። ኣብ መንጎ እቶም ካብ ኣይሁድን ካብ ኣህዛብን ዝመጹ ክርስትናያት፡ ዘይምርድዳእ ተላዕለ። ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ገሊኣቶም ክርስትያናት፡ ነቶም ድኹም ወይ ኣመና ቐያዲ ሕልና ዝነበሮም ክርስትያናት ይንዕቅዎም ነበሩ። ኣብ ናይ ካልኦት ብሕታዊ ጕዳያት እናኣተዉ ኸኣ ይፈርዱ ነበሩ። እሞኸ ጳውሎስ ነታ ጉባኤ እንታይ ምኽሪ ሃባ፧​—ሮሜ 14:1-6

9 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ክልቲኡ ወገን ዝነበሩ ውልቀ ሰባት መኸሮም። ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኸም ዘይኰኑ ዚርድኡ ክርስትያናት ድማ፡ ንኣሕዋቶም ኪንዕቅዎም ከም ዘይብሎም ነገሮም። (ሮሜ 14:2, 10) ከመይሲ፡ ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ፡ ነቶም ኣብ ሕጊ ዘይተፈቕደ ነገር ኪበልዑ ዚኸብዶም ኣመንቲ ዚዕንቅፍ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ጳውሎስ፡ “ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶ” ኢሉ መዓደ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ሓውካ ዚዕንቀፈሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ጽቡቕ እዩ” በለ። (ሮሜ 14:14, 15, 20, 21) ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ጳውሎስ ነቶም ኣመና ቐያዲ ሕልና ዘለዎም ክርስትያናት፡ ነቶም ዝሰፍሐ ኣረኣእያ ዘለዎም ኣሕዋቶም ከይፈርድዎም መኸሮም። (ሮሜ 14:13) ‘ብዛዕባ ርእሶም ብልክዕ ኪሓስቡ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦም ኣዕዚዞም ከይሓስቡ’ ኸኣ መዓዶም። (ሮሜ 12:3) ንኽልቲኦም ወገናት ድሕሪ ምምካሩ፡ “እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሀንጽን ንስዐብ” ኢሉ ጸሓፈ።​—ሮሜ 14:19

10. ከምታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ሮሜ ዝገበረቶ፡ ሎሚ ዘለዉ ዘይምርድዳእ ዘጋጠሞም ክርስትያናት እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

10 እታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ጉባኤ ንምኽሪ ጳውሎስ ተቐቢላ፡ ኣድላዪ ምትዕርራይ ከም ዝገበረት ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሎሚ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዝዀኑ ክርስትያናት ዘይምርድዳእ ኬጋጥም ከሎ፡ ብፍቕራውን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ደይኰንናን ክንፈትሖ ዘሎና፧ ከምቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝገበርዎ፡ ሎሚ ዘለዉ ዘይምርድዳእ ዜጋጠሞም ክርስትያናት እውን፡ ‘ንሓድሕዶም ብሰላም ምእንቲ ኺነብሩ፡’ ምትዕርራያት ኪገብሩ የድልዮም ይኸውን።​—ማር. 9:50

ሓገዝ ክንህብ ኣብ ዜድልየሉ እዋን

11. ሓደ ክርስትያን ንሓደ ሽማግለ፡ ብዛዕባ ምስ ኣማኒ ዝዀነ ብጻዩ ዘጋጠሞ ዘይምርድዳእ ኬዘራርቦ እንተ ደልዩ፡ እቲ ሽማግለ እንታይ ጥንቃቐ ኺገብር ኣለዎ፧

11 ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ምስ ዘመዱ ወይ ምስ ኣማኒ ዝዀነ ብጻዩ ዘጋጠሞ ጸገም ንሓደ ሽማግለ ኼዘራርቦ እንተ ደለየኸ፧ ምሳሌ 21:13፡ “እቲ ንጥርዓን ድኻ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚዐጹ፡ ንሱውን ይጠርዕ እሞ ምላሽ ኣይረክብን” ትብል። ስለዚ፡ ሽማግለታት ‘እዝኖም ኪዓጽዉ’ የብሎምን። ይኹን እምበር፡ ካልእ ምስላ፡ “እቲ ቕድም ነገሩ ዜፍስስ ቅኑዕ ይመስል፡ እቲ በዓል ጋራ ግና መጺኡ ኣጸቢቑ ይምርምሮ” ኢሉ የጠንቅቕ። (ምሳ. 18:17) ሓደ ሽማግለ ብሕያውነት ኪሰምዕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ምስቲ ኸም እተበደለ ዚገልጽ ዘሎ ሰብ ከይውግን ኪጥንቀቕ ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ድሕሪ ምስምዑ፡ ነቲ እተበደለ ሰብ፡ ምስቲ በዳሊ ተዘራሪቡ እንተ ዀይኑ ኺሓትቶ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ሰላም ንኽንዕቅብ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኬርእዮ ይኽእል እዩ።

12. ንሓደ ወገን ጥራይ ሰሚዕካ ተሃዊኽካ ስጕምቲ ምውሳድ ሓደገኛ ምዃኑ ዚሕብር ኣብነታት ጥቐስ።

12 ንሓደ ወገን ጥራይ ሰሚዕካ ስጕምቲ ምውሳድ ሓደገኛ ምዃኑ ዚሕብር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሰለስተ ኣብነት ኣሎ። ጶጢፋር ነቲ ሰበይቱ ዝነገረቶ፡ ዮሴፍ ኪዕምጻ ኸም ዝፈተነ ዚገልጽ ሓሶት ሰሚዑ ኣመነ። ብሓርቖት ከኣ ንዮሴፍ ኣእሰሮ። (ዘፍ. 39:19, 20) ንጉስ ዳዊት ነቲ ጺባ ዝነገሮ፡ መፊቦሸት ምስ ጸላእቲ ዳዊት ከም ዝወገነ ዚገልጽ ወረ ሰሚዑ ኣመነ። ተሃዊኹ ኸኣ ንጺባ፡ “እንሆ፡ ናይ መፊቦሸት ዘበለ ዅሉ ንኣኻ እዩ” በሎ። (2 ሳሙ. 16:4፣ 19:25-27) ንጉስ ኣርታሕሻስታ፡ ኣይሁድ ንመናድቕ የሩሳሌም ይሃንጹ ኸም ዘለዉን ካብ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ኪዓልዉ ኸም ዝሓሰቡን ሰምዐ። ነዚ ናይ ሓሶት ወረ ኣሚኑ ኸኣ፡ ኣብ የሩሳሌም ዚግበር ዝነበረ ዅሉ ህንጸት ኬቋርጽ ኣዘዘ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ኣይሁድ ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ዚዓይዎ ዝነበሩ ዕዮ ኣቋረጽዎ። (እዝ. 4:11-13, 23, 24) ስለዚ እምበኣር፡ ክርስትያን ሽማግለታት፡ ነቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ተቐዳዲሙ ኸይፈርድ ዝሃቦ ምኽሪ ኺስዕቡ ኣለዎም።​—1 ጢሞቴዎስ 5:21 ኣንብብ።

13, 14. (ሀ) ኣብ መንጎ ኽልተ ሰባት ዘይምርድዳእ ምስ ዚለዓል፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዚግባእ፧ (ለ) ሽማግለታት ቅኑዕ ፍርዲ ንኺፈርዱ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

13 ንጕዳይ እቶም ዘይተረዳድኡ ወገናት ዝፈለጥናዮ እኳ እንተ መሰለና፡ ነቲ፡ “ሓደ እኳ ገለ ኸም ዚፈልጥ ዚመስሎ እንተሎ፡ ነቲ ዚፈልጦ ገና ኸምቲ ዚግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን እዩ” ዚብል ምኽሪ ኽንዝክሮ ኣገዳሲ እዩ። (1 ቈረ. 8:2) ነቶም ሰባት ከም ዘይረዳድኡ ዝገበሮም እንታይ ምዃኑ ብዝርዝር ንፈልጥ ዲና፧ ንድሕረ ባይታ እቶም ውልቀ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ንፈልጦ ዲና፧ ሽማግለታት ንፍርዲ ኣብ ዚቕመጡሉ እዋን፡ ብሓሶት፡ ብጕርሒ፡ ወይ ብበላበለው ከይታለሉ ኺጥንቀቑ ኣለዎም። እቲ ብኣምላኽ እተሸመ ፈራዲ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ብጽድቂ እዩ ዚፈርድ። እወ፡ “ዓይኑ ኸም እትርእዮ ኣይኪፈርድን፡ እዝኑ ኸም እትሰምዖ ኸኣ ኣይኪብይንን እዩ።” (ኢሳ. 11:3, 4) የግዳስ፡ ብመንፈስ የሆዋ እዩ ዚምራሕ። ክርስትያን ሽማግለታት እውን፡ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኪምርሑ ኣለዎም።

14 ሽማግለታት ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ዚመልከት ጕዳይ ቅድሚ ምፍራዶም፡ መንፈስ የሆዋ ምእንቲ ኺወሃቦም ኪጽልዩ ኣለዎም፣ ብዘይካዚ፡ በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዘዳለዎ ጽሑፋትን ዘሎ መምርሒ ኺምርሑ ኣለዎም።​—ማቴ. 24:45

ዝኸፈልካ ኸፊልካ ዲኻ ኣስኣሰር ሰላም ክትስዕብ ዘሎካ፧

15. ብዛዕባ ዝፈለጥናዮ ኸቢድ ሓጢኣት ንሽማግለታት ክንነግር ዘሎና መዓስ ኢና፧

15 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ኣስኣሰር ሰላም ክንስዕብ ተማዒድና ኣሎና። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት” ይብል እዩ። (ያእ. 3:17) ሰላማዊ ምዃን፡ ደድሕሪ ንጽህና እዩ ዚመጽእ፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ፈለማ ንንጹህ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ከነኽብርን ንስርዓታት ጽድቂ ኣምላኽ ከነማልእን ኣሎና። ሓደ ክርስትያን፡ ሓደ ሓው ወይ ሓንቲ ሓብቲ ኸቢድ ሓጢኣት ከም ዝፈጸሙ እንተ ፈሊጡ፡ ነቲ ዝሓጥአ ናብ ሽማግለታት ከይዱ ሓጢኣቱ ኺናዘዝ ኬተባብዖ ኣለዎ። (1 ቈረ. 6:9, 10፣ ያእ. 5:14-16) ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣባሲ ኸምኡ እንተ ዘይገይሩ፡ እቲ ብዛዕባ እቲ ሓጢኣት ዝፈለጠ ክርስትያን ንሽማግለታት ኪነግሮም ኣለዎ። ምስቲ ሓጢኣተኛ ዘለዎ ሰላም ምእንቲ ኺዕቅብ ኢሉ ስቕ እንተ ኢሉ፡ ናይቲ ሓጢኣት ተኻፋሊ እዩ ዚኸውን።​—ዘሌ. 5:1፣ ምሳሌ 29:24 ኣንብብ።

16. ካብቲ የሁን ንጉስ ዮራምን ምስ ተራኸቡ ዘጋጠመ ነገራት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

16 ጽድቂ ኣምላኽ ካብ ሰላማዊ ምዃን ንላዕሊ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ዚሕብር ብዛዕባ የሁ ዚገልጽ ሓደ ታሪኽ ኣሎ። ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ቤት ንጉስ ኣከኣብ ፍርዲ ኼውርድ ደልዩ፡ ንየሁ ለኣኾ። እቲ ወዲ ኣከኣብን ኢዛቤልን ዝነበረ ንጉስ ዮራም ድማ ንየሁ ኺቀባበሎ ኢሉ ብሰረገላ መጸ፣ “የሁ፡ ደሓን ዲኻ፧” ኢሉ ኸኣ ሓተቶ። እሞኸ የሁ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ “እቲ ናይ ኣዴኻ ኢዛቤል ምንዝርናን እቲ ብዙሕ ኣስማታን ክሳዕ ዘሎ፡ እንታይ ደሓኑ እዩ፧” በሎ። (2 ነገ. 9:22) ድሕሪኡ፡ ቀስቱ ገቲሩ ንዮራም ኣብ ልቡ ወግኦ። ስለዚ፡ ከምቲ የሁ ስጕምቲ ዝወሰደ፡ ሽማግለታት እውን ንሓደ ደረቐኛን ዘይንሳሕን ሓጢኣተኛ ስጕምቲ ኺወስዱሉ ኣለዎም ደኣ እምበር፡ ምእንቲ ሰላም ኢሎም ኪለማለሙ የብሎምን። እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ኣምላኽ ዘለዋ ሰላም ምእንቲ ኽትዕቅብ፡ ነቶም ዘይንስሑ ሓጢኣተኛታት ኪውግድዎም ኣለዎም።​—1 ቈረ. 5:1, 2, 11-13

17. ኵሎም ክርስትያናት፡ ኣስኣሰር ሰላም ንኺስዕቡ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

17 መብዛሕትኡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዜጋጥም ዘይምርድዳእ፡ ፍርዳዊ ስጕምቲ ዜድልዮ ኸቢድ በደል ኣይኰነን። ስለዚ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽና ንጌጋ ኻልኦት ሸለል ክንብሎ ኽሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ! ቃል ኣምላኽ፡ “ፍቕሪ ዚደሊ ንበደል ይኽውሎ፡ ናብ ነገር ዚምለስ ግና ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም” ይብል። (ምሳ. 17:9) ምስዚ ቓላት እዚ ተሰማሚዕና ንነብር እንተ ዄንና፡ ንሰላም ጉባኤና ኽንሕሉን ምስ የሆዋ ዘሎና ጽቡቕ ርክብ ክንዕቅብን ኢና።​—ማቴ. 6:14, 15

ኣስኣሰር ሰላም ምስዓብ በረኸት የምጽእ

18, 19. ኣስኣሰር ሰላም ምስዓብ እንታይ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ፧

18 “ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገር” ምስዓብ፡ ብዙሕ በረኸት የምጽኣልና እዩ። ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ክንምስርትን ኣብ መንፈሳዊ ገነትና ሰላም ዝሰፈኖ ሓድነት ንኺህሉ እጃምና ኸነበርክትን ንኽእል ኢና። ኣብ ጉባኤና ኣስኣሰር ሰላም ንስዕብ እንተ ዄንና፡ ምስቶም “ናይ ወንጌል ሰላም” እንሰብከሎም ሰባት ብሰላም ንኽንመላለስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 6:15) ምስ ኵሉ ሰብ ኣብ ዘሎና ርክብ ከኣ፡ ‘ለዋሃትን ዕጉሳትን’ ክንከውን ንኽእል ኢና።​—2 ጢሞ. 2:24

19 “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ” ኸም ዚኸውን እውን ክንርስዕ የብልናን። (ግብ. 24:15) እቲ ተስፋ እቲ ኣብ ምድሪ ኺፍጸም ከሎ፡ እተፈላለየ ኣተዓባብያን ባህርይን ዘለዎም ሰባት ኪትንስኡ እዮም፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ከኣ፡ “ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ” ዝነበሩ እዮም። (ሉቃ. 11:50, 51) ስለዚ እምበኣር፡ ነቶም ካብ ሞት ዚትንስኡ ሰባት ብዛዕባ ሰላም ናይ ምምሃር ፍሉይ መሰል ክንረክብ ኢና። እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ገበርቲ ሰላም ክንከውን እንረኽቦ ዘለና ስልጠና፡ ሽዑ ኣዝዩ ኺሕግዘና እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 6 ምስ ጸለመን ምትላልን ንዚተሓሓዝ ከቢድ ሓጢኣት ብዚምልከት ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1999 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 17-22 ርአ።

እንታይ ተማሂርካ፧

• ንሓውና እንተ ኣጕሂናዮ፡ ኣስኣሰር ሰላም ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ክንብደል ከለና ኣስኣሰር ሰላም ምእንቲ ኽንስዕብ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

• ዘይምርድዳእ ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን፡ ክንውግን ጥበባዊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

• ዝኸፈልና ኸፊልና ኣስኣሰር ሰላም ክንስዕብ ዘይብልና ስለምንታይ ምዃኑ ግለጽ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእልታት]

የሆዋ ነቶም ንኻልኦት በደሎም ዚሓድጉሎም የፍቅሮም እዩ