ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥበባዊ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት

ጥበባዊ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት

ጥበባዊ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት

እቲ ዘመናት ይገብር እተማህዘ ሕትመት፡ ነቲ ሰባት ሓሳብ ንሓሳብ ዚለዋወጡሉ መገዲ ቐዪርዎ እዩ። እቲ ኣብ ዘመንና እተማህዘ ኢንተርነት እውን ምስኡ ዚመሳሰል እዩ። ዓለምለኻዊ ንዋት መራኸቢ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ኸኣ ዚበቅዕ እዩ። ኣብ ኢንተርነት ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት ዚገልጽ ሓቅታትን ስታቲስቲክስን ርእይቶታትን ኪርከብ ይከኣል እዩ።

ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ፡ ፈጣሪና ዝሃበና ዜደንቕ ውህበት እዩ። ንኽንዘራረብን ሓበሬታ ንኽንለዋወጥን ይሕግዘና እዩ። የሆዋ ምስ ሰብኣውያን ስድራ ቤቱ ሓሳብ ንሓሳብ ብምልውዋጥ ቀዳማይ እዩ፣ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ንኺመርሑ ዜኽእሎም ንጹርን ዘየማትእን ሓበሬታ ኸኣ ይህቦም ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 1:28-30) ይኹን እምበር፡ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ እተራእየ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ፡ ኣብ ግጉይ መዓላ ኺውዕል ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሰይጣን ንሄዋን ግጉይ ሓበሬታ እዩ ነጊርዋ። ንሳ ኸኣ ነዚ ተቐቢላ ናብ ኣዳም ኣመሓላለፈቶ፣ ብሰንኪ እዚ ድማ ደቂ ሰብ ኣብ መከራ ወደቑ።—ዘፍ. 3:1-6፣ ሮሜ 5:12

እሞኸ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ኣብ ኢንተርነት፡ ጠቓሚ ሓበሬታ ኽንረክብ፡ ግዜና ኽንቍጥብ፡ ከምኡውን ስራሕና ኸነሳልጥ እኳ እንተ ኸኣልና፡ ብኣንጻሩ ኸኣ፡ ግጉይ ሓበሬታ ኺህበና፡ ማእለያ ዘይብሉ ግዜ ኺወስደልና፡ ከምኡውን ብስነ ምግባራዊ መዳይ ኬበላሽወና ይኽእል እዩ። ነዚ ዓለምለኻዊ ሓበሬታ ዚህብ ንዋት ብኸመይ ብጥበብ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል እስከ ንርአ።

ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ኵሉ ሓበሬታ ዜተኣማምን ድዩ፧

ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ኵሉ ሓበሬታ፡ ጽቡቕን ጠቓምን ከም ዝዀነ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ኣብ ኢንተርነት ሓበሬታ ንምድላይ ዚሕግዝ ወብ ሳይት፡ ምስቶም ደኺመ ኸይበሉ ኵሉ ዓይነት ቃንጥሻ ዚኣርዩ ጕጅለ ሰባት ኪመሳሰል ይኽእል እዩ፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ነቲ ዚብላዕን መርዛምን ቃንጥሻ ኣብ ሓደ መትሓዚ ኣኪቦም ድሕሪ ምኽሻን፡ ክትበልዖ ቐሪቦምልካ ንበል። ንነፍሲ ወከፍ ቃንጥሻ ብጥንቃቐ ኸይመርመርካ ምበላዕካዮዶ፧ ኣይፋልካን። ኣብ ኢንተርነት ሓበሬታ ንምድላይ ዚሕግዝ ወብ ሳይት፡ ንብዙሓት ኮምፕዩተራት ብምጥቃም፡ ብቢልዮናት ዚቝጸር ጽቡቕን ሕማቕን ዌብ ሳይት እዩ ዚመርጽ። ስለዚ እምበኣር፡ ንኣእምሮና ብግጉይ ሓበሬታ ምእንቲ ኸይንምርዞ፡ ማለት ብምሳልያዊ መገዲ ንስርናይ ካብ ብቝቡቝ ምእንቲ ኽንፈሊ፡ ኣስተውዓልቲ ኽንከውን ኣሎና።

ብ1993 ሓንቲ ህብብቲ መጽሔት፡ ኣብ ቅድሚ ኮምፕዩተር ደው ዝበሉ ኽልተ ኣኽላባት ዜርኢ ናይ ካርቶን ስእሊ ሒዛ ወጺኣ ነበረት። እቲ ሓደ ኸልቢ ነቲ ኻልኣዩ፡ “ኣብ ኢንተርነት እኮ ኸልቢ ምዃንካ ዚፈልጥ ሰብ የለን” በሎ። ነዊሕ እዋን ይገብር፡ ከምቲ ሎሚ ዘለዉ ሰባት ኣብ ኢንተርነት ዚገብርዎ፡ ሰይጣን ናይ ሓቂ መንነቱ ብምሕባእ፡ ብተመን ተጠቒሙ ንሄዋን ከም ኣምላኽ ክትከውን ከም እትኽእል ነገራ። ሎሚ እውን፡ ዝዀነ ይኹን ኢንተርነት ኪጥቀም ዚኽእል ሰብ፡ ስሙ ኺጠቅስ ከየድለዮ፡ ከም ምሁር መሲሉ ኪቐርብ ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ነቲ ናብ ኢንተርነት ዚኣቱ ሓሳባትን ሓበሬታታትን ስእልታትን ርእይቶታትን ዚቈጻጸር ሕጊ የልቦን።

ስለዚ እምበኣር፡ ኢንተርነት ክትጥቀም ከለኻ፡ ከም ሄዋን ዓሻ ኣይትኹን። ነቲ ኣብ ኢንተርነት እትረኽቦ ሓበሬታ ተጠንቂቕካ መምዮ። ንዝዀነ ይኹን ሓበሬታ ቕድሚ ምእማንካ፡ ከምዚ ኢልካ ሕተት፦ (1) ነዚ ሓበሬታ እዚ ዝጸሓፎ መን እዩ፧ እቲ ጸሓፊ እንታይ ብቕዓት ኣለዎ፧ (2) እቲ ሓበሬታ ስለምንታይ እዩ ተጻሒፉ፧ ነቲ ሰብ ንኺጽሕፍ ዘለዓዓሎ እንታይ እዩ፧ እቲ ሓበሬታ ኣድልዎ ዜንጸባርቕ ድዩ፧ (3) እቲ ጸሓፊ ነቲ ሓበሬታ ኻበይ ረኺብዎ፧ ኪምርመር ዚከኣል ምንጪ ይጠቅስ ድዩ፧ (4) እቲ ሓበሬታ እዋናዊ ድዩ፧ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ሎሚ እውን ኪዓዪ ዚኽእል ምኽሪ ሃቦ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸሓፈሉ፦ “ካብቲ፡ ገሊኦም ተአሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘሎዉ፡ ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሐቕ።”—1 ጢሞ. 6:20

ግዜ ዚቝጥብ ድዩ ወይስ ግዜ ዜባኽን፧

ንኢንተርነት ብጥበብ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ግዜናን ጕልበትናን ገንዘብናን ኪቝጥበልና ይኽእል እዩ። ካብ ቤትና ኽንወጽእ ከየድለየና፡ ዝደለናዮ ነገር ክንዕድግ ንኽእል ኢና። ዋጋ ብምውድዳር ከኣ፡ ገንዘብና ኽንቍጥብ ንኽእል ኢና። ሳላ እቲ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ኣገልግሎት ባንክ፡ ህይወት ብዙሓት ሰባት ተቓሊሉ እዩ። ኣብ ቤትና ዄንና ንገንዘብ ዚምልከት ጕዳያት ከነሳልጥ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ኢንተርነት፡ ክንገይሽ ኣብ እንምድበሉ እዋን፡ ብምሾትን ብዝሓሰረ ዋጋን ንኽንጐዓዝ ዜኽእለና መደብ ንኽንገብርን ኣቐዲምና ቦታ ንኸነትሕዝን ይሕግዘና እዩ። ብዙሕ ከይደኸምና፡ ኣብ ኢንተርነት ቍጽሪ ተሌፎንን ኣድራሻን ክንረክብ፡ ናብቲ ኽንከዶ እንደሊ ቦታ ዜብጽሓና ኣማራጺ መገድታት ከኣ ክንርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ኣገልግሎት እዚ ስለ ዚጥቀማ፡ ግዜን ገንዘብን ኪቝጥባን ብሒደት ዓየይቲ ኺሰርሓን ክኢለን እየን።

ይኹን እምበር፡ ኢንተርነት፡ ኣሉታዊ ጐድኒ እውን ኣለዎ። ግዜ ዜባኽን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኣቶም ልቦምን ቀልቦምን ኣብ ኢንተርነት ስለ ዝዀነ፡ ከም ጠቓሚ ንዋት ጥራይ ገይሮም ኣይኰኑን ዚርእይዎ። ኣብ ኢንተርነት ኪጻወቱ፡ ኪዕድጉ፡ ኬዕልሉ፡ ኢ-መይል ኪሰዱ፡ ኪደልዩ፡ ከምኡውን ሃሰውሰው ኪብሉ፡ ብዙሕ ግዜ የሕልፉ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ነቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት፡ ማለት ንስድራ ቤቶምን ንፈተውቶምን ንጉባኤኦምን ዕሽሽ ኪብሉ ይጅምሩ። ኢንተርነት፡ ወልፊ ኪኸውን እውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብ2010 እተሓትመ ሓደ ግምታዊ ኣሃዝ ከም ዚሕብሮ፡ 18.4 ሚእታዊት ዚዀኑ ኮርያውያን ኣባጽሕ፡ ወልፊ ኢንተርነት ኣለዎም። ጀርመናውያን ተመራመርቲ ኸም ዝገለጽዎ ኸኣ፡ “ቍጽረን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ኣንስቲ፡ ብወልፊ ሰብኡተን የማርራ ኣለዋ።” ሓንቲ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ብሰንኪ ኢንተርነት ጠባዩ ኸም እተቐየረን ሓዳሮም ከም እተበተነን ብምዝራብ መረረታ ገለጸት።

ኣብ ሓደ ሃገር ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ ሓደ ውሉፍ ኢንተርነት ከም ዝዀነ ዝገለጸ ውልቀ ሰብ ደብዳበ በጽሖ። እዚ ሰብ እዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንዓሰርተ ሰዓት ዚኸውን ኣብ ኢንተርነት የሕልፍ ነበረ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ፈለማ፡ ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ዘይብሉ መሲሉኒ ነበረ። ጸኒሐ ግና፡ ካብ ኣኼባታት ክበኵር ጀመርኩ፡ ጸሎት ከኣ ኣቋረጽኩ” በለ። ናብ ኣኼባ ኸይተዳለወ ይኸይድ ነበረ፣ ኣብኡ ኾፍ ኢሉ ኸኣ፡ ‘ነቲ ተመሊሱ ኢንተርነት ዚኸፍተሉ እዋን’ ይናፍቕ ነበረ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ንርዝነት እቲ ጸገም ተረዲኡ፡ ንኼዐርዮ ስጕምቲ ወሰደ። ንሕና እውን፡ ኢንተርነት ወልፊ ኽሳዕ ዚዀነና ስቕ ኢልና ኽንርኢ የብልናን።

ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ኵሉ ሓበሬታ ጽፉፍ ድዩ፧

ኣብ 1 ተሰሎንቄ 5:21, 22፡ “ንዅሉ ተዐዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሐዝዎ። ካብ ክፉእ ዘበለ ዅሉ ርሐቑ” ዚብል ነንብብ። ኣብ ኢንተርነት እንረኽቦ ሓበሬታ፡ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎን ምስቲ ልዑል መለክዒታቱ ዚሰማማዕን እንተ ዀይኑ ኸነረጋግጽ ኣሎና። ብስነ ምግባራዊ መዳይ ጽፉፍን ሓደ ክርስትያን ኪርእዮ ዚግባእን ኪኸውን ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ስእለ ጽዩፍ ኣመና ኣስፋሕፊሑ ስለ ዘሎ፡ እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ብቐሊሉ ኣብ መፈንጠራ ኽንወድቕ ንኽእል ኢና።

ንርእስና፡ ‘ኣብ ኮምፕዩተረይ ክርኢ ኸለኹ፡ መጻምድተይ፡ ወለደይ፡ ወይ ክርስትያን ኣሕዋተይ ምስ ዚመጹ፡ ነቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ነገር ተቐላጢፈ እሓብኦ ድየ፧’ ኢልና ምሕታትና ጥበባዊ እዩ። እቲ መልሲ ‘እወ’ ዚብል እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ካልኦት ኣብ ዘለዉሉ እዋን ጥራይ ኢንተርነት እንተ ተጠቐምና ይሓይሽ። ኢንተርነት ነቲ ሓሳብ ንሓሳብ እንለዋወጠሉን እንዕድገሉን መገዲ ቐዪርዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ብልብና ኸም እንዝሙ’ ዚገብረና ሓድሽ መገዲ እውን ከፊቱ እዩ።—ማቴ. 5:27, 28

ክሰድዶዶ ወይስ ክገድፎ፧

ኢንተርነት ኣብ እንጥቀመሉ እዋን፡ ሓበሬታ ንቕበልን ንሰድድን ኢና። ሓበሬታ ናይ ምቕባልን ናይ ምስዳድን ናጽነት እኳ እንተ ሃለወና፡ ሓቅነቱን ንጽህናኡን ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት እውን ኣሎና። ብዛዕባ ልክዕነት እቲ እንጽሕፎ ወይ እነመሓላልፎ ሓበሬታ ሓላፍነት ክንወስድ ንኽእል ዲና፧ ነቲ ሓበሬታ ኸነመሓላልፎ ተፈቒዱልና ድዩ፧ * ጠቓምን ዚሃንጽን ድዩ፧ ብምንታይ ተደሪኽና ኢና ኸምኡ እንገብር፧ ንኻልኦት ንኽንምስጥ ኢልና ዲና፧

ንኢ-መይል ብግቡእ እንተ ተጠቒምናሉ፡ በረኸት እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብሓበሬታ እውን ኬዕለቕልቐና ይኽእል እዩ። ንብዙሓት ፈተውትና ብዛዕባ እዋናዊ ወረ ወይ ብዛዕባ ዘይረብሕ ነገራት ክንነግሮም ኢልና፡ ክቡር ግዜኦም ነጥፍኣሎም ዲና፧ ነቲ መልእኽቲ ቕድሚ ምስዳድና፡ ድራኸታትና ኽንምርምር ኣይግብኣናንዶ፧ ዕላማና እንታይ እዩ፧ ቀደም ሰባት ደብዳበ ዚጽሕፉ ዝነበሩ፡ ንስድራ ቤቶምን ንፈተውቶምን ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሶም ተመክሮን ከመይ ከም ዘለዉን ንኺነግርዎም ኢሎም እዮም። እሞኸ እቲ እንልእኮ ኢ-መይል ኣብዚ ዘተኰረ ደይኰነን ኪኸውን ዘለዎ፧ ንምንታይ ርግጸኛታት ዘይኰንናሉ መልእኽቲ እንሰድድ፧

እሞኸ ንኢንተርነት ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧ ምሉእ ብምሉእ ካብኡ ኽንርሕቕ ድዩ ዘሎና፧ ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ከምኡ ኽንገብር የድሊ ይኸውን። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ውሉፍ ኢንተርነት፡ ከምኡ እዩ ገይሩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ‘ምኽሪ ኽትሕልወና፡ ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበና’ እንተ ፈቒድና፡ ኢንተርነት ኪጠቕመና ይኽእል እዩ።—ምሳ. 2:10, 11

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 17 እዚ ንስእሊ እውን ዚምልከት እዩ። ንርእስና ኢልና ስእሊ ኽንስእል ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ይትረፍዶ ንስምን ንኣድራሻን እቶም ኣብቲ ስእሊ ዘለዉ ኽንገልጽሲ፡ ክንዝርግሖ እውን ኣይንኽእልን ንኸውን።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ኣደዳ ግጉይ ሓበሬታ ንኸይንኸውን ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

መልእኽቲ ቕድሚ ምስዳድካ፡ ነየናይ ነጥብታት ኢኻ ኽትሓስበሉ ዘሎካ፧