ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብክዎ ነገራት ሕቶ ምስ ዝህልወኒ ወይ ብዛዕባ ብብሕቲ ዘጋጠመኒ ጸገም ምኽሪ ምስ ዝደሊ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧

ምሳሌ 2:1-5፡ ነፍሲ ወከፍና ንምርዳእን ንምስትውዓልን “ከም ንሕቡእ መዝገብ” ጌርና ‘ሃለው ክንብለን’ ወይ ክንደልየን ተተባብዓና እያ። እዚ ኸኣ፡ ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶና መልሲ ምእንቲ ኽንረክብ ወይ ንብሕታዊ ጸገማትና ፍታሕ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ጽዑቕ ምርምር ክንገብር ከም ዘሎና ዚእምት እዩ። ብኸመይ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧

እታ ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ካብ ገጽ 33 ክሳዕ ገጽ 38፡ “ምርምር ብኸመይ ተካይድ፧” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፡ ነቲ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እተዳለወ ናውቲ ተጠቒምካ ብኸመይ ምርምር ኪግበር ከም ዚከኣል ትገልጽ። (ማቴ. 24:45) ገጽ 36 ብኸመይ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ክትጥቀም ከም ዚከኣል ትገልጽ፣ እዚ ጽሑፍ እዚ፡ መሐበሪ ርእሰ ነገርን መሐበሪ ጥቕስን ተባሂሉ እዩ ዚኽፈል። ስለዚ፡ ኣብ ሓደ ርእሰ ነገር ወይ ኣብ ሓደ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ ኽትደልን ዝርዝር መወከሲታት ክትረክብን ትኽእል ኢኻ። ንሕቶኻ ዚኸውን መልሲ ኸተናዲ ወይ መምርሒ ኽትደሊ ኸለኻ፡ ዕጉስ ኩን። “ሕቡእ መዝገብ” ትደሊ ኸም ዘለኻ ኣይትረስዕ፣ እዚ ኸኣ ግዜን ጻዕርን የድልዮ እዩ።

ኣብ ጽሑፋትና ብዝርዝር ዘይተገልጸ ርእሰ ነገራት ወይ ጥቕስታት ኪህሉ ኸም ዚኽእል ዚከሓድ ኣይኰነን። ምናልባት ብዛዕባ ሓደ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ መግለጺ እንተ ተዋህበ እውን፡ ነቲ ንስኻ እተናድዮ ዘለኻ ሕቶ ዚምልስ ከይከውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዝርዝር መግለጺ ዘይተዋህቦ ጸብጻባት፡ ሕቶ ኼበግስ ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብኡንብኡ ንነፍሲ ወከፍ ሕቶ ዚኸውን መልሲ ኽንረክብ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ‘ኣብቲ ብእምነት ዚርከብ ናይ ኣምላኽ መደብ’ ደኣ እምበር፡ ግምታዊ መልሲ ኣብ ምሃብ፡ ሕሉፍ ሓሊፍካ እውን ኣብ ክትዕ ክንኣቱ የብልናን። (1 ጢሞ. 1:4ትርጕም 1990፣ 2 ጢሞ. 2:23፣ ቲቶ. 3:9) ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኰነ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት፡ ንዅሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ጽሑፋትና መልሲ ዘይተዋህበሉ ሕቶታት ኪምርምርን ኪምልስን ኣይክእልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ኺመርሓና ዚኽእል እኹል ሓበሬታ ሒዙ ኸም ዘሎ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና፣ ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ደራሲኡ ዝዀነ ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ከም ዘላትና ምእንቲ ኸነርኢ፡ ገሊኡ ዝርዝር ሓበሬታ ተገዲፉ ኣሎ።​—ኣብታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 185 ክሳዕ 187 ርአ።

ይኹን እምበር፡ ነቲ ብብሕትኻ ዘጋጠመካ ጕዳይ ዚምልከት ምርምር እኳ እንተ ገበርካ፡ መምርሒ ወይ መፍትሒ እንተ ዘይረኸብካኸ፧ ከይተሰከፍካ ናብ ሓደ ብሱል ክርስትያን፡ ምናልባት እውን ናብ ሓደ ኣብ ጉባኤኻ ዘሎ ሽማግለ ኽትቀርብ ትኽእል ኢኻ። ብዙሕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስን ንክርስትያናዊ ህይወት ዚምልከት ተመክሮን ኣለዎም። ብሕልፊ ብሕታዊ ጸገም ወይ ውሳነ ዜድልዮ ጕዳይ ኬጋጥመካ ኸሎ፡ እቶም ሽማግለታት ብውልቂ ስለ ዚፈልጡኻን ንዅነታትካ ብቐረባ ስለ ዚርእይዎን፡ እቲ ዚህቡኻ ሚዛናዊ ሓገዝ ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ንኣተሓሳስባኻ ምእንቲ ኺመርሖ፡ ነቲ ጕዳይካ ብንጹር ብምጥቃስ ናብኡ ኽትጽሊ ኸም ዘሎካ ኣይትረስዕ፣ ከመይሲ፡ ‘የሆዋ ጥበብን ምስትውዓልን ይህብ እዩ።’​—ምሳ. 2:6፣ ሉቃ. 11:13