ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓባር ንተሓጐስ!

ብሓባር ንተሓጐስ!

ብሓባር ንተሓጐስ!

ሎሚ ደስታን ሓጐስን፡ ንምርካቡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። መብዛሕትኦም ሰባት ከኣ ምስ ብጾቶም ሓቢሮም ኣይሕጐሱን እዮም። ብፍላይ እቲ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዚርአ ዘመናዊ ናብራ ንሰባት ርእሶም ከም ዜግልሉ ይገብሮም ኣሎ።

ፕሮፌሰር ሳይኮባዮሎጂ ዝዀነ ኣልቤርቶ ኦሊቬርዮ፡ “ብሕታወ ኣዝዩ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዘሎ ናብራ፡ ርእስኻ ኸም እተግልል ዚገብር ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ እዚ ንብሕታዊ ህይወት እቲ መዓልታዊ እንረኽቦ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዚሰርሕ መሳርሕትና ዀነ ጐረቤትና፡ ወይ ንብሕታዊ ህይወት እቲ ኣብ ድኳን ተቘጻጻራይ ኰይኑ ዚዓዪ ሰብ ዕሽሽ ከም እንብሎ እዩ ዚገብረና” በለ። እዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ጭንቀት እዩ ዚመርሕ።

እቲ ክርስትያን ብጾትና ዘለዎም ኵነታትን መንፈስን ግና ካብዚ እተፈልየ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኵሉ ሳዕ ተሐጐሱ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ተሰ 5:16) ብሓባር ከም እንሕጐስ ዚገብረና ሓያሎ ምኽንያታት ኣሎ። ነቲ ልዑል ኣምላኽና የሆዋ ነምልኽ፣ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ሓቂ ንርዳእ፣ ናይ ምድሓንን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ተስፋ ኣሎና፣ ብዘይካዚ፡ ንኻልኦት ሰባት ከምዚ ዓይነት በረኸት ኪረኽቡ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።​—መዝ. 106:4, 5፣ ኤር. 15:16፣ ሮሜ 12:12

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ይሕጐሱን ሓጐሶም ይገልጹን እዮም፣ እዚ ድማ ክፍሊ ባህርዮም እዩ። ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ፡ “ባህ ይብለኒ፡ ምስ ኵላትኩምውን እሕጐስ አሎኹ። ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ባህ በሉ ምሳይውን ተሐጐሱ” ኢሉ ኺጽሕፈሎም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (ፊል. 2:17, 18) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ በዘን ሒደት ቃላት ገይሩ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ባህ ከም ዚብሎምን ከም ዚሕጐሱን ክልተ ሳዕ ገለጸ።

ክርስትያናት ርእሶም ከየግልሉ ኺጥንቀቑ ኣለዎም። ርእሱ ዜግልል ሰብ ምስ ክርስትያን ብጾቱ ኺሕጐስ ኣይክእልን እዩ። ነቲ፡ “ብጐይታ ባህ ይበልኩም” ዚብል ምሕጽንታ ጳውሎስ ደኣ እሞ ኸመይ ጌርና ኢና ኽንስዕቦ እንኽእል፧​—ፊል. 3:1

ምስ ክርስትያን ብጾትና ንተሓጐስ

ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ኺጽሕፈሎም ከሎ፡ ብምኽንያት ስብከት ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ፊል. 1:7፣ 4:22) ኰይኑ ግና፡ ማእሰርቲ ነቲ ንኣገልግሎት ዝነበሮ ቕንኢ ኸም ዚቕህም ኣይገበሮን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ብእተኻእሎ መጠን ንየሆዋ ኼገልግልን ከም መስዋእቲ ዀይኑ ኪቐርብን ባህ ይብሎ ነበረ። (ፊል. 2:17) እቲ ጳውሎስ ዝነበሮ ኣመለኻኽታ፡ ሓጐስ ኣብ ኵነታት እተመርኰሰ ኸም ዘይኰነ ይሕብር። ተኣሲሩ እኳ እንተ ነበረ፡ “ኽሕጐስውን እየ” በለ።​—ፊል. 1:18

ጳውሎስ ነታ ኣብ ፊልጲ ዝነበረት ጉባኤ ባዕሉ ስለ ዝመስረታ፡ ንኣባላት እታ ጉባኤ ፍሉይ ፍቕሪ ነበሮ። ነቲ ንየሆዋ ብምግልጋል ዝረኸቦ ሓጐስ ብምንጋር ከተባብዖም ከም ዚኽእል ከኣ ይፈልጥ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ “ኣሕዋተየ፡ እቲ ዝበጽሓኒ መከራ ንምስፋሕ ወንጌል ኣዝዩ ኸም ዝጠቐመ፡ ክትፈልጡ እደሊ አሎኹ። እቲ ማእሰርተይ ብክርስቶስ ምዃኑ ኣብ ብዘሎ ሰፈር ዘብዔኛታትን ኣብ ኵላቶም ካልኦትን ተገልጸ” ብምባል ጸሓፈሎም። (ፊል. 1:12, 13) ሓደ ኻብቲ ባህ ከም ዚብሎን ምስ ኣሕዋቱ ኸም ዚሕጐስን ዝገበሮ ነገራት፡ ነዚ ዜተባብዕ ተመክሮ እዚ ምንጋሩ እዩ። እቶም ሰብ ፊልጲ ኸኣ ብግዲኦም ምስ ጳውሎስ ተሓጒሶም ኪዀኑ ኣለዎም። ኰይኑ ግና፡ ንኣብነት ጳውሎስ ኪስዕቡ ደኣ እምበር፡ በቲ ዘጋጠሞ ነገራት ተስፋ ንኸይቈርጹ ኺጥንቀቑ ነበሮም። (ፊል. 1:14፣ 3:17) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ንጳውሎስ ኣብ ጸሎቶም ኪዝክርዎ፡ ብእተኻእሎም መጠን ከኣ ኺድግፍዎ ኽኢሎም እዮም።​—ፊል. 1:19፣ 4:14-16

ንሕናኸ፡ ከም ጳውሎስ ዜሐጕስ መንፈስ ነርኢ ዲና፧ ኣወንታዊ መዳይ ኵነታትናን ክርስትያናዊ ኣገልግሎትናን ክንርኢ ንጽዕር ዲና፧ ምስ ኣሕዋትና ኽንሓብር ከለና፡ ብዛዕባ ዕዮ ስብከትና ሓጐስና ኽንገልጽ ኣሎና። ኰይኑ ግና፡ ግድን ዚምስጥ ተመክሮ ኽሳዕ እንረክብ ክንጽበ ኣየድልየናን እዩ። ቅድሚ ሕጂ፡ ውጽኢታዊ መእተዊ ወይ ዜእምን መረዳእታ ተጠቒምና ንሰባት ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ኣሕዲርናሎም ክንከውን ንኽእል ኢና። ወይ ከኣ ምስ ሓደ ብዓል ቤት ብዛዕባ ሓንቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመያይጥና ንኸውን። ወይ እውን ኣብቲ ኽሊ ኸም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ እተፈለጥና ጥራይ፡ ጽቡቕ ምስክርነት ክንህብ ክኢልና ንኸውን። ኣብ ንሓድሕድና ኸምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት ምስ እንነጋገር፡ ብሓባር ከም እንሕጐስ ዚገብር እዩ።

መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዕዮ ስብከት ንኺዓይዩ መስዋእትታት ኪኸፍሉ ጸኒሖም እዮም። ፈለምቲ፡ ገየሽቲ ሓለውቲ፡ ቤትኤላውያን፡ ሚስዮናውያን፡ ከምኡውን ኣህጕራውያን ኣገልገልቲ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ርእሶም ወፍዮም ብሓጐስ የገልግሉ ኣለዉ። እሞኸ፡ ምስኣቶም ሓቢርና ንሕጐስ ዲና፧ እምበኣር፡ ነዞም ‘ንመንግስቲ ኣምላኽ ምሳና ዜገልግሉ’ ዘለዉ ፍቑራት ኣገልገልቲ ሞሳና ንግለጸሎም። (ቈሎ. 4:11) ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ወይ ኣብ ዓበይቲ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብሓባር ክንእከብ ከለና፡ ብምዉቕ መንፈስ ከነተባብዖም ንኽእል ኢና። ነቲ ቕንኢ ዝመልኦ ኣብነቶም እውን ክንቀድሖ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣአንገድቲ ብምዃን ተመክሮታቶምን ዚሃንጽ ዕላሎምን ንኽንሰምዕ “ኣጋጣሚ” ኽንከፍት ንኽእል ኢና።​—ፊል. 4:10

ምስቶም ፈተናታት ዜሕልፉ ዘለዉ ንተሓጐስ

ጳውሎስ ነቲ ዘጋጠሞ መስጐጕቲ ብጽንዓት ስለ እተዋጽኣሉ፡ ንፈተናታት ከኣ ብዓወት ስለ ዝሰገሮ ንየሆዋ ኽሳዕ መወዳእታ እሙን ኪኸውን ክኢሉ እዩ። (ቈሎ. 1:24፣ ያእ. 1:2, 3) እቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ኣሕዋት ከምኡ ዝኣመሰለ ፈተናታት ኬጋጥሞም ከም ዚኽእልን ብጽንዓቱ ኺተባብዑ ኸም ዚኽእሉን ብምፍላጡ ባህ በሎ፡ ምስኣቶም ከኣ ተሓጐሰ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ፦ “እቲ ኣባይ ዝርኤኹምዎ ሕጂውን ኣባይ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ገድሊ፡ ከምኡ ዝበለ እናበጽሓኩም፡ ሳላ ክርስቶስ ምእንታኡ መከራ ድማ ክትጸግቡ እምበር፡ ብእኡ ኽትአምኑ ጥራይ ኣይኰነን ጸጋ ተውሂቡኩም ዘሎ።”​—ፊል. 1:29, 30

ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ክርስትያናት ብምኽንያት ኣገልግሎቶም ተቓውሞ የጋጥሞም እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ እዚ ተቓውሞ እዚ ብግህዶ ዚርአ እኳ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ሰላሕታዊ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ከሓድቲ ብዚነዝሕዎ ኽሲ፡ ኣባላት ስድራ ቤት ብዜርእይዎ ጽልኢ፡ መሳርሕቲ ወይ መማህርቲ ብዚገብርዎ ላግጺ ኺመጽእ ይኽእል እዩ። የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት፡ ኬሐጕሰና ደኣ እምበር፡ ኬገርመና ወይ ተስፋ ኬቝርጸና ኸም ዘይብሉ ኣጠንቀቐ። ከምዚ ድማ በለ፦ “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን፡ ብጹኣን ኢኹም። . . . ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም።”​—ማቴ. 5:11, 12

ኣብ ገሊኡ ሃገራት ዚነብሩ ኣሕዋትና ኸቢድ መስጐጕቲ ይበጽሖም ከም ዘሎ ምስ እንሰምዕ፡ ብምጽንዖም ክንሕጐስ ደኣ እምበር፡ ክንፈርህ ወይ ክንጃጁ የብልናን። የሆዋ እምነቶም ንኼደልድለሎምን ንኼጽንዖምን ክንጽልየሎም ንኽእል ኢና። (ፊል. 1:3, 4) ነዞም ክቡራት ኣሕዋትና እዚኣቶም ካልእ ነገራት ክንገብረሎም ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ነቶም ኣብ ጉባኤና ዚርከቡ ፈተናታት ዜሕልፉ ዘለዉ ኣሕዋትና ግና፡ ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። እወ፡ ክንግደሰሎምን ክንድግፎምን ንኽእል ኢና። ሓድሓደ ግዜ ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እንገብረላ ምሸት ንኺሓብሩና ብምዕዳምን ሓቢርና ብምግልጋልን ብሓንሳእ ብምዝንጋዕን ምስኣቶም ኴንና እንሕጐሰሉ ኣጋጣሚታት ክንፈጥር ንኽእል ኢና።

ከም እንሕጐስ ዚገብረና ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። ነዚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ሰፊኑ ዘሎ ርእስኻ ናይ ምግላል መንፈስ እናተጻረርና፡ ወትሩ ምስ ኣሕዋትና ሓቢርና ንተሓጐስ። ከምዚ እንተ ጌርና፡ ጉባኤና ብፍቕርን ብሓድነትን ክትድልድል እያ፡ ንሕና እውን ብክርስትያናዊ ሕውነት ምሉእ ብምሉእ ክንሕጐስ ኢና። (ፊል. 2:1, 2) እወ፡ ‘ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ንተሓጐስ፣’ ከመይሲ፡ ጳውሎስ፡ “ደጊመ፤ ተሐጐሱ፡ እብል አሎኹ” ብምባል ተማሕጺኑና ኣሎ።​—ፊል. 4:4

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Globe: Courtesy of Replogle Globes