ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንቕሑ” እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

“ንቕሑ” እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

“ንቕሑ” እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

“ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” (ማቴ. 24:3) የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነዛ ሕቶ እዚኣ ምስ ሓተትዎ፡ ንጹርን ዝርዝራውን ዚልለን ዘየማትእን ምልክት ብምሃብ መለሰሎም። እዚ ኸኣ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24፡ ኣብ ማርቆስ ምዕራፍ 13፡ ከምኡውን ኣብ ሉቃስ ምዕራፍ 21 ተመዝጊቡ ኣሎ። የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ንቕሑ” በሎም።​—ማቴ. 24:42

እቲ ምልክት እቲ ብንጹር ኪርአ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ተወሳኺ ምሕጽንታ እዚ ንምንታይ ኣድለየ፧ ነዚ ዚስዕብ ኬጋጥም ዚኽእል ክልተ ዅነታት እሞ ሕሰበሉ። ቀዳማይ፡ ኣቓልቦ ዚሰርቕ ነገራት ንገሊኣቶም ነቲ ምልክት ዕሽሽ ከም ዚብልዎ ብምግባር፡ መንፈሳውነቶምን ንቕሓቶምን ከም ዜጥፍኡ ኺገብሮም ይኽእል። ካልኣይ፡ ሓደ ክርስትያን ነቲ ፍሉይ ምልክታት ኬለልዮ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብቲ ዚነብረሉ ኸባቢ ብዙሕ ጸገማት እንተ ዘየልዩ፡ ክሳዕ ክንድቲ ጽልዋ ኣይገብረሉን ይኸውን። በዚ ኸምዚ ድማ፡ መዛዘሚ እቲ የሱስ ዝሃቦ ትንቢት ዝዀነ ብርቱዕ “መከራ” ገና ከም ዝዀነ፡ ‘ንቑሕ’ ምዃን ከኣ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣድላዪ ኸም ዘይኰነ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ።​—ማቴ. 24:21

“ኣይፈለጡን”

የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ እቶም ብዘመን ኖህ ዝነበሩ ሰባት ኣዘኻኺርዎም እዩ። ስብከት ኖህ፡ ህንጸት እታ ዓባይ መርከብ፡ ከምኡውን እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ዓመጽ፡ ከየስተብሃልካሉ ኺሕለፍ ዚከኣል ኣይነበረን። ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትኦም “ኣይፈለጡን” ወይ ኣየቕለቡን። (ማቴ. 24:37-39) ሎሚ እውን ብዛዕባ መጠንቀቕታታት ተመሳሳሊ ዅነታት ይርአ ኣሎ። ንኣብነት፡ ፍጥነት ተሽከርከርቲ ዚውስን ምልክታት ብንጹር ተለጢፉ ኽነሱ፡ መብዛሕትኦም ዕሽሽ እዮም ዚብልዎ። ስለዚ ድማ፡ ኣሽከርከርቲ ኸይፈተዉ ቐስ ኢሎም ምእንቲ ኪኸዱ፡ ሰበ ስልጣን ኣብ ጐደናታት ከተማ ሓሓሊፎም ንፍጥነት ተሽከርከርቲ ዚቕንስ ብርኽ ዝበለ ነገር ኪሃንጹ ተገዲዶም እዮም። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ክርስትያን ንምልክታት እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዜስተብህለሉ እኳ እንተ ዀነ፡ ብተግባራቱ ግና ከም ዘይኣምነሉ የርኢ ይኸውን። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትነብር ኣሪል ዝስማ መንእሰይ ነዚ ተመኪራቶ እያ።

ኣሪል፡ ደቂ ኣንስትዮ ዅዕሶ ኢድ ኪጻወታ ኸለዋ ብተለቪዥን ምርኣይ ባህ የብላ ነበረ። ቤት ትምህርታ ሓንቲ ጋንታ ምስ ወደበት፡ እቲ ኣብቲ ጸወታ ንኽትካፈል ዝነበራ ተስፋ፡ ነቲ ኣብ መንፈሳውነታ ኼስዕቦ ዚኽእል ሓደጋ ኸም ዘይተቕልበሉ ገበራ። ሓላዊት ማዕጾ ዀይና ኽትጻወት ከኣ ፈረመት። ቀጺሉኸ እንታይ ኣጋጠማ፧ ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “ገሊኣተን ደቂ ጋንታይ ሓሽሽ ዚወስዱን ሽጋራ ዜትክኹን ኣዕሩኽ ነበርወን። ፍልይቲ ብምዃነይ የላግጻለይ እኳ እንተ ነበራ፡ ነዚ ኺሰግሮ ዚኽእል ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። እቲ ጸወታ ብዘይሓሰብክዎ መገዲ ንመንፈሳውነተይ ኣማህመኖ። ልበይን ቀልበይን በቲ ጸወታ እቲ ተሰርቀ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብሓሳበይ ካብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወጺአ ናብ ኣጸድ ሜዳ እቲ ዅዕሶ ኢድ እገይሽ ነበርኩ። ክርስትያናዊ ባህርያተይ እውን ተበላሸወ። እቲ ዝነበረኒ ፍቕሪ ጸወታ፡ ንኽዕወት ሓያል ስምዒት ኣሕደረለይ። ነቲ ናይ ውድድር መንፈሰይ ምእንቲ ኼዕግብ ኣበርቲዐ እለማመድ ነበርኩ። ኣብ መዋጥር ድማ ኣተኹ። ነቲ ዅዕሶ ኢድ ኪብል፡ ንዝነበረኒ ምሕዝነት ከይተረፈ ሰዋእኩ።

“ተቐናቐንትና ኣብ ሓደ ጸወታ፡ ፍጹም ቅላዕ ምስ ተዋህበን ዘጋጠመ ዅነታት እዩ ኣንቂሑኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሸቶ ንኸይምዝገብ ክከላኸል ተቐረብኩ። ከይተፈለጠኒ ኸኣ፡ የሆዋ ኺሕግዘኒ ጸለኹ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ መንፈሳውነተይ ክሳዕ ክንደይ ኣንቈልቊሉ ኸም ዝነበረ ንኽግንዘብ ሓገዘኒ። ናብቲ ዝነበረኒ መንፈሳዊ ዅነታት እተመለስኩ ብኸመይ እየ፧

“ነታ ያንግ ፒፕል ኣስክ​—ዋት ዊል ኣይ ዱ ዊዝ ማይ ላይፍ፧ ዘርእስታ ዲቪዲና ርእየያ ነይረ እየ። * እንደገና ኽርእያን ኣርዚነ ኽሓስበላን ድማ ወሰንኩ። ኵነታተይ ምስ ኵነታት እቲ ኣብታ ድራማ ዘሎ ኣንድረ ዝበሃል መንእሰይ ዚመሳሰል እዩ ነይሩ። ብፍላይ ነቲ ሓደ ሽማግለ ንኣንድረ፡ ‘ንፊልጲ 3:8 ኣንቢብካ ኣስተንትነላ’ ብምባል ዝሃቦ ርእይቶ ኬቕልበሉ ጀመርኩ። እዚ፡ ስጕምቲ ኺወስድ ሓገዘኒ። ካብቲ ጋንታ ድማ ወጻእኩ።

“ዓብዪ ለውጢ ኸኣ እየ ገይረ። እቲ ናይ ውድድር መንፈሰይን እቲ ንሱ ዜስዓቦ ውጥረትን ድማ ጠፍአ። ዝያዳ ሕጕስቲ ዀንኩ፡ ምስ ክርስትያን ፈተውተይ ድማ ዝያዳ ተቐራረብኩ። መንፈሳዊ ንጥፈታት ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ዀነለይ። ኣብ ኣኼባታት ኬተኵርን በቲ ኣኼባታት እቲ ኺሕጐስን ጀመርኩ። ኣገልግሎተይ እውን ተመሓየሸ። ሕጂ ኣዘውቲረ ሓጋዚት ፈላሚት ኰይነ አገልግል ኣሎኹ።”

ኣቓልቦ ዚሰርቕ ነገር ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምልክት ዕሽሽ ከም እትብሎ ይገብረካ እንተ ኣልዩ፡ ከምቲ ኣሪል ዝወሰደቶ ዓይነት ስጕምቲ ውሰድ። ካብዚ ዚስዕብ ነጥብታት ንገሊኡ ኽትፍትኖ ትኽእል ኢኻ፦ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ፡ ሕቡእ ሃብቲ ንምርካብ ዚሕግዝ ካርታ ስለ ዝዀነ፡ ተጠቐመሉ። ኣብኡ፡ ጥዑይ ምኽሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰባት ንዘጋጠሞም ፈተናታት ብኸመይ ከም እተዋጽኡሉ ባዕላቶም ዘዘንትውዎ ተመክሮታት እውን ዝሓዘ መወከሲታት ክትረክብ ኢኻ። ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ጽቡቕ ጌርካ ብምድላውን መዘኻኸሪታት ብምሓዝን ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም። ገሊኣቶም ኣብ ቅድሚት ኰፍ ምባል ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ሰማዕቲ ዚሳተፉሉ ኽፍሊ ኪቐርብ ከሎ፡ ኣቐዲምካ ሓሳብ ክትህብ ፈትን። ብተወሳኺ፡ ብመንፈስ ንቑሕ ብምዃን ንእዋናዊ ፍጻመታት ምስ መዳያት ምልክት እተን “ዳሕሮት መዓልትታት”ን ምስቲ ኻልእ መለለይታቱን ኣመሳስሎ።​—2 ጢሞ. 3:1-5፣ 2 ጴጥ. 3:3, 4፣ ራእ. 6:1-8

“እተዳሎኹም ኩኑ”

ምልክት እተን ዳሕሮት መዓልትታት ን“ብዘላ ዓለም” ዚሓቍፍ ብምዃኑ ዓለምለኻዊ እዩ። (ማቴ. 24:7, 14) ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ፌራን ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ካልእ ኣቐዲሙ እተነግረ ፍጻመታትን ኣብ ዚረኣየሉ ኸባቢታት እዮም ዚነብሩ። ሓያሎ ኻልኦት ግና፡ እተወሰነ ሰላምን ህድኣትን ኣብ ዘለዎ ኸባቢታት እዮም ዚነብሩ። ንገሊኡ መዳያት እቲ ምልክት ብብሕትኻ ፈጺምካ ስለ ዘይተመከርካዮ ጥራይ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ገና ኸም ዝዀነ ጌርካ ኽትሓስብ ይግባእዶ፧ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ጥበባዊ ኣይኰነን።

ንኣብነት፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ “ጥሜትን ፌራን” እተነበዮ ትንቢት እሞ ሕሰበሉ። (ሉቃ. 21:11) ቀዳማይ፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ብሓንሳእ ወይ ብሓደ ዓይነት መጠን ከም ዚፍጸም ኣይተዛረበን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኣብ በቦታኡ” ኸም ዚፍጸም እዩ ገሊጹ። ስለዚ፡ ሓደ ዓይነት ፍጻመ ብሓንሳእ ኣብ ኵሉ ቦታ ንኺፍጸም ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና። ካልኣይ፡ የሱስ ብዛዕባ ጥሜት ድሕሪ ምዝራቡ ቕሩብ ጸኒሑ፡ “ስስዔ . . . ንልብኹም ከይኸብድ፡ . . . ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” ምባሉ፡ ገለ ኻብ ሰዓብቱ ኻብ መጠን ንላዕሊ ንኸይበልዑ ኺጥንቀቑ ኸም ዘለዎም ዚሕብር እዩ ነይሩ። (ሉቃ. 21:34) ስለዚ እምበኣር፡ ኵሎም ክርስትያናት፡ ኵሉ መዳያት እቲ ምልክት ኣብ ህይወቶም ኬጋጥሞም ኪጽበዩ የብሎምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሱስ፡ “ንስኻትኩም እዚ ዀይኑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ” እዩ ዝበለ። (ሉቃ. 21:31) ኣብ ከባቢና ብብሕቲ ዜጋጥመና ነገራት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ብዘመናዊ መራኸቢታት ኣቢልና ንዅሉ መዳያት እቲ ምልክት ክንርእዮ ንኽእል ኢና።

ብዘይካዚ፡ የሆዋ ነቲ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚጅምረሉ ‘መዓልትን ሰዓትን’ ኣቐዲሙ ኸም ዝወሰኖ እውን ኣይንረስዕ። (ማቴ. 24:36) ኣብ ምድሪ ዚርአ ምዕባለታት ነዛ መዓልቲ እዚኣ ኣይቅይራን እዩ።

የሱስ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዚነብሩ ክርስትያናት፡ “እተዳሎኹም ኩኑ” ብምባል ተማሕጺንዎም እዩ። (ማቴ. 24:44) ኵሉ ሳዕ ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጸጽባሕ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ክንካፈል ከም ዘይንኽእል ፍሉጥ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚጅምረሉ ህሞት እንታይ እናገበርና ኸም እንጸንሕ ኣይንፈልጥን ኢና። ገሊኣቶም ኣብ ወፍሪ እናሰርሑ ወይ ኣብ ገዛ እናዓየዩ ይጸንሑ ይዀኑ። (ማቴ. 24:40, 41) ስለዚ፡ እተዳሎና ንኽንከውን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ኤማኑወልን ቪክቶሪንን ምስ ሽዱሽተ ኣዋልዶም ኣብ ሓንቲ ኣብ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር እዮም ዚነብሩ። ኣብታ ሃገር እቲኣ ነቲ ምልክት ዚሕብር ምሉእ ፍጻመታት ዚርአ ዘሎ ዀይኑ ኣይተሰምዖምን። ስለዚ ድማ፡ እተዳለዉ ንኪዀኑ ምእንቲ ኺሕግዞም መዓልቲ መዓልቲ መንፈሳዊ ምይይጥ ኪገብሩ ወሰኑ። ኤማኑወል፡ “ንዅላትና ዚጥዕመና ግዜ ኽንረክብ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግና ካብ ሰዓት ሽዱሽተ ኽሳዕ ሽዱሽተን ፈረቓን ናይ ንግሆ ዘሎ ፍርቂ ሰዓት መረጽና። ጥቕሲ ዕለት ምስ ተመያየጥና፡ ንሓደ ኻብቲ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ኣብ ጉባኤ ኺጽናዕ እተመደበ ጽሑፍ መሪጽና፡ ሒደት ሕጡብ ጽሑፋት ንዳሎ” ብምባል ገለጸ። እዚ መደብ እዚ ንኤማኑወልን ንስድራ ቤቱን ንቑሓት ንኪዀኑ ሓጊዝዎምዶ፧ እወ፡ ብርግጽ! ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኤማኑወል ኣብ ጉባኤኡ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ቪክቶሪን ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ሓጋዚት ፈላሚት ኰይና ተገልግል እያ፣ ንሓያሎ ሰባት ሓቂ ኪቕበሉ ኸኣ ሓጊዛቶም እያ። ኵለን ኣዋልዶም እውን ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ይገብራ ኣለዋ።

የሱስ፡ “ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ” ብምባል ተማሕጺኑና እዩ። (ማር. 13:33) ኣቓልቦኻ ዚሰርቕ ነገራት ንመንፈሳዊ ንቕሓትካ ኼዳኽሞ ኣይተፍቅድ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከም ኣሪል ነቲ ብጽሑፋትናን ብኣኼባታት ጉባኤን ኣቢሉ ዚወሃበና ሰናይ ምኽሪ ኣቕልበሉ። ከም ስድራ ቤት ኤማኑወል ከኣ እተዳሎኻን ‘ንቑሕን’ ምእንቲ ኽትከውን መዓልቲ መዓልቲ ሓደ ነገር ክትገብር ጽዓር።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 8 ብዛዕባ ሓደ ክርስትያን መንእሰይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ ንምግባር ዝገበሮ ጻዕሪ እተርኢ ዘመናዊት ድራማ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ኤማኑወልን ስድራ ቤቱን መዓልታዊ መንፈሳዊ ምይይጥ ምግባሮም፡ ‘እተዳለዉ ንኪዀኑ’ ሓገዞም