ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንእተመርዓዉን ንዘይተመርዓዉን ዚኸውን ጥበባዊ ምኽሪ

ንእተመርዓዉን ንዘይተመርዓዉን ዚኸውን ጥበባዊ ምኽሪ

ንእተመርዓዉን ንዘይተመርዓዉን ዚኸውን ጥበባዊ ምኽሪ

“ብተገብኤ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ . . . እዚ ንረብሓ ርእስኹም እየ ዝብሎ ዘሎኹ።”​—1 ቈረ. 7:35

1, 2. ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንእተመርዓዉን ንዘይተመርዓዉን እተዋህበ ምኽሪ ኺምርምሮ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብቲ ምስ ኣንጻር ጾታ ዚግበር ምቅርራብ፡ ከም ሓጐስን ብስጭትን ጭንቀትን ዝኣመሰለ ስምዒታት ይርአ እዩ። ነዚ ስምዒታት እዚ ብዕዉት መገዲ ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ መለኮታዊ መምርሒ የድልየና እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብዚ ጕዳይ እዚ መለኮታዊ መምርሒ እንደልየሉ ኻልእ ምኽንያታት እውን ኣሎ። ሓደ ንጽል ኰይኑ ኺነብር ዚደሊ ክርስትያን፡ ቤተ ሰቡን ፈተውቱን ንኺምርዖ ጸቕጢ ኸም ዚገብሩሉ ዀይኑ ይስምዖ ይኸውን። ካልእ ክርስትያን ድማ ኪምርዖ ዚደሊ እኳ እንተ ዀነ፡ ዚሰማምዖ መጻምድቲ ኣይረኸበን ይኸውን። ገሊኣቶም ከኣ ንሓዳር ንኺዳለዉሉ መምርሒ የድልዮም እዩ። ብተወሳኺ፡ እተመርዓዉን ዘይተመርዓዉን ክርስትያናት ጾታዊ ርኽሰት ንኺፍጽሙ ፈተና የጋጥሞም እዩ።

2 እዚ ጕዳይ እዚ ንሓጐስና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እውን ይጸልዎ እዩ። ጳውሎስ ኣብታ ንሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፋ ቐዳመይቲ መልእኽቱ፡ ኣብ ምዕራፍ 7፡ ንእተመርዓዉን ንዘይተመርዓዉን ዚኸውን መምርሒ ሂቡ ኣሎ። ዝጸሓፈሉ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብተገብኤ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ” በለ። (1 ቈረ. 7:35) እተመርዓኹም ኩኑ ዘይተመርዓኹም፡ ነቲ ጳውሎስ ኣብዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ዝሃቦ ምኽሪ ኽትምርምሩ ኸለኹም፡ ኵነታትኩም ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኸተገልግልዎ ዚሕግዘኩም እንተ ዀይኑ ሕሰቡሉ።

ብሕታዊ ውሳነ ዜድልዮ ኸቢድ ጕዳይ

3, 4. (ሀ) ሰባት ብዛዕባ ሓደ ዘይተመርዓወ ፈታዊኦም ወይ ዘመዶም እምብዛ ዚሻቐሉ እንተ ዀይኖም፡ ሓድሓደ ግዜ ጸገማት ኪፍጠር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ሓዳር ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኺሕዝ ብኸመይ ኪሕግዞ ኣለዎ፧

3 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ተመርዒኻ ምንባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም፣ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት እውን ከምኡ እዮም ዚኣምኑ። ሓደ መንእሰይ ከይተመርዓወ ገለ ዓመታት እንተ ደኣ ኣሕሊፉ፡ ፈተውቱን ኣዝማዱን ምኽሪ ኺህብዎ ይድረኹ ይዀኑ። መጻምድቲ ንኺደሊ ኸኣ ይምሕጸንዎ ይዀኑ። መጻምድቲ ኽትኰኖ እትኽእል ሰብ እውን ይጠቕሱሉ ይዀኑ። አረ ገሊኣቶምሲ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ንኽልተ ዘይተመርዓዉ ሰባት ከም ዝላለዩ ይገብሩ ይዀኑ። እዚ ተግባራት እዚ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ ናብ ጭንቀትን ባእስን እዩ ዚመርሕ፣ ስምዒት እውን ኪጐድእ ይኽእል እዩ።

4 ጳውሎስ ንኻልኦት ሰባት፡ ኪምርዓዉ ወይ ንጽል ኰይኖም ኪነብሩ ጸቕጢ ኣይገበረሎምን። (1 ቈረ. 7:7) ንየሆዋ ኸይተመርዓወ ንኼገልግሎ ሕጉስ እዩ ነይሩ፡ ኰይኑ ግና ነቲ ኻልኦት ሰባት ንኺምርዓዉ ዘለዎም መሰል ኣኽቢሩሎም እዩ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን፡ ንኺምርዓዉ ወይ ንጽል ኰይኖም ንኺነብሩ ኺውስኑ መሰል ኣለዎም። ካልኦት ሰባት ግና፡ ሓዲኡ ንኺመርጹ ጸቕጢ ኺገብሩሎም የብሎምን።

ንጽል ኴንካ ንእትነብሮ ናብራ ብጽቡቕ ተጠቐመሉ

5, 6. ጳውሎስ ንጽል ኴንካ ምንባር ዝሓሸ ምዃኑ ዝገለጸ ስለምንታይ እዩ፧

5 ጳውሎስ ኣብቲ ንሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፈሎም ሓሳባት ብዛዕባ ንጽል ክርስትያናት ኣወንታዊ ሓሳባት ምሃቡ፡ ኸነተኵረሉ ይግባእ። (1 ቈረንቶስ 7:8 ኣንብብ።) ከይተመርዓዉ ዚነብሩ ኣቕሽሽቲ ህዝበ ክርስትያን፡ ካብቶም እተመርዓዉ ጸብለል ዝበሉ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ጳውሎስ ግና ዘይተመርዓወ እኳ እንተ ነበረ፡ ንርእሱ ኻብቶም እተመርዓዉ ጸብለል ኣቢሉ ኣይረኣያን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ እቲ ሓያሎ ዘይተመርዓዉ ኣገልገልቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ረብሓ እዩ ኣጕሊሑ። እዚ ረብሓ እዚ እንታይ እዩ፧

6 መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዘይተመርዓወ ክርስትያን፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ፡ እተመርዓወ ክርስትያን ኪቕበሎ ዘይክእል ሓላፍነታት ኪቕበል ይኽእል እዩ። ጳውሎስ፡ “ነህዛብ ሃዋርያኦም” ኰይኑ ንኼገልግል ፍሉይ መሰል ረኺቡ እዩ። (ሮሜ 11:13) ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 13 ክሳዕ 20 ኣንብብ እሞ፡ ጳውሎስ ምስ መገላግልቱ ሚስዮናውያን ኰይኑ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ብምኻድ፡ ሓደስቲ ኽልታት እናበጽሐ ጉባኤታት ኪምስርት ከሎ ተኸታተሎ። ኣብ ኣገልግሎቱ፡ ንመብዛሕትና ዘየጋጥመና ጸገማት ኣሕሊፉ እዩ። (2 ቈረ. 11:23-27, 32, 33) ኰይኑ ግና፡ ንሓያሎ ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ንኪዀኑ ምእንቲ ኺሕግዝ ኢሉ ነዚ ጸገማት እዚ ኼሕልፍ ፍቓደኛ ብምዃኑ፡ ማእለያ ዘይብሉ ሓጐስ ረኺቡ እዩ። (1 ተሰ. 1:2-7, 9፣ 2:19) ተመርዕዩ ነይሩ እንተ ዚኸውን ወይ ስድራ ቤት እንተ ዚህልዎ ነይሩ፡ ነዚ ዅሉ ነገራት እዚ ኺገብር ምኸኣለዶ፧ ምናልባት ኣይምኸኣለን።

7. ኣብነት እተን ንዅነታተን ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ እተጠቕማሉ ዘይተመርዓዋ ክርስትያናት ግለጽ።

7 ሓያሎ ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ንዅነታቶም ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ እዮም ዚጥቀሙሉ። ኣብ ቦሊቭያ ዚነብራ ሳራን ሊምባንያን ዚበሃላ ዘይተመርዓዋ ፈለምቲ፡ ሓያሎ ዓመታት ይገብር እተሰብከሎም ሰባት ናብ ዚነብሩላ ዓዲ ኸዳ። ኣብታ ዓዲ መስመር ኤለክትሪክ ዘይምህላዉ ጸገም ፈጢሩዶ፧ እተን ኣሓት፡ “ረድዮ ወይ ተለቪዥን ስለ ዘየለ፡ እቶም ሰባት ካብቲ ቐንዲ መሕለፍ ግዜኦም ዝዀነ ንባብ ኣይተዓንቀፉን” ዚብል ጸብጻብ ሃባ። ገለ ኻብቶም ደቂ እታ ዓዲ፡ ነተን ፈለምቲ ሕጂ ዘይሕተም ዘሎ ኽሳዕ እቲ ግዜ እቲ ዜንብብዎ ዝነበሩ ናይ ቀደም ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣርኣይወን። እተን ኣሓት ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ስለ ዝረኸባ፡ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ኽሊ ዝነበሩ ሰባት ተመሊሰን ኪበጽሓኦም ኣጸጊምወን ነበረ። ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣማስያኡ ኻብ በጽሑና፡ መወዳእታ ቐሪቡ ኪኸውን ኣለዎ” በለት። ኣብታ ሃገር እቲኣ ዝነበሩ ገሊኣቶም ሰባት ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺእከቡ ጀመሩ።

8, 9. (ሀ) ጳውሎስ ንጽል ኴንካ ምንባር ጠቓሚ ኸም ዝዀነ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት እንታይ ረብሓታት እዩ ዘለዎም፧

8 እተመርዓዉ ክርስትያናት እውን ኣብ ኣጸጋሚ ኽልታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ጽቡቕ ውጽኢት ከም ዚረኽቡ እተረጋገጸ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንዘይተመርዓዉ ፈለምቲ ኽፉት ዝዀነ ገሊኡ ዕዮታት፡ ነቶም እተመርዓዉ ወይ ውሉዳት ዘለዎም ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ነተን ጉባኤታት ኪጽሕፈለን ከሎ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ኺዝርጋሕ ተኽእሎ ኸም ዘሎ ይፈልጥ ነበረ። ከምቲ ንሱ ሕጉስ ዝነበረ ድማ፡ ኵላቶም ሕጉሳት ኪዀኑ ይደሊ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ንየሆዋ ንጽል ኴንካ ምግልጋል ጠቓሚ ምዃኑ ተዛረበ።

9 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትነብር ሓንቲ ንጽል ፈላሚት ከምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ገሊኣቶም ሰባት፡ ዘይተመርዓዉ ኺሕጐሱ ዚኽእሉ ዀይኑ ኣይስምዖምን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ፡ ነባሪ ሓጐስ ኪረክብ ዚኽእል ምስ የሆዋ ዕርክነት ምስ ዚምስርት ጥራይ ምዃኑ ተመኪረዮ እየ። ንጽል ኴንካ ምንባር፡ መስዋእትነት እኳ እንተ ዀነ፡ ብጽቡቕ እንተ ተጠቒምካሉ ዜደንቕ ውህበት እዩ።” ብዛዕባ ሓጐስ ምርካብ ከኣ፡ “ንጽል ኴንካ ምንባር ንኽትሕጐስ መገዲ ኪኸፍት ዚኽእል ደኣ እምበር፡ ዚዕንቅፍ ኣይኰነን። የሆዋ ንእተመርዓዉ ዀነ ንዘይተመርዓዉ ለውሃቱ ኸም ዘይነፍጎም እፈልጥ እየ” ኢላ ጸሓፈት። ሕጂ ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ኸባቢ ተሓጒሳ ተገልግል ኣላ። ዘይተመርዓኻ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ዘሎካ ናጽነት ንሰባት ሓቂ ንምምሃር ብዝሰፍሐ መገዲ ኽትጥቀመሉዶ ምኸኣልካ፧ ከምኡ ኽትገብር እንተ ኽኢልካ፡ ንጽል ኴንካ ምንባር ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት የሆዋ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኽትርእዮ ኢኻ።

ኪምርዓዉ ዚደልዩ ንጽል ሰባት

10, 11. የሆዋ ነቶም ዚሰማምዖም መጻምድቲ ዘይረኸቡ ኺምርዓዉ ዚደልዩ ሰባት ብኸመይ ይድግፎም፧

10 ሓያሎ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ንገለ ግዜያት ንጽል ኰይኖም ድሕሪ ምጽናሖም፡ መጻምድቲ ኺደልዩ ወሲኖም እዮም። መምርሒ ኸም ዜድልዮም ብምግንዛብ ከኣ፡ ዚሰማምዖም መጻምድቲ ንኺረኽቡ ምእንቲ ኺሕግዞም ንየሆዋ ይልምንዎ እዮም።​—1 ቈረንቶስ 7:36፡ ትርጕም 1990፡ እግረ ጽሑፍ ኣንብብ።

11 ልክዕ ከማኻ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍሱ ንዜገልግል ሰብ ክትምርዖ እንተ ደሊኻ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንየሆዋ ለምኖ። (ፊል. 4:6, 7) ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኽትጽበ ኸም ዘሎካ ብዘየገድስ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። እቲ ፈቃር ኣምላኽና ኸም ዚሕግዘካ ተኣማመን፡ ንሱ ድማ ንዅነታትካ ንኽትዋጽኣሉ ኺድግፈካ እዩ።​—እብ. 13:6

12. ሓደ ክርስትያን ንመውስቦ ምስ ዚሕተት፡ ተጠንቂቑ ኺሓስበሉ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

12 ሓደ ኺምርዖ ዚደሊ ንጽል ክርስትያን፡ መንፈሳዊ ብዘይኰነ ሰብ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ብዘይኣማኒ ንመውስቦ ኺሕተት ይኽእል እዩ። ንዓኻውን ከምዚ እንተ ኣጋጢሙካ፡ እቲ ሕማቕ ምርጫ ብምግባርካ ዚመጽእ ጓሂ፡ ካብቲ ንጽል ኴንካ ብምንባር ዚስምዓካ ዝነበረ ጽምዋ ዝኸፍአ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣይትረስዕ። ሓንሳእ እንተ ተመርዒኻ፡ ሓዳርካ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ብዘየገድስ፡ ብመጻምድትኻ ንምሉእ ህይወትካ እሱር ኢኻ። (1 ቈረ. 7:27) ጸኒሑ ምእንቲ ኸየጣዕሰካ፡ ብዓቕሊ ጽበት ምስ ዘይሰማምዓካ መጻምድቲ ኣይትመርዖ።​—1 ቈረንቶስ 7:39 ኣንብብ።

ንሓዳር ተዳለወሉ

13-15. መጻምድቲ እንታይ ኣብ ሓዳር ኬጋጥም ዚኽእል መከራ እዮም ብግዜ ወረዘ ኺመያየጡሉ ዘለዎም፧

13 ጳውሎስ፡ ንጽል ኴንካ ንየሆዋ ምግልጋል ጠቓሚ ከም ዝዀነ እኳ እንተ ተዛረበ፡ ነቶም ኪምርዓዉ ዝወሰኑ ግና ኣትሒቱ ኣይረኣዮምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝሃቦ ምኽሪ፡ ንሓዳር ኣቐዲሞም ንኺዳለዉሉን ነባሪ ንኺገብርዎን ዚሕግዞም እዩ።

14 ገሊኣቶም መጻምድቲ ብዛዕባ እቲ ኻብ ሓዳር ዚጽበይዎ ነገራት ኣተሓሳስባኦም ኪእርሙ የድልዮም እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ንመርዓ ኺዳለዉ ኸለዉ፡ ፍቕሮም ኣዝዩ እተፈልየ ኸም ዝዀነ፡ ኣብ መውስቦኦም ድማ ነባሪ ሓጐስ ኬምጽኣሎም ከም ዚኽእል ኰይኑ ይስምዖም። ንሓዳሮም በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ስለ ዚጅምርዎ፡ ሓጐሶም ፈጺሙ ዘይጠፍእ ኰይኑ ይስምዖም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ኻብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ብምስሕሓብ ዚፍጠር ፍቕሪ ባህ ዜብል ምዃኑ ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ንበይኑ ነቲ ኣብ ሓዳር ዜጋጥም መከራ ንኽትዋጽኣሉ ዚሕግዝ ኣይኰነን።​—1 ቈረንቶስ 7:28 ኣንብብ። *

15 መብዛሕትኦም ሓደስቲ መርዑ፡ ኣብ ኣገድስቲ ጕዳያት ምስ መጻምድቶም ምስ ዘይሰማምዑ ይስምብዱ ወይ ተስፋ ይቘርጹ እዮም። ንኣብነት፡ ንገንዘቦም ብኸመይ ከም ዚጥቀሙሉ፡ ብኸመይ ከም ዚዘናግዑ፡ ኣበይ ከም ዚነብሩ፡ ከምኡውን ንስድራኦም መዓስ ኪበጽሕዎም ከም ዘለዎም ኣይሰማምዑን እዮም። ብዘይካዚ፡ ንሓድሕዶም ዜሕርቕ ጕድለታት ኣለዎም። ብግዜ ወረዘ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገደስቲ ጕዳያት ኣቕሊልካ ዚርአ እኳ እንተ ዀነ፡ ጸኒሑ ኣብ ሓዳር ዓብዪ ውጥረት ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ መጻምድቲ ብግዜ ወረዘ ነዚ ነገራት እዚ ተመያይጦም ኪፈትሕዎ ይግባእ።

16. መጻምድቲ ነቲ ኣብ ሓዳሮም ዜጋጥሞም ጸገማት ብኸመይ ከም ዚምክትዎ ኺሰማምዑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

16 መጻምድቲ ኣብ ሓዳሮም ዕዉታትን ሕጕሳትን ምእንቲ ኪዀኑ፡ ንዜጋጥሞም ጸገማት ብሓባር ኪምክትዎ ኣለዎም። ንደቆም ብኸመይ ኪቐጽዕዎም ከም ዘለዎምን ንኣረጋውያን ወለዶም ብኸመይ ኪኣልይዎም ከም ዘለዎምን ኪሰማምዑ ኣለዎም። ኣብ ስድራ ቤት ዚለዓል ጸገማት፡ ከም ዚፈላለዩ ኺገብሮም የብሉን። ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ብዙሕ ጸገማት ኪፈትሑ፡ ነቲ ብቐሊሉ ኺፈትሕዎ ዘይክእሉ ኸኣ ኪጻወርዎ፡ ሓቢሮም ድማ ብሓጐስ ኪነብሩ እዮም።​—1 ቈረ. 7:10, 11

17. መጻምድቲ “ብናይዛ ዓለም እዚኣ” ኺሓልዩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

17 ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:32-34፡ ካልእ ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ነገር እውን ጠቒሱ ኣሎ። (ኣንብብ።) ሰብ ሓዳር፡ “ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ፡” ማለት ብምግብን ብኽዳንን ብመጽለልን መንፈሳዊ ብዘይኰነ ኻልእ መሰረታዊ ነገራትን ‘ይሓልዩ’ ወይ ይጭነቑ እዮም። ስለምንታይ፧ ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ንጽል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ግዜ የሕልፍ ነይሩ ይኸውን። ምስ ተመርዓወ ግና፡ ንሰበይቱ ምእንቲ ኼሐጕሳ፡ ብእተወሰነ ደረጃ ግዜኡን ጕልበቱን ንሰበይቱ ንምሕላይ ኬውዕሎ ኣለዎ። ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ኸምኡ ኽትገብረሉ ኣለዋ። የሆዋ ጥበበኛ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ሰብ ሓዳር ነዚ ኣገዳሲ ነገር እዚ ኺገብሩ ኸም ዘለዎም ይግንዘብ እዩ። እወ፡ ሰብ ሓዳር ኣብ ሓዳሮም ዕዉታት ምእንቲ ኪዀኑ ነቲ ቕድሚ ምምርዓዎም ኣብ ኣገልግሎቱ ዜውዕልዎ ዝነበሩ ግዜን ጕልበትን፡ ብእተወሰነ ደረጃ ኣብ ሓዳሮም ኬውዕልዎ ኸም ዘለዎም ይፈልጥ እዩ።

18. ገሊኣቶም መጻምድቲ ድሕሪ መርዓኦም፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ንጥፈታት እንታይ ምትዕርራይ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧

18 እቲ እቶም መጻምድቲ፡ ንጽል ኰይኖም ኣብ ዚነብሩሉ ዝነበሩ እዋን ንመዘናግዕን ንኻልእ ብሕታዊ ንጥፈታቶምን ዜውዕልዎ ዝነበሩ ግዜኸ፧ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዜውዕልዎ ዝነበሩ ግዜን ጕልበትን ኣብ ንሓድሕዶም ዜውዕልዎ ኻብ ኰኑ፡ ብዝያዳ ግዳ ነቲ ኣብ ምዝናጋዕ ዜሕልፍዎ ዝነበሩ ግዜን ጕልበትን ኣብ ንሓድሕዶም ኬውዕልዎዶ ኣይግባእን፧ ሓደ ሰብኣይ ምስ ኣዕሩኹ ኣብ ስፖርት ብዙሕ ግዜ ዜሕልፍ እንተ ዀይኑ፡ ንሰበይቱ እንታይ ጽልዋ እዩ ኺገብረላ ዚኽእል፧ ወይ ከኣ ሓንቲ ሰበይቲ ንግዜኣ ኸም ቀደማ ብዙሕ ሳዕ ምስ መሓዙታ ብምዝንጋዕ ተሕልፎ እንተ ዀይና፡ ሰብኣያ እንታይ እዩ ኺስምዖ ዚኽእል፧ እቲ ዕሽሽ እተባህለ መጻምድቲ ኺጽምዎን ሓጐሱ ኺጠፍእን ዘይፍቶ ዀይኑ ኺስምዖን ይኽእል እዩ። መጻምድቲ ብእተኻእሎም መጠን ሓዳሮም ንምድልዳል እንተ ጽዒሮም፡ ካብዚ ኺስተሩ ይኽእሉ እዮም።​—ኤፌ. 5:31

የሆዋ ብስነ ምግባር ንጹሃት ክንከውን ይደልየና

19, 20. (ሀ) ሰብ ሓዳር ካብ ፈተና ጾታዊ ርኽሰት ናጻ ዘይኰኑ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ሰብ ሓዳር ንነዊሕ እዋናት ተፈላልዮም ዚነብሩ እንተ ዀይኖም፡ እንታይ ሓደጋ እዩ ኼጋጥሞም ዚኽእል፧

19 ኣገልገልቲ የሆዋ ብስነ ምግባር ንጹሃት ኪዀኑ ቘሪጾም እዮም። ገሊኣቶም በዚ መዳይ እዚ ጸገማት ምእንቲ ኸየጋጥሞም ኪምርዓዉ ወሲኖም እዮም። ይኹን እምበር፡ ሓዳር ምግባር ንበይኑ፡ ጾታዊ ርኽሰት ንኸይትፍጽም ዕቝባ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓንቲ ዕርድቲ ኸተማ ንህዝባ ኸተዕቍቦም እትኽእል ዝነበረት፡ እቶም ህዝቢ ኻብቲ ዕርዲ እንተ ዘይወጺኦም ጥራይ እዩ። ሓደ ሰብ ሸፋቱን ዘረፍትን ኣብ ዚንቀሳቐሱሉ እዋን ካብቲ ቐጽሪ ወጺኡ እንተ ኸይዱ፡ ኪዝረፍ ወይ ኪቕተል ይኽእል ነበረ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ሰብ ሓዳር ካብ ርኽሰት ኪዕቈቡ ዚኽእሉ፡ ካብቲ እቲ መስራቲ ሓዳር ዝሓጸረሎም ሓጹር ጾታዊ ርክብ እንተ ዘይወጺኦም ጥራይ እዩ።

20 ጳውሎስ ነዚ ሓጹር እዚ፡ ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:2-5 ገሊጽዎ ኣሎ። ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ሰብኣያ ጥራይ እያ ጾታዊ ርክብ ክትገብር መሰል ዘለዋ፣ ሰብኣይ እውን ከምኡ ምስ ሰበይቱ ጥራይ እዩ መሰል ዘለዎ። ነፍሲ ወከፍ፡ ንመጻምድቱ “ዚግብኦ” ኺገብረሉ፡ ወይ ምስኡ ጥራይ ጾታዊ ርክብ ብምግባር መሰሉ ኺሕልወሉ ይግባእ። ይኹን እምበር፡ ገሊኣቶም ሰብኡትን ኣንስትን ነንበይኖም ዕረፍቲ ብምውሳድ ወይ ብምኽንያት ዓለማዊ ስራሕ ተረሓሒቖም ብምንባር፡ ንነዊሕ እዋናት ይፈላለዩ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፎም ንመጻምድቶም “ዚግብኦ” ኣይገብሩሉን። ሓደ ሰብ ‘ነፍሱ ብዘይምምላኹ፡’ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ሰይጣን ብምውዳቕ ዝሙት እንተ ፈጺሙስ ኣየ ኽንደይ ዜሕዘን ኰን እዩ! የሆዋ ነቶም ንሓዳሮም ዕሽሽ ከይበሉ ንስድራ ቤቶም ዜድሊ ነገራት ዚምእርሩ ርእስታት ስድራ ቤት ይባርኾም እዩ።​—መዝ. 37:25

ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ምትግባር ዘለዎ ረብሓ

21. (ሀ) ንእተመርዓዉን ንዘይተመርዓዉን ዜጋጥሞም ውሳነታት፡ ከቢድ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 7 ዘሎ ምኽሪ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

21 ንእተመርዓዉን ንዘይተመርዓዉን ዜጋጥሞም ውሳነታት፡ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ኵሎም ሰባት ፍጹማት ኣይኰኑን፣ ኣብ ሰብኣዊ ርክባት ዜጋጥም መብዛሕትኡ ጸገማት ከኣ መበገሲኡ ዘይፍጽምና እዩ። እቶም ሞገስን በረኸትን የሆዋ ዝረኸቡ ሰባት እውን ከይተረፉ፡ እተመርዓዉ ይኹኑ ዘይተመርዓዉ ብዘየገድስ፡ ካብ ዜጕሂ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ኬምልጡ ኣይክእሉን እዮም። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 7 ዘሎ ጥበባዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ እንተ ደኣ ኣውዒልካዮ፡ ብዙሕ ጸገማት ኣይኬጋጥመካን እዩ። እተመርዓኻ ኹን ዘይተመርዓኻ፡ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ‘ጽቡቕ ክትገብር’ ኢኻ። (1 ቈረንቶስ 7:38፡ ትርጕም 1990 ኣንብብ።) ሞገስ ኣምላኽ ካብ ምርካብ ዚበልጽ በረኸት ከኣ የለን። ከመይሲ፡ ሕጂ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብታ ንዘለኣለም እትነብረላ ሓዳስ ዓለም እውን ሞገሱ ኽትረክብ ኢኻ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰብኡትን ኣንስትን እዚ ሎሚ ዜጋጥም ዘሎ ጸቕጥታትን ጸገማትን ፈጺሙ ኣይኬጋጥሞምን እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 14 ኣብታ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 2፡ ሕጡብ ጽሑፍ 16-19 ርአ።

ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧

• ንዘይተመርዓወ ሰብ፡ ንኺምርዖ ጸቕጢ ኽንገብረሉ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

• ከም ንጽል ኣገልጋሊ የሆዋ መጠን ንግዜኻ ብጽቡቕ ክትጥቀምሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

• ኣብ ወረዘ ዘለዉ ወድን ጓልን ኣብ ሓዳር ኬጋጥም ንዚኽእል ጸገማት ብኸመይ እዮም ኪዳለዉሉ ዚኽእሉ፧

• ሓዳር ምግባር ንበይኑ፡ ጾታዊ ርኽሰት ንኸይትፍጽም ዕቝባ ኪኸውን ዘይክእል ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ንግዜኦም ኣገልግሎቶም ንምስፋሕ ዚጥቀምሉ ዘይተመርዓዉ ክርስትያናት ሕጉሳት እዮም

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ገሊኣቶም ድሕሪ መርዓኦም እንታይ ምትዕርራይ እዮም ኪገብሩ ዜድልዮም፧