ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንዅሎም ሕዙናት ኣጸናንዓዮም’

‘ንዅሎም ሕዙናት ኣጸናንዓዮም’

‘ንዅሎም ሕዙናት ኣጸናንዓዮም’

‘ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡ የሆዋ ቐቢኡኒ እዩ።’​—ኢሳ. 61:1, 2

1. የሱስ ንዝሓዘኑ ሰባት እንታይ እዩ ገይሩሎም፧ ስለምንታይከ፧

የሱስ ክርስቶስ፡ “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” በለ። (ዮሃ. 4:34) ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዕዮ ኺፍጽም ከሎ ኸኣ፡ ነቲ ዜደንቕ ባህርያት ኣቦኡ ኣንጸባረቐ። ሓደ ኻብዚ ባህርያት እዚ፡ እቲ የሆዋ ንሰባት ዘለዎ ፍቕሪ እዩ። (1 ዮሃ. 4:7-10) ሃዋርያ ጳውሎስ ንየሆዋ፡ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ንሓደ ኻብቲ የሆዋ ፍቕሩ ዜርእየሉ መዳይ ኣጕልሐ። (2 ቈረ. 1:3) የሱስ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ተነጊሩ ዝነበረ ትንቢት ኪፍጽም ከሎ፡ ከምኡ ዓይነት ፍቕሪ እዩ ኣርእዩ። (ኢሳይያስ 61:1, 2 ኣንብብ።) ኣብቲ ኣብ ናዝሬት ዚርከብ ቤት ጸሎት ኰይኑ ኻብ ትንቢት ኢሳይያስ ድሕሪ ምንባብ፡ ነቲ ዘንበቦ ኣብ ርእሱ ኣውዓሎ። (ሉቃ. 4:16-21) ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ ኸኣ፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንዝሓዘኑ ብምትብባዕን ናይ ኣእምሮ ሰላም ከም ዚረኽቡ ብምግባርን ኣጸናኒዕዎም እዩ።

2, 3. ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ንዝሓዘኑ ሰባት ብምጽንናዕ ንየሱስ ኪመስልዎ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

2 ኵሎም ሰዓብቲ የሱስ፡ ንዝሓዘኑ ሰባት ብምጽንናዕ ንየሱስ ኪመስልዎ ኣለዎም። (1 ቈረ. 11:1) ጳውሎስ፡ “ንሓድሕድኩም ተተባብዑ፥ ንሓድሕድኩም ድማ ተሓናነጹ” በለ። (1 ተሰ. 5:11ትርጕም 1990) ብሕልፊ ኣብዚ ደቂ ሰብ ዚነብሩሉ ዘለዉ “ኽፉእ ዘመን፡” ንኻልኦት ከነጸናንዖም ኣሎና። (2 ጢሞ. 3:1) ከመይሲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት፡ ኣብ መንጎ እቶም ብቓሎምን ብተግባሮምን ጓህን ሓዘንን ዜምጽኡ ሰባት እዮም ዚነብሩ ዘለዉ።

3 ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ዚነብሩ ሰባት፡ “ፈተውቲ ርእሶም . . . ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ” ኸም ዚዀኑ፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹ ነይሩ እዩ። ‘እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን፡ ናብ ዝገደደ ይበጽሑ’ ስለ ዘለዉ፡ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጠባይ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ።​—2 ጢሞ. 3:2-4, 13

4. ሎሚ ዅነታት ዓለም ከመይ እዩ ዘሎ፧

4 ቃል ኣምላኽ፡ “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ስለ ዚገልጽ፡ እዚ ዅሉ ኼገርመና የብሉን። (1 ዮሃ. 5:19) እቲ ኣብዚ “ብዘላ ዓለም” ተባሂሉ ዘሎ፡ ንፖለቲካውን ንሃይማኖታውን ንንግዳውን ባእታታት፡ ከምኡውን ነቲ ፕሮፓጋንዳ ዚንዝሓሉ መትረባት እዩ ዜመልክት። ሰይጣን ድያብሎስ፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ”ን “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ”ን ተገይሩ እንተ ተገልጸ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (ዮሃ. 14:30፣ 2 ቈረ. 4:4) እቲ የሆዋ ንሰይጣን ዜጥፍኣሉ ግዜ ይቐርብ ስለ ዘሎ፡ ሰይጣን ከኣ ብዛዕባ እዚ ስለ ዚፈልጥ፡ ኣዝዩ ተቘጢዑ እዩ ዘሎ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ዅነታት ምድሪ እናኣንቈልቈለ ዚኸይድ ዘሎ። (ራእ. 12:12) ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንሰይጣንን ነዚ እኩይ ስርዓቱን ከም ዜጥፍኦም፡ እቲ ሰይጣን ዘበገሶ ንልዑላውነት የሆዋ ዚምልከት ጕዳይ ከኣ መዕለቢ ኸም ዚግበረሉ ምፍላጥና፡ ኣዝዩ እዩ ዜጸናንዓና።​—ዘፍ. ምዕ. 3፣ እዮ. ምዕ. 2

ወንጌል ኣብ ብዘላ ዓለም ይስበኽ ኣሎ

5. እቲ ብዛዕባ ዕዮ ስብከት እተነግረ ትንቢት፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚፍጸም ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

5 ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ኣጸጋሚ እዋን፡ እቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት ይፍጸም ኣሎ። ንሱ፡ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” በለ። (ማቴ. 24:14) እዚ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ዕዮ ምስክርነት፡ ኣብ መላእ ምድሪ ብስፍሓት ይዕየ ኣሎ። ሎሚ ኣብ ልዕሊ 107,000 ጉባኤታት ዚርከቡ ልዕሊ 7,500,000 ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዛዕባ እታ ቐንዲ መልእኽቲ ስብከትን ትምህርትን የሱስ ዝነበረት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ። (ማቴ. 4:17) ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ዝሓዘኑ ሰባት ይጸናንዑ ኣለዉ። ኣብዘን ዝሓለፋ ኽልተ ዓመታት እኳ፡ ብድምር 570,601 ዚዀኑ ውልቀ ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ተጠሚቖም እዮም።

6. ዕዮ ስብከትና ኽሳዕ ክንደይ እዩ ሰፊሑ ዘሎ፧

6 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ብልዕሊ 500 ቛንቋታት ተርጒሞም ይዝርግሑ ምህላዎም፡ ስፍሓት እቲ ዕዮ ስብከት ዚሕብር እዩ። ኣብ መላእ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ከምዚ ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ። ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ብንጥፈት ይዓዪን ይዓብን ምህላዉ፡ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ። ብዘይ መምርሕን ሓገዝን እቲ ሓያል ዝዀነ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለም፡ ከምዚ ዓይነት ዕዮ ኣይምተዓይየን። ወንጌል ኣብ ብዘላ ዓለም ይስበኽ ስለ ዘሎ፡ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መጸናንዒ፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚቕበሉ ዝሓዘኑ ሰባት እውን ይጠቕሞም ኣሎ።

ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትካ ኣጸናንዓዮም

7. (ሀ) የሆዋ ኣብዚ እዋን እዚ ንዅሉ ዜጕህየና ነገራት ኬወግዶ ዘይንጽበ ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ንመስጐጕትን ንመከራን ብጽንዓት ክንሰግሮ ኸም እንኽእል ብኸመይ ንፈልጥ፧

7 ኣብዛ እከይን መከራን መሊእዋ ዘሎ ዓለም፡ ዜጕሂ ነገራት ከም ዜጋጥመና ፍሉጥ እዩ። ኣምላኽ ነዚ ስርዓት እዚ ኽሳዕ ዜጥፍኦ፡ ንዅሉ እቲ ዜሕዝነናን ዜጕህየናን ነገራት ኬወግዶ ኣይንጽበን ኢና። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ እቲ ብትንቢት እተነግረ መስጐጕቲ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ደገፍቲ ልዑላውነት የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ንጽህናና ኺፍተን ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 3:12) ይኹን እምበር፡ ሰማያዊ ኣቦና ስለ ዚሕግዘናን ስለ ዜጸናንዓናን፡ ልክዕ ከምቶም ንመስጐጕትን ንመከራን ብጽንዓት ዝሰገርዎ ኣብ ጥንታዊት ተሰሎንቄ ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት ክንከውን ንኽእል ኢና።​—2 ተሰሎንቄ 1:3-5 ኣንብብ።

8. የሆዋ ንኣገልገልቱ ኸም ዜጸናንዖም ዚሕብር፡ ኣየናይ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መርትዖ እዩ፧

8 የሆዋ ንኣገልገልቱ ኸም ዜጸናንዖም ኣየተሓታትትን እዩ። ንኣብነት፡ እታ እክይቲ ዝነበረት ንግስቲ ኢዛቤል ንነብዪ ኤልያስ ምስ ኣፈራርሃቶ፡ እቲ ነብዪ ኣመና ስለ ዝፈርሀ፡ ሃደመ፣ ሞት ድማ ተመነየ። የሆዋ ግና ንኤልያስ ኣብ ክንዲ ዚነቕፎ፡ ኣጸናንዖ፣ ከም ነብዪ ዀይኑ ዕዮኡ ንኪቕጽል እውን ኣተባብዖ። (1 ነገ. 19:1-21) እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሕለፈቶ ተመክሮ እውን፡ የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዜጸናንዖም ዚሕብር እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነታ ኣብ ኵላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ማሕበር ብዘላ ሰላም ኰነላ” ኸምኡውን “እናተሀንጸት . . . ከደት” ይብል። ብዘይካዚ፡ እታ ጉባኤ “ብፍርሃት እግዚኣብሔር እናተመላለሰትን ብመንፈስ ቅዱስ እናተጸናንዐትን . . . በዝኀት” (ትርጕም 1990) ዚብል እውን ነንብብ ኢና። (ግብ. 9:31) ንሕና እውን እንተ ዀንና፡ ‘ብመንፈስ ቅዱስ ክንጸናናዕ’ ንኽእል ኢና።

9. ብዛዕባ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ ኼጸናንዓና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

9 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ክንመሃር ከለናን ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ ከለናን ንጸናናዕ ኢና። የሱስ፡ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” ኢሉ ነበረ። (ማቴ. 11:28-30) ብዛዕባ እቲ የሱስ ንሰባት ዚሕዘሉ ዝነበረ መገዲ እንተ ተማሂርናን ነቲ ሰናይ ኣብነቱ እንተ ስዒብናን፡ ጭንቀትና ኺንኪ ይኽእል እዩ።

10, 11. ኣብ ጉባኤ ንኻልኦት ኬጸናንዕ ዚኽእል መን እዩ፧

10 ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና እውን ኬጸናንዑና ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ሽማግለታት ነቶም ዝጐሃዩ ሰባት ብኸመይ ከም ዚሕግዝዎም እስከ ንርአ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ኣብ ማእከልኩምከ [ብመንፈስ] ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ። ከምኡ ምግባር እንታይ ውጽኢት እዩ ዘለዎ፧ ያእቆብ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ” በለ። (ያእ. 5:14, 15) ካልኦት ኣባላት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን፡ ንኣሕዋቶም ኬጸናንዑ ይኽእሉ እዮም።

11 ኣንስቲ ብዛዕባ ጸገማተን ንኻልኦት ኣንስቲ ኺዛረባ እዩ ዚቐለን። ብሕልፊ ብዕድመ ዝደፍኣን ዝያዳ ተመክሮ ዘለወንን ኣሓት፡ ነተን ብዕድመ ዝነኣሳ ኣሓት ኪምዕዳአን ይኽእላ እየን። ከመይሲ፡ እተን ብዕድመ ዚዓብያ ብሱላት ክርስትያናት ኣንስቲ፡ ተመሳሳሊ ዅነታት ኣሕሊፈን ኪዀና ይኽእላ እየን። ዜርእያኦ ድንጋጽን ባህርይን ከኣ፡ ነተን ብዕድመ ዝነኣሳ ኣሓት ኣዝዩ ኺሕግዘን ይኽእል እዩ። (ቲቶስ 2:3-5 ኣንብብ።) ሓቂ እዩ፡ ሽማግለታትን ካልኦት ኣሕዋትን እውን፡ ‘ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ኬተባብዕዎም’ ይኽእሉ እዮም፣ ከምኡ ኺገብሩ እውን ኣለዎም። (1 ተሰ. 5:14, 15ትርጕም 1990) ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ፡ “ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከአለናስ፡ ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ” ምዃኑ ኽንዝክር ኣሎና።​—2 ቈረ. 1:4

12. ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንእከብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

12 ሓደ ኻብቲ ምጽንናዕ እንረኽበሉ ኣገዳሲ መዳይ፡ ኣብቲ ዜተባብዕ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ዚግበረሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ይሁዳን ሲላስን . . . ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዐድዎምን ኣበርትዕዎምን” ዚብል ነንብብ። (ግብ. 15:32) ቅድሚ ኣኼባ ምጅማሩን ድሕሪኡን፡ ኣባላት እታ ጉባኤ፡ ዚሃንጽ ዕላል የዕልሉ እዮም። ስለዚ፡ ዋላ እውን ዜጕሂ ነገራት እንተ ኣጋጠመና፡ ርእስና ኣይንፍለ፣ ከመይሲ፡ ከምኡ ምግባር ንዅነታትና ኣየመሓይሾን እዩ። (ምሳ. 18:1) ስለዚ፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽሪ ንስዓብ፣ ንሱ፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ” በለ።​—እብ. 10:24, 25

ብቓል ኣምላኽ ተጸናናዕ

13, 14. ቅዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ኬጸናንዓና ኸም ዚኽእል ግለጽ።

13 እተጠመቕና ክርስትያናት ንኹን ወይ ገና ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማኡን እንመሃር ዘሎና፡ ብቓል ኣምላኽ ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ፡ “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” በለ። (ሮሜ 15:4) ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኬጸናንዓናን ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺምና ተዳሊና ፍጹማት ንኽንከውን’ ኪሕግዘናን ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ እቲ ሓቂ ምፍላጥን ናይ ሓቂ ተስፋ ምርካብን፡ ኣዝዩ ኼጸናንዓና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ቃል ኣምላኽን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ኬጸናንዓናን ብብዙሕ መገዲ ኺሕግዘናን ስለ ዚኽእል፡ ምሉእ ብምሉእ ንጠቐመሉ።

14 የሱስ ንቕዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሙ ይምህርን ንኻልኦት የጸናንዕን ስለ ዝነበረ፡ ሰናይ ኣብነት ይዀነና እዩ። ንኣብነት፡ ካብ ሞት ድሕሪ ምትንሳኡ፡ ንኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ‘ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ተርጐመሎም’ ወይ ምሉእ ብምሉእ ገለጸሎም። ኪዛረቦም ከሎ ኸኣ፡ ልቦም ተተንከፈ። (ሉቃ. 24:32) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ነቲ ሰናይ ኣብነት የሱስ ብምቕዳሕ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት የረድእ ነበረ። እቶም ኣብ ቤርያ ዝነበሩ ንዕኡ ዝሰምዕዎ ሰባት፡ “ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ።” (ግብ. 17:2, 10, 11) ስለዚ እምበኣር፡ በብመዓልቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ኣሎና፣ ካብኡን ካብቲ ኣብዚ ሽግር ዝመልኦ እዋን ኬጸናንዓናን ተስፋ ኺህበናን ተባሂሉ እተዳለወ ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ከኣ ጥቕሚ ኽንረክብ ኣሎና።

ንኻልኦት ከተጸናንዓሉ እትኽእል ተወሳኺ መገድታት

15, 16. ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ንምጽንናዕ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

15 ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ኽንሕግዘሉን ከነጸናንዓሉን እንኽእል እተፈላለየ መገድታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡን ዝሓመሙን ኣሕዋትና፡ ዜድልዮም ነገራት ክንዕድገሎም ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣብ ዕዮ ገዛ ብምሕጋዝ፡ ከም እንግደሰሎም ከነርእዮም ንኽእል ኢና። (ፊል. 2:4) ምናልባት እውን ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና፡ በቲ ዜንጸባርቕዎ ኸም ፍቕርን ተበላሓትነትን ትብዓትን እምነትን ዝኣመሰለ ጽቡቕ ባህሪኦም ክንንእዶም ንኽእል ኢና።

16 ንኣረጋውያን ከነጸናንዖም እንተ ደሊና፡ ክንበጽሖም ከምኡውን ብዛዕባ ተመክሮኦምን ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝረኸብዎ በረኸትን ኪዛረቡ ኸለዉ ጽን ኢልና ኽንሰምዖም ንኽእል ኢና። ከምኡ ምግባርና፡ ተመሊሱ ንዓና ኼተባብዓናን ኬጸናንዓናን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቶም እንበጽሖም ሰባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተመስረተ ጽሑፋት ከነንብበሎም ንኽእል ኢና። ምናልባት እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ዚውሰድ ትምህርቲ ኽንመያየጥ ንኽእል ንኸውን። ወይ ከኣ ብሓባር ኴንና ቕዱስ ጽሑፋዊ መልእኽቲ ዘለዎ ዲቪዲ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ጽሑፋትና ብዛዕባ ዝወጸ ዜተባብዕ ተመክሮ እውን ከነዘንትወሎም ንኽእል ኢና።

17, 18. እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ የሆዋ ኸም ዚድግፈናን ከም ዜጸናንዓናን ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

17 ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ምጽንናዕ ከም ዜድልዮ እንተ ተገንዚብና፡ ምእንታኡ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 15:30፣ ቈሎ. 4:12) ኣብ ህይወትና ምስ ዜጋጥመና ጸገማት ክንቃለስን ንኻልኦት ንምጽንናዕ ክንጽዕርን ከለና፡ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበሮ ዓይነት እምነትን ምትእምማንን ኪህልወና እዩ፣ ንሱ፡ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 55:22) እወ፡ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ የሆዋ ወትሩ ኼጸናንዓናን ኪድግፈናን እዩ።

18 ኣምላኽ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ኣምለኽቱ፡ “ኣነ፡ ኣነ እየ ዘጸናንዓኩም” ኢልዎም ነበረ። (ኢሳ. 51:12) የሆዋ ንዓና እውን ከምኡ ኺገብረልና እዩ፣ ንዝሓዘኑ ሰባት ብቓልን ብግብርን ከነጸናንዖም ከለና ኸኣ ኪባርኸና እዩ። ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ፡ ነፍሲ ወከፍና በተን ጳውሎስ ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ብጾቱ ዝነገሮም ከምዚ ዚስዕብ ዚብላ ቓላት ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና፦ “ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባዕሉን እቲ ዘፍቀረናን ብጸጋ ናይ ዘለኣለም ምጽንናዕን ጽቡቕ ተስፋን ዝሀበና እግዚኣብሄር ኣቦናን፡ ብሰናይ ግብርን ቃልን ዘበለ ልብኹም የጸናንዕን የበርትዕን።”​—2 ተሰ. 2:16, 17

ትዝክሮዶ፧

• ንዝሓዘኑ ንምጽንናዕ፡ ከመይ ዝበለ ሰፊሕ ዕዮ እዩ ዚዕየ ዘሎ፧

• ንኻልኦት ንምጽንናዕ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

• የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዜጸናንዕ ዚሕብር፡ ኣየናይ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መርትዖ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ንዝሓዘኑ ኣብ ምጽንናዕ እጃምካ ተበርክትዶ ኣለኻ፧

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ፡ ንኻልኦት ከነተባብዕ ንኽእል ኢና