ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ብምግልጋለይ ሕጉስ እየ

ንየሆዋ ብምግልጋለይ ሕጉስ እየ

ንየሆዋ ብምግልጋለይ ሕጉስ እየ

ፍረድ ራስክ ዘዘንተዎ

ገና ብቝልዕነተይ ንሓቅነት እተን ኣብ መዝሙር 27:10 ዚርከባ፡ “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፡ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” ዚብላ ቓላት ዳዊት ኣብ ህይወተይ ርእየየን እየ። እዚ ኣባይ ብኸመይ ከም እተፈጸመ እስከ ኸዘንትወልኩም።

ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ጆርጅያ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ናይ ኣቦሓጎይ ሕርሻ ጡጥ እየ ዓብየ፣ እቲ ግዜ ብ1930ታት ኰይኑ፡ ዓብዪ ቝጠባዊ ቕልውላው ዝነበረሉ እዋን እዩ ነይሩ። ኣቦይ ብምኽንያት ሞት ኣደይን ሓወይን ኣዝዩ ስለ ዝጐሃየ፡ ንዓይ ምስ ኣቦሓጎይ ሓዲጉኒ፡ ስራሕ ኪደሊ ናብ ርሑቕ ከተማ ኸደ። ምስኡ ንኽነብር ኢሉ ኺወስደኒ ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ፈተነ፡ ኣይኰነሉን።

ኣሞታተይ ንቤት ኣቦሓጎይ የካይዳኦ ነበራ። ኣቦሓጎይ ብዛዕባ ሃይማኖት ብዙሕ ተገዳስነት እኳ እንተ ዘይነበሮ፡ ደቁ ግና ኣኽረርቲ ባፕቲስት እየን ነይረን። እናኣፈራርሃ ኸኣ፡ ሰንበት ሰንበት ናብ ቤተ ክርስትያን ይወስዳኒ ነበራ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ገና ኻብ ቍልዕነተይ ብዛዕባ ሃይማኖት ብዙሕ ኣይግደስን እየ ነይረ። ትምህርትን ስፖርትን ግና እፈቱ ነበርኩ።

ንህይወተይ ዝቐየረ ምብጻሕ

ብ1941 ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ቐትሪ፡ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይን ሰበይቱን ናብ ቤትና መጹ፣ ሽዑ ወዲ 15 ዓመት እየ ነይረ። እቲ ሰብኣይ፡ ታልማጅ ራስክ ዝስሙ ዘመድና እዩ ነይሩ። ቅድሚኡ ፈጺመ ብዛዕባኡ ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ ነይረ፣ ናብ ቤትና ምስ መጸ ግና፡ ንሱን ሰበይቱን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ፈለጥኩ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ንምግባር ዘውጸኦ ዕላማ ኺዛረብ ምስ ሰማዕክዎ፡ እቲ ሓሳብ ካብቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝሰምዖ ዝነበርኩ እተፈልየ ዀነኒ። መብዛሕትኦም ኣባላት ስድራ ቤትና ነቲ ታልማጅን ሰበይቱን ዚብልዎ ዝነበሩ ሓሳብ ነጸግዎ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ኣቈናጸብዎ። ታልማጅን ሰበይቱን ከኣ እንደገና ናብ ቤትና ኸይመጹ ተኸልከሉ። ይኹን እምበር፡ እታ ኻባይ ብሰለስተ ዓመት ጥራይ እትዓቢ ኣሞይ ሜሪ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባኡ ዚገልጽ ጽሑፋትን ተቐበለት።

ሜሪ ነዊሕ ከይጸንሐት ንሓቂ ኸም ዝረኸበታ ስለ ዝኣመነት፡ ብ1942 ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ተጠምቀት። ነቲ የሱስ ዝበሎ፡ “ንሰብ እቶም ቤተሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም” ዚብል ሓሳብ እውን ተመኪራቶ እያ። (ማቴ. 10:34-36) እቲ ስድራ ቤትና ዜውርድዎ ዝነበሩ ምጽራር እናኸፍአ ኸደ። ሓንቲ ኣብ ጕዳያት እቲ ኣውራጃ ጕሉሕ ቦታ ዝነበራ ዓባይ ሓብታ ንሜሪ፡ ምስቲ ኸንቲባ ተሻሪኻ ንታልማጅ ዘመድና ኣእሰረቶ። ታልማጅ ድማ፡ ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ ጽሑፋት ይሸይጥ ከም ዝነበረ ተኸሲሱ ተፈርደ።

እታ ኣብቲ ኸባቢ እትሕተም ጋዜጣ፡ እቲ ኸም ዳኛ ዀይኑ እውን ዚዓዪ ዝነበረ ኸንቲባ፡ ነቶም ኣብቲ ቤት ፍርዲ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ዚዝርግሖ ዘሎ ጽሑፋት . . . ልክዕ ከም መርዚ ሓደገኛ እዩ” ኸም ዝበሎም ጸብጸበት። ታልማጅ ዘመድና ይግባይ ብምባል ኣብቲ ጕዳይ እኳ እንተ ረትዐ፡ ክሳዕ ነቲ ጕዳይ ዚረትዕ ግና ንዓሰርተ መዓልቲ ተኣስረ።

ኣሞይ ሜሪ ብኸመይ ከም ዝሓገዘትኒ

ሜሪ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ እምነታ ትነግረኒ ነበረት፡ ንጐረባብታ እውን ትምስክረሎም ነበረት። ሓደ ግዜ፡ ንሓደ ዘ ኒው ዎርልድ * ዘርእስታ መጽሓፍ እተቐበለ ሰብኣይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመርሓሉ ኽትከይድ ከላ፡ ምስኣ ኸድኩ። ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ድማ፡ ሰብኣያ ነታ መጽሓፍ ኬንብባ ኸም ዝሓደረ ነገረትና። ተቐላጢፈ ናብ ሃይማኖት ክኣቱ እኳ እንተ ዘይደለኹ፡ እቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ግና ሰሓበኒ። ይኹን እምበር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ህዝቢ ኣምላኽ ምዃኖም ዘእመነኒ፡ እቲ ዚምህርዎ መሰረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነስ፡ እቲ ዚወርዶም ዝነበረ መስጐጕቲ እዩ ነይሩ።

ንኣብነት፡ ሓደ መዓልቲ ኣነን ሜሪን ተኽሊ ኮሚደረ ዀስኲስና ኽንምለስ ከለና፡ ኣብቲ መንደድ ጐሓፍ፡ ጽሑፋትን ፎኖግራፍን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ እተቐድሐ መደረታትን ነዲዱ ረኸብና፣ ዓበይቲ ኣሓታ ንሜሪ እየን ኣንዲደናኦ። ተቘጢዐ ምስ ተዛረብክወን፡ ሓንቲ ኻብኣተን፡ “ምስ ዓበኻ በዚ ዝገበርናዮ ተግባር ከተመስግነና ኢኻ” በለትኒ።

ሜሪ ነቲ ሓድሽ እምነታ ኽትሓድጎን ንጐረባብታ ኻብ ምስባኽ ከተቋርጽን ስለ ዘይደለየት፡ ብ1943 ካብ ቤት ተባረረት። ሽዑ፡ ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ብምፍላጠይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ዘየሳቒ ፈቃርን ርሕሩሕን ኣምላኽ ከም ዝዀነ ብምግንዛበይ እውን ተሓጐስኩ። ብዘይካዚ፡ ዋላ እኳ ኽሳዕ ሽዑ ናብ ኣኼባ ኸይደ ዘይፈልጥ እንተ ነበርኩ፡ የሆዋ ፈቃር ውድብ ከም ዘለዎ ግና ፈለጥኩ።

ድሕሪ ገለ ግዜ፡ ሳዕሪ ኽዓጽድ ከለኹ፡ ሓንቲ ማኪና መጸት፣ እቶም ኣብ ውሽጢ እታ ማኪና ዝነበሩ ኽልተ ሰብኡት ከኣ፡ ፍረድ እንተ ዀይነ ሓተቱኒ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ምስ ፈለጥኩ፡ “ተተሓሒዝና ናብ ካልእ ስቱር ቦታ ንኺድ እሞ፡ ኣብኡ ንዘራረብ” በልክዎም። ሜሪ እያ ናባይ ልኢኻቶም። ሓደ ኻብቶም ሰብኡት፡ ሺልድ ቱትጂን ዚበሃል ገያሺ ኣገልጋሊ ዀይኑ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዜድልየኒ ዝነበረ ምትብባዕን መንፈሳዊ መምርሕን ሃበኒ። ንእምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክጣበቐሉ ስለ ዝጀመርኩ ድማ፡ እቲ ናይ ስድራ ቤት ምጽራር ኣባይ ኣተኰረ።

ሜሪ ኣብቲ ዝኸደትሉ ቦታ፡ ማለት ኣብ ቨርጂንያ ዀይና፡ ንየሆዋ ኸገልግሎ እንተ ቘሪጸ፡ ምስኣ ኽነብር ከም ዝኽእል ጸሓፈትለይ። ሽዑ ንሽዑ ኸኣ ክኸይድ ወሰንኩ። ኣብ ጥቅምቲ 1943 ዓርቢ ምሸት ከኣ፡ ዜድልየኒ ዘበለ ኣብ ሳጹን ኣእትየ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ቤትና ርሕቕ ኢላ እትርከብ ኦም ኣሰርክዎ። ቀዳም ድማ ነታ ሳጹን ፈቲሐ፡ ብድሕሪ ቤትና ብዘሎ እንዳ ጐረቤትና ገይረ ናብ ከተማ ኸድኩ። ናብ ሮናክ እትበሃል ከተማ ተጓዒዘ ኸኣ፡ ምስታ ኣብ ቤት ኤድና ፎውልስ እትነብር ዝነበረት ሜሪ ተራኸብኩ።

መንፈሳዊ ዕቤትን ጥምቀትን ቤትኤልን

ኤድና ልክዕ ከምታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ልድያ፡ ርሕርሕትን ሓንቲ ኻብቶም ቅቡኣትን እያ ነይራ፣ ሓደ ዓብዪ ቤት ተኻርያ ኸኣ፡ ንኣሞይ ሜሪን ንሰበይቲ እቲ ተጻራሪ ዝነበረ ሓዋን ንኽልተ ደቃን ተቐበለተን። እዘን ግላዲስ ግሪጎሪን ግሬስ ግሪጎሪን ዝስመን ኣዋልድ፡ ጸኒሐን ሚስዮናውያን ኰና። እታ ኣብ 90ታት ዕድሚኣ እትርከብ ግላዲስ፡ ክሳዕ ሕጂ ብተኣማንነት ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጃፓን ተገልግል ኣላ።

ኣብ ቤት ኤድና እናነበርኩ፡ ኣዘውቲረ ናብ ኣኼባታት እኸይድን ኣብ ኣገልግሎት እስልጥንን ነበርኩ። ቃል ኣምላኽ ንምጽናዕን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምእካብን ዝረኸብክዎ ናጽነት፡ ነቲ እናዓበየ ዚኸይድ ዝነበረ መንፈሳዊ ሸውሃተይ ኣዕገቦ። ብ14 ሰነ 1944 ከኣ ተጠመቕኩ። ሜሪን ግላዲስ ግሪጎሪን ግሬስ ግሪጎሪን፡ ፈለምቲ ዀይነን ኣብ ሰሜን ቨርጂንያ የገልግላ ነበራ። ኣብ ሊዝበርግ ጉባኤ ኣብ ምምስራት ከኣ ዓብዪ እጃም ኣበርከታ። ኣነ ድማ ኣብ መጀመርታ 1946፡ ፈላሚ ዀይነ ኣብ ጥቓ ሊዝበርግ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ኸገልግል ጀመርኩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ፡ ብሓባር ኴንና ናብቲ ኣብ ክሊቭላንድ፡ ኦሃዮ ኻብ ነሓሰ 4-11 እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ኸድና።

ኣብቲ ኣኼባ፡ እቲ ሽዑ ኣብ ውድብ የሆዋ መሪሕ ግደ ዝነበሮ ናታን ኖር፡ ነቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቤትኤል ንምስፋሕ ብዛዕባ እተገብረ መደባት ገለጸ። እዚ ኸኣ፡ ሓድሽ መንበርን ተወሳኺ ቦታ ሕትመትን ምህናጽ ዜጠቓልል ነበረ። ብዙሓት መንእሰያት ኣሕዋት ይድለዩ ነበሩ። ንየሆዋ ኣብኡ ዀይነ ኸገልግሎ ወሰንኩ። ናብ ቤትኤል ክኣቱ ኸኣ ኣመልከትኩ፣ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ፡ ማለት ብ1 ታሕሳስ 1946 ድማ ኣተኹ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ እቲ ሓላው ቤት ማሕተም ዝነበረ ማክስ ላርሰን ናብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ኽፍሊ ምልእኣኽ ደብዳበ መጸ። ናብ ክፍሊ ኣገልግሎት ከም እተመደብኩ ኸኣ ነገረኒ። ኣብዚ ኽፍሊ እዚ፡ ብፍላይ ምስቲ ሓላው ክፍሊ ኣገልግሎት ዝነበረ ቲ. ጀይ. ባድ ሱሊቫን ክሰርሕ ከለኹ፡ ብዛዕባ ኣወዓዕላ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ ኣተዓይያ ውድብ ኣምላኽን ብዙሕ ተመሃርኩ።

ኣቦይ ብተደጋጋሚ ናብ ቤትኤል መጺኡ በጺሑኒ እዩ። ብዕድመ እናደፍአ ምስ ከደ፡ ኣብ ሃይማኖት ተገዳስነት ኬሕድር ጀሚሩ ነበረ። ኣብታ ንመወዳእታ ዝመጸላ እዋን፡ ማለት ብ1965፡ “ንስኻ ደኣ መጺእካ ትበጽሓኒ እምበር፡ ኣነስ ድሕሪ ሕጂ ኽበጽሓካ ኣይመጽእን እየ” በለኒ። ቅድሚ ሙማቱ፡ ንእተወሰነ እዋን በጺሐዮ ነይረ እየ። ናብ ሰማይ ከም ዚኸይድ እዩ ዚኣምን ነይሩ። መቸም ኣብ ዝኽሪ የሆዋ ኺህሉ ተስፋ እገብር፣ ከምኡ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ ከምቲ ዝሓሰቦ ኣብ ሰማይ ዘይኰነስ፡ ኣብዛ ናብ ገነት እትቕየር ምድሪ እዚኣ፡ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሒዙ ኺነብር እዩ።

ካልእ ዘይርሳዕ ኣኼባታት ኣውራጃን ህንጸትን

ኣኼባታት ኣውራጃ፡ ወትሩ ምንጪ መንፈሳዊ ዕቤት እዩ። ብፍላይ እቲ ኣብ 1950ታት ኣብ ኒው ዮርክ ያንኪ ስታድዩም እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባታት፡ ናይዚ ሓቅነት እዩ ዜረጋግጽ። ብ1958 ኣብ ያንኪ ስታድዩምን ኣብ ፖሎ ግራውንድስን፡ ካብ 123 ሃገራት ዝመጹ 253,922 ተኣከብቲ ነበሩ። ሽዑ ድማ ሓደ ዘይርሳዕ ፍጻመ ኣጋጠመኒ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣኼባ ኣውራጃ ኽዓዪ ኸለኹ፡ ሓው ኖር ተቐላጢፉ ናባይ መጸ። “ፍረድ፡ ነቶም ኣብ ኣዳራሽ ተኣኪቦም ዘለዉ ፈለምቲ መደረ ዜቕርበሎም ሰብ ከይመደብኩ ረሲዕዮ። ቀልጢፍካ ኼድካ ጽቡቕ መደረ ኸተቕርበሎም ትኽእልዶ፧” በለኒ። ኣብቲ ቦታ ኽበጽሕ ከለኹ ትንፋስ ሓጺሩኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ቅድሚኡ ግና ብዙሕ ጸልየ እየ።

ብ1950ታትን ብ1960ታትን ኣብ ኒው ዮርክ ሲቲ ዝነበራ ጉባኤታት እናወሰኻ ስለ ዝኸዳ፡ ሕጽረት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጋጠመ። ስለዚ፡ ካብ 1970 ክሳዕ 1990፡ ኣብ ማንሃታን ንመአከቢ ዚኸውን ሰለስተ ህንጻታት ተዓዲጉ ተሓደሰ። ኣቦ መንበር እቲ ንፕሮጀክት እዚ ህንጻታት ዚከታተሎ ዝነበረ ኮሚተ ህንጸት ስለ ዝነበርኩ፡ የሆዋ ንጻዕሪ እተን ጉባኤታት ብኸመይ ኣብዚሑ ኸም ዝባረኾ ርእየ እየ፣ እዘን ጉባኤታት እዚኣተን ብሓባር ኰይነን ነቲ ማእከል ኣምልኾ ዝዀነ ህንጻታት ብገንዘብ ብምድጋፍ ንኺዛዘም ሓጊዘን እየን።

ኣብ ህይወተይ ዘጋጠመኒ ለውጥታት

ብ1957 ሓደ መዓልቲ፡ በቲ ኣብ መንጎ መንበሪ ህንጻ ቤትኤላውያንን ኣብ መንጎ ቤት ሕትመትን ዘሎ መናፈሻ ብእግረይ ክኸይድ ከለኹ፡ ኪዘንም ጀመረ። ሓንቲ ጽቡቕ ዝጸጕራ ምልክዕቲ ሓዳስ ቤትኤላዊት ቀቅድመይ ክትከይድ ከላ ድማ ረኣኹ። ጽላል ስለ ዘይነበራ ኸኣ፡ ምሳይ ከተጽልል ነገርክዋ። በዚ ኸምዚ ምስ ማርጀሪ ተላለና፣ ብ1960 ካብ እንምርዖ ንነጀው ከኣ፡ ኣብ ጽቡቕ ይኹን ኣብ ሕማቕ እዋን፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብሓባር ኴንና ንጐዓዝ ኣለና። ኣብ መስከረም 2011፡ ካብ እንምርዖ 51 ዓመት ገበርና።

ካብ ሕጽኖትና ምስ ተመለስና ብኡንብኡ፡ ሓው ኖር ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ መምህር ክኸውን ከም እተመደብኩ ነገረኒ። ከመይ ዝኣመሰለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ ነይሩ! ካብ 1961 ክሳዕ 1965 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ንኣባላት ኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብዛዕባ ኣመሓድራ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዜሰልጥን ሓሙሽተ ነዋሕቲ ኮርሳት ተዋህበ። ኣብ መወዳእታ 1965፡ እቲ ኮርሳት እንደገና ሓሙሽተ ወርሒ ስለ ዝዀነ፡ ኣትኵሮ እቲ ስልጠና ኣብ ሚስዮናውያን ኰነ።

ብ1972 ካብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናብቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ጽሑፋት ካብ ኣንበብቲ ንዚለዓል ሕቶታት መልሲ ዚጽሕፍ ክፍሊ ኸገልግል ተመደብኩ፣ ኣብኡ ኸኣ ሓላው እቲ ኽፍሊ ዀንኩ። እተፈላለየ ሕቶታት ንምምላስን ጸገማት ንምፍታሕን ዝገብሮ ዝነበርኩ ምርምር፡ ንትምህርታት መጽሓፍ ቅዱስን ንልዑል ስርዓታት ኣምላኽናን ብዝያዳ ንኽርድኦ ሓጊዙኒ እዩ።

ድሕሪኡ ብ1987 ናብቲ ኣገልግሎት ሓበሬታ ሆስፒታል ዚበሃል ሓድሽ ክፍሊ ተመደብኩ። ነቶም ኣብቲ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ዚዓዩ ሽማግለታት፡ ንሓካይምን ንዳያኑን ንማሕበራውያን ሰራሕተኛታትን ብኸመይ ኪቐርብዎም ከም ዘለዎም ዚምህር ሰሚናራት ይዳሎ ነበረ። እቲ ዜጋጥመና ዝነበረ ዓብዪ ጸገም፡ ሓካይም ካብ ቤት ፍርዲ ብእተዋህቦም ትእዛዝ መሰረት፡ ብዘይ ፍቓድ ወለዲ ንደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደም ዜመሓላልፉሎም ምንባሮም እዩ።

ንሓካይም ብዛዕባ እቲ ብዘይ ደም ኪግበር ዚከኣል ሕክምና ኽንነግሮም ከለና፡ ከምኡ ዓይነት ሕክምና ኸም ዘየለ ወይ ኣዝዩ ኽቡር ምዃኑ ይነግሩና ነበሩ። ከምኡ ኢሉ ንዚምልሰለይ መጥባሕቲ ዚገብር ሓኪም፡ “በጃኻ ኢድካ ዘርግሕ” እብሎ። ድሕሪኡ ኸምኡ ምስ ገበረ፡ “ትፈልጥ፡ ኣብዚ ኢድካ እቲ ዝበለጸ ብዘይ ደም ኪግበር ዚከኣል ሕክምና ኣሎ” ኢለ እነግሮ። እዚ ናእዳ እዚ፡ ነቲ ሓኪም ብዛዕባ ሓደ ኣጸቢቑ ዚፈልጦ ነገር፡ ማለት ነታ ንመጥባሕቲ ዚጥቀመላ ኻራ ብጥንቃቐ እንተ ተጠቒሙላ፡ ብዙሕ ደም ከም ዘይፈስስ እዩ ዜዘኻኽሮ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመት፡ የሆዋ ነቲ ንሓካይምን ንዳያኑን ንምምሃር ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣብዚሑ ባሪኽዎ እዩ። እቶም ሓካይም ነቲ ዘሎና መትከል ብዝሓሸ መገዲ ምስ ተረድእዎ፡ ኣረኣእያኦም ተቐዪሩ እዩ። ብመሰረት ሕክምናዊ ምርምር፡ እቲ ብዘ​ይ ደም ዚወሃብ ሕክምናዊ ኣማራጺታ​ት ውጽኢታዊ ምዃኑን ንሕሙማት ብዘይ ደም ንምሕካም ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሓካይም ብዙሓት ምዃኖምን ከምኡ ዚገብራ ሆስፒታላት ከም ዘለዋን ፈሊጦም እዮም።

ካብ 1996 ንነጀው ኣነን ማርጀሪን ኣብቲ ብሸነኽ ደቡብ ብሩክሊን 110 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ፡ ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ኸነገልግል ጀመርና። ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ንእተወሰነ እዋን ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንኣባላት ኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ንገየሽቲ ሓለውትን ኣብ ምምሃር ተኻፈልኩ። ኣብ ዝሓለፈ 12 ዓመት፡ ኣብቲ ኻብ ብሩክሊን ናብ ፓተርሰን እተቐየረ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ጽሑፋት ካብ ኣንበብቲ ንዚለዓል ሕቶታት መልሲ ዚጽሕፍ ክፍሊ ኣገልገልኩ።

እርጋን ዜምጽኦ ጸገማት

ኣብ መፋርቕ 80ታት ዕድመይ ስለ ዝርከብ፡ ነቲ ኣብ ቤትኤል እተዋህበኒ ፍሉይ መሰላት ምፍጻም ይኸብደኒ እዩ። ምስ ሕማም መንሽሮ ዝገብሮ ቓልሲ ኻብ ዝጅምር እውን፡ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ልክዕ ከምቲ የሆዋ ንዕድሚኡ ዘንወሓሉ ህዝቅያስ ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። (ኢሳ. 38:5) ነቲ ሰበይተይ ዘለዋ ሕማም ረሲዕነት እውን ብሓባር ኴንና ኢና እንቃለሶ። ማርጀሪ፡ ክኢላ ኣገልጋሊት የሆዋን መኻሪት መንእሰያትን እምንቲ ሓጋዚትን ብጸይትን እያ። ንፍዕቲ ተምሃሪትን መምህርን መጽሓፍ ቅዱስ እያ፣ ክሳዕ ሎሚ እውን ምስ መንፈሳውያን ደቅና ንራኸብ ኣለና።

ኣሞይ ሜሪ ኣብ መጋቢት 2010 ኣብ መበል 87 ዕድሚኣ ሞተት። ንፍዕቲ መምህር ቃል ኣምላኽ እያ ነይራ፣ ንብዙሓት ሰባት ከኣ ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ደው ንኺብሉ ሓጊዛቶም እያ። ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ነዊሕ እዋን እያ ኣሕሊፋ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ንኽመሃርን ልክዕ ከምኣ ኣገልጋሊ እቲ ፈቃር ኣምላኽና ዝዀነ የሆዋ ንክኸውንን ስለ ዝመሃረትኒ አመስግና እየ። ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ እስራኤል ሚስዮናዊ ዀይኑ ዘገልገለ ሰብኣያ ድማ እያ ተቐቢራ። ክልቲኦም ኣብ ዝኽሪ የሆዋ ዀይኖም ትንሳኤ ኸም ዚጽበዩ ርግጸኛ እየ።

ብዛዕባ እተን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍክወን 67 ዓመታት ምልስ ኢለ ኽሓስብ ከለኹ፡ ነቲ የሆዋ ዝሃበኒ ብዙሕ በረኸት ኣዝየ እየ ዘመስግነሉ። ፍቓድ የሆዋ ብምግባረይ ሕጉስ እየ። ብጸጋ ኣምላኽ ነቲ የሱስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝሃቦ ተስፋ ኽርኢ እምነ እየ፦ “ስለ ስመይ ኢሉ፡ ኣባይቲ ዀነ፡ ወይስ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ፡ ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ኪወርስ እዩ።”ማቴ. 19:29

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 11 ብ1942 እተሓትመት፣ ሕጂ ግና ኣይትሕተምን እያ ዘላ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ብ1928 ኣብቲ ኣብ ጆርጅያ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበረ ናይ ኣቦሓጎይ ሕርሻ ጡጥ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ኣሞይ ሜሪን ታልማጅን

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ሜሪን ግላዲስን ግሬስን

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ብ14 ሰነ 1944 ኣብ እተጠመቕኩሉ እዋን

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቤትኤል ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ክዓዪ ኸለኹ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ብ1958 ኣብ ያንኪ ስታድዩም እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ምስ ሜሪ ኸለኹ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ማርጀሪ ኣብ መዓልቲ መርዓና

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ብ2008 እተሰኣልናዮ