ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ነቶም ሕጉሳት ህዝቡ ይእክቦም

የሆዋ ነቶም ሕጉሳት ህዝቡ ይእክቦም

የሆዋ ነቶም ሕጉሳት ህዝቡ ይእክቦም

“ነቲ ህዝቢ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ደጌታትካ ዘሎ ጓናኻን፡ አክቦም።”—ዘዳ. 31:12

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ኣብ ታሪኽ ህዝቢ የሆዋ እተገብረ ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ኣገዳሲ ፍጻመታት ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ብዙሓት ጥንታውያን እስራኤላውያን፡ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚግበር ዝነበረ በዓላት ንምክፋል እንታይ ጻዕርታት እዮም ኪገብሩ ነይርዎም፧

ካብ ዓበይቲ ኣኼባታት ክትበኵር ዘይብልካ ስለምንታይ ኢኻ፧

1, 2. ነየናይ መዳያት ቲኦክራስያዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ኢና ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ዚግብኣና፧

 ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ፡ ኣህጉራዊ ኣኼባታትን ኣኼባታት ኣውራጃን፡ ቀንዲ ኽፋል ዘመናዊ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ። መብዛሕትና ኣብዚ ዜሐጕስ ኣኼባታት እዚ ብተደጋጋሚ ተኣኪብና ኢና።

2 ኣሽሓት ዓመታት ይገብር እውን፡ ህዝቢ ኣምላኽ ዓበይቲ ኣኼባታት ይገብሩ ነይሮም እዮም። ነቲ ኣብዚ ዘመንና ዚግበር ዘሎ ዓበይቲ ኣኼባታት መሰረት ብዛዕባ ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ኣኼባታት ክንምርምር ኢና፣ ምስቲ ሎሚ ዚግበር ዘሎ ኣኼባታት ብኸመይ ከም ዚመሳሰል እውን ክንርኢ ኢና፣ ብዘይካዚ፡ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ምእካብ ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ ኽንመያየጥ ኢና።—መዝ. 44:1፣ ሮሜ 15:4

ኣገዳሲ ኣኼባታት—ጥንትን ሎምን

3. (ሀ) ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ህዝቢ የሆዋ ዝገበርዎ ናይ መጀመርታ ዓብዪ ኣኼባ እንታይ ኣጋጠመ፧ (ለ) እስራኤላውያን ብሓባር ኪእከቡ ኸም ዘለዎም ዚፈልጡ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

3 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ መጀመርታ ዓብዪ ኣኼባ፡ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ መንፈሳዊ መምርሒ ንምርካብ ኣብ እግሪ ኸረን ሲና ዝገበርዎ ኣኼባ እዩ። ብሓቂ ኸኣ፡ ኣብ ታሪኽ ንጹህ ኣምልኾ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ባህ ዜብል ኣጋጣሚ፡ እቶም ተኣከብቲ ፈጺሞም ዘይርስዕዎ ነገር ኣጋጠመ፣ የሆዋ ንእስራኤላውያን ሕጉ ኺህቦም ከሎ፡ ሓይሉ ኣርኣዮም። (ዘጸ. 19:2-9, 16-19፣ ዘጸኣት 20:18፣ ዘዳግም 4:9, 10 ኣንብብ።) እቲ ፍጻመ፡ ነቲ ኣምላኽ ድሕሪኡ ምስ እስራኤላውያን ዝነበሮ ርክብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ የሆዋ ህዝቡ ብሓባር ዚእከቡሉ መሰናድዎ ገበረ። ንሙሴ ድማ፡ “ብዘሎ ኣኼባ” ናብ “ኣፍ ደንኳን ምርኻብ” መጺኡ ንኺእከብ ኪሕብረሉ ዚኽእል ክልተ መለኸት ብሩር ኬዳሉ ኣዘዞ። (ዘሁ. 10:1-4) እቶም ህዝቢ ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ ኽሳዕ ክንደይ ይሕጐሱ ኸም ዝነበሩ እሞ ሕስብ ኣብሎ!

4, 5. ብፍላይ እቲ ብሙሴን ብእያሱን እተገብረ ዓበይቲ ኣኼባታት ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

4 ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ን40 ዓመት እተጓዕዙሉ እዋን፡ ማለት ኣብ ኣገዳሲ ኽፋል ታሪኽ እቲ ሓድሽ ህዝቢ፡ ሙሴ ንእስራኤላውያን ብጾቱ ኣከቦም። እቶም ህዝቢ ኣብ ድርኵኺት ምድሪ ተስፋ ስለ ዝነበሩ፡ ሙሴ ኣብ ጽቡቕ እዋን እዩ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበረሎምን ኣብ መጻኢ ዚገብረሎምን ነገራት ኣዘኻኺርዎም።—ዘዳ. 29:1-15፣ 30:15-20፣ 31:30

5 ምናልባት ሽዑ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፡ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ንህዝቢ እስራኤል ንምምሃር እተገብረ ስሩዕ መሰናድዎ ዝገለጸ። ኣብ ሸሸውዓተ ዓመት ኣብ እዋን በዓል ዳስ፡ ‘ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሃሩን እሞ ንየሆዋ ኣምላኽ ኪፈርህዎ፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ ድማ ንምግባሩ ኺጥንቀቑ፡’ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ጓኖትን ኣብታ የሆዋ ዝሓረያ ቦታ ኺእከቡ ነበሮም። (ዘዳግም 31:1, 10-12 ኣንብብ።) ስለዚ እምበኣር፡ የሆዋ ንህዝቡ ንቓሉን ንዕላማኡን ንምምርማር ኣዘውቲሮም ኪእከቡ ይደልዮም ከም ዝነበረ ንጹር እዩ። እስራኤላውያን ንምድሪ ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዝሓዙሉ ግናኸ ብኣረማውያን ኣህዛብ ተኸቢቦም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ እያሱ ንዅሎም እስራኤላውያን፡ ንየሆዋ ኽሳዕ መወዳእታ እሙናት ኪዀኑ ንኼዘኻኽሮም ኢሉ ኣከቦም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንኣምላኽ ከም ዜገልግሉ መሓሉ።—እያ. 23:1, 2፣ 24:1, 15, 21-24

6, 7. ዘመናዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ህዝቢ የሆዋ፡ ኣገዳሲ ፍጻመታት ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

6 ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታትን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምርዳእን ዓብዪ ምዕባለ ኸም እተገብረ እተሓበረሉ ኣገዳሲ ኣኼባታት ተኻዪዱ እዩ። (ምሳ. 4:18) ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ካብ ዝገበርዎ ዓበይቲ ኣኼባታት እቲ ቐንዲ፡ ብ1919 ኣብ ሴዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ. ተኻየደ። ኣብቲ 7,000 ዚዀኑ ተኣከብቲ ዝነበርዎ ኣኼባ፡ ብዛዕባ እቲ ብደረጃ ዓለምለኸ ኺግበር እተሓስበ ወፈራ ስብከት ዚሕብር ምልክታ ተነግረ። ኣብቲ ብ1922 ኣብ ሴዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ ንትሽዓተ መዓልቲ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ፡ ጆሴፍ ራዘርፎርድ ሓያል መደረ ኣቕረበ፣ ነቶም ተኣከብቲ ኸኣ ከምዚ ብምባል ተማሕጸኖም፦ “እሙናትን ሓቀኛታትን መሰኻኽር ጐይታ ኹኑ። ኵሉ ኣሰር ናይ ባቢሎን ክሳዕ ዚጠፍእ፡ ኣብቲ ቓልሲ ንቕድሚት ገጽኩም ገስግሱ። ነቲ መልእኽቲ ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ኣውጅዎ። የሆዋ፡ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ንጉስ ነገስታትን ጐይታ ጐይተትን ከም ዝዀነ፡ ዓለም ክትፈልጥ ኣለዋ። እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ካብ ኵለን መዓልትታት ጸብለል ዝበለት መዓልቲ እያ። ርኣዩ፡ እቲ ንጉስ ይገዝእ ኣሎ! ንስኻትኩም ድማ ብዛዕብኡ እትነግሩ ልኡኻት ኢኹም። ሃየ እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ንጉስን መንግስቱን ኣውጁ፡ ኣውጁ፡ ኣውጁ።” እቶም ተኣከብቲ ዀኑ ኣብ መላእ ምድሪ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ነዚ ምሕጽንታ እዚ ተሓጒሶም ተቐበልዎ።

7 ብ1931 ኣብ ኮሎምበስ፡ ኦሃዮ፡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዚብል ስም ብሓጐስ ተቐበልዎ። ድሕሪኡ ብ1935 ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ.፡ ሓው ራዘርፎርድ፡ እቶም ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው” ከም ዝበሉ እተገልጹ “ብዙሓት ሰብ” መን ምዃኖም ሓበረ። (ራእ. 7:9-17) ብ1942 ካልኣይ ውግእ ዓለም እናተኻየደ ኸሎ፡ ናታን ኖር፡ “ሰላም—ንሓዋሩ ኪቕጽል ይኽእል ድዩ፧” ዘርእስቱ ዜደንቕ መደረ ኣቕረበ። ኣብ መደረኡ ድማ፡ ብዛዕባ መንነት እቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ምዕራፍ 17 ተጠቒሱ ዘሎ “ቐዪሕ ኣራዊት” ገለጸ፣ ድሕሪ እቲ ውግእ፡ ምስ ዕዮ ስብከት ዚተሓሓዝ ብዙሕ ዚዕየ ኸም ዘሎ ኸኣ ሓበረ።

8, 9. ገሊኡ ዓበይቲ ኣኼባታት ስምዒት ዜለዓዕል ስለምንታይ እዩ፧

8 ኣብቲ ብ1946 ኣብ ክሊቭላንድ፡ ኦሃዮ እተገብረ “ሕጉሳት ኣህዛብ” ዘርእስቱ ቲኦክራስያዊ ዓብዪ ኣኼባ፡ ሓው ኖር፡ “ዳግመ ህንጻን ምስፋሕን ዜምጽኦ ጸገማት” ዘርእስቱ መደረ ኣቕረበ። እቲ መደረ ኪቐርብ ከሎ ኣብቲ መድረኽ ዝነበረ ሓደ ሓው፡ ብዛዕባ እቲ መደረ ዝፈጠሮ ሓጐስ ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ኣብታ ምሸት ነቲ መደረ ኬቕርብ ከሎ፡ ኣብቲ መድረኽ ብድሕሪኡ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ረኺበ ነበርኩ፣ ብዛዕባ ዕዮ ስብከትን ብዛዕባ እቲ ንቤት-ኤል ብሩክሊንን ንፋብሪካን ንምስፋሕ እተገብረ መደባትን ኪገልጽ ከሎ፡ እቶም ተኣከብቲ ብተደጋጋሚ የጣቕዑ ነበሩ። ካብቲ መድረኽ ኴንካ ገጽ ሰብ ከተለሊ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ተኣከብቲ ተሓጒሶም ከም ዝነበሩ ግና ብቐሊሉ ኺፍለጥ ይከኣል ነበረ።” ኣብቲ ብ1950 ኣብ ኒው ዮርክ ሲቲ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ፡ እቶም ተኣከብቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ምስ ተቐበሉ፡ ኣዝዮም ተሓጐሱ፣ እዚ ኸኣ ቀዳማይ ክፋል እቲ ንስም ኣምላኽ ናብ ልክዕ ቦታኡ ዝመለሶ ብዘመናዊ ቛንቋ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ።—ኤር. 16:21NW።

9 እቲ የሆዋ ንእሙናት ህዝቡ ድሕሪ እዋን መስጐጕትን እገዳን ብሓባር ዝኣከበሉ ዓበይቲ ኣኼባታት እውን፡ ስምዒት ዜለዓዕል እዩ ነይሩ። ኣዶልፍ ሂትለር ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ጀርመን ከም ዜጥፍኦም እኳ እንተ ተመባጽዐ፡ ኣብቲ ብ1955 እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ግና፡ 107,000 ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሂትለር ምርኢታዊ ሰልፊ ዜካይደሉ ዝነበረ ኣብ ኑረምበርግ ዚርከብ ቦታ መሊኦምዎ ነበሩ። መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ብሓጐስ ይነብዑ ነበሩ። ካብቶም ብ1989 ኣብ ፖላንድ ኣብ እተገብረ “ኣምላኻዊ ተወፋይነት” ዘርእስቱ ዓብዪ ኣኼባ ተኣኪቦም ዝነበሩ 166,518 ኣኼበኛታት፡ መብዛሕትኦም ካብተን ሽዑ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ሶቭየት ዝነበራ ሃገራትን ካብ ቸኮስሎቫክያን ካብ ካልኦት ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዚርከባ ሃገራትን ዝመጹ ነበሩ። ገሊኦም ኣኼበኛታት ካብ 15 ወይ 20 ዚበዝሑ ተኣከብቲ ርእዮም ስለ ዘይፈልጡ፡ ሓድሽ እዩ ዀይንዎም። ብ1993 ኣብ ክየቭ፡ ዩክረይን ኣብ እተገብረ “መለኮታዊ ትምህርቲ” ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባ፡ 7,402 ኪጥመቑ ኸለዉ ምርኣይ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ሕስብ ኣብሎ! ክንድኡ ዝብዝሖም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ኸም እተጠምቁ ዚገልጽ ሓበሬታ የለን።—ኢሳ. 60:22፣ ሃጌ 2:7

10. ንዓኻ ኣገዳስነት ዘለዎ እትዝክሮ ዓብዪ ኣኼባ ኣየናይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

10 ምናልባት ንዓኻ ኣገዳስነት ዘለዎ እትዝክሮ ኣኼባ ኣውራጃ ወይ ኣህጉራዊ ኣኼባ ይህሉ ይኸውን። ነቲ ንፈለማ እዋን እተኣከብካሉ፡ ምናልባት እውን እተጠመቕካሉ ዓብዪ ኣኼባ ትዝክሮዶ፧ እዚ መንፈሳዊ ፍጻመታት እዚ፡ ኣብ ህይወትካ ኣገዳሲ ቦታ ስለ ዘለዎ፡ ኣኽቢርካ ኽትርእዮ ኣሎካ።—መዝ. 42:4

ዜሐጕስ ስሩዕ ኣኼባታት

11. ኣምላኽ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ እንታይ ስሩዕ ዓመታዊ በዓላት እዩ ኣሰናድዩ፧

11 የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ኣብ ሰለስተ በዓላት ኣብ የሩሳሌም ኪእከቡ ኣዚዝዎም ነበረ፣ እዚ ኸኣ በዓል ቅጫን በዓል ሓምሳን (ደሓር ጰንጠቈስጠ እተባህለ) በዓል ዳስን እዩ። ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ንእስራኤላውያን፡ “ኵሉ ወዲ ተባዕታይካ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይምጻእ” ኢሉ ኣዘዞም። (ዘጸ. 23:14-17) ብዙሓት ርእስታት ስድራ ቤት፡ መንፈሳዊ ኣገዳስነት እዚ በዓላት እዚ ስለ እተገንዘቡ፡ ንብምሉኦም ኣባላት ስድራ ቤቶም ሒዞምዎም ብምኻድ ይእከቡ ነበሩ።—1 ሳሙ. 1:1-7፣ ሉቃ. 2:41, 42

12, 13. ብዙሓት እስራኤላውያን ኣብቲ ዓመታዊ በዓላት ንምክፋል እንታይ ኪገብሩ ነበሮም፧

12 ሓንቲ እስራኤላዊት ስድራ ቤት፡ ናብቲ ዓመታዊ በዓል ንኽትከይድ እንታይ ክትገብር ከም ዝነበራ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ንኣብነት፡ ዮሴፍን ማርያምን ካብ ናዝሬት ናብ የሩሳሌም ንምኻድ፡ ኣስታት 100 ኪሎ ሜተር ኪጐዓዙ ነበሮም። ንኣሽቱ ቘልዑ ሒዝካ ብእግርኻ እናተጐዓዝካ፡ ነዚ ጕዕዞ እዚ ንምዝዛም ክንደይ እዋን ዚወስደልካ ይመስለካ፧ እቲ የሱስ ናብ የሩሳሌም ብዛዕባ ዝገበሮ ጕዕዞ ዚገልጽ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ኣዝማድን ፈተውትን ብጕጅለ ዚጐዓዙ ዝነበሩ እዩ ዚመስል። ኪጐዓዙ፡ ምግቢ ኪኽሽኑ፡ ኣብ ዘይፈልጥዎ ቦታታት ድማ ንመሕደሪ ዚኸውን ነገራት ኬዳልዉ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! ይኹን እምበር፡ እቲ ዅነታት ደሓን ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ወዲ 12 ዓመት ዝነበረ የሱስ እውን እተወሰነ ናጽነት ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ። እቲ ጕዕዞ፡ ብፍላይ ነቶም ንኣሽቱ ቘልዑ ፈጺሙ ዘይርሳዕ ፍጻመ እዩ ነይሩ።—ሉቃስ 2:44-46

13 እስራኤላውያን ናብ እተፈላለየ ኽፋላት ዓለም ምስ ተበተኑ እውን እንተ ዀነ፡ ተኻፈልቲ እቲ በዓላት ካብ እተፈላለያ ሃገራት እዮም ዚመጹ ነይሮም። ኣብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ነቲ በዓላት ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ዝነበሩ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ካብ ከም ኢጣልያን ሊብያን ቅሬጥስን ንእሽቶ እስያን መሰጶታምያን ዝኣመሰለ ቦታታት ናብ የሩሳሌም መጹ።—ግብ. 2:5-11፣ 20:16

14. እስራኤላውያን ኣብቲ ዓመታዊ በዓላት ብምክፋል ዚጥቀሙ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

14 ንእሙናት እስራኤላውያን፡ መንፈሳዊ መዳይ እቲ ጕዕዞ፡ ማለት ምስ ካልኦት ብኣሽሓት ዚቝጸሩ መማሰውቲ ብጾቶም ብሓባር ንየሆዋ ምምላኾም እዩ ልዕሊ ዅሉ ዜገድሶምን ዜሐጕሶምን ነይሩ። እሞኸ እንታይ ይስምዖም ነበረ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብቲ የሆዋ ንበዓል ዳስ ብዚምልከት ንህዝቡ ዝሃቦም ከምዚ ዚስዕብ ዚብል መምርሒ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና፦ “ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዘለዉ ሌዋውን ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ድማ ብበዓልካ ተሐጐስ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ እቶትካን ብዅሉ ግብሪ ኢድካን ኪባርኸካ፡ ንስኻ ድማ ምሉእ ሓጐስ ክትሕጐስ ኢኻ እሞ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ቦታ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዕል” በለ።—ዘዳ. 16:14, 15፣ ማቴዎስ 5:3 ኣንብብ። *

ንዘመናዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ከነማስወሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

15, 16. ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ንምክፋል እንታይ መስዋእትታት ኢኻ ኸፊልካ፧ እዚ ጻማ ዘለዎኸ ስለምንታይ እዩ፧

15 እቲ ጥንታዊ ኣኼባታት ነዞም ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ዚዀኖም! ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት ብዙሕ ነገራት እኳ እንተ ተቐየረ፡ ቀንዲ መዳያት ዓበይቲ ኣኼባታት ግና ኣይተቐየረን። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ተኣከብቲ፡ መስዋእትታት ከፊሎም እዮም ዚእከቡ ነይሮም። ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ክርስትያናት እውን ከምኡ እዮም ዚገብሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዚገብርዎ መስዋእትታት ጻማ ኣለዎ። ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ቀደም ኰነ ሕጂ ኣገዳሲ መዳይ ኣምልኾና እዩ። ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ጥብቂ ርክብ ሓሊና ንኽንመላለስ ዚሕግዘና ኣድላዪ ሓበሬታን ምርዳእን ንረኽበሉ ኢና። ብዘይካዚ፡ ነቲ እተመሃርናዮ ኽንትግብሮ ይድርኸና፡ ካብ ጸገማት ክንርሕቕ ይሕግዘና፡ ከምኡውን ኣብ ክንዲ ኣብ ዜጨንቐና ነገራት፡ ኣብ ዜሐጕሰና ነገራት ንኸነተኵር የተባብዓና እዩ።—መዝ. 122:1-4

16 ዓበይቲ ኣኼባታት ነቶም ተኣከብቲ ብዙሕ ሓጐስ እዩ ዜምጽኣሎም። ብ1946 ብዛዕባ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ዚገልጽ ሓደ ጸብጻብ፡ “ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓባር ተኣኪቦም ምርኣይ ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ፣ ብፍላይ ዓብዪ ኦርኬስትራ ሙዚቃ ኺጻወት ከሎን እቶም ተኣከብቲ ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ኺዝምሩ ኸለዉን ምስማዕ ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ ነይሩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ካብ መንጎ እቶም ተኣከብቲ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾቶም ምግልጋል ዜሐጕሶምን ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ኪዓይዩ ፍቓደኛታት ዝዀኑን ኣሕዋት ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ወለንተኛ ተመዝጊቦም እዮም” በለ። ንስኻኸ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃን ኣብ ኣህጉራዊ ኣኼባን ከምዚ ዓይነት ሓጐስ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧—መዝ. 110:3፣ ኢሳ. 42:10-12

17. ኣብ ቀረባ እዋናት፡ እቲ ዓበይቲ ኣኼባታት ዚውደበሉ መገዲ እተዓራረየ ብኸመይ እዩ፧

17 ዓበይቲ ኣኼባታት ኣብ ዚውደበሉ መገድታት እተወሰነ ለውጥታት ተገይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ህዝቢ ኣምላኽ፡ ዓበይቲ ኣኼባታት ንሸሞንተ መዓልትታት ዝጸንሓሉ እዋን ከም ዝነበረ ይዝክሩ እዮም። እቲ ኣኼባታት፡ ቅድሚ ቐትርን ድሕሪ ቐትርን ምሸትን እዩ ዚግበር ነይሩ። ወፍሪ ኣገልግሎት፡ ስሩዕ ክፋል እቲ መደብ እዩ ነይሩ። ገሊኡ ኽፋላት እቲ መደብ ንግሆ ሰዓት ትሽዓተ ጀሚሩ፡ ምሸት ሰዓት ትሽዓተ ይዛዘም ነበረ። ወለንተኛታት ንተኣከብቲ ዚኸውን ቍርስን ምሳሕን ድራርን ንምድላው ንነዊሕ ሰዓታት ኣበርቲዖም ይሰርሑ ነበሩ። ሎሚ ዚግበር ዓበይቲ ኣኼባታት ግና፡ ሓጺር እዩ፣ ብዘይካዚ፡ መብዛሕትኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ገዛእ ርእሶም ምግቢ ኣዳልዮም ስለ ዝመጹ፡ ብዝያዳ ኣብቲ መንፈሳዊ መደብ ኬተኵሩ ይኽእሉ እዮም።

18, 19. ብሃንቀውታ እትጽበዮ ኽፋል ዓብዪ ኣኼባ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

18 ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኽፋል እቲ ዓብዪ ኣኼባ ዝዀነ ብሃንቀውታ እንጽበዮ ሓድሓደ ነገራት ኣሎ። ብመደረታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሓደስቲ ጽሑፋት ኣቢሉ እውን፡ ብዛዕባ ትንቢታትን ትምህርትታትን መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓሸ ምርዳእ ከም ዚህልወና ዚገብር ‘ምግቢ በብግዜኡ’ ንረክብ ኢና። (ማቴ. 24:45) እቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ዚወጽእ ጽሑፋት፡ ነቶም ቅኑዓት ውልቀ ሰባት ንቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ንኼማስዉሉ ይሕግዞም እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዜነቓቕሕ ድራማታት ድማ፡ ንመንእሰያት ይኹን ንዓበይቲ፡ ድራኸኦም ንኺምርምሩን ንገዛእ ርእሶም ካብቲ ኻብዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ዚወርዶም ጸቕጢ ንኼዕቍብዋን የተባብዖም እዩ። መደረ ጥምቀት እውን፡ ኵላትና ነቲ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት እንህቦ ነገራት ንኽንምርምሮን ካልኦት ሰባት ወፈያኦም ብጥምቀት ኬርእዩ ኸለዉ ብምርኣይ ንኽንሕጐስን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ።

19 እወ፡ እቲ ኻብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኽፍሊ ንጹህ ኣምልኾ ዀይኑ ዝጸንሐ ዓበይቲ ኣኼባታት፡ እቶም ሕጉሳት ህዝቢ የሆዋ፡ ንኣምላኽ ኣብ ኣጸጋሚ እዋን እውን እንተ ዀነ ንዕኡ ብግቡእ ንኼገልግልዎ የዕጥቖም እዩ። ከምዚ ዝበለ ኣኼባታት፡ ብመንፈስ የነቓቕሓና፡ ምስ ሓደስቲ ፈተውቲ ንኽንፋለጥ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና፡ ንዓለምለኻዊ ሕውነትና ንኸነማስወሉ ድማ ይሕግዘና እዩ፣ የሆዋ ንህዝቡ ዚባርኸሉን ዚከናኸነሉን ቀንዲ መገዲ እውን እዩ። ብርግጽ እምበኣር፡ ኵላትና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓብዪ ኣኼባ ምሉእ ብምሉእ ንምእካብን ካብኡ ጥቕሚ ንምርካብን፡ ጕዳይና ኸነተዓራሪ ኣሎና።—ምሳ. 10:22

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ማቴዎስ 5:3 (NW)፦ “መንፈሳውነት ዚሃርፉ፡ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።”

[ሕቶታት መጽናዕቲ]