ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዛ ዓለም እዚኣ እትጠፍእ ብኸመይ እያ፧

እዛ ዓለም እዚኣ እትጠፍእ ብኸመይ እያ፧

እዛ ዓለም እዚኣ እትጠፍእ ብኸመይ እያ፧

“እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም።”—1 ተሰ. 5:4

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

ኣብዚ ዚስዕብ ጥቕስታት እንታይ ዛጊት ዘይተራእየ ፍጻመታት እዩ ተሓቢሩ ዘሎ፧

1 ተሰሎንቄ 5:3

ራእይ 17:16

ዳንኤል 2:44

1. ንቑሓት ንኽንከውንን ንዜጋጥመና ፈተናታት ንኽንዋጽኣሉን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

 ኣብዚ ቐረባ ግዜ፡ ኣዝዩ ዜደንጹ ፍጻመታት ኪህሉ እዩ። ፍጻመታት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓቂ እዚ ስለ ዜረጋግጽ ወትሩ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። ንቑሓት ንኽንከውን እንታይ እዩ ዚሕግዘና፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና” ብምባል የተባብዓና። እወ፡ ነቲ ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ምድሪ እንረኽቦ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ኵሉ ሳዕ ክንዝክሮ ኣሎና። ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ ጕያኦም ብተኣማንነት ምስ ወድኡ ኣብ ዚረኽብዎ ዜሐጕስ ውጽኢት ከተኵሩ እዩ ዜተባብዖም ነይሩ። ከምኡ ምግባሮም ከኣ ንዜጋጥሞም ፈተናታትን መስጐጕትን ብዓወት ንኺዋጽኡሉ ኺሕግዞም ይኽእል ነበረ።—2 ቈረ. 4:8, 9, 16-18፣ 5:7

2. (ሀ) ተስፋና ኣጽኒዕና ምእንቲ ኽንሕዝ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

2 እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ሓደ ኣገዳሲ ስርዓት ሒዙ ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ተስፋና ኣጽኒዕና ንኽንሕዝ፡ ክንዮ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ነገር ክንርኢ ኸም ዘሎና እዩ። እወ፡ ናብቲ ሕጂ ዘይርአ ኣገዳሲ ፍጻመታት ክንጥምት የድሊ። (እብ. 11:1፣ 12:1, 2) ስለዚ እምበኣር፡ ምስቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋና እተተሓሓዘ ብሕጂ ዚፍጸም ዓሰርተ ነገራት ንመርምር። *

መወዳእታ ቐቅድሚ ምምጻኡ እንታይ እዩ ዚፍጸም፧

3. (ሀ) ኣብ 1 ተሰሎንቄ 5:2, 3 እንታይ ብሕጂ ዚፍጸም ነገር እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧ (ለ) ፖለቲካውያን መራሕቲ እንታይ እዮም ዚግብሩ፡ መንከ እዮም ዚሓብርዎም፧

3 ሓደ ኻብቲ ብሕጂ ዚፍጸም ነገራት፡ ኣብታ ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ዚጸሓፋ መልእኽቲ ተጠቒሱ ኣሎ። (1 ተሰሎንቄ 5:2, 3 ኣንብብ።) ጳውሎስ፡ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ፡ ኣብ “መዓልቲ ጐይታ” ኣተኲሩ ኣሎ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ “መዓልቲ ጐይታ” ነቲ ብጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ጀሚሩ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ዚዛዘም እዋን ተመልክት። ይኹን እምበር፡ እታ መዓልቲ ጐይታ ወይ መዓልቲ የሆዋ ቐቅድሚ ምጅማራ፡ መራሕቲ ዓለም “ሰላምን ደሓንን እዩ” ኺብሉ እዮም። እዚ ኸኣ ንሓደ ፍጻመ ወይ ንተኸታታሊ ፍጻመታት ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። መንግስትታት ንገለ ኻብቲ ዓበይቲ ጸገማቶም ኪፈትሑ ኸም ዚኽእሉ ዀይኑ ይስምዖም ይኸውን። መራሕቲ ሃይማኖትከ፧ ንሳቶም እውን ክፍሊ ዓለም ስለ ዝዀኑ፡ ነቶም ፖለቲካውያን መራሕቲ ኸም ዚሓብርዎም ፍሉጥ እዩ። (ራእ. 17:1, 2) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣቕሽሽቲ ነቶም ኣብ ጥንታዊት ይሁዳ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ነብያት ይመስልዎም። የሆዋ ብዛዕባኦም፡ “ሰላም ዜልቦስ፡ ሰላም ሰላም” ከም ዚብሉ ገሊጹ ኣሎ።—ኤር. 6:14፣ 23:16, 17

4. እንታይ ንመብዛሕትኦም ሰባት ዘይርድኦም ነገር እዩ ዚርድኣና፧

4 እቶም “ሰላምን ደሓንን እዩ” ዚብሉ እንታዎት ምዃኖም ብዘየገድስ፡ እቲ ነገር እቲ መዓልቲ የሆዋ ኽትጅምር ምዃና ይሕብር። ስለዚ ድማ እዩ ጳውሎስ ቀጺሉ፡ “ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም” ዝበለ። (1 ተሰ. 5:4, 5) እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜና ዚፍጸም ዘሎ ነገራት ዚህቦ ሓሳባት ይርድኣና እዩ፣ ንመብዛሕትኦም ሰባት ግና ኣይርድኦምን እዩ። እዚ ሰባት “ሰላምን ደሓንን እዩ” ኸም ዚብሉ ዚገልጽ ትንቢት ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧ እዚ ገና ብሕጂ እንርእዮ ነገር እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ “ንንቃሕን ንጠንቀቕን።”—1 ተሰ. 5:6፣ ጸፎ. 3:8

ከም እትጠፍእ ዘይትፈልጥ “ንግስቲ”

5. (ሀ) እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” መዓስ እዩ ዚጅምር፧ (ለ) ከም እትጠፍእ ዘይትፈልጥ “ንግስቲ” መን እያ፧

5 ቀጺሉኸ፡ እንታይ ሕጂ ዘይርአ ነገር እዩ ዚፍጸም፧ ጳውሎስ፡ “ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ፡ . . . ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም” በለ። እቲ “ብድንገት” ዚመጽእ ጥፍኣት፡ ኣብ “ዓባይ ባቢሎን” ብዚፍኖ መጥቃዕቲ እዩ ዚጅመር። “ዓባይ ባቢሎን” ንናይ ዓለም ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እተመልክት ክትከውን ከላ፡ “ኣመንዝራ” እውን ተባሂላ ኣላ። (ራእ. 17:5, 6, 15) እቲ ኣብ ልዕሊ ዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት እንተላይ ኣብ ልዕሊ ህዝበ ክርስትያን ዚፍኖ መጥቃዕቲ፡ እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ኸም ዝጀመረ ይሕብር። (ማቴ. 24:21NW፣ 2 ተሰ. 2:8) ንሓያሎ ሰባት እዚ ፍጻመ እዚ ሃንደበት እዩ ዚዀኖም። ከመይሲ፡ እታ ኣመንዝራ ኽሳዕ እቲ ግዜ እቲ፡ ንርእሳ ‘ሓዘን ዘይትርኢ ንግስቲ’ ገይራ እያ እትምልከታ። ብሃንደበት ግና፡ ከም እተጋገየት ኪርዳኣ እዩ። ብቕልጡፍ ስለ እትጠፍእ ከኣ፡ እቲ ዚወርዳ መዓት “ብሓንቲ መዓልቲ” ኸም ዚፍጸም ተገሊጹ ኣሎ።—ራእ. 18:7, 8

6. ዓባይ ባቢሎን ብመን እያ እትጠፍእ፧

6 ቃል ኣምላኽ፡ ነታ ኣመንዝራ ዘጥፍኣ፡ “ዓሰርተ ቐርኒ” ዘለዎ “ኣራዊት” ምዃኑ ይነግረና። ንራእይ ዮሃንስ ምስ እነጽንዓ፡ እቲ ኣራዊት ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዜመልክት ንርዳእ። እቲ “ዓሰርተ ቐርኒ” ንዅለን እተን ነዚ “ቐዪሕ ኣራዊት” እዚ ዚድግፋ ፖለቲካውያን ሓይልታት የመልክት። * (ራእ. 17:3, 5, 11, 12) እቲ ጥፍኣት ክሳዕ ክንደይ እዩ ዓብዪ፧ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነታ ኣመንዝራ፡ ሃብታ ኺዘምትዋን ናይ ሓቂ መንነታ ኪቐልዕዋን ኪውሕጥዋን “ብሓዊውን ኬንድድዋ እዮም።” ስለዚ፡ ዓባይ ባቢሎን ንዘለኣለም ክትጠፍእ እያ።—ራእይ 17:16 ኣንብብ።

7. ነቲ “እቲ ኣራዊት” ዚፍንዎ መጥቃዕቲ መን እዩ ዜለዓዕሎ፧

7 መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ መጥቃዕቲ እዚ ዜለዓዕሎ መን ምዃኑ እውን ተነብዩ ኣሎ። የሆዋ፡ ፖለቲካውያን መንግስትታት “ሓሳቡ ኺገብሩ፡” ማለት ነታ ኣመንዝራ ንኼጥፍእዋ ዚድርኽ ሓሳብ፡ ብገለ መገዲ ኣብ ልቦም ኬእቱ እዩ። (ራእ. 17:17) ሃይማኖታት ኣብ ዓለም ውግእ ብምጕህሃር ጠንቂ ሓያሎ ጸገማት ኰይነን ጸኒሐን እየን። ስለዚ፡ መንግስትታት ነታ ኣመንዝራ እንተ ኣጥፊኦምዋ ኸም ዚጥቀሙ ዀይኑ ኺስምዖም እዩ። ኬጥቅዕዋ ኸለዉ ኸኣ ናይ ገዛእ ርእሶም “ሓደ ሓሳብ” ከም ዝፈጸሙ ዀይኑ ኺስምዖም እዩ። ከም ሓቁ ግና፡ ኣምላኽ እዩ ንዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ንኼጥፍእወን ዚጥቀመሎም። ስለዚ፡ ሓደ ኽፍሊ ስርዓት ሰይጣን ንኻልእ ክፍሊ እቲ ስርዓት የጥቅዕ ማለት እዩ። ሰይጣን ነዚ መጥቃዕቲ እዚ ኺዓግቶ ኣይክእልን እዩ።—ማቴ. 12:25, 26

ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዚፍኖ መጥቃዕቲ

8. “ጎግ” ብዓል ሃገር ማጎግ እንታይ መጥቃዕቲ እዩ ኺፍኑ፧

8 ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ምስ ጠፍኣ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ‘ብዘይ ቀጽሪ ብድሓን ኪነብሩ እዮም።’ (ህዝ. 38:11, 14) ነዞም መዕቘቢ ዘይብሎም ዚመስሉ ንየሆዋ ዜምልኹ ሰባት እንታይ እዩ ኼጋጥሞም፧ ኣደዳ መጥቃዕቲ “ብዙሓት ህዝብታት” ከም ዚዀኑ እዩ ዚመስል። ቃል ኣምላኽ ነዚ መጥቃዕቲ እዚ ዚፍንዎ “ጎግ” ብዓል ሃገር ማጎግ ምዃኑ ይገልጸልና። (ህዝቅኤል 38:2, 15, 16 ኣንብብ።) ነቲ መጥቃዕቲ እቲ ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧

9. (ሀ) ንሓደ ክርስትያን ቀንዲ ዜተሓሳስቦ ነገር እንታይ እዩ፧ (ለ) እምነትና ምእንቲ ኸነደልድል፡ ሕጂ እንታይ ስጕምቲ ኢና ኽንወስድ ዘሎና፧

9 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ እዚ መጥቃዕቲ እዚ ኺወርድ ምዃኑ ኣቐዲምና ምፍላጥና፡ እምብዛ ኸም እንሻቐል ኣይገብረናን እዩ። ከመይሲ፡ ቀንዲ ዜተሓሳስበና ነገር ድሕነትና ዘይኰነስ፡ ምቕዳስ ስም የሆዋን ምርግጋጽ ልዑላውነቱን እዩ። የሆዋ ልዕሊ 60 ግዜ ዚኸውን፡ “ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም” በለ። (ህዝ. 6:7NW፣ እግረ ጽሑፍ ርአ።) ስለዚ፡ የሆዋ ‘ነቶም ዚፈርህዎ ብኸመይ ካብ ፈተና ኸም ዜውጽኦም ዚፈልጥ’ ምዃኑ እምንቶ ብምግባር፡ እዚ ኣገዳሲ መዳይ ትንቢት ህዝቅኤል ኪፍጸም ከሎ ንኽንርኢ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበ። (2 ጴጥ. 2:9) ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ግና፡ ዜጋጥመና ፈተና እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ንጽህናና ምእንቲ ኽንሕሉ፡ እምነትና ንኸነደልድል ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ ክንገብር ኢና። እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ክንጽሊ፡ ንቓል ኣምላኽ ከነጽንዖን ከነስተንትኖን፡ ንሰባት ከኣ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንነግሮም ይግባእ። ከምዚ እንተ ጌርና፡ ነታ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብ ዘላትና ተስፋ፡ ከም “መልህቅ” ጽንዕቲ ኽንገብራ ኢና።—እብ. 6:19፣ መዝ. 25:21

ህዝብታት፡ የሆዋ መን ምዃኑ ኺፈልጡ እዮም

10, 11. ኣርማጌዶን ብኸመይ እዩ ዚጅምር፧ ኣብቲ ግዜ እቲኸ እንታይ እዩ ኺፍጸም፧

10 ኣገልገልቲ የሆዋ ኺጥቅዑ ኸለዉ እንታይ ዜደንጹ ነገር እዩ ኺፍጸም፧ የሆዋ ብየሱስን ብሰራዊት ሰማይን ኣቢሉ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። (ራእ. 19:11-16) እዚ፡ ‘ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡’ ኣርማጌዶን ተባሂሉ ኣሎ።—ራእ. 16:14, 16

11 የሆዋ ብዛዕባ እቲ ውግእ እቲ፡ ብህዝቅኤል ኣቢሉ፡ “ኣነ ድማ ኣብ ኵሉ ኣኽራነይ ኣብ ልዕሊኡ [ኣብ ልዕሊ ጎግ] ሰይፊ ኽጽውዓሉ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ርእሲ ሓዉ ኪኸውን እዩ” በለ። ሰራዊት ሰይጣን፡ ተደናጊሮም ብፍርሂ ስለ ዚውሓጡ ንሓድሕዶም ኪቀታተሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ንሰይጣን እውን ዕንወት ኬጋጥሞ እዩ። የሆዋ፡ “ኣብኡን [ኣብ ልዕሊ ጎግን] ኣብ ጭፍራኡን ኣብቶም ምስኡ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን . . . ሓውን ዲንን ከዝንም እየ” በለ። (ህዝ. 38:21, 22) እዚ መለኮታዊ ስጕምቲ እዚ፡ እንታይ ውጽኢት እዩ ዘለዎ፧

12. ህዝብታት እንታይ ንኺገብሩ እዮም ዚግደዱ፧

12 ህዝብታት፡ ጥፍኣት ዚመጾም ብትእዛዝ የሆዋ ምዃኑ ኺግንዘቡ እዮም። ሽዑ፡ ልክዕ ከምቲ እቶም ንእስራኤላውያን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝሰዓብዎም ጥንታውያን ግብጻውያን ዝበልዎ፡ ሰራዊት ሰይጣን እውን ‘የሆዋ ኣብ ክንዳኦም ይዋጋእ ኣሎ’ ኺብሉ እዮም። (ዘጸ. 14:25) እወ፡ ህዝብታት ከይፈተዉ የሆዋ መን ምዃኑ ኺፈልጡ እዮም። (ህዝቅኤል 38:23 ኣንብብ።) እዚ ነገራት እዚ ዚጅምረሉ ግዜ መዓስ እዩ፧

ካልእ ሓይሊ ዓለም ኣይክትትንስእን እያ

13. ብዛዕባ እቲ ሓምሻይ ክፍሊ እቲ ዳንኤል ዝገልጾ ምስሊ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧

13 ሓደ ኻብቲ ዳንኤል እተነበዮ ትንቢታት፡ ኣበየናይ እዋን ንነብር ከም ዘሎና ንኽንፈልጥ ይሕግዘና። ዳንኤል ብዛዕባ ሓደ ብእተፈላለየ ዓይነት ብረት ዝቘመ ምስሊ ሰብ ገሊጹ ኣሎ። (ዳን. 2:28, 31-33) እቲ ምስሊ፡ ነተን ኣብ ዝሓለፈ ይኹን ኣብ ግዜና፡ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዓብዪ ጽልዋ ዝነበረን ሓይልታት ዓለም የመልክት። እተን ኣርባዕተ ሓይልታት ዓለም፡ ባቢሎን፡ ሜዶንን ፋርስን፡ ግሪኽ፡ ሮሜ እየን። እታ ናይ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ግዜና ዘላ ኻልእ ሓይሊ ዓለም እያ። ብመሰረት ትንቢት ዳንኤል፡ እዛ ናይ መወዳእታ ሓይሊ ዓለም ንኣእጋርን ኣጻብዕን እቲ ምስሊ እያ እተመልክት። ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ፍሉይ ርክብ መስሪተን ነበራ። እወ፡ እቲ ሓምሻይ ክፍሊ እቲ ዳንኤል ዝገልጾ ምስሊ፡ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ኽፍሊ እቲ ምስሊ ብኣእጋር ዝቘመ እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ብድሕሪ እዚ፡ ካልእ ሰብኣዊ ሓይሊ ዓለም ከም ዘይመጽእ ይሕብር። እቲ ብሓጺንን ብመሬትን እተገብረ ኣእጋርን ኣጻብዕን ንሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ምስ ተዳኸመት የመልክት።

14. ኣርማጌዶን ኪመጽእ ከሎ ኣየነይቲ ሓይሊ ዓለም እያ ዓብላሊት ኰይና እትጸንሕ፧

14 ኣብዚ ትንቢት እዚ፡ እታ ብዓብዪ እምኒ እተመሰለት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ካብቲ ንልዑላውነት የሆዋ ዜመልክት ከረን ብ1914 ከም እተፈንቀለት ተሓቢሩ ኣሎ። እታ እምኒ ናብ እግሪ እቲ ምስሊ ትውንጨፍ ኣላ። ኣብ ኣርማጌዶን ከኣ፡ እቲ ኣእጋርን እቲ ዝተረፈ ኽፍሊ እቲ ምስልን ኪድዕሞኽ እዩ። (ዳንኤል 2:44, 45 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ኣርማጌዶን ኪመጽእ ከሎ፡ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ዓብላሊት ፖለቲካዊ ሓይሊ ዀይና ኽትጸንሕ እያ። እዚ ትንቢት እዚ ኺፍጸም ከሎ ምርኣይሲ፡ ኣየ ኽንደይ ባህ ዜብል ኰነ እዩ! * የሆዋ ንሰይጣንከ እንታይ እዩ ኺገብሮ፧

እቲ ቐንዲ ጸላኢ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ዚተሓዝ፧

15. ድሕሪ ኣርማጌዶን፡ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን እንታይ ከጋጥሞም እዩ፧

15 መጀመርታ፡ ሰይጣን ምድራዊ ውድቡ ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍእ ከሎ ኺርኢ እዩ። ድሕሪኡ፡ ንዕኡ ሓደ ነገር ኬጋጥሞ እዩ። ነዚ ኸኣ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ገሊጹልና ኣሎ። (ራእይ 20:1-3 ኣንብብ።) እቲ “መርሖ መዓሙቝ . . . ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ” ተባሂሉ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሰይጣን ንኣጋንንቱን ሒዙ ናብቲ መዓሙቝ ኪድርብዮም እዩ፡ ኣብኡ ድማ ሽሕ ዓመት ኪኣስሮም እዩ። (ሉቃ. 8:30, 31፣ 1 ዮሃ. 3:8) በዚ መገዲ እዚ፡ ርእሲ እቲ ተመን ኪጭፍለቕ ይጅምር። *ዘፍ. 3:15

16. እቲ ሰይጣን ዚድርበየሉ “መዓሙቝ” እንታይ እዩ ዜመልክት፧

16 እቲ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዚድርበዩሉ “መዓሙቝ” እንታይ እዩ፧ እታ ዮሃንስ ኣብዚ እተጠቕመላ ኣቪሶስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ኣዝዩ ዓሚቝ” ማለት እያ። ብዘይካዚ፡ “ኪግመት ዘይክእል፡ ደረት ዘይብሉ፡” ከምኡውን “መወዳእታ ዘይብሉ ባዶ ቦታ” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ። ስለዚ፡ ብጀካ የሆዋን እቲ ንሱ ዝቐብኦ “መርሖ መዓሙቝ” ዘለዎ መልኣኽን እንተ ዘይኰይኖም፡ ነዚ ቦታ እዚ ኺበጽሖ ዚኽእል ማንም የለን። ኣብኡ፡ ሰይጣን “ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም፡” ልክዕ ከም ምዉት ምንም ንጥፈት ኣይክህልዎን እዩ። እወ፡ እዚ “ዚጓዝም ኣንበሳ” እዚ፡ ስቕ ኪብል እዩ።—1 ጴጥ. 5:8

ናብ እዋን ሰላም ዚመርሕ ፍጻመታት

17, 18. (ሀ) ክሳዕ ሕጂ ዝመርመርናዮ ዛጊት ዘይተራእየ ነገራት እንታይ እዩ፧ (ለ) ድሕሪ እዚ ፍጻመታት እዚ፡ እንታይ ዜሐጕስ እዋን ኢና ኽንርኢ፧

17 ብሕጂ ዚፍጸም ኣገዳስን ዜደንጹን ነገራት ኪህሉ እዩ። እቲ “ሰላምን ደሓንን” ዚብሃለሉ እዋን ብኸመይ ከም ዚፍጸም ክንርኢ ንጽበ ኢና። ሽዑ፡ ዓባይ ባቢሎን ክትጠፍእ ከላ፡ ጎግ ብዓል ማጎግ መጥቃዕቲ ኺፍኑ ኸሎ፡ ውግእ ኣርማጌዶን ኪካየድ ከሎ ኽንርኢ ኢና። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ከኣ ናብ መዓሙቝ ኪድርበዩ እዮም። ድሕሪ እዚ ፍጻመታት እዚ፡ እከይ ዚብሃል ኣይኪህሉን እዩ። ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ከኣ ሓድሽ ዓይነት ናብራ ህይወት ኪህልወና እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “ብብዝሒ ሰላም” ደስ ኪብለና እዩ።—መዝ. 37:10, 11

18 ብዘይካ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝመርመርናዮ ሓሙሽተ ፍጻመታት፡ ‘ክንጥምቶ’ ዘሎና ሕጂ “ዘይርኤ” ኻልእ ነገራት እውን ኣሎ። እዚ ፍጻመታት እዚ፡ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ነቲ ብሕጂ ዚፍጸም ዓሰርተ ነገራት ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን ክንምርምሮ ኢና።

^ ኣብታ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቐሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 251-258 ርአ።

^ እቲ ኣብ ዳንኤል 2:44 ዚርከብ፡ “ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን” እያ ዚብል ሓሳብ፡ ነተን ብኽፋላት እቲ ምስሊ እተመሰላ መንግስትታት ወይ ሓይልታት ዓለም የመልክት። ምስዚ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ዚኸይድ ካልእ ትንቢት ከኣ፡ “ነገስታት ኵላ ዓለም” ኣብታ “ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ምስ የሆዋ ንኺዋግኡ ኸም ዚስለፉ ይገልጽ። (ራእ. 16:14፣ 19:19-21) ስለዚ እምበኣር፡ እተን በቲ ምስሊ እቲ እተመሰላ መንግስትታት ጥራይ ዘይኰናስ፡ ኵለን መንግስታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣርማጌዶን ኪጠፍኣ እየን።

^ ብድሕሪ እተን ሽሕ ዓመት ሰይጣንን ኣጋንንቱን ናብቲ “ቐላይ ሓውን ዲንን” ስለ ዚድርበዩ፡ ርእሲ እቲ ተመን ምሉእ ብምሉእ ኪጭፍለቕ እዩ።—ራእ. 20:7-10፣ ማቴ. 25:41

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ብሕጂ ዚፍጸም ሓሙሽተ ነገራት

1 “ሰላምን ደሓንን” ኪብሃል እዩ

2 መንግስትታት ን“ዓባይ ባቢሎን” ኬጥቅዕዋን ኬጥፍእዋን እዮም

3 ኣብ ህዝቢ የሆዋ መጥቃዕቲ ኺፍኖ እዩ

4 ውግእ ኣርማጌዶን ኪካየድ እዩ

5 ሰይጣንን ኣጋንንቱ ናብ መዓሙቝ ኪድርበዩ እዮም