ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ሎሚ ዜጋጥመካ ጸበባ ተቢዕካ ተጻወሮ

ነቲ ሎሚ ዜጋጥመካ ጸበባ ተቢዕካ ተጻወሮ

ነቲ ሎሚ ዜጋጥመካ ጸበባ ተቢዕካ ተጻወሮ

“ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን፡ ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ።”​—መዝ. 46:1

ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧

ዜጨንቕ ነገራት ኬጋጥመና ኸሎ ዓቕልና ንኸይነጽብብ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

ተባዓት እንዀነሉ እንታይ ምኽንያት ኣሎና፧

የሆዋ ንዜጋጥመና ጸበባ ንኽንጻወሮ ዚሕግዝ እንታይ መሰናድዎታት እዩ ኣዳልዩልና፧

1, 2. ሓያሎ ሰባት ከመይ ዝበለ ጸበባ እዩ ዜጋጥሞም፧ ኣገልገልቲ ኣምላኽከ እንታይ ኪገብሩ እዮም ዚደልዩ፧

 ብጸበባ ኣብ እተመልአ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። ምድሪ ብሓደጋታት ኣዕለቕሊቓ እያ ዘላ። ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ሱናሚ፡ ባርዕ፡ ምዕልቕላቕ ማይ፡ እሳተ ጐመራ፡ ዝናብ እተሓወሶ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ፡ ኣብ ደቂ ሰብ ብዙሕ ዕንወት ኣምጺኡ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ ስድራ ቤት ዜጋጥም ጸገማትን ብሕታዊ ግድላትን ንሓያሎ ሰባት ፍርህን ጓህን ኣስዒቡሎም እዩ። ንዅላትና “ጊዜን ኣጋጣምን” ከም ዚመጸና እውን ፍሉጥ እዩ።—መክ. 9:11

2 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብደረጃ ህዝቢ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጸበባ ተጻዊሮምዎ እዮም። ምስናይዚ ግና፡ ነፍሲ ወከፍና መወዳእታ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ኣብ ዚቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ብሕጂ ንዜጋጥም ጸገማት እውን ንኽንጻወሮ ድሉዋት ክንከውን ንደሊ ኢና። ነዚ ጸገማት እዚ ተጻዊርና ኽንሰግሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነቲ ሎሚ ዜጋጥመና ጸበባ ተቢዕና ንኽንጻወሮ ዚሕግዘናኸ እንታይ እዩ፧

ካብቶም ንዘጋጠሞም ጸበባ ተቢዖም እተጻወርዎ ሰባት ተምሃር

3. ከምቲ ኣብ ሮሜ 15:4 እተገልጸ፡ ዜጨንቕ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብኸመይ ኢና ኽንጸናናዕ እንኽእል፧

3 ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ቍጽሪ እቶም ጸገማት ዜጋጥሞም ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ኣዝዩ ዚዛይድ እኳ እንተ ዀነ፡ ጸገማት ካብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ተፈልዩ ኣይፈልጥን እዩ። ካብቶም ኣብ ህይወቶም ንዘጋጠሞም ጸገማት ብትብዓት ዝሰገርዎ ገሊኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ እንታይ ከም እንመሃር ንርአ።—ሮሜ 15:4

4. ዳዊት እንታይ ዓይነት ጸበባ እዩ ተጻዊሩ፧ ንኺጻወሮ ዝሓገዞኸ እንታይ እዩ፧

4 ነቲ ዳዊት ዝገደፈልና ኣብነት ንርአ። ገለ ኻብቲ ንዳዊት ዘጋጠሞ ጸገማት፡ ቍጥዓ ንጉስ፡ ጸላእቱ ዚፍንውዎ መጥቃዕቲ፡ ጭውያ ኣንስቱ፡ ጥልመት ፈተውቱ፡ ከምኡውን ጭንቀት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። (1 ሳሙ. 18:8, 9፣ 30:1-5፣ 2 ሳሙ. 17:1-3፣ 24:15, 17፣ መዝ. 38:4-8) እቲ ብዛዕባ ዳዊት ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ከም ዚሕብሮ፡ እዚ ጸበባ እዚ ንዳዊት ብርቱዕ ስቓይ ኣስዒቡሉ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ዳዊት መንፈሳውነቱ ኣየጥፍአን። ኣብ የሆዋ ምሉእ እምነት ስለ ዝነበሮ፡ “እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፡ ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፧” በለ።—መዝ. 27:1፣ መዝሙር 27:5, 10 ኣንብብ።

5. ኣብርሃምን ሳራን ነቲ ኸርፋሕ ናብራ ንኺጻወርዎ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

5 ኣብርሃምን ሳራን መብዛሕትኡ ህይወቶም ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ ድንኳን እናነበሩ ኸም ስደተኛታት ኰይኖም ኣሕሊፎምዎ እዮም። ስለዚ፡ ኣብ ናብራኦም ጸገማት የጋጥሞም ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት፡ ጥሜት የጋጥሞም፡ ኣብ ከባቢኦም ካብ ዝነበሩ ኣህዛብ እውን ሓደጋታት የጓንፎም እኳ እንተ ነበረ፡ ብትብዓት ተጻዊሮምዎ እዮም። (ዘፍ. 12:10፣ 14:14-16) ንኺጻወርዎ ዝሓገዞምከ እንታይ እዩ፧ ቃል ኣምላኽ፡ ኣብርሃም “ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ” ኸም ዝነበረ ይገልጸልና እዩ። (እብ. 11:8-10) ኣብርሃምን ሳራን ብናብራኦም ከይተመረሩ፡ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ኣተኲሮም ይጥምቱ ነበሩ።

6. ነቲ እዮብ ዝገደፈልና ኣብነት ብኸመይ ኢና ኽንቀድሖ እንኽእል፧

6 እዮብ ኣዝዩ ኸቢድ ጸቕጥታት ኣጋጢምዎ እዩ። ኵሉ ናብራ ህይወቱ ኣሉታዊ ጥራይ ምዃኑ ምስ ረኣየ፡ እንታይ ከም እተሰምዖ እሞ ሕሰብ። (እዮ. 3:3, 11) ብዘይካዚ፡ ኵሉ እቲ ሕማቕ ነገራት ስለምንታይ የጋጥሞ ኸም ዝነበረ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ምስናይዚ ግና፡ ፈጺሙ ኣይተሓለለን። ንጽህናኡን ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ እምነትን ሓልዩ እዩ። (እዮብ 27:5 ኣንብብ።) ክንቀድሖ ዘሎና ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ገዲፉልና!

7. ጳውሎስ ንኣምላኽ ኬገልግሎ ኸሎ እንታይ ጸገማት እዩ ኣሕሊፉ፧ ኣገልግሎቱ ብትብዓት ንኪቕጽል ዝሓገዞኸ እንታይ እዩ፧

7 ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገደፈልና ኣብነት እውን ንርአ። ጳውሎስ፡ “ኣብ ከተማ ብፍርሃት፡ ኣብ በረኻ ብፍርሃት፡ ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት” እዩ ዚነብር ነይሩ። ‘ጥሜትን ጽምእን፡ ቍርን ዕርቃንን’ የጋጥሞ ኸም ዝነበረ እውን ገሊጹ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ሓደጋታት መርከብ የጋጥሞ ስለ ዝነበረ፡ “ለይትን መዓልትን ኣብቲ መዓሙቕ ባሕሪ ሐዲረ ወዐልኩ” ብምባል ጠቒሱ ኣሎ። (2 ቈረ. 11:23-27) ኰይኑ ግና፡ ሓደ እዋን ንኣምላኽ ብምግልጋሉ ጥቓ ሞት ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ “ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲ፡ ሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ። ንሱ ኻብ ክንድዚ ዚአክል ሞት ኣድሒኑና የድሕነና ድማ አሎ፡ ንዳሕራዩውን ከም ዜድሕነና፡ ብእኡ ተስፋ ንገብር አሎና” በለ። (2 ቈረ. 1:8-10) ከምቲ ንጳውሎስ ዘጋጠሞ ጸገማት ዜጋጥሞም ሰባት እንተ ኣልዮም፡ ኣዝዮም ሒደት እዮም። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትና ስምዒት ጳውሎስ ኪርድኣና ይኽእል እዩ፣ ካብቲ ዝገደፎ ትብዓት ዝመልኦ ኣብነት እውን ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና።

ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ ኣይትተሓለል

8. ሎሚ ዘሎ ጸበባ ብኸመይ እዩ ኺጸልወና ዚኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

8 ኣብዛ ሎሚ ሓደጋታትን ብድሆታትን ጸቕጥታትን ኣዕለቕሊቑላ ዘሎ ዓለም፡ ሓያሎ ሰባት፡ ሓድሓደ ክርስትያናት እውን ከይተረፈ ዓቕሎም ይጸቦም እዩ። ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር፡ ምስ ሰብኣያ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝነበረት ላኒ a እትብሃል ሓብቲ፡ መንሽሮ ጡብ ከም ዘለዋ ብምርመራ ምስ ፈለጠት፡ ኣዝያ ኸም እተደቝሰትን ብበርቂ ኸም እተወቕዐት ኰይኑ ኸም እተሰምዓን ገለጸት። ኣስዒባ እውን፡ እቲ እተገብረላ ሕክምና ኣዝዩ ኸም ዘሕመማን፡ ዘይትጠቅም ኰይኑ ኸም እተሰምዓን ገለጸት። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሰብኣያ እውን መጥባሕቲ ዓንዲ ሕቖ ስለ እተገብረሉ፡ ክትኣልዮ ነበራ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስ ዜጋጥመና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

9, 10. (ሀ) ንሰይጣን እንታይ ኪገብር ኢና ኽንፈቕደሉ ዘይብልና፧ (ለ) ከምቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 14:22 እተጠቕሰ፡ “ብዙሕ ጸበባ” ኼጋጥመና ኸሎ ብኸመይ ኢና ኽንጻወሮ እንኽእል፧

9 ሰይጣን ብጸበባ ገይሩ ንእምነትና ኼድክማን ሓጐስና ኼጥፍኣልናን ከም ዚደሊ ኣይንረስዕ። ኰይኑ ግና፡ ክንፈቕደሉ የብልናን። ምሳሌ 24:10፡ “ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ፡ ሓይልኻ ቕሩብ እዩ” ትብል። ከምቶም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዘለዉ ሰባት ንዝገደፉልና ኣብነት ምስ እነስተንትነሉ፡ ኣብ እዋን ጸበባ ኽንተብዕ ንኽእል ኢና።

10 ንዅሉ ጸገማት ከነወግዶ ኸም ዘይንኽእል እውን ክንርስዕ የብልናን። መሓልፎ እኳ ደኣ፡ ብእኡ ኽንሓልፍ ክንጽበ ንኽእል ኢና። (2 ጢሞ. 3:12) ግብሪ ሃዋርያት 14:22፡ “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንአቱ ይግብኣና እዩ” ትብል። ብጸበባ ኣብ ክንዲ እንድቈስ፡ ኣምላኽ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ንዘሎና እምነት ብትብዓት እነርእየሉ ኣጋጣሚ ጌርና ንምንታይ ዘይንወስዶ፧

11. ኣብ ህይወትና ብዜጋጥመና ጸባባ ምእንቲ ኸይንድቈስ፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

11 ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ከነተኵር ኣሎና። ቃል ኣምላኽ፡ “ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፡ ልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር” ይብል። (ምሳ. 15:13) ሓካይም፡ ሓደ ሕሙም ከም ዚሕሾ እንተ ሓሲቡ፡ ኪሕሾ ኸም ዚኽእል ይፈልጡ እዮም። ብዙሕ ሳዕ ከም እተራእየ፡ ሓደ ሕሙም መድሃኒት ዘይብሉ ኸኒና ኺውሃቦ ኸሎ፡ እቲ ኸኒና ኸም ዜሕውዮ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎ፡ ይሕሾ እዩ። እቲ ሕሙም ነቲ ኸኒና ሕማሙ ኸም ዜግድደሉ እናተሰምዖ እንተ ውሒጥዎ ግና፡ ሕማሙ ይገዶ እዩ። ስለዚ ንሕና እውን፡ ወግሐ ጸብሐ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ኽንቅይሮ ዘይንኽእል ነገራት ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ክንድቈስ ኢና። የሆዋ ግና ብሓቂ ይድግፈና እዩ። ከመይሲ፡ ኣብ እዋን ጸበባ እውን ከይተረፈ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዚርከብ መተባብዒ፡ ኣሕዋትና ብዚህቡና ደገፍ፡ ከምኡውን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ይሕግዘና እዩ። ኣብዚ ነገራት እዚ ምትኳርና፡ ከም እንሕጐስ እዩ ዚገብረና። ስለዚ እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመካ ኣሉታዊ ነገራት ጥራይ ኣብ ክንዲ እትሓስብ፡ ንነፍሲ ወከፍ ጸገም ንኽትጻወሮ ዚሕግዘካ ግብራዊ ስጕምቲ ውሰድ፡ ኣብቲ ዘሎካ ኣወንታዊ ነገራት ድማ ኣተኵር።—ምሳ. 17:22

12, 13. (ሀ) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንዜጋጥሞም ጸበባ ኺጻወርዎ ዚሕግዞም እንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ። (ለ) ኣብ እዋን ሓደጋ፡ ኣብ ህይወት ሓደ ሰብ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ዚርአ ብኸመይ እዩ፧

12 ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ገሊአን ሃገራት ከቢድ ሓደጋታት ኣጋጢምወን እዩ። ኣብዘን ሃገራት እዚአን ዚነብሩ ሓያሎ ኣሕዋትና፡ እቲ ዅነታት ከቢድ እኳ እንተ ነበረ፡ ተጻዊሮምዎ እዮም። ኣብ መጀመርታ 2010፡ ኣብ ቺለ ኸቢድ ምንቅጥቃጥ ምድርን ሱናሚን ምስ ኣጋጠመ፡ ሓያሎ ኣሕዋትና ቤቶምን ንብረቶምን፡ ገሊኣቶም ከኣ ስራሖም ስኢኖም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣብዚ ዅነታት እዚ እውን ከይተረፈ መንፈሳዊ ንጥፈታቶም ኣየቋረጹን። ሳሙኤል፡ ቤቱ ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዓነወ፡ “ኣብቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ፡ ኣነን ሰበይተይን ኣኼባታት ኰነ ስብከት ኣየብኰርናን። እዚ ልማዳት እዚ ንኸይንድቈስ ከም ዝደገፈና እኣምን እየ” በለ። ሳሙኤልን ሰበይቱን ሓያሎ ኻልኦትን፡ በቲ ዘጋጠሞም ሓደጋ ኣብ ክንዲ ዚድቈሱ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብንጥፈት ቀጸሉ።

13 ብመስከረም 2009 ልዕሊ 80 ሚእታዊት ዚኸውን መሬት ማኒላ፡ ፊሊፒንስ፡ ብብርቱዕ ዝናብ ኣዕለቕሊቑ ነበረ። ሓደ ሃብታም ሰብኣይ፡ ብዙሕ ጥሪት ምስ ጠፍኦ፡ “እቲ ውሕጅ ንሃብታማትን ንድኻታትን ጸገማትን ስቓይን ብምምጻእ ማዕርነት ፈጠረ” በለ። እዚ ነቲ የሱስ ዝሃበና፡ “ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ” ዚብል ጥበብ ዝሓዘ ምኽሪ የዘኻኽረና እዩ። (ማቴ. 6:20) ሓደ ሰብ ንህይወቱ ኣብቲ ቐልጢፉ ዚጠፍእ ስጋዊ ነገራት ምስ ዚስርታ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጓሂ እዩ ዜስዕበሉ። ንህይወትና ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከም እተተኵር ምግባር ጥበባዊ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ከባቢና ዘጋጠመ እኳ እንተ ኣጋጠመ ኣዕሩኽ የሆዋ ዄንና ኽንቅጽል ኢና።—እብራውያን 13:5, 6 ኣንብብ።

ተባዓት እንዀነሉ ምኽንያት

14. ተባዓት እንዀነሉ እንታይ ምኽንያት ኣሎና፧

14 የሱስ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ጸገማት ከም ዚህሉ እኳ እንተ ተዛረበ፡ “ኣይትሰምብዱ” እውን ኢሉ እዩ። (ሉቃ. 21:9) እቲ ንጉስና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን እቲ ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽን ስለ ዚድግፉና፡ ከም እንተኣማመን ዚገብረና ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሀበናን” ብምባል ኣተባብዖ።—2 ጢሞ. 1:7

15. ገሊኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎም እምንቶ፡ እንታይ እዮም ኢሎም፧ ንሕናኸ ኸምኡ ዓይነት ትብዓት ከነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 ገሊኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም እምንቶ እንታይ ከም ዝበሉ ንርአ። ዳዊት፡ “እግዚኣብሄርሲ ሓይለይን ዋልታይን እዩ፡ ልበይ ብእኡ ተወኪሉ፡ ኣነውን ተረዲኤ፡ ስለዚ ልበይ ይፍሳህ አሎ” በለ። (መዝ. 28:7) ጳውሎስ ምሉእ ምትእምማን ከም ዝነበሮ ኺገልጽ ከሎ፡ “በዚ ዅሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና” በለ። (ሮሜ 8:37) የሱስ ከም ዚእሰርን ከም ዚስቀልን ምስ ፈለጠ፡ “ኣቦይ ምሳይ እዩ እሞ፡ በይነይሲ ኣይኰንኩን” ብምባል ምስ ኣቦኡ ጽኑዕ ርክብ ከም ዝነበሮ ሓበረ። (ዮሃ. 16:32) እቲ እዞም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚኦም ዝሃብዎ ሓሳባት፡ እንታይ እዩ ዚሕብር፧ ኣብ የሆዋ ምሉእ እምንቶ ኸም ዝነበሮም እዩ ዚሕብር። ንሕና እውን ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት እምንቶ እንተ ኣማዕቢልና፡ ነቲ ሎሚ ዜጋጥም ዝዀነ ይኹን ጸበባ ብትብዓት ክንጻወሮ ኽንክእል ኢና።—መዝሙር 46:1-3 ኣንብብ።

ካብቲ ንኽትተብዕ ዚሕግዘካ መሰናድዎታት ተጠቐም

16. ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 ትብዓት ካብ ገዛእ ርእስና ዚመጽእ ነገር ኣይኰነን። ትብዓት ንኸነጥሪ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርና ብምጽናዕ ንኣምላኽ ክንፈልጦን ኣብኡ ኽንውከልን የድሊ።ሓንቲ ብጭንቀት እትሳቐ ሓብቲ፡ “ብፍላይ ነቲ ዜጸናንዕ ጥቕስታት ደጋጊመ እየ ዘንብቦ” በለት። ስሩዕ ኣምልኾ ስድራ ቤት ንኺህልወና ንእተዋህበ መምርሒ ንስዕቦዶ ኣሎና፧ ከምኡ ምስ እንገብር፡ ንሕና እውን ከምቲ “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ፡ ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ” ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ክንብል ኢና።—መዝ. 119:97

17. (ሀ) ትብዓት ንኺህልወና ዚሕግዘና እንታይ መሰናድዎ ኣሎ፧ (ለ) ኣብ ጽሑፋትና ዚወጽእ ታሪኽ ህይወት ብኸመይ ከም ዝሓገዘካ ዚገልጽ ኣብነት ሃብ።

17 ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ዜደልድለልና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት እውን ኣሎና። ሓያሎ ኣሕዋት ኣብ መጽሔታትና ዘንበብዎ ታሪኽ ህይወት፡ ብፍላይ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ባይፖላር ሙድ ዲስኦርደር ዚብሃል ዓይነት ጸቕጢ ኣእምሮ ዜሳቕያ ሓንቲ ኣብ እስያ እትነብር ሓብቲ፡ ታሪኽ ህይወት ሓደ ሚስዮናዊ ዝነበረ ሓው ምስ ኣንበበት ተጸናኒዓ እያ። እቲ ሓው በዚ ሕማም ኣእምሮ ይሳቐ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ሕማም ብትብዓት ተጻዊርዎ እዩ። እታ ሓብቲ ብዛዕባ እቲ ታሪኽ ህይወት፡ “ጸገማተይ ንኺርዳእ ሓጊዙኒ፡ ተስፋ ኸኣ ሂቡኒ” ኢላ ጸሓፈት።

18. ነቲ ሳልሳይ መሰናድዎ ዝዀነ ጸሎት ክንጥቀመሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 ጸሎት ኣብ ኵሉ ዓይነት ኵነታት ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ እዚ ዓይነት መሰናድዎ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” በለ። (ፊል. 4:6, 7) ጸበባ ኼጋጥመና ኸሎ ሓይሊ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ነዚ መሰናድዎ እዚ ምሉእ ብምሉእዶ ንጥቀመሉ ኣሎና፧ ሓደ ኣብ ብሪጣንያ ዚነብር ብጭንቀት ዝሳቐ ኣሌክስ ዚብሃል ሓው፡ “ንየሆዋ ብጸሎት ምዝራበይ፡ ቃሉ ብምንባብ ከኣ ነቲ ዚብሎ ምስማዐይ፡ ኣብ ንጥፈታተይ ኪቕጽል ሓጊዙኒ እዩ” በለ።

19. ብዛዕባ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንታይ ኣመለኻኽታ ኺህልወና ኣለዎ፧

19 ኣኼባታት ጉባኤ ንኺሕግዘና እተገብረ ኻልእ መሰናድዎ እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚኣብሄር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን አላ” በለ። (መዝ. 84:2) ንሕናኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓና፧ እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ላኒ፡ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዘለዋ ርእይቶ ኽትገልጽ ከላ፡ “ንኣኼባታት ጉባኤ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣየእትዎን ነበርኩ። የሆዋ ንሕማመይ ንኽጻወሮ ኺሕግዘኒ እንተ ደልየ፡ ናብ ጉባኤ ክኸይድ ከም ዘሎኒ እፈልጥ እየ” በለት።

20. ኣብ ዕዮ ስብከት ምስታፍና ብኸመይ እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧

20 ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብንጥፈት ምስ እንካፈል እውን ትብዓት ከነጥሪ ንኽእል ኢና። (1 ጢሞ. 4:16) ሓንቲ ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ተደራራቢ ጸገማት ዘለዋ ሓብቲ፡ “ክሰብኽ ኣይደልን እየ ነይረ፣ ሓደ ሽማግለ ግና ምስኡ ክኸይድ ሓተተኒ። ሕራይ ድማ በልክዎ። የሆዋ ይሕግዘኒ ኸም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ፣ ኣገልግሎት ክኸይድ ከለኹ፡ ብዙሕ ሓጐስ ይስምዓኒ ነበረ” በለት። (ምሳ. 16:20) ሓያሎ ኣስፋሕቲ ንኻልኦት ሰባት ኣብ የሆዋ እምነት ንኺህልዎም ብምሕጋዞም፡ ንናይ ርእሶም እምነት ኣደልዲሎም እዮም። ንኻልኦት ኪሕግዝዎም ከለዉ፡ ኣብ ጸገማቶም ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት እዮም ዜተኵሩ።—ፊል. 1:10, 11

21. ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመና ጸገማት እንታይ መረጋገጺ እዩ ተዋሂቡና ዘሎ፧

21 የሆዋ ነቲ ሎሚ ዜጋጥመና ጸበባ ተቢዕና ንኽንጻወሮ ዚሕግዘና ብዙሕ መሰናድዎታት ኣዳልዩልና እዩ። ንዅሉ እዚ መሰናድዎታት እዚ ምሉእ ብምሉእ ምስ እንጥቀመሉ፡ ነቲ እቶም ተባዓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝገደፉልና ኣብነት ድማ ምስ እነስተንትነሉን ምስ እንቐድሖን፡ ንዜጋጥመና ጸገማት ተቢዕና ኽንሰግሮ ኸም እንኽእል መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ። መወዳእታ እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ኣብ ዚቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ብሕጂ ሓያሎ ኣሉታዊ ነገራት ኬጋጥመና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ከምቲ ንጳውሎስ እተሰምዖ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ጳውሎስ፡ “ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። . . . ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና” በለ። (2 ቈረ. 4:9, 10, 16) እወ፡ ብሓገዝ የሆዋ ነቲ ሎሚ ዜጋጥመና ጸበባ ተቢዕና ኽንጻወሮ ንኽእል ኢና።—2 ቈረንቶስ 4:17, 18 ኣንብብ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

[ኣብ ገጽ 10, 11 ዘሎ ስእሊ]

ጸበባ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ነቲ የሆዋ ዘዳለዎ መሰናድዎታት ምሉእ ብምሉእ ተጠቐመሉ