ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘እወ’ ዝበልካዮ፡ እወ ይኹን

‘እወ’ ዝበልካዮ፡ እወ ይኹን

‘እወ’ ዝበልካዮ፡ እወ ይኹን

“‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይኰነን’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይኰነን ይኹን።” —ማቴ. 5:37፡ NW።

ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧

የሱስ ብዛዕባ ማሕላ እንታይ በለ፧

የሱስ ቃሉ ብምሕላው ዝመጸ፡ ብሉጽ ኣብነት ዝዀነና ብኸመይ እዩ፧

ኣበየናይ መዳያት ናብራና ኢና፡ ነቲ ‘እወ’ ዝበልናዮ፡ እወ ኸም ዚኸውን ክንገብሮ ዘሎና፧

1. የሱስ ብዛዕባ ማሕላ እንታይ በለ፧ ስለምንታይከ፧

 ብሓፈሻ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኪምሕሉ ኣየድልዮምን እዩ። ከመይሲ፡ ነቲ የሱስ፡ ‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ . . . ይኹን” ብምባል ዝሃቦም ትእዛዝ ይእዘዝዎ እዮም። የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ሰብ ቃሉ ኬኽብር ከም ዘለዎ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ነዚ ትእዛዝ እዚ ቐቅድሚ ምሃቡ ድማ፡ “ከቶ ኣይትምሐሉ” ኢሉ ነይሩ እዩ። እዚ ዝበለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ሓያሎ ሰባት ነቲ ዝበልዎ ኸም ዘይፍጽምዎ እናፈለጡ ብተደጋጋሚ ይምሕሉ ስለ ዝነበሩ እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም ድሌቶም ንምግላጽ፡ ካብቲ ‘እወ’ ወይ ‘ኣይኰነን’ ዚብል ቃላት “ዝበዝሔ” ብምዝራብ፡ ዘይእሙናት ምዃኖምን በቲ “ኽፉእ” ከም ዚጽለዉን እዮም ዜርእዩ።—ማቴዎስ 5:33-37 ኣንብብ።

2. ማሕላ ወትሩ ጌጋ ዘይኰነ ስለምንታይ ምዃኑ ግለጽ።

2 የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ኵሉ ዓይነት ማሕላ ጌጋ ኸም ዝዀነ ድዩ ዚገልጽ ነይሩ፧ ከምኡ ማለቱ ኣይነበረን። ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ኣምላኽን እቲ ጻድቕ ኣገልጋሊኡ ዝነበረ ኣብርሃምን ኣብ ኣገዳሲ ጕዳያት ምሒሎም እዮም። ብዘይካዚ፡ ሕጊ ኣምላኽ፡ ገሊኡ ዓይነት ባእሲ ብማሕላ ኺፍታሕ ከም ዘለዎ ይእዝዝ ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 22:10, 11፣ ዘሁ. 5:21, 22) ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ዚቐርብ፡ ሓቂ ኸም ዚዛረብ ኪምሕል የድልዮ ይኸውን። ወይ ከኣ፡ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ኺገብሮ ዝሓሰቦ ነገር ንኼረጋግጸሎም ወይ ከኣ ዘይምስምማዕ ንኼደቅስ፡ ሳሕቲ ኺምሕል ዜድሊ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ሓደ ሊቀ ኻህናት ንየሱስ ኪምሕል ምስ ሓተቶ፡ የሱስ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ኣይሁድ ሓቂ ደኣ ተዛረበ እምበር ኣይተቓወሞን። (ማቴ. 26:63, 64) ይኹን እምበር፡ የሱስ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኪምሕል ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። ምስናይዚ ግና፡ መልእኽቱ ሓቂ ምዃኑ ምእንቲ ኼጕልሕ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ዘረባኡ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡” ይብል ነበረ። (ዮሃ. 1:51፣ 13:16, 20, 21, 38) የሱስን ጳውሎስን ካልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽን ‘እወ’ ዝበልዎ፡ እወ እዩ ነይሩ። ካብቲ ዝገደፉልና ኣብነት እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ንርአ።

የሱስ—ብሉጽ ኣብነት

3. የሱስ ንኣምላኽ ብጸሎት እንታይ ተመባጽዓሉ፧ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡኸ እንታይ ምላሽ ሃበ፧

3 “ዎ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ አሎኹ።” (እብ. 10:7) የሱስ ነዘን ትርጕም ዘለወን ቃላት ብምዝራብ፡ ንዅሉ እቲ ብዛዕባኡ እተነገረ፡ እንተላይ እቲ ‘ሸዀናኡ’ ብሰይጣን ከም ‘ዚንከስ’ ዚገልጽ ትንቢት ኪፍጽሞ ምዃኑ ርእሱ ንኣምላኽ ኣቕረበ። (ዘፍ. 3:15) ነዚ ኸቢድ ሓላፍነት እዚ ኺስከም ፍቓደኛ ዝዀነ ኻልእ ሰብ ኣይነበረን። የሆዋ ኻብ ሰማይ ንወዱ ኸም ዝተኣማመነሉ ገለጸ ደኣ እምበር፡ ቃሉ ኸም ዚሕሉ ንኼረጋግጽ ኪምሕል ኣይሓተቶን።—ሉቃ. 3:21, 22

4. የሱስ ነቲ ‘እወ’ ዝበሎ እወ ኸም ዚኸውን ዝገበሮ ኽሳዕ ክንደይ እዩ፧

4 የሱስ ወትሩ ነቲ ‘እወ’ ዝበሎ እወ ኸም ዚኸውን ይገብር ነበረ። ዝዀነ ይኹን ነገር ነቲ ኣቦኡ ዝሃቦ ዕዮ ኻብ ምፍጻም ኪዓናቕፎ ኣይፈቐደን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ወትሩ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኽ፡ ኣቦኡ ናብኡ ንዝሰሓቦም ሰባት ከኣ ደቀ መዛሙርቲ ይገብር ነበረ። (ዮሃ. 6:44) መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ክሳዕ ክንደይ ሓቀኛ ኸም ዝነበረ ኺገልጽ ከሎ፡ “ተስፋ ኣምላኽ ዘበለስ ኣብኡ እወ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ብኣና ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብእኡ ኣሜን እዩ” ይብል። (2 ቈረ. 1:20) እወ፡ ንኣቦኡ እተመባጽዖ ብምፍጻሙ፡ የሱስ ብሉጽ ኣብነት እዩ ዚዀነና። ቀጺልና፡ ብዛዕባ እቲ ንየሱስ ንኺመስል ኣበርቲዑ ዝጸዓረ ሰብ ንርአ።

ጳውሎስ —ቃሉ ዚሕሉ ሰብኣይ

5. ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ኣብነት እዩ ገዲፉልና፧

5 ጐይታይ፡ እንታይ እግበር፧” (ግብ. 22:10) እቲ ሳውል ዚብሃል ዝነበረ ጳውሎስ፡ ነቲ ብራእይ እተራእዮ ጐይታና የሱስ ነዘን ቃላት እዚአን ተዛረቦ። ሳውል ንክርስትያናት ይሰጕጎም ስለ ዝነበረ፡ የሱስ ንሳውል ነዚ ሕማቕ ተግባሩ ኼቋርጾ እዩ ዚነግሮ ነይሩ። ሳውል ነዚ ራእይ እዚ ምስ ረኣየ፡ ብትሕትና ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዚገብሮ ዝነበረ ተግባራት ተነሲሑ፡ ተጠምቀ፣ ንኣህዛብ ብዛዕባ የሱስ ንኺምስክረሎም ድማ ፍሉይ መዝነት ተቐበለ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኸኣ፡ ንየሱስ “ጐይታይ” እናበለ እዩ ዚጠቕሶ ነይሩ። ክሳዕ እቲ ምድራዊ ህይወቱ ዜብቅዓሉ እዋን ከኣ ብቓሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብተግባሩ እውን ንየሱስ ከም ጐይታኡ ገይሩ ርእይዎ እዩ። (ግብ. 22:6-16፣ 2 ቈረ. 4:5፣ 2 ጢሞ. 4:8) ጳውሎስ ከምቶም የሱስ፡ “ስለምንታይ ደኣ፤ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ እትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን፧” ዝበሎም ሰባት ኣይነበረን። (ሉቃ. 6:46) እወ፡ የሱስ ንዅሎም እቶም ከም ጐይታኦም ዚቕበልዎ ሰባት፡ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ቃሎም ኬኽብሩ ይጽበዮም እዩ።

6, 7. (ሀ) ጳውሎስ ናብ ቈረንቶስ ኪበጽሕ ዝነበሮ መደብ ዝቐየረ ስለምንታይ እዩ፧ ገሊኣቶም፡ ጳውሎስ ቃሉ ኸም ዘይሓለወ ገይሮም ምንቃፎም፡ ቅኑዕ ዘይነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ነቶም ኪመርሑና እተሸሙ ኣሕዋት ብኸመይ ክንምልከቶም ይግባእ፧

6 ጳውሎስ ካብ ንእሽቶ እስያ ኣትሒዙ ኽሳዕ ኤውሮጳ ብቕንኣት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኹ፡ ከምኡውን ሓያሎ ጉባኤታት መስሪቱን በጺሑን እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ እቲ ዝጸሓፎ ሓቂ ምዃኑ ንኼረጋግጽ ኪምሕል ከም ዘለዎ ዀይኑ ተሰሚዕዎ እዩ። (ገላ. 1:20) ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ገሊኦም ኣሕዋት፡ ዘይእሙን ከም ዝዀነ ገይሮም ምስ ከሰስዎ፡ “ኣምላኽ እሙን ከም ዝዀነ፡ እቲ ንኣኹም ዝነገርናዮ ቓል፡ እወን ኣይኰነንን ኣይነበረን” ብምባል ንርእሱ ተጣበቐላ። (2 ቈረ. 1:18) ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ካብ ኤፌሶን ወጺኡ ብመቄዶንያ ኣቢሉ ናብ ቈረንቶስ እዩ ዚኸይድ ነይሩ። ኣብ ፈለማ፡ ናብ መቄዶንያ ቕድሚ ምኻዱ ንቈረንቶስ እንደገና ኺበጽሓ እዩ መዲቡ ነይሩ። (2 ቈረ. 1:15, 16) ኰይኑ ግና፡ ከምቲ ሎሚ ገየሽቲ ሓለውቲ ዚገብርዎ፡ ሓድሓደ ግዜ መደባት ኪቀያየር የድሊ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ፡ ብጢጥ ቅሚጥን ንጥቕሚ ርእስኻን ኢልካ ዘይኰነስ፡ ዘይተሓስበ ዅነታት ኬጋጥም ከሎ እዩ ዚግበር። ጳውሎስ ናብ ቈረንቶስ ካብ ምኻድ እተደናጐየ፡ ንጥቕሚ እታ ጉባኤ ኢሉ እዩ። ብኸመይ፧

7 ጳውሎስ ናብ ቈረንቶስ ኪኸይድ መደብ ምስ ገበረ ገለ ግዜያት ጸኒሑ፡ ኣብ ቈረንቶስ ምክፍፋልን ርኽሰትን ዕሽሽ ከም እተባህለ ዚገልጽ ወረ ሰምዐ። (1 ቈረ. 1:11፣ 5:1) ነዚ ንምእራም ከኣ ኣብታ ናብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ሓያል ምኽሪ ጸሓፈ። ሽዑ፡ ካብ ኤፌሶን ብመርከብ ገይሩ ብቐጥታ ናብ ቈረንቶስ ኣብ ክንዲ ዚኸይድ፡ ነቶም ኣሕዋት ጸኒሑ ኺበጽሖም ከሎ ምእንቲ ኼተባብዖም፡ ነቲ ዝሃቦም ምኽሪ ንኺዓይዩሉ ግዜ ኺህቦም ወሰነ። መደቡ ዝቐየረሉ ምኽንያት ብሓቂ እዚ ምዃኑ ምእንቲ ኼረጋግጸሎም ከኣ ኣብታ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ “ናብ ቈረንቶስ ገና ዘይምምጽኤይ ምእንቲ ኽንሕፈኩም ኢለ ኸም ዝዀንኩ፡ ኣምላኽ ንምስክር ኣብ ነፍሰይ እጽውዕ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (2 ቈረ. 1:23) ንሕና እውን ነቶም ንኺመርሑና እተሸሙ ኣሕዋት ብዙሕ ከነኽብሮም ደኣ ኣሎና እምበር፡ ከምቶም ንጳውሎስ ዚነቕፍዎ ዝነበሩ ሰባት ክንከውን የብልናን። ብዘይካዚ፡ ከምቲ ጳውሎስ ንክርስቶስ ዝመሰሎ፡ ንሕና እውን ንዕኡ ንምሰሎ።—1 ቈረ. 11:1፣ እብ. 13:7

ሰናይ ኣብነት ዝገደፉልና ኻልኦት ሰባት

8. ርብቃ እንታይ ኣብነት እያ ገዲፋትልና፧

8 “እኸይድ።” (ዘፍ. 24:58) ርብቃ፡ ኣዲኣን ሓዋን ንይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም ምእንቲ ኽትምርዓዎ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቤት ወጺኣ፡ ምስ ሓደ ጋሻ 800 ኪ.ሜ. ተጓዒዛ ኽትከይድ ምስ ሓተትዋ፡ ከምኡ ኢላ መለሰት። (ዘፍ. 24:50-58) ርብቃ ‘እወ’ ዝበለቶ፡ እወ እዩ ነይሩ፡ ንኣምላኽ እትፈርህ እምንቲ ሰበይቲ ይስሃቅ ምዃና ኸኣ ኣርእያ እያ። ካብ ሽዑ ንንየው ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ጋሻ ዀይና ኣብ ድንኳናት ትነብር ነበረት። ብዘርኣየቶ ተኣማንነት ድማ፡ እኖሓጎ እቲ መብጽዓ እተኣትወሉ ዘርኢ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ክትከውን በቕዐት።—እብ. 11:9, 13

9. ሩት ኣብ ቃላ ዝጸንዐት ብኸመይ እያ፧

9 “ኣይፋልናን ምሳኺ ደኣ ናብ ህዝብኺ ንምለስ።” (ሩት 1:10) እተን ሞኣባውያን መበለታትን ዝነበራ ሩትን ዖርጳን ነታ ኻብ ሞኣብ ናብ ቤት-ልሄም እትምለስ ዝነበረት መበለት ዝነበረት ሓማተን ናእሚ፡ ብተደጋጋሚ ኸምኡ ኢለን ተዛረባኣ። ዖርጳ፡ ናእሚ ግዲ ምስ በለታ፡ ናብ ዓዳ ተመልሰት። እቲ ሩት ‘ኣይኰነን’ ዝበለቶ ግና፡ ኣይኰነን ነበረ። (ሩት 1:16, 17 ኣንብብ።) ሩት ንስድራ ቤታን ነቲ ኣብ ሞኣብ ዝነበረ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ንሓዋሩ ጠንጢና፡ ብተኣማንነት ምስ ናእሚ ጠበቐት። እምንቲ ኣምላኺት የሆዋ ብምዃን ጸንዐት፣ ሓንቲ ኻብተን ማቴዎስ ኣብ መስመር ወለዶ ክርስቶስ ዝጠቕሰን ሓሙሽተ ኣንስቲ ኽትከውን ድማ ከኣለት።—ማቴ. 1:1, 3, 5, 6, 16

10. ኢሳይያስ ሰናይ ኣብነት ዝዀነና ብኸመይ እዩ፧

10 “እኔኹ ልአኸኒ።” (ኢሳ. 6:8) ኢሳይያስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ቅድሚ ምዝራቡ፡ ነቲ ግርማ ዝለበሰ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ቤተ መቕደስ እስራኤል ተቐሚጡ ኸሎ ረኣዮ። ኣብቲ ግርማዊ ራእይ እናጠመተ ኸሎ ኸኣ፡ “ንመን ክልእኽ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ” ዚብል ድምጺ የሆዋ ሰምዐ። የሆዋ ነቶም ዘይእዙዛት ህዝቡ መልእኽቲ ዜብጽሓሉ ሰብ እዩ ዚሓትት ነይሩ። ኢሳይያስ ኣፈኛ የሆዋ ኪኸውን ፍቓደኛ ብምዃን፡ ‘እወ’ ዝበሎ፡ እወ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ንልዕሊ 46 ዓመት ብዛዕባ እቲ ሓያል መልእኽቲ ዅነኔ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ምምላስ ንጹህ ኣምልኾ ዚገልጽ ዜደንቕ መብጽዓታት እውን ብምእዋጅ፡ ብተኣማንነት ነብዪ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

11. (ሀ) ኣብ ቃልና ኽንጸንዕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ገለ ኻብቶም መለበሚ ዝዀኑና ኣብ ቃሎም ዘይጸንዑ ሰባት እንመን እዮም፧

11 የሆዋ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብነታት ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምዝገበልና ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧ ‘እወ’ ዝበልናዮ፡ እወ ኸም ዚኸውን ክንገብር ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጠለምቲ፡” “ሞት ከም ዚግብኦም” ኣነጺሩ ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 1:31, 32) ፈርኦን ንጉስ ግብጺ፡ ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ሃናንያን ሰጲራን ‘እወ’ ዝበልዎ፡ እወ ኸም ዚኸውን ስለ ዘይገበሩ፡ ሕማቕ እዩ ኣጋጢምዎም። እዚኣቶም ንዓና መለበሚ እዮም ዚዀኑና።—ዘጸ. 9:27, 28, 34, 35፣ ህዝ. 17:13-15, 19, 20፣ ግብ. 5:1-10

12. ቃልና ንኽንሕሉ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

12 “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ስለ ዘለና፡ ኣብ ከባቢና ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት “መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ” “ኣሕሊፎም ዚህቡ” ወይ “ከዳዓት” (ትርጕም 1990) እዮም። (2 ጢሞ. 3:1-5) ብእተኻእለ መጠን፡ ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንኸይንተዓራረኽ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስቶም ‘እወ’ ዝበልዎ፡ እወ ኸም ዚኸውን ንኺገብሩ ዚጽዕሩ ሰባት ኣዘውቲርና ኽንእከብ ኣሎና።—እብ. 10:24, 25

ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ፡ ‘እወ’ ዝበልካሉ ነገር

13. ሓደ ኻብቲ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ‘እወ’ ዚብለሉ ነገራት፡ እቲ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣየናይ እዩ፧

13 ካብቲ ሓደ ሰብ ዚኣትዎ መብጽዓታት እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ፡ ርእሱ ንኣምላኽ ንምውፋይ ዚኣትዎ ቓል እዩ። ከም ወደ መዝሙር የሱስ መጠን ርእሱ ኪኽሕድ ዚደሊ ሰብ፡ ኣብ ሰለስተ እተፈላለየ ግዜያት፡ ብዛዕባ እቲ ኺገብሮ ዚደሊ ነገር ‘እወ’ ንኺብል ኣጋጣሚ ኣለዎ። (ማቴ. 16:24) ሓደ ሰብ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ኪኸውን ምስ ዚደሊ፡ ክልተ ሽማግለታት ቃለ መጠይቕ ኪገብሩሉ ኸለዉ፡ “ብሓቂዶ ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውን ትደሊ ኢኻ፧” ኢሎም ይሓትትዎ እዮም። ድሕሪኡ፡ እቲ ሰብ መንፈሳዊ ዕቤት ብምግባር፡ ኪጥመቕ ምስ ዚደሊ፡ ሽማግለታት ምስኡ ተራኺቦም፡ “ብጸሎት ርእስኻ ንየሆዋ ወፊኻ ዲኻ፧” ኢሎም ይሓትትዎ እዮም። ኣብ መዓልቲ ጥምቀት ድማ፡ ንሕጹያት ጥምቀት፡ “ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ሓጢኣትኩም ተነሲሕኩም ፍቓዱ ንምግባር ርእስኹም ንየሆዋ ወፊኹም ዲኹም፧” ዚብል ሕቶ ይቐርበሎም እዩ። ሽዑ፡ እዞም ሓደስቲ ሕጹያት፡ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ንምግልጋል ዝኣተውዎ ቓል፡ ‘እወ’ ኢሎም ይምልሱ።

14. በብግዜኡ እንታይ ኢልና ኢና ርእስና ኽንምርምር ዘሎና፧

14 ኣብ ቀረባ ግዜ እተጠመቕካ ወይ ንየሆዋ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገልካዮ ኣስፋሒ ኹን ብዘየገድስ፡ በብግዜኡ ርእስኻ ኽትምርምርን ከምዚ ዚስዕብ እናበልካ ኽትሓትትን የድሊ፦ ‘ንየሱስ ክርስቶስ ብምምሳል ነቲ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ‘እወ’ ዝበልኩሉ ነገር ወትሩ እሕልዎዶ ኣለኹ፧ ንስብከትን ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ኣብ ህይወተይ ቀዳምነት ብምሃብ ንየሱስ ወትሩ እእዘዞዶ ኣለኹ፧’—2 ቈረንቶስ 13:5 ኣንብብ።

15. ኣበየናይ መዳያት ናብራኻ እዩ ነቲ ‘እወ’ ዝበልካዮ፡ እወ ኸም ዚኸውን ክትገብር ኣገዳሲ ዚኸውን፧

15 ነቲ ርእስና ብምውፋይ ዝኣተናዮ ቓል ምእንቲ ኽንሕልዎ፡ ኣብ ካልእ ኣገዳሲ ጕዳያት እውን እሙናት ክንከውን ኣሎና። ንኣብነት፡ ብዓል ሓዳር ዲኻ፧ እምበኣር፡ ነቲ ንመጻምድትኻ ኸተፍቅራን ክትሕብሕባን ዝኣተኻዮ ኽቡር ቃል ወትሩ ሓልዎ። ናይ ንግዲ ውዕል ፈሪምካ ወይ ቲኦክራስያዊ መሰላት ንምርካብ ፎርም መሊእካ ዲኻ፧ እምበኣር፡ ቃልካ ሓሉ። ሓደ ትሑት መነባብሮ ዘለዎ ሰብ፡ ምሳሕ ወይ ድራር ዓዲሙካስ ተቐቢልካዮ ዲኻ፧ እምበኣር፡ ድሕሪኡ ኻልእ ሰብ ካብኡ ዝሓሸ ዚመሰል ዕድመ እኳ እንተ ኣቕረበልካ፡ ነቲ ቐዳማይ ዕደመ ኣይትሰርዞ። ወይ ከኣ፡ ኣብ ኣገልግሎት ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከለኻ ንዝረኸብካዮ ሰብ ተወሳኺ መንፈሳዊ ሓገዝ ምእንቲ ኽትህቦ፡ ተመሊስካ ኸም እትበጽሖ ቓል ኣቲኻሉ ዲኻ፧ እምበኣር፡ ነቲ ‘እወ’ ዝበልካዮ፡ እወ ኸም ዚኸውን ግበር፡ የሆዋ ድማ ንኣገልግሎትካ ኺባርኾ እዩ።—ሉቃስ 16:10 ኣንብብ።

ካብ ሊቀ ኻህንናን ንጉስናን ንጠቐም

16. ቃልና ኽንሕሉ እንተ ዘይክኢልና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

16 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዘይፍጹማት ብምዃንና፡ ብፍላይ ኣብ ኣጠቓቕማ ልሳንና፡ “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና” ይብል። (ያእ. 3:2) ቃልና ኸም ዘይሓሎና እንተ ኣስተውዒልና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ኣብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ፡ ሓደ ሰብ “ከይፈለጠ ብዘይ ሓሳብ ብኸናፍሩ” እንተ ምሒሉ፡ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ዚሕብር ኣብ ምሕረት እተመርኰሰ መሰናድዎ ነበረ። (ዘሌ. 5:4-7, 11) ክርስትያናት እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጢኣት ምስ ዚፍጽሙ፡ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ዚሕብር ፍቕራዊ መሰናድዎ ኣለዎም። ነቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ንየሆዋ እንተ ተናዚዝናሉ፡ በቲ ሊቀ ኻህንና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ብምሕረት ይቕረ ኺብለልና እዩ። (1 ዮሃ. 2:1, 2) ይኹን እምበር፡ ሞገስ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይንስእን፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓጢኣት ብዘይምድግጋም ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ኽንፈሪ፡ ብሰንኪ እቲ ብዘይ ሓሳብ እተዛረብናዮ ቓላት ዘምጻእናዮ ጕድኣት እንተ ኣልዩ ኸኣ፡ ብእተኻእለ መጠን ነቲ ጸገም እቲ ንምፍታሕ ክንጽዕር ይግባእ። (ምሳ. 6:2, 3) ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ሓደ ኽንፍጽሞ ዘይንኽእል ነገር መብጽዓ ቕድሚ ምእታውና፡ ተጠንቂቕና ኽንሓስበሉ ዝሓሸ እዩ።—መክብብ 5:2 ኣንብብ።

17, 18. ኵሎም እቶም ‘እወ’ ዝበልዎ፡ እወ ኸም ዚኸውን ንምግባር ዚጽዕሩ ሰባት እንታይ ዜሐጕስ መጻኢ እዩ ዘለዎም፧

17 ኵሎም እቶም ‘እወ’ ዝበልዎ፡ እወ ኸም ዚኸውን ንምግባር ዚጽዕሩ ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ መጻኢ ዀን እዩ ዘለዎም! እቶም ቅቡኣት ዝዀኑ 144,000፡ ኣብ ሰማይ ዘይትመውት ህይወት ብምርካብ፡ ምስ የሱስ ኣብ መንግስቱ ኺሓብሩ፡ “ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም።” (ራእ. 20:6) እቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኻልኦት ኣባጊዕ ከኣ፡ ካብ ግዝኣት መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ እናተጠቕሙ ኣብ ምድራዊት ገነት ኪነብሩ እዮም። ኣካላውን ኣእምሮኣውን ፍጽምና ድማ ኪረኽቡ እዮም።—ራእ. 21:3-5

18 ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ፡ እሙናት ኴንና እንተ ጸኒሕና፡ ድሕሪኡ፡ ቃል ብምሕላው ዝመጸ እንጥርጥሮ ሰብ ኣይኪህሉን እዩ። (ራእ. 20:7-10) ሽዑ፡ ኵሉ ሰብ ‘እወ’ ዝበሎ፡ እወ፡ ‘ኣይኰነን’ ዝበሎ ድማ፡ ኣይኰነን ኪኸውን እዩ። ብዘይካዚ፡ ኵሉ ሰብ ነቲ “ኣምላኽ ሓቂ” ዝዀነ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ፡ ምሉእ ብምሉእ እናመሰሎ ኺነብር እዩ።—መዝ. 31:5

[ሕቶታት መጽናዕቲ]