ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሕዳር 2012

“ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ”

ንዳዊት ብምቕዳሕ ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣርኣእያ ኺህልወና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ተረፎም ጐደሎ ይምልእ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቶም እተጸገሙ ዚኸውን ወፈያ የዋህልሉ ነይሮም። ንሕናኸ ኸመይ ጌርና ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል፧

የሱስ ኣርኣያ ትሕትና ሃበ

ካብቲ የሱስ ዘርኣዮ ትሕትና ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

መንፈስ ትሕትና ኣማዕብል

ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ትሕትና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ የሱስ ብዛዕባ ንጽል ናይ ምዃን ውህበት እተዛረቦ ቓላት እንታይ የመልክት፧

የሆዋ ይቕረ በሃሊ ምዃኑ፡ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

የሆዋ ጥንቲ ንሓጥኣን ዝሓዘሉ መገዲ፡ ይቕረ ንምባል ክሳዕ ክንደይ ድሉው ምዃኑ ይምህረና።

ንሓድሕድኩም ይቕረ ተባሃሃሉ

ይቕረ ንምባል ድሉው ብምዃን፡ ንየሆዋ ብኸመይ ክንመስሎ ኸም እንኽእል ርአ።

‘ቅድሚኡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ዝበለጸ መልእኽቲ’

ብ1926 እቶም ሽዑ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ኣርባዕተ ኸተማታት ካናዳ ናይ ገዛእ ርእሶም መደበር ሬድዮ የካይዱ ነበሩ።