ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ”

“ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ”

“ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ”

“ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ።”—መዝ. 143:10

ክትዝክሮ ዚግብኣካ ቐንዲ ነጥብታት

ዳዊት፡ ኣረኣእያ የሆዋ ኸም ዜገድሶ ዘርኣየሉ ኣብ ህይወቱ ዘሕለፎ ፍጻመታት ኣየናይ እዩ፧

ዳዊት ንፍቓድ የሆዋ ንኺፈልጦ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

ስምረት የሆዋ ንኽንረክብ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

1, 2. ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ግምት ብምእታው ምምልላስና ኺጠቕመና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ንጉስ ዳዊት ኣብዚ መዳይ እዚ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ዚጠቕመናኸ ብኸመይ እዩ፧

 ኣኽራን ኣብ ዚበዝሖ ኸባቢ ትጐዓዝ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ኣብ ሓደ ቦታ ምስ በጻሕካ ግና፡ ቃራና መገዲ ረኺብካ። ናበይ ሸነኽ ክትከይድ ከም ዘሎካ ኽትውስን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ኣብ ሓደ ኸውሒ ደይብካ፡ እቲ ቓራና መገዲ ናበይ ከም ዚወስድ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ብተመሳሳሊ፡ ኣገዳሲ ውሳነ ኽንገብር ከለና ንነገራት በቲ ኽብ ዝበለ ኣረኣእያ ኣምላኽ ምርኣይ፡ በቲ የሆዋ ዚሰምሮ ‘መገዲ’ ንኽንጓዓዝ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ኢሳ. 30:21

2 እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት፡ ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋል ህይወቱ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ግምት ብምእታው ይመላለስ ስለ ዝነበረ፡ ሰናይ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። ልቡ ፍጹም ምስ የሆዋ ኣምላኽ ስለ ዝነበረ፡ ካብቲ ንሱ ዘሕለፎ ገሊኡ ፍጻመታት እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።—1 ነገ. 11:4

ዳዊት ንስም የሆዋ ኽብ ኣቢሉ ረኣዮ

3, 4. (ሀ) ዳዊት ንጐልያድ ንኺቃወሞ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ (ለ) ዳዊት ንስም ኣምላኽ ብኸመይ ይርእዮ ነበረ፧

3 ነቲ ዳዊት ምስቲ ጐብለል ፍልስጥኤማውያን ዝነበረ ጐልያድ እተጋጠመሉ ፍጻመ እስከ ንርአ። እቲ መንእሰይ ዝነበረ ዳዊት ነቲ ምሉእ ብምሉእ እተዓጥቀን ሽዱሽተ እመትን ስድርን (2.9 ሜተር) ዝቝመቱን ዓርሞሸሽ ንኺገጥሞ ዝደረኾ እንታይ እዩ ነይሩ፧ (1 ሳሙ. 17:4) ተባዕ ስለ ዝነበረ ድዩ፡ ወይስ ብኣምላኽ ይእመን ስለ ዝነበረ እዩ፧ ክልቲኡ ባህርያቱ ኣብቲ ዘርኣዮ ጅግንነት ዓብዪ ተራ ነይርዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ምስቲ ኽንዲ እምባ ዚኸውን ዓርሞሸሽ ንኺገጥም ዝደረኾ፡ ብቐንዱ ንየሆዋን ነቲ ዓብዪ ስሙን ዝነበሮ ኣኽብሮት እዩ ነይሩ። ብቝጥዓ ድማ፡ “እዚ ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ዜባጩ ዘሎ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ መን ኰን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ።—1 ሳሙ. 17:26

4 እቲ መንእሰይ ዝነበረ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ጐልያድ ቀሪቡ፡ “ንስኻ ብሴፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመጸኒ አሎኻ፡ ኣነ ግና ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ንስኻ እተባጭዎ ዘሎኻ ኣምላኽ ጭፍራ እስራኤል እመጸካ አሎኹ” በሎ። (1 ሳሙ. 17:45) ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስለ እተወከለ፡ ነቲ ጐብለል ፍልስጥኤማውያን ብሓንቲ እምኒ ወንጭፍ ቀተሎ። ኣብቲ እዋን እቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መላእ ህይወቱ ኣብ የሆዋ ይውከልን ንመለኮታዊ ስም ክብ ኣቢሉ ይርእዮን ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ነቶም ብጾቱ ዝዀኑ እስራኤላውያን፡ ‘በቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ኪኽበሩ’ ወይ ኪሕበኑ ዘተባብዖም።—1 ዜና መዋእል 16:8-10 ኣንብብ።

5. ምስ ጸርፊ ጐልያድ ዚመሳሰል እንታይ ዓይነት ኵነታት እዩ ኼጋጥመካ ዚኽእል፧

5 ኣምላኽካ የሆዋ ብምዃኑ ትሕበን ዲኻ፧ (ኤር. 9:24) ጐረባብትኻ፡ መሳርሕትኻ፡ መማህርትኻ፡ ወይ ኣዝማድካ ብዛዕባ የሆዋ ሕማቕ ኪዛረቡን ንመሰኻኽሩ ኼላግጹሎምን ከለዉ፡ እንታይ ምላሽ ኢኻ እትህብ፧ የሆዋ ኸም ዚድግፈካ ብምትእምማን፡ ስሙ ኺጽረፍ ከሎ ብትብዓት ትዛረብ ዲኻ፧ ‘ስቕ ንምባል ጊዜ ኸም ዘለዎ’ ዚከሓድ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ሰዓብቲ የሱስን ብምዃንና ግና ክንሓፍር የብልናን። (መክ. 3:1, 7፣ ማር. 8:38) ምስ ተጻረርቲ ኽንዘራረብ ከለና፡ ሜለኛታትን እዱባትን ክንከውን እኳ እንተ ኣሎና፡ ከምቶም ንጸርፊ ጐልያድ ምስ ሰምዑ ‘ኣዝዮም ዝፈርሁን እተሸበሩን’ እስራኤላውያን ክንከውን የብልናን። (1 ሳሙ. 17:11) የግዳስ፡ ንስም የሆዋ ኣምላኽ ንምቕዳስ፡ ቈራጽ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ባህግና፡ ሰባት ንናይ ሓቂ መንነት የሆዋ ኣምላኽ ኪፈልጥዎ ምሕጋዝ እዩ። ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒምና ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ዘለዎ ኣገዳስነት ንኺፈልጡ ንሕግዞም ኢና።—ያእ. 4:8

6. ዳዊት ምስ ጐልያድ ኪጋጠም ከሎ፡ እንታይ ኪዓምም እዩ ዚደሊ ነይሩ፧ ንዓናኸ ብቐንዱ ኼተሓሳስበና ዘለዎ እንታይ እዩ፧

6 ካብቲ ዳዊትን ጐልያድን ዝገበርዎ ግጥም፡ ካልእ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ዳዊት ናብቲ ዓውደ ዂናት ምስ መጸ፡ “ነዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ቐቲሉስ ካብ እስራኤል ውርደት ዘርሐቐ ሰብኣይከ እንታይ ይግበሮ፧” ኢሉ ሓቲቱ ነበረ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ነቲ ኣቐዲሞም ዝበልዎ ብምድጋም፡ “ነዚ [ንጐልያድ] ዚቐትል ሰብኣይ ንጉስ ኬጸግዎ፡ ጓሉ ኸኣ ኪህቦ . . . እዩ” ኢሎም መለሱሉ። (1 ሳሙ. 17:25-27) ኰይኑ ግና፡ ንዳዊት፡ ስጋዊ ሃብቲ ምርካብ ኣይኰነን ብቐንዱ ዜተሓሳስቦ ነይሩ። ካብኡ ዚዓቢ ዕላማ ነበሮ። ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኬኽብሮ እዩ ዚደሊ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 17:46, 47 ኣንብብ።) ንዓናኸ ብቐንዱ ዜተሓሳስበና፡ ሃብቲ ብምእካብን ኣብዛ ዓለም ህቡባት ብምዃንን ስምና ኸነጸውዕ ድዩ፧ ከምቲ፡ “ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎ፡ ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ” ኢሉ ዝዘመረ ዳዊት ክንከውን ከም እንደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (መዝ. 34:3) ስለዚ፡ ንስም የሆዋ ኻብ ስምና ንላዕሊ ኽብ ብምባል ኣብ ኣምላኽ ንወከል።—ማቴ. 6:9

7. ዚጻረሩና ሰባት ኬጋጥሙና ኸለዉ ምእንቲ ኽትሕግዘና፡ ንእምነትና ኸነዕብያ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 ዳዊት ንጐልያድ ብትብዓት ምእንቲ ኺጋጠሞ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ኺውከል ነበሮ። ድልድልቲ እምነት ነይራቶ እያ። ነዛ እምነት እዚኣ ኼጥርያ ዝኸኣለ፡ ጓሳ ኸሎ ኣብ ኣምላኽ ብምውካል እዩ። (1 ሳሙ. 17:34-37) ንሕና እውን፡ ብፍላይ ዚጻረሩና ሰባት ኬጋጥሙና ኸለዉ ኣብ ኣገልግሎትና ምእንቲ ኽንቅጽል፡ ድልድልቲ እምነት ተድልየና እያ። ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ኣብ ኣምላኽ ብምውካል፡ ንእምነትና ኸነዕብያ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ጥቓና ኾፍ ንዝበሉ ሰባት፡ ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ከነዘራርቦም ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ነቶም ካብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ከለና ኣብ መገዲ እንረኽቦም ሰባት ከነዘራርቦም ንኽእል ኢና።—ግብ. 20:20, 21

ዳዊት ንየሆዋ ተጸበዮ

8, 9. ዳዊት ምስ ንጉስ ሳኦል ኣብ ዝነበሮ ርክብ፡ ፍቓድ የሆዋ ኸም ዜገድሶ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

8 ዳዊት ብዛዕባ እቲ ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሳኦል ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ብምንጽብራቕ እውን፡ ኣብ የሆዋ ኸም ዚውከል ኣርእዩ እዩ። እቲ ቐናእ ዝነበረ ሳኦል፡ ንዳዊት ሰለስተ ሳዕ ብዂናት ኣብ መንደቕ ኣላጊቡ ኪቐትሎ እኳ እንተ ፈተነ፡ ንሱ ግና ካብኡ ኣግለሰ፣ ሕነ እውን ኣይፈደየን። ኣብ መወዳእታኡ፡ ካብ ሳኦል ሃደመ። (1 ሳሙ. 18:7-11፣ 19:10) ሽዑ ሳኦል ካብ ብዘላ እስራኤል እተሓርዩ 3,000 ሰብኡት ሒዙ፡ ንዳዊት ኣብ በረኻ ኼናድዮ ኸደ። (1 ሳሙ. 24:2) ድሕሪኡ፡ ናብቲ ዳዊትን ሰቡን ዝነበርዎ በዓቲ ኸይፈለጠ ኣተወ። ዳዊት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሙ፡ ነቲ ዚሃድኖ ዝነበረ ንጉስ ኪቐትሎ ይኽእል ነበረ። ፍቓድ ኣምላኽ እውን እንተ ዀነ፡ ዳዊት ንሳኦል ተኪኡ ኣብ እስራኤል ኪነግስ እዩ ነይሩ። (1 ሳሙ. 16:1, 13) ዳዊት ንምኽሪ ብጾቱ እንተ ዚሰምዕ፡ እቲ ንጉስ ምተቐትለ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ “ንጐይታይ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ኢደይ ናብኡ ዘርጊሔ እዚ ነገር እዚ ምግባርሲ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ” በለ። (1 ሳሙኤል 24:4-7 ኣንብብ።) ምኽንያቱ፡ ሳኦል ገና ብኣምላኽ እተቐብአ ንጉስ እዩ ነይሩ። ዳዊት ከኣ፡ የሆዋ ገና ንሳኦል ካብ ንግስናኡ ስለ ዘየወገዶ፡ ብኢደ ወነኑ ኸምኡ ኺገብር ኣይደለየን። ጫፍ ክዳን ሳኦል ብምቝራጽ ድማ፡ ንሳኦል ኪጐድኦ ኸም ዘይደሊ ኣርኣየ።—1 ሳሙ. 24:11

9 ዳዊት ምስቲ ንጉስ ንመወዳእታ እዋን ምስ ተራኸበ እውን፡ ንቕቡእ ኣምላኽ ዘለዎ ኣኽብሮት ኣርእዩ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ንሱን ኣቢሳይን፡ ኣብቲ ሳኦል ዝነበሮ ቦታ መጹ እሞ፡ ንሳኦል ደቂሱ ረኸብዎ። ኣቢሳይ ንዳዊት፡ ኣምላኽ ንጸላኢኡ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ኸም ዝሃቦ ብምንጋር ንሳኦል ብዂናት ምስ ምድሪ ኼላግቦ እኳ እንተ ሓተቶ፡ ንሱ ግና ኣይፈቐደሉን። (1 ሳሙ. 26:8-11) ዳዊት መምርሒ ኣምላኽ ዜናዲ ዓይነት ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ኣቢሳይ እኳ እንተ ደፋፍኦ፡ ካብቲ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ስጕምቲ ኺወስድ ዝገበሮ ቈራጽነት ምንቕ ኣይበለን።

10. እንታይ በዳሂ ዅነታት እዩ ብውልቅና ኼጋጥመና ዚኽእል፧ ጽኑዓት ንኽንከውን ኪሕግዝና ዚኽእልከ እንታይ እዩ፧

10 ንዓና እውን ኣዕሩኽና፡ ፍቓድ የሆዋ ኽንገብር ከለና ኣብ ክንዲ ዚድግፉና፡ ኣብ ገሊኡ ዅነታት ንሰብኣዊ ኣተሓሳስባኦም ክንስዕብ ጸቕጢ ኺገብሩልና ይኽእሉ እዮም። ልክዕ ከምቲ ኣቢሳይ ዝገበሮ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ግምት ከየእተና ስጕምቲ ንኽንወስድ የተባብዑና ይዀኑ። ጽኑዓት ምእንቲ ኽንከውን፡ ዝመጸ ይምጻእ ንኣረኣእያ የሆዋ ንኽንዝክርን ምስ መገድታቱ ንኽንጠብቕን ክንቈርጽ ኣሎና።

11. ንፍቓድ ኣምላኽ ክብ ኣቢልካ ብዛዕባ ምርኣይ፡ ካብ ዳዊት እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

11 ዳዊት፡ “ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ” ኢሉ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ጸለየ። (መዝሙር 143:5, 8, 10 ኣንብብ።) ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣተሓሳስባ ወይ ኣብቲ ኻልእ ሰብ ዚህቦ መተባብዒ ዚምርኰስ፡ ብኣምላኽ ኪምሃር እዩ ዚህንጠ ነይሩ። ‘ንዅሉ ተግባር የሆዋ የስተንትነሉን ንግብሪ ኣእዳዉ ይሓስበሉን ነበረ።’ ንሕና እውን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምዅዓትን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ምስ ደቂ ሰብ ዝነበሮ ርክብ ዚገልጽ ብዙሕ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስትንታንን፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና።

ዳዊት ንመሰረታዊ ስርዓት ሕጊ ሙሴ ይርድኦ ነበረ

12, 13. ዳዊት ነቲ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ዘምጽኡሉ ማይ ዝኸዓዎ ስለምንታይ እዩ፧

12 ዳዊት ንመሰረታዊ ስርዓት ሕጊ ሙሴ ይርድኦን ብእኡ ህይወቱ ኺመርሕ ይደልን ስለ ዝነበረ፡ ንኣብነቱ ኽንቀድሖ ኣሎና። ዳዊት፡ “ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ ዔላ መን ኰን ማይ የስትየኒ፧” ኣብ ዝበለሉ እዋን ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገር እስከ ንርአ። ካብ ሰብ ዳዊት ዝዀኑ ሰለስተ ሰብኡት፡ ናብታ ብፍልስጥኤማውያን ተታሒዛ ዝነበረት ከተማ ጥሒሶም ኣትዮም፡ ማይ ሒዞምሉ መጹ። “ዳዊት ግና ንእግዚኣብሄር ከዐወሉ እምበር፡ ኪሰትዮስ ኣይፈተወን።” ስለምንታይ፧ “ህይወቶም ቀቢጾም ኣምጺኦምዎ እዮም እሞ፡ ደም እዞም ህይወቶም ዝቐበጹ ሰባት እዚኣቶምዶ ኽሰቲ እየ፧ ነዚ ምግባርሲ ኣምላኸይ ካባይ የርሕቆ” በለ።—1 ዜና 11:15-19

13 ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ደም ኪብላዕ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምድሪ ንየሆዋ ኺክዖ ኸም ዘለዎ ዳዊት ይፈልጥ ነበረ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚግበር እውን ይርዳእ ነበረ። “ነፍሲ ስጋ ኣብቲ ደም” ከም ዝዀነ ይፈልጥ ነበረ። እቲ ማይ ግና፡ ደም ኣይኰነን ነይሩ። ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ ኺሰትዮ ዘይደለየ፧ ንመሰረታዊ ስርዓት እቲ ሕጊ ይርድኦ ስለ ዝነበረ እዩ። ንዕኡ፡ እቲ ማይ ልክዕ ከም ደም እቶም ሰብኡት፡ ክቡር እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ነቲ ማይ ኪሰትዮ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ኣብ መሬት ኪኽዕዎ ዝወሰነ።—ዘሌ. 17:11፣ ዘዳ. 12:23, 24

14. ዳዊት ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ንኺህልዎ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

14 ሕጊ ኣምላኽ ኣገዳሲ ኽፋል መዓልታዊ ህይወት ዳዊት እዩ ነይሩ። ንሱ፡ “ኣምላኸየ፡ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፡ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 40:8) ንሕጊ ኣምላኽ የጽንዖን የስተንትነሉን ነበረ። ኣብቲ ኣብ ትእዛዛት የሆዋ ዚርከብ ጥበብ ይውከል ነበረ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ነቲ ሕጊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመንፈስ እቲ ሕጊ እውን ኪሕልዎ ይጽዕር ነበረ። ንሕና እውን መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና፡ ንየሆዋ ዜሐጕሶ ነገራት ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ነቲ እነንብቦ ኸነስተንትነሉን ኣብ ልብና ኸነንብሮን ኣሎና።

15. ሰሎሞን ንሕጊ ኣምላኽ ዘየኽበሮ በየናይ መገዲ እዩ፧

15 እቲ ወዲ ዳዊት ዝነበረ ሰሎሞን፡ ስምረት የሆዋ ኣምላኽ ነበሮ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ሰሎሞን ንሕጊ ኣምላኽ ዝነበሮ ኣኽብሮት ጠፍአ። ነቲ ሓደ እስራኤላዊ ንጉስ ‘ኣንስቲ ኸየብዝሕ’ ዚኽልክል ትእዛዝ የሆዋ ኣየቕለበሉን። (ዘዳ. 17:17) ከመይሲ፡ ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ ተመርዕዩ ነበረ። ምስ ኣረገ ድማ፡ “እተን ኣንስቱ ንልቡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ።” እቲ ነተን ኣንስቲ ንኺምርዓወን ዝደረኾ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ከም ኣቦኡ ዳዊት ገይሩ ፈጺሙ ንእግዚኣብሄር ኣይሰዐቦን።” (1 ነገ. 11:1-6) ንሕና እውን ምስ ሕግታትን ስርዓታትን መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት፡ ንኽንምርዖ ኽንሓስብ ከለና፡ እዚ ኣገዳሲ እዩ።

16. እቶም ኪምርዓዉ ዚደልዩ ንመንፈስ እቲ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ክንምርዖ እተዋህበና ትእዛዝ ምርዳኦም፡ ንውሳነኦም ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

16 ዘይኣመንቲ ሰባት ምሳና ፍቕራዊ ርክብ ኪምስርቱ እንተ ደልዮም፡ እቲ እንህቦ ምላሽ፡ ከም ናይ ዳዊት ዓይነት ድዩ ወይስ ከም ናይ ሰሎሞን፧ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ፡ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ኪምርዓዉ እዮም ተኣዚዞም። (1 ቈረ. 7:39) ሓደ ክርስትያን ኪምርዖ እንተ ወሲኑ፡ ምስ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይ ጥራይ እዩ ኺምርዖ ዘለዎ። ንመንፈስ እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓት እንተ ተረዲእናዮ ድማ፡ ምስ ዘይኣማኒ ኻብ ምምርዓው ክንርሕቕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኻብቲ ውልቀ ሰብ ዚመጽእ ናይ ፍቕሪ ሕቶ እውን ክንነጽጎ ኢና።

17. ካብቲ ኸም መፈንጠራ ዝዀነ ስእለ ጽዩፍ ንኽንርሕቕ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

17 ዳዊት መምርሒ ኣምላኽ ንምርካብ ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ፡ ነቲ ስእለ ጽዩፍ ንኽንርኢ ዜጋጥመና ፈተና ንኽንቃወሞ ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል እስከ ንርአ። ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቦ፣ ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ስርዓታት ኣስተንትነሉ፣ ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥ ከኣ ጽዓር። (መዝሙር 119:37፣ ማቴዎስ 5:28, 29፣ ቈሎሴ 3:5 ኣንብብ።) ብዛዕባ ልዑል ስርዓታት ኣምላኽ ምስትንታን፡ ካብቲ ኸም መፈንጠራ ዝዀነ ስእለ ጽዩፍ ንኽንርሕቕ ኬዕጥቐና ይኽእል እዩ።

ወትሩ ኣረኣእያ ኣምላኽ ይሃሉኻ

18, 19. (ሀ) ዳዊት ዘይፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ ስምረት ኣምላኽ ንኺረክብ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

18 ዳዊት ብብዙሕ መገድታት ኣብነት ይዀነና እኳ እንተ ዀነ፡ ሓያሎ ኸቢድ ሓጢኣት እውን ፈጺሙ እዩ። (2 ሳሙ. 11:2-4, 14, 15, 22-27፣ 1 ዜና 21:1, 7) ይኹን እምበር፡ ኪሓጥእ ከሎ ይንሳሕ ነበረ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ “ብንጽህና ልቢ” እዩ ተመላሊሱ። (1 ነገ. 9:4) ስለምንታይ ኢና ኸምኡ ኽንብል እንኽእል፧ ምስ ፍቓድ የሆዋ ተሰማሚዑ ኺመላለስ ይጽዕር ስለ ዝነበረ እዩ።

19 ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰንና፡ ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ነጽንዕ፣ ብዛዕባ እቲ ኻብኡ እንመሃሮ ነገራት ኣዕሚቚና ነስተንትን፣ ነቲ ኣብ ልብና ዘሕደርናዮ ትምህርቲ ኸኣ ንተግብሮ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንየሆዋ ልክዕ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መዝሙር ብትሕትና ዘቕረቦ ልመና ኸነቕርበሉ ኢና፣ እወ፡ “ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ” ኢልና ኽንጽሊ ኢና።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]