ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተረፎም ጐደሎ ይምልእ

ተረፎም ጐደሎ ይምልእ

ተረፎም ጐደሎ ይምልእ

እዋኑ ብ49 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። “እቶም ኣዕኑድ ከም ዝዀኑ መሰልቲ፡” ማለት ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ንሃዋርያ ጳውሎስን ነቲ መገላግልቱ ዝነበረ በርናባስን፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኪሰብኩ ኸለዉ፡ ነቶም ድኻታት ክርስትያናት ኪዝክርዎም ነገርዎም። (ገላ. 2:9, 10) እሞኸ ጳውሎስን በርናባስን ነዚ ሓላፍነት እዚ ብኸመይ ፈጸምዎ፧

እተን ጳውሎስ ዝጸሓፈን መልእኽትታት፡ ንሱ ነቲ ጕዳይ ኣትኵሮ ገይሩሉ ኸም ዝነበረ ይሕብራና እየን። ንኣብነት፡ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅዱሳን ኪኸውን ዚዋጻእ ገንዘብ ግና፡ ከምቲ ንማሕበራት ገላትያ ዝሰራዕክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ። ኣነ ምስ መጻእኩ፡ ምውጻእ ገንዘብ ሽዑ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ። ኣነ ምስ መጻእኩ ድማ፡ እቲ ህያብ ልግስኹም ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኼብጽሑ፡ ነቶም ግቡኣት ኰይኖም እተራእዩኹም ሰባት፡ ደብዳበ ኣትሒዘ ኽሰዶም እየ” ኢሉ ጽሒፉሎም ነበረ።—1 ቈረ. 16:1-3

ኣብታ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፋ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ ብዛዕባ ዕላማ እቲ ዚግበር ውጽኢት እንደገና ገሊጹ ነበረ። “እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ኪምልእ . . . እሞ፡ ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ኪኸውን እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ” ድማ በለ።—2 ቈረ. 8:12-15

ጳውሎስ ኣብ ከባቢ 56 ድ.ክ. ንሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ እቲ ውጽኢት ዳርጋ ዅሉ ተኣኪቡ ነበረ። ጳውሎስ፡ “ሕጂ ግና መቄዶንያን ኣካይያን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ናይ ቅዱሳን ድኻታት ገንዘብ ኬዋጽኡ ፈትዮም ስለ ዘለዉ፡ ነቶም ቅዱሳን እናኣገልገልኩ ናብ የሩሳሌም እኸይድ አሎኹ” በለ። (ሮሜ 15:25, 26) ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ነቲ እተዋህቦ መዝነት ፈጺምዎ እዩ፣ ከመይሲ፡ ናብ የሩሳሌም ተመሊሱ ኸይዱ ኣብኡ ምስ ተኣስረ፡ ነቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ፌሊክስ፡ “ንህዝበይ ምጽዋት ከብጽሕን መስዋእቲ ከቕርብን መጻእኩ” ኢልዎ ነይሩ እዩ።—ግብ. 24:17

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ ዝነበሮም መንፈስ፡ ካብቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ሰብ መቄዶንያ ዝበሎ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ንሱ ብዛዕባኦም ኪገልጽ ከሎ፡ ምእንቲ ኺልግሱ ‘ብዙሕ ከም ዝለመኑ’ ገለጸ። ንሰብ ቈረንቶስ ድማ ኣብነቶም ኪስዕቡ ተማሕጸኖም። “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ” ድማ በለ። ነተን ጉባኤታት፡ መንፈስ ልግሲ ንኼርእያ ዝደረኸን እንታይ እዩ፧ “ነቶም ቅዱሳት ዜድልዮም ዘበለ ንምምላእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ዚቐርብ ብዙሕ ምስጋና ምእንቲ ኺዓዝዝ እውን እዩ።” (2 ቈረ. 8:4፣ 9:7, 12) እቲ ንሕና እነርእዮ መንፈስ ልግሲ እውን እንተ ዀነ፡ ተመሳሳሊ ዕላማ እዩ ዘለዎ። የሆዋ ኣምላኽ ንኸምዚ ዓይነት ሰናይ መንፈስ ይባርኾ እዩ፣ በረኸቱ ኸኣ ብርግጽ የሀብትም እዩ።—ምሳ. 10:22

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]

ገሊኣቶም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚኸውን ውጽኢት ዚህቡሉ መገድታት

ልክዕ ከምቲ ብግዜ ሃዋርያ ጳውሎስ ዚግበር ዝነበረ፡ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ “ዓለምለኻዊ ዕዮ” ዚብል እተጻሕፎ ሳጹናት ውጽኢት ዜእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ‘ኣዋህሊሎም የቐምጡ’ እዮም። (1 ቈረ. 16:2) ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ነታ ሃገር ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልእካኦ እየን። እንተ ደሊኻ እውን፡ ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ሕጋዊ ትካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብቐጥታ ወፈያ ኽትልእኽ ትኽእል ኢኻ። ሕጋዊ ስም እቲ ንሃገርካ ዜገልግል ትካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ምስቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ኣድራሻታት ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ www.pr418.com ኪርከብ ይከኣል እዩ። ብቐጥታ ኽትልእኮ እትኽእል ወፈያታት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኣሎ።

ብዘይ ገደብ ዚውሃብ ወፈያታት

• ጥረ ገንዘብ፡ ስልማት፡ ወይ ከኣ ካልእ ክቡር ነገራት ኪውሃብ ይከኣል እዩ።

• ጥረ ገንዘብ ወይ ካልእ ነገራት ኪውሃብ ከሎ፡ ብዘይ ገደብ ከም እተዋህበ ዚሕብር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ኪልኣኽ ኣለዎ።

ኪምለስ ዚከኣል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ

• እቲ ዝሃበ ሰብ ምስ ዚደልዮ ኺምለሰሉ ዚከኣል ገንዘብ ኪውፈ ይከኣል እዩ።

• እቲ ወፈያ ኺምለስ ዚከኣል ምዃኑ ዚሕብር ደብዳበ ኺልኣኽ ኣለዎ።

ብመደብ ዚግበር ልግሲ

ብጀካ እቲ ናይ ገንዘብን ናይ ካልእ ክቡር ነገራትን ወፈያ፡ ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ፡ ካልእ ነገራት ናይ ምሃብ መገድታት እውን ኣሎ። እቲ ንስኻ ኽትጥቀመሉ እትደሊ መገዲ ብዘየገድስ፡ ፈለማ ምስቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተራኺብካ፡ ኣብ ሃገርካ እንታይ ዓይነት ወፈያ ኺውሃብ ከም ዚከኣል ፍለጥ። ሕጋዊ ብቕዓታትን ሕግታት ግብርን እተፈላለየ ስለ ዝዀነ፡ እትውፍየሉ መገዲ ቕድሚ ምምራጽካ፡ ፈለማ ምስ ብቑዓት ኣማኸርቲ ግብርን ሕግን ተዘራረብ።

መድሕን፦ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ብምጥቃስ፡ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ/እስትሕጋግ ክፍሊት ተጠቃሚ ኸም ዝዀነ ጌርካ ስም ኪመሓላለፈሉ ይከኣል እዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ፦ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት፡ ወይ ናይ ውልቀ ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ፡ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዚፈቕዶ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ብሓደራ ኺውሃብ ወይ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚ ምዃኑ ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ኣክሲዮንን ቦንድን፦ ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ ገለ ገደብ ኪውሃብ ዚከኣል ህያብ ኰይኑ፡ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ኪውፈ ይከኣል እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል፡ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚ ምዃኑ ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት፦ ኪሽየጥ ዚከኣል ዘይንቀሳቐስ ንብረት፡ ብዘይ ገለ ገደብ ዚውሃብ ህያብ ወይ እቲ ንብረት መንበሪ እንተ ዀይኑ ድማ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ኪዀነሉ ዚኽእል መደብ ብምግባር፡ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ኪውፈ ይከኣል እዩ።

ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ፦ ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ ኺብሃል ከሎ፡ ሓደ ሰብ ገንዘብ ወይ ሰነድ ዋንነት ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ዚህበሉ መሰናድዎ እዩ። እቲ ወሃቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እተወሰነ ዓመታዊ ኽፍሊት ይውሃቦ እዩ። እቲ ወሃቢ ኣብቲ እቲ ወፈያ ዝገበረሉ ዓመት መጠን እቲ ዚስልዓሉ ግብሪ ይንከየሉ እዩ።

ለበዋን ሕድርን፦ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር፡ ጥሪት ወይ ገንዘብ ንሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ከተውርሶ ይከኣል እዩ፣ ወይ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ሕጋዊ ትካል ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚ ምእንቲ ኪኸውን፡ ስም ኪመሓላለፈሉ ይከኣል እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ እተወሰነ ናይ ግብሪ ምጕዳላት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

እቲ “ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚብል ስያመ ኸም ዚገልጾ፡ እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዚውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዚሓትት እዩ። ነቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪውፍዩ ዚደልዩ ውልቀ ሰባት ንምሕጋዝ፡ ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትብሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛን ብስጳንኛን ተዳልያ ኣላ። እታ ብሮሹር፡ ውልቀ ሰባት ሕጂ ወይ ምስ ሞቱ ብመልክዕ ውርሲ ኺውፍዩሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ መገዲ ትሕብር እያ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ምስ ግብርን ምስ ካልእ ነገራትን ዚተሓሓዝ ሕግታት፡ እቲ ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ ዚርከብ ሓበሬታ፡ ምሉእ ብምሉእ ንዅነታትካ ዚሽፍን ከይከውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ምስ ኣንበብካያ፡ ምስቶም ብዛዕባ ግብሪ ወይ ሕጊ ዜማኽሩኻ ሰባት ተዘራረብ። ብዙሓት በቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መገድታት ገይሮም ነቲ ኣብ መላእ ዓለም እንፍጽሞ ሃይማኖታውን ግብረ ሰናያውን ንጥፈታት ኪሕግዙ፡ ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዚርከብ ናይ ምጕዳል ግብሪ ረብሓታት ከኣ ኬዕብይዎ ኽኢሎም እዮም። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መገድታት ኣብ ሃገርካ ይዓዪ እንተ ዀይኑ፡ ቅዳሕ እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ካብ ጸሓፊ ጉባኤኻ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ኣድራሻ ጌርካ ወይ ድማ ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብምጽሓፍ ወይ ብምድዋል፡ ምስቶም ኣብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚሰርሑ ኣሕዋት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

CHARITABLE PLANNING OFFICE

Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

100 Watchtower Drive

Patterson, New York 12563-9204

Telephone: (845) 306-0707