ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ስደተኛታት” ኴንና ንቐጽል

“ስደተኛታት” ኴንና ንቐጽል

“ስደተኛታት” ኴንና ንቐጽል

“ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም አሎኹ፤ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑ።”—1 ጴጥ. 2:11

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ቅቡኣት ከም ስደተኛታት ኪቝጸሩ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧

“ካልኦት ኣባጊዕ” ስደተኛታት ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

ኣብ መጻኢ እንታይ ክትከውን ኢኻ ብሃንቀውታ እትጽበ፧

1, 2. ጴጥሮስ “ሕሩያት” ኪብል ከሎ ንመን እዩ ዜመልክት ነይሩ፧ “ስደተኛታት” ኢሉ ዝጸውዖምከ ስለምንታይ እዩ፧

 የሱስ ናብ ሰማይ ካብ ዚዓርግ ድሕሪ 30 ዓመት፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ነቶም ኣብ ጶንጦስን ኣብ ገላትያን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ እስያን ኣብ ቢቲንያን ፋሕ ኢሎም [ዝነበሩ] ሕሩያት” መልእኽቲ ለኣኸሎም። (1 ጴጥ. 1:1) ጴጥሮስ “ሕሩያት” ኪብል ከሎ፡ ነቶም ከምኡ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡን ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ንምግዛእ ‘ንህያው ተስፋ ብሓድሽ እተወልዱን’ ሰባት እዩ ዜመልክት ነይሩ። (1 ጴጥሮስ 1:3, 4 ኣንብብ።) ንምንታይ ደኣ እዩ እሞ ጸኒሑ፡ ‘ኣጋይሽን ስደተኛታትን’ ኢሉ ጸዊዕዎም፧ (1 ጴጥ. 2:11) ሎሚ ኻብ 650 ንጡፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቲ ሓደ እውን ቅቡእ ዘይኰነ ኽነሱ፡ ቃላት ጴጥሮስ ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧

2 እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ቕቡኣት ብሓቂ “ስደተኛታት” እዮም ነይሮም። ልክዕ ከምቶም ሎሚ ዘለዉ ተረፍ ቅቡኣት፡ ምድራዊ ህይወቶም ግዜያዊ እዩ። እቲ ንባዕሉ ኣባል “ሒደት መጓሰ” ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንሕና ግን ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ አሎና” በለ። (ሉቃ. 12:32፣ ፊል. 3:20) ቅቡኣት ‘ሃገሮም ኣብ ሰማይ ስለ ዝዀነ፡’ ምስ ሞቱ፡ ካብ ምድሪ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ዝሓሸን ዘይመውትን ህይወት እዮም ዚኸዱ። (ፊልጲ 1:21-23 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ቅቡኣት ኣብዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ ዓለም፡ “ስደተኛታት” ተባሂሎም ኪጽውዑ ይኽእሉ እዮም።

3. ን“ኻልኦት ኣባጊዕ” ዚምልከት እንታይ ሕቶ እዩ ኺለዓል ዚኽእል፧

3 እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ”ከ፧ (ዮሃ. 10:16) ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ደይኰነን ዘለዎም፧ እወ፡ ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ኺነብሩ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ብእተወሰነ መዳይ፡ ንሳቶም እውን ከም ስደተኛታት ጌርካ ኺርኣዩ ይኽእሉ እዮም። ብኸመይ፧

‘ኵሉ ፍጥረት የስቈርቍር ኣሎ’

4. መራሕቲ ዓለም ኪዓግትዎ ዘይከኣሉ እንታይ እዩ፧

4 የሆዋ ነቲ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ኪቕጽል ክሳዕ ዘፍቀደሉ፡ ኵሉ ሰብ፡ እንተላይ ክርስትያናት፡ በቲ ሰይጣን ካብ የሆዋ ብምዕላዉ ዝመጸ ሳዕቤን ኪሳቐዩ እዮም። ኣብ ሮሜ 8:22፡ “ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ . . . ኸም ዜስቈርቍርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን፡ ንፈልጥ አሎና” ዚብል ነንብብ ኢና። መራሕቲ ዓለምን ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ገበርቲ ሰናይን፡ ብቕንዕና ተደሪኾም ዝገበሩ እኳ እንተ ገበሩ፡ ንመከራ ደቂ ሰብ ኪዓግትዎ ኣይክእሉን እዮም።

5. ካብ 1914 ኣትሒዙ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እንታይ ስጕምቲ እዮም ወሲዶም፧ ስለምንታይከ፧

5 ካብ 1914 ንነጀው፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ተገዛእቲ እቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ንኪዀኑ መሪጾም እዮም። ክፍሊ ስርዓት ሰይጣን ኪዀኑ ኣይደልዩን እዮም። ነዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ድማ ኣይድግፍዋን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንህይወቶምን ንንብረቶምን ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድጋፍ እዮም ዜውዕልዎ።—ሮሜ 14:7, 8

6. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ኣጋይሽ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

6 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራት ዚነብሩ ሕጊ ዜኽብሩ ዜጋታት እኳ እንተ ዀኑ፡ ዚነብሩሉ ቦታ ብዘየገድስ፡ ከም ኣጋይሽ እዮም። ካብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጕዳያት እዚ ስርዓት እዚ እውን ገለልተኛታት እዮም። ንገዛእ ርእሶም ከም ዜጋታት እታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ገይሮም እዮም ዚርእይዋ። ኣብዛ ዘይፍጽምቲ ዓለም ከም ስደተኛታት ኰይኖም ዜሕልፍዎ ግዜ ብቕልጡፍ ይውዳእ ከም ዘሎ ምፍላጦም፡ የሐጕሶም እዩ።

7. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ቀወምቲ ነበርቲ ዚዀኑ ብኸመይ እዮም፧ ኣበይከ እዮም ኪነብሩ፧

7 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ክርስቶስ ነዚ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ኬጥፍኦ እዩ። እታ ክርስቶስ ዝንጉሳ ፍጽምቲ መንግስቲ ድማ፡ ንምድሪ ኻብ ሓጢኣትን መከራን ናጻ ኽትገብራ እያ። ንዝዀነ ይኹን ካብ ልዑላውነት የሆዋ ዚዓሉ ዘበለ ዚርአን ዘይርአን ፍጡር ከኣ ከተጥፍኦ እያ። ሽዑ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ቀወምቲ ነበርቲ እታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኪዀኑ እዮም። (ራእይ 21:1-5 ኣንብብ።) ድሕሪኡ፡ “እቲ ፍጥረት . . . ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ።”—ሮሜ 8:21

ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

8, 9. ጴጥሮስ፡ ‘ካብ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ’ ኢሉ ኼጠንቅቕ ከሎ እንታይ ማለቱ ኸም ዝነበረ ግለጽ።

8 ጴጥሮስ፡ ክርስትያናት እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም አሎኹ፤ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑ” በለ። (1 ጴጥ. 2:11) እዚ ምኽሪ እዚ ፈለማ ንቕቡኣት ክርስትያናት እኳ እንተ ተዋህበ፡ ነቶም ናይ የሱስ ካልኦት ኣባጊዕ እውን ይምልከቶም እዩ።

9 ገሊኡ ባህጊ፡ በቲ ፈጣሪ ዚደልዮ መገዲ ኺፍጸም ከሎ፡ ጌጋ ኣይኰነን። ንህይወትና እውን ሓጐስ ኪውስኸሉ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ጽቡቕ ምግቢ ምብላዕ፡ ጽቡቕ መስተ ምስታይ፡ ባህ ብዜብል መገዲ ምዝንጋዕ፡ ምስ ፈተውትኻ ግዜ ምሕላፍ፡ ባህርያዊ ባህጊ እዩ። ካብ መጻምድትኻ ዚርከብ ጾታዊ ዕግበት እውን፡ ባህርያውን ግቡእን እዩ። (1 ቈረ. 7:3-5) ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ “ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት” እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ብዝያዳ ንምንጻር፡ “ስጋዊ ህርፋን” (ኪንግ ጀምስ ቨርሽን) ወይ “ሓጥእ ባህጊ” (ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን) ኢሉ ተርጒምዎ ኣሎ። ብንጹር እምበኣር፡ ንዝዀነ ይኹን ምስ ዕላማ ኣምላኽ ዚጋጮን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ጽቡቕ ርክብ ብኣሉታዊ መገዲ ንዚጸልዎን ሰብኣዊ ባህጊ፡ ክንጥንቀቐሉ ኣሎና። ከምኡ እንተ ዘይጌርና፡ ህይወትና ኣብ ሓደጋ ኺወድቕ ይኽእል እዩ።

10. ሰይጣን ንክርስትያናት ካብዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዚዀኑ ንምግባር እንታይ ሜላታት እዩ ዚጥቀም፧

10 ቀንዲ ዕላማ ሰይጣን፡ ነቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብዚ ስርዓት እዚ ኸም “ስደተኛታት” ኰይኖም ንኺነብሩ ዝገበርዎ ቘራጽነት ንምድኻም እዩ። ሰይጣን ብፍቕረ ንዋይን ብርኽሰትን ብዝናን በቲ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዚብልዎ መንፈስን ብሃገራውነትን ገይሩ ኣብ መጻወድያ ኼእትወና ይፍትን እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብዚ ስጋዊ ትምኒት እዚ ንምርሓቕ ቈራጽነት እንተ ጌርና፡ ካብዛ እክይቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ከም ዘይኰንና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ግዜያውያን ነበርቲ ኸም ዝዀንና ኸኣ ነመስክር። ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም፡ ቀወምቲ ነበርቲ ኽንከውን ኢና እንደልን እንጽዕርን።

ጽቡቕ ኣካይዳ

11, 12. ሓድሓደ ግዜ፡ ወጻእተኛታት ብኸመይ እዮም ዚርኣዩ፧ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧

11 ጴጥሮስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ክርስትያን “ስደተኛታት” እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ኣብ ፍቕዲ 12 ኺገልጽ ከሎ፡ “እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ” በለ። ኣብ ዘይዓዶም ዚነብሩ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን፡ ሓድሓደ ግዜ ይንቀፉ እዮም። ካብ ጐረባብቶም እተፈልዩ ስለ ዝዀኑ ጥራይ፡ ከም ገበርቲ እከይ ጌርካ ይርኣዩ ይዀኑ። ኣዘራርባኦም፡ ተግባሮም፡ ኣከዳድናኦም፡ ምናልባት እውን መልክዖም እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰናይ ተግባር ኪገብሩ ኸለዉ፡ ማለት ኣካይዳኦም ኬጸብቑ ኸለዉ ግና፡ እቲ ብዛዕባኦም ዚንገር ኣሉታዊ ነገራት፡ መሰረት ዘይብሉ እዩ ዚኸውን።

12 ብተመሳሳሊ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ብኸም ኣዘራርባ ወይ መዘናግዒ ዝኣመሰለ መዳያት ካብ ብዙሓት ጐረባብቶም እተፈልዩ እዮም። ኣከዳድናኦምን ኣመለኻኽዓኦምን ካብ መብዛሕትኦም ማሕበረሰቦም እተፈልዩ እዩ ዚገብሮም። ገሊኦም ሰባት ነዚ ፍልልይ እዚ ምስ ረኣዩ፡ ብጌጋ ኸም ገበርቲ እከይ ገይሮም ይኸስስዎም እዮም። ገሊኣቶም ግና፡ ብኣነባብራኦም ይንእድዎም እዮም።

13, 14. ‘ጥበብ ብደቃ ዝጸደቐት’ ብኸመይ እያ፧ ኣብነት ሃብ።

13 ጽቡቕ ኣካይዳ ነቲ ብዛዕባና ዚዝረብ መሰረት ዘይብሉ ነቐፌታ፡ ዋጋ ዘይብሉ እዩ ዝገብሮ። እቲ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ እሙን ዝነበረ የሱስ እውን፡ ብሓሶት ተነቒፉ እዩ። ገሊኦም ሰባት፡ “በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን” ኢሎም ጸዊዖምዎ እዮም። እቲ የሱስ ንኣምላኽ ኬገልግል ከሎ ዘርኣዮ ጥበብ ግና፡ ክሶም ጌጋ ምንባሩ ኣረጋገጸ። የሱስ ከኣ፡ “ጥበብ ብደቃ ጸደቐት” በለ። (ማቴ. 11:19) ሎሚ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ንኣብነት፡ ጐረባብቲ እቶም ኣብ ሰልተርስ፡ ጀርመን ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ዜገልግሉ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣነባብራ እቶም ቤት-ኤላውያን እተፈልየ ዀይኑ ተሰምዖም። ከንቲባ እቲ ማሕበረሰብ ግና፡ ነቶም ቤት-ኤላውያን ብምድጋፍ፡ “እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣነባብራ እዩ ዘለዎም፣ ኰይኑ ግና፡ ኣነባብራኦም ንዝዀነ ይኹን ተቐማጢ እዚ ማሕበረሰብ እዚ ዚርብሽ ኣይኰነን” በለ።

14 ነቲ ኣብ ሞስኮ፡ ሩስያ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተተሓሒዙ ዘጋጠመ ነገር እውን ከም ኣብነት ክንወስዶ ንኽእል ኢና። ሩስያውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዙሕ ሕማቕ ነገራት ከም ዚገበሩ ብሓሶት ተኸሲሶም ነበሩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ሰነ 2010 ኣብ ስትራዝቡግ፡ ፈረንሳ ዚርከብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ኸምዚ ዚብል ብይን ሃበ፦ “እዚ ቤት ፍርዲ እዚ፡ [ሞስኮ] ኣብ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ናጽነት እቶም ኣመልከትቲ ኢዳ ብምእታው መሰሎም ከም ዝጠሓሰት ፈሊጡ ኣሎ። እተን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዚርከባ ኣብያተ ፍርዲ፡ እቶም ኣመልከትቲ” ንስድራ ቤት ከም ዚበታትኑ፡ ርእሰ ቕትለት ከም ዜተባብዑ፡ ወይ ሕክምና ኸም ዘይቅበሉ ዚሕብር “‘ኣድማዕን ብቑዕን’ ምኽንያት ኬቕርባ ኣይከኣላን።” ስለዚ፡ “ነቲ ዘይተዓጻጻፊ ዘቤታዊ ሕጊ ተጠቒምካ እተገብረ ነገራት ዘይፍትሓዊ ስለ ዝነበረ፡ በተን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዚርከባ ኣብያተ ፍርዲ እተገብረ እገዳ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ተሪር እዩ ነይሩ።”

ግቡእ ተገዛእነት

15. ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነየናይ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚስዕቡ፧

15 ኣብ ሞስኮ ዀነ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ጴጥሮስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝጸሓፎ ብቕዓት እውን ይፍጽምዎ እዮም፦ “ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም . . . መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ።” (1 ጴጥ. 2:13, 14) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ መምርሒ ብምስዓብ፡ ነቶም ብኣምላኽ “እተሰርዑ” ሰበ ስልጣናት ብፍታው ይግዝእዎም እዮም።—ሮሜ 13:1, 5-7 ኣንብብ።

16, 17. (ሀ) ኣንጻር መንግስቲ ዘይምዃንና ዜርኢ እንታይ እዩ፧ (ለ) ገሊኦም ፖለቲካውያን መራሕቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዮም ኢሎም፧

16 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ስርዓት እዚ ኸም “ስደተኛታት” ኰይኖም እዮም ዚነብሩ፣ እዚ ግና ኣንጻር መንግስቲ ከም ዝዀኑ ዚሕብር ኣይኰነን። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ፖለቲካዊ ወይ ማሕበራዊ ውሳነታት ኣይቃወምዎን ወይ ኣብኡ ኢዶም ኣየእትዉን እዮም። ከም ገሊአን ሃይማኖታት ስለ ዘይኰኑ፡ ኣብ ፖለቲካ ኣይኣትዉን እዮም። ንፖለቲካውያን መራሕቲ፡ ፖሊሲታቶም ከም ዚቕይሩ ኺገብርዎም ኣይፍትኑን እዮም። ህዝባዊ ስርዓት ኪዘርጉ ወይ ንመንግስቲ ኼዳኽሙ ኸም ዚጽዕሩ ዚገልጽ ሓሳባት፡ ፈጺሙ ኻብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ።

17 ክርስትያናት ነቲ ጴጥሮስ “ንንጉስ ኣኽብርዎ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ስለ ዚእዘዙ፡ ንሰበ ስልጣን የኽብርዎም እዮም። (1 ጴጥ. 2:17) ሓድሓደ ግዜ፡ ሰበ ስልጣን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘየስግእዎም ይገልጹ እዮም። ንኣብነት፡ ስቸፈን ራይክ ዝስሙ ካቢነ ሚኒስተር ግዝኣት ብራንደንበርግ ዝነበረን ጸኒሑ ኣባል ፓርላማ ጀርመን ዝዀነን ጀርመናዊ ፖለቲከኛ ኸምዚ በለ፦ “እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መዳጐኒ ደምበታትን ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን ዘርኣይዎ ዚነኣድ ጠባይ፡ ንህልውና ሓደ ብዲሞክራስያዊ ሕገ መንግስቲ ዚምራሕ መንግስቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ብሕልፊ እቲ [ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ኣንጻር ኤስ.ኤስ. ዘርኣይዎ ጽንዓት፡ ነቶም ምሳታቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ እሱራት ድማ ዘርኣይዎም ድንጋጽ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታትን ኣብ ልዕሊ እቶም እተፈልየ ፖለቲካዊ ወይ ስነ ሓሳባዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባትን ዚወርድ ዘሎ ግፍዒ እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ እቲ [ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ዘርኣይዎ ባህርያት ንነፍሲ ወከፍ ዜጋ ሃገርና የድልዮ እዩ።”

ፍቕሪ ምርኣይ

18. (ሀ) ንሕውነት ምፍቃርና ባህርያዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዮም ኢሎም፧

18 ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ” ኢሉ እውን ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (1 ጴጥ. 2:17) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኽ ከየጕህይዎ ስለ ዚፈርሁ፡ ፍቓዱ ኺገብሩ እዮም ዚደልዩ። ክፋል እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ዚደልዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝሓቘፈ ዓለምለኻዊ ሕውነት ብምዃን ተሓጒሶም እዮም ዜገልግልዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም ‘ሕውነት ዜፍቅሩ።’ ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ብስስዐ ዚምራሕ ሕብረተሰብ ከምዚ ዓይነት ሕውነት ስለ ዘየልቦ፡ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜርእይዎ ሕውነት ንገሊኦም ሰባት ኣዝዩ የገርሞም እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ምስ ወኪል ጕዕዞ ኣመሪካ እትሰርሕ ንበጻሕቲ ሃገር ካብ ቦታ ናብ ቦታ እትወስድ ሰበይቲ፡ በቲ ነቶም ብ2009 ኣብ ጀርመን ናብ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ዝመጹ ኣኼበኛታት እተገብረሎም ፍቕርን ሓገዝን ተደነቐት። ንበጻሕቲ ሃገር ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብምውሳድ ኣብ ዝሰርሓትሉ ዓመታት፡ ከምኡ ኣጋጢምዋ ኸም ዘይፈልጥ ድማ ተዛረበት። ጸኒሑ ሓደ ኻብቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “ብምሉኡ እቲ ብዛዕባና እተዛረበቶ ነገራት፡ ብኣድናቖትን ብውዕዉዕ ስምዒትን እያ ተዛሪባቶ” በለ። ንስኻኸ ኣብ ሓደ ኻብ ኣኼባታት ኣውራጃ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዓዘብዎም ሰባት ብዛዕባኦም ጽቡቕ ነገር ኪዛረቡ ኸለዉ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧

19. እንታይ ቈራጽነት ክንገብር ይግባእ፧ ስለምንታይከ፧

19 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ሰይጣን ከም “ስደተኛታት” ምዃኖም፡ በዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ዀነ ብኻልእ መገድታት ብዚግባእ ኣርእዮም እዮም። ከምኡ ዀይኖም ኪቕጽሉ ኸኣ ቈሪጾም እዮም። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ቀወምቲ ነበርቲ እታ ጽድቂ ዚሰፍና ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ከም ዚዀኑ፡ ድልዱልን ነቕ ዘይብልን ተስፋ ኣለዎም። ንስኻኸ ነዚ ብሃንቀውታ ትጽበዮዶ ኣለኻ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]