ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ግምቢ ዘብዐኛ እተጀመረት ስለምንታይ እያ፧

ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ግምቢ ዘብዐኛ እተጀመረት ስለምንታይ እያ፧

ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ግምቢ ዘብዐኛ እተጀመረት ስለምንታይ እያ፧

ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ነቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ተሓቲሙ ዚወጽእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ሓበሬታ ኣማስዮምሉን ካብኡ ጥቕሚ ረኺቦምን እዮም። ኣብ ሓምለ 2011 ድማ፡ ናይ መጀመርታ ሕታም እታ ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ወጸት። እታ ሕታም፡ “እዛ ሓዳስ ሕታም እዚኣ፡ ንሓደ ዓመት ዚኸውን ክትፍተን እያ፣ ሓጋዚት ኰይና እንተ ተረኺባ ኸኣ፡ ክትቅጽል እያ” ኢላ ነበረት።

ነታ ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ሕታም ምድላውና ኸም እንቕጽል ክንሕብረኩም ንፈቱ። ብዘይካዚ፡ ድሕሪ ግዜ፡ እታ ሕታም ብፈረንሳይኛን ብፖርቱጋልኛን ብስጳንኛን ክትዳሎ እያ።

ኣድንቖት ዝረኸበት ስለምንታይ እያ፧

ኣብ ደቡብ ፓሲፊክ ዚነብሩ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነታ ሕታም ምስ ተቐበሉ፡ “ሕጂ ኣሕዋት ንግምቢ ዘብዐኛ ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዎ ጀሚሮም ኣለዉ” ኢሎም ጸብጸቡ። ካልእ ደብዳበ ኸኣ፡ “እቲ ቐደም ንትርጕም ቃላትን መግለጺታትን ንምርዳእ እነሕልፎ ዝነበርና ግዜ፡ ሕጂ ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምርዳእን ምስቲ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ኣብ ምሕሳብን ነውዕሎ ኣለና” በለት።

ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ካብ ኮሌጅ እተመረቐት ሓብቲ፡ “ኣብ ዝሓለፈ 18 ዓመት፡ ነቲ እቶም ኣብ ዝለዓለ ትምህርቲ ዘለዉ ሰባት ዚጥቀሙሉ ንምርዳኡ ዜጸግም ቋንቋ እዛረብን ብእኡ እጽሕፍን ነበርኩ። ቀስ ብቐስ ድማ ብእተሓላለኸ መገዲ ኽዛረብን ክሓስብን ጀመርኩ። ስለዚ፡ ኣብ ኣተሓሳስባይን ኣዘራርባይን ለውጢ ኽገብር ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ” በለት። እዛ ሓብቲ እዚኣ፡ ሕጂ ውጽኢታዊት ወንጌላዊት እያ፣ “እታ ሕታም ኣዝያ ሓጊዛትኒ እያ። እቲ ኣብኡ ዚርከብ ሓሳባት፡ ብኸመይ ብቕልል ዝበለ መገዲ ኽዛረብ ከም ዘሎኒ ምሂሩኒ እዩ” ኢላ ድማ ጸሓፈት።

ብ1972 እተጠምቀት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትነብር ሓንቲ ሓብቲ፡ ብዛዕባ እታ ሕታም ከምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ነታ ናይ መጀመርታ ሕታም ከንብባ ኸለኹ፡ የሆዋ ኣብ ጐድነይ ኮፍ ብምባል ሕቝፍ ኣቢሉኒ፡ ብሓንሳእ ኴንና እነንብብ ዘለና ዀይኑ ተሰምዓኒ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ኣቦ ንውሉዱ ቕድሚ ምድቃሱ ዛንታ ዜንብበሉ ማለት እዩ።”

ልዕሊ 40 ዓመት ይገብር እተጠምቀት ኣብ ቤት-ኤል ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተገልግል ሓንቲ ሓብቲ፡ ሓድሓደ ግዜ ኻብታ ሕታም ሓድሽ ነገራት ከም እትምሃር ገለጸት። ንኣብነት፡ እታ ኣብ ናይ 15 መስከረም 2011 ሕታም ዘላ “ትርጕም ገሊኡ መግለጺታት” ዘርእስታ ሳጹን፡ ነታ ኣብ እብራውያን 12:1 ዘላ “ደበና ምስክር” እትብል መግለጺት ከተብርሃ ኸላ፡ “ብዙሓት ስለ ዝዀኑ፡ ኪቝጸሩ ኣይክእሉን እዮም” ኢላ ነበረት። እታ ሓብቲ፡ “እዚ ሓሳብ እዚ፡ ነቲ ብዛዕባ እታ ጥቕሲ ዝነበረኒ ምርዳእ ብዝያዳ ወሰኾ” በለት። ብዛዕባ ሰሙናዊ ኣኼባ ኽትገልጽ ከላ ድማ ከምዚ በለት፦ “ሓደ ቘልዓ ዋላ እውን ብቐጥታ ኻብታ ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ሕታም እናኣንበበ እንተ መለሰ፡ ምስቲ ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ዚሕዝዎ ስሩዕ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዘሎ ቓላት ሓደ ዓይነት ኣይኰነን። ስለዚ፡ እቲ ቘልዓ ዚህቦ ሓሳባት፡ ነቶም ሰማዕቲ ሓድሽ እዩ ዚዀኖም።”

ኣብ ቤት-ኤል እተገልግል ካልእ ሓብቲ ድማ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ነቲ ንኣሽቱ ቘልዑ ኣብ ጉባኤ ዚህብዎ ሓሳባት ክሰምዕ ኣዝየ እየ ዝህንጠ። እታ ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ብርእሰ ምትእምማን ንኺዛረቡ ሓጊዛቶም እያ። እቲ ዚህብዎ ሓሳባት ከኣ የተባብዓኒ እዩ።”

ብ1984 እተጠምቀት ሓንቲ ሓብቲ፡ ብዛዕባ እታ ሕታም ዘለዋ ሞሳ ኽትገልጽ ከላ፡ ከምዚ በለት፦ “ንዓይ ተባሂላ እተጻሕፈት ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ነቲ ዘንብቦ ዘለኹ ብቐሊሉ ንኽርድኦ ትሕግዘኒ እያ። ሕጂ ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ብምትእምማን ክምልስ እኽእል እየ።”

ወለዲ ኣኽቢሮም ዚርእይዋ ንዋት

ሓንቲ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ቈልዓ ዘለዋ ኣደ፡ “ንመጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኽንዳሎ ኸለና፡ ንወደይ ብዛዕባ ገሊኡ ምሉእ ሓሳባት ክገልጸሉ ነዊሕ ግዜ አሕልፍ ነበርኩ” በለት። እሞኸ እታ ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ሕታም ብኸመይ ሓገዘታ፧ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ሕጡብ ጽሑፋት ኬንብብን ንትርጕሙ ኺርድኦን ብምኽኣሉ ኣዝየ እየ ተገሪመ። እቲ ቓላት ቀሊል ስለ ዝዀነ፡ እቲ ምሉእ ሓሳባት ከኣ ሓጺር ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ዓንቀጻት ብቐሊሉ እዩ ዚርድኦ። ብዘይ ናተይ ሓገዝ፡ በይኑ ዀይኑ ንኣኼባታት ኪዳሎ ጀሚሩ ኣሎ፣ ሕጂ ኣብ ብምሉኡ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ብኣቓልቦ እዩ ዚከታተል።”

ሓንቲ ጓል ትሽዓተ ዓመት ቈልዓ ዘላታ ኣደ እውን፡ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ቅድሚ ሕጂ፡ ሓሳብ ንኽትህብ ንሕግዛ ነበርና። ሕጂ ግና ባዕላ እያ እትዳሎ። ብዙሕ ክንገልጸላ ኣየድልየናን እዩ። ነቲ ሓበሬታ ስለ እትርድኦ፡ ንመጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኣዝያ እያ እትፈትዎ።”

ቈልዑኸ እንታይ ይስምዖም፧

ብዙሓት ቈልዑ፡ እታ ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ሕታም ብፍላይ ንዓታቶም ተባሂላ እተዳለወት ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ጓል 12 ዓመት ዝዀነት ሬበካ፡ “በጃኻትኩም ነታ ሓዳስ ሕታም ኣይተቋርጽዋ!” ኢላ ለመነት። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ነታ ‘ትርጕም ገሊኡ መግለጺታት’ እትብል ሳጹን ኣዝየ እየ ዝፈትዋ። ንቘልዑ ቐላል እያ” በለት።

እታ ጓል ሸውዓተ ዓመት ዝዀነት ኒኮለት እውን ከምኡ እዩ ዚስምዓ፣ “ንግምቢ ዘብዐኛ ኽርድኦ ኣመና እዩ ዚኸብደኒ ነይሩ። ሕጂ ግና ብናተይ ኣበሃህላ ገይረ ሓሳብ ክህብ እኽእል እየ” ድማ በለት። እታ ጓል ትሽዓተ ዓመት ዝዀነ ኢማ ብዛዕባ እታ ሕታም ክትገልጽ ከላ፡ “ንዓይን ነቲ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ዝዀነ ሓወይን ኣዝያ እያ ሓጊዛትና። ብዙሕ ነገራት ክንርዳእ ክኢልና ኢና። ነመስግነኩም” ኢላ ጸሓፈት።

ብንጹር እምበኣር፡ ብዙሓት ሰባት ካብታ ብቐሊል ቃላት እተሃንጸ ምሉእ ሓሳባት ዝሓዘት ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ብዙሕ ጥቕሚ ይረኽቡ ኣለዉ። እታ ብቕልል ዝበለ እንግሊዝኛ እትዳሎ ሕታም፡ ንብዙሓት ሰባት ዝሓሸ ምርዳእ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺህልዎም ትሕግዞም ስለ ዘላ፡ ጐድኒ ጐድኒ እታ ኻብ 1879 ኣትሒዛ እትዳሎ ዘላ ስርዕቲ ሕታም ክትሕተም እያ።