ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝሓበሩ “ስደተኛታት”

ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝሓበሩ “ስደተኛታት”

ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝሓበሩ “ስደተኛታት”

“መጻእተኛታት ድማ ሓረስቶትኩምን ናበይቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኪዀኑ እዮም። ንስኻትኩም ግና ካህናት እግዚኣብሄር ክትስመዩ ኢኹም።” —ኢሳ. 61:5, 6

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ገሊኦም ሰባት ንመጻእተኛታት ብኸመይ እዮም ዚርእይዎም፧ ኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈልየ ዝዀነኸ ብኸመይ እዩ፧

ንዅሎም ኣህዛብ እንታይ ዕድመ እዩ ዚቐርበሎም ዘሎ፧

ናይታ መጻእተኛታት ዘይህልዉላ ዓለም ንእሽቶ መርኣያ እንርኢ ዘለና ብኸመይ ኢና፧

1. ገሊኦም ሰባት ንመጻእተኛታት ብኸመይ እዮም ዚርእይዎም፧ ከምኡ ምግባር ቅኑዕ ዘይኰነኸ ስለምንታይ እዩ፧

 ከምቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተገልጸ፡ ገሊኦም ሰባት ነታ “መጻእተኛ” እትብል ቃል፡ ብዜነኣእስ፡ ማለት ንዕቀትን ጽልእን ብዜንጸባርቕ መገዲ እዮም ዚጥቀሙላ። ነቶም ካብ ካልእ ሃገር ዝመጹ ሰባት፡ ካብቶም ኣብ ሃገርና ዘለዉ ኸም ዚትሕቱ ጌርካ ምርኣይ፡ ኣኽብሮታዊ ኣይኰነን። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ፡ ቅኑዕ ኣይኰነን። እታ ዘ ረይስስ ኦቭ ማንካይንድ ዘርእስታ ጽሕፍቲ፡ “ዓሌታት ደቂ ሰብ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ኣሕዋት እዮም” ኢላ ነበረት። መብዛሕትኡ እዋን ኣሕዋት ንሓድሕዶም እተፈላለዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣሕዋት ምዃኖም ግና ኣይተርፎምን እዩ።

2, 3. የሆዋ ብዛዕባ መጻእተኛታት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ፧

2 ኣብ ዝሃለና ንሃሉ፡ ኣብ መንጎና መጻእተኛታት ኣለዉ። ኣብ መንጎ እቶም ብኺዳን ሕጊ ሙሴ ኣቢሎም ምስ የሆዋ ኣምላኽ ፍሉይ ርክብ ዝመስረቱ ጥንታውያን እስራኤላውያን እውን፡ መጻእተኛታት ነይሮም እዮም። መሰል እቶም መጻእተኛታት ድሩት እኳ እንተ ነበረ፡ እስራኤላውያን ግና ብኣኽብሮትን ብፍትሓዊ መገድን ኪሕዝዎም እዮም ተኣዚዞም ነይሮም። እዝስ ንዓና ዚኸውን ከመይ ዝኣመሰለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ! ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ኣድልዎ ወይ ጽልኢ የልቦን። ስለምንታይ፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ” ገሊጹ ነበረ።—ግብ. 10:34, 35

3 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ መጻእተኛታት፡ ምስቶም ደቀባት ብምቅርራብ ጥቕሚ ይረኽቡ ነበሩ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ኣረኣእያ የሆዋ ብንጹር እዩ ዚሕብረና፣ ሃዋርያ ጳውሎስ ዓመታት ጸኒሑ ብዛዕባ የሆዋ ኺሓትት ከሎ ነዚ ገሊጽዎ ነበረ፣ “ኣምላኽ ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራይ ድዩ፧ ኣምላኽ ኣህዛብሲ ኣይኰነንዶ፧ . . . እወ፡ ናይ ኣህዛብውን እባ እዩ” ኢሉ ነበረ።—ሮሜ 3:29፣ ዮኤ. 2:32

4. ኣብ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል፡” መጻእተኛ የለን ኪብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

4 ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት በቲ ሓድሽ ኪዳን ኣቢላ፡ ንስጋውያን እስራኤላውያን ብደረጃ ህዝቢ ተክኣቶም፣ ምስ ኣምላኽ ድማ ፍሉይ ርክብ መስረተት። በዚ ምኽንያት እዚ፡ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ተባሂላ እያ እትጽዋዕ። (ገላ. 6:16) ብዘይካዚ፡ ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ፡ ኣብዚ ሓድሽ ህዝቢ እዚ፡ “ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባርን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን የልቦን።” (ቈሎ. 3:11) ስለዚ፡ ኣብ ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ መጻእተኛታት የለዉን።

5, 6. (ሀ) ብዛዕባ ኢሳይያስ 61:5, 6 እንታይ ሕቶ እዩ ኺለዓል ዚኽእል፧ (ለ) እቶም ኣብ ኢሳይያስ እተጠቕሱ “ኻህናት እግዚኣብሄር”ን “መጻእተኛታት”ን መን እዮም፧ (ሐ) እቶም ክልተ ጕጅለ እንታይ ሓባራዊ ዕዮ እዩ ዘለዎም፧

5 ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚፍጸም ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 61 ዚርከብ ትንቢት ኪጠቅስ ይኽእል እዩ። ፍቕዲ 6 ብዛዕባ እቶም “ካህናት እግዚኣብሄር” ኰይኖም ዜገልግሉ ሰባት ትገልጽ። ፍቕዲ 5 ድማ፡ ብዛዕባ እቶም ምስቶም “ካህናት” ዚተሓባበሩን ዚዓይዩን “መጻእተኛታት” ትሕብረና። ነዚ ብኸመይ ኢና ኽንርድኦ ዘሎና፧

6 እቶም “ካህናት እግዚኣብሄር፡” ነቶም “ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ” ግደ ዘለዎም ቅቡኣት ክርስትያናት እዮም ዜመልክቱ፣ እዞም ሰባት እዚኦም፡ “ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም።” (ራእ. 20:6) ብዘይካዚ፡ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ብዙሓት እሙናት ክርስትያናት እውን ኣለዉ። እዚኣቶም ምስቶም ኣብ ሰማይ ዜገልግሉ ቕቡኣት ዚሰርሑን ምሳታቶም ዚቀራረቡን እኳ እንተ ዀኑ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ መጻእተኛታት እዮም። ነቶም “ካህናት እግዚኣብሄር” ተሓጒሶም ይድግፍዎምን ኣብ ጐድኖም ኰይኖም ይዓይዩን እዮም፣ ብምሳልያዊ ኣገላልጻ፡ ‘ሓረስቶትን ናበይቲ ኣታኽልቲ ወይንን’ እቶም “ካህናት እግዚኣብሄር” እዮም። እወ፡ ንኣምላኽ ክብሪ ዜምጽእ መንፈሳዊ ፍረ ኣብ ምፍራይ ነቶም ቅቡኣት ይሕግዝዎም፡ ማለት ኣብ ጐድኖም ኰይኖም ይሰብኩን ንኻልኦት ብዛዕባ ሓቂ ይምህሩን እዮም። ብሓቂ እምበኣር፡ ቅቡኣትን “ካልኦት ኣባጊዕ”ን ነቶም ንኣምላኽ ንዘለኣለም ኬገልግልዎ ዚደልዩ ቕኑዓት ሰባት የናድይዎምን ብፍቕሪ ይጓስይዎምን እዮም።—ዮሃ. 10:16

ከም ኣብርሃም “ስደተኛታት”

7. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ከም ኣብርሃምን ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባትን ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

7 ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብዛ እክይቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ከም መጻእተኛታት ወይ ስደተኛታት እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ምስቶም “ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን” ከም ዝዀኑ ጌርካ እተገልጹ ጥንቲ ዝነበሩ ኸም እኒ ኣብርሃም ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት ይመሳሰሉ እዮም። (እብ. 11:13) ናይ መጻኢ ተስፋና ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብርሃም ምስ የሆዋ ዝነበሮ ዓይነት ርክብ ኪህልወና ይኽእል እዩ። ያእቆብ፡ ብዛዕባ ኣብርሃም ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብርሃም ንኣምላኽ አመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ . . . ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ” በለ።—ያእ. 2:23

8. ኣብርሃም እንታይ መብጽዓ እዩ ተኣትዩሉ፧ እንታይ ምትእምማንከ ነበሮ፧

8 ኣምላኽ፡ ሓደ ህዝቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵለን ስድራ ቤታት ምድሪ ብኣብርሃምን ብዘርኡን ከም ዚባረኻ ተመባጺዑ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 22:15-18 ኣንብብ።) እዚ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ ዚፍጸም ኣብ መጻኢ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብርሃም ግና እቲ መብጽዓ ኸም ዚፍጸም ይተኣማመን ነበረ። ንልዕሊ ፍርቂ ዕድሚኡ፡ ምስ ስድራ ቤቱ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ እናተጓዕዘ እዩ ኣሕሊፍዎ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ዕርክነት ዓቂቡ እዩ ዚመላለስ ነይሩ።

9, 10. (ሀ) ነቲ ኣብርሃም ዝሓደጎ ኣብነት ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ንሰባት እንታይ ዕድመ ኢና ኸነቕርበሎም እንኽእል፧

9 ኣብርሃም፡ እቲ የሆዋ ዝሃቦ ተስፋ መዓስ ከም ዚፍጸም ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ንየሆዋ ብፍቕርን ብተወፋይነትን ካብ ምግልጋል ግና ድሕር ምሕር ኣይበለን። ኣብ ሓደ ቦታ ቐዋሚ ነባሪ ኪኸውን ኣብ ክንዲ ዚጽዕር፡ ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ኣተኰረ። (እብ. 11:14, 15) ንሕና እውን ስጋዊ ሃብትን ዝናን ጽቡቕ ስራሕን ኣብ ምጥራይ ኣብ ክንዲ እነተኵር፡ ቀሊል ናብራ ንኽንነብር ብምጽዓር፡ ነቲ ኣብርሃም ዝሓደጎ ኣብነት ክንስዕቦ ኣሎና። ኣብዚ ድሕሪ ሓጺር እዋን ዚጠፍእ ስርዓት፡ ብዙሓት ሰባት ከም ንቡር ገይሮም ዚርእይዎ ዓይነት ናብራ ኽንነብር እንጽዕር እሞ ስለምንታይ ኢና፧ ግዝያዊ ንዝዀነ ነገር ኣመና እንፈትወሉ እንታይ ምኽንያት ኣሎና፧ ንሕና እውን ልክዕ ከም ኣብርሃም፡ ዝሓሸ ነገር እዩ ዚጽበየና ዘሎ። ስለዚ፡ ተስፋና ኽሳዕ ዚፍጸም ብትዕግስቲ ኽንጽበ ኣሎና።—ሮሜ 8:25 ኣንብብ።

10 የሆዋ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ንዝመጹ ሰባት፡ ብዘርኢ ኣብርሃም ኪባረኹ ይዕድሞም ኣሎ። እቶም “ካህናት እግዚኣብሄር” ዝዀኑ ቕቡኣትን እቶም “መጻእተኛታት” ዝዀኑ ኻልኦት ኣባጊዕን ድማ፡ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ብልዕሊ 600 ቛንቋታት ብዛዕባ እቲ ዕድመ ይነግርዎም ኣለዉ።

ንዅሎም ኣህዛብ ኣፍቅሮም

11. ሰሎሞን ንኣህዛብ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዓዲምዎም፧

11 ብ1026 ቅ.ክ.፡ ሰሎሞን ኣብ ጽምብል ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ኣብ ዘቕረቦ ልባዊ ጸሎት፡ ምስቲ የሆዋ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ መብጽዓ ብዚሰማማዕ መገዲ፡ ኵሎም ኣህዛብ ንየሆዋ ኸም ዚውድስዎ ተገንዚቡ ነበረ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኰነ ጓና ድማ፡ ንሱ ምእንቲ ስምካ ኢሉ ኻብ ርሑቕ ሃገር እንተ መጸ፡ ብዛዕባ እዚ ዓብዪ ስምካን ብዛዕባ እዛ ጽንዕቲ ኢድካን ዝርግሕቲ ቕልጽምካን ኪሰምዑ እዮም እሞ፡ መጺኡ ኣብዛ ቤት እዚኣ እንተ ጸለየ፡ ብዘለዉ ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኺፈልጡ እሞ ከም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ኪፈርሁኻ፡ . . . ንስኻ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስምዓዮ፡ ነቲ ጓና ኸኣ ከምቲ ዅሉ ዚጽውዓካ ግበረሉ።”—1 ነገ. 8:41-43

12. ገሊኦም ሰባት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ጓኖት ወይ “መጻእተኛታት” ገይሮም ዚርእይዎም ስለምንታይ እዮም፧

12 እታ “ጓና” ወይ “መጻእተኛ” እትብል ቃል፡ ኣብ ዘይሃገሩ ንዚነብር ወይ ከኣ ናብ ዘይማሕበረሰቡ ንዝመጸ ሰብ እያ እተመልክት። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ከምኡ እዮም። ነታ ኣብ ሰማይ ዘላ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እዮም ዚድግፉ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዋላ እውን ካልኦት ሰባት ከም እተፈልዩ ገይሮም ይርኣይዎም ብዘየገድስ፡ ካብ ፖለቲካዊ ነገራት ገለልተኛታት እዮም።

13. (ሀ) ትርጕም እታ “መጻእተኛ” እትብል ቃል ኣብ ኣረኣእያና እተመርኰሰት ዝዀነት ብኸመይ እያ፧ (ለ) የሆዋ ኣብ ፈለማ፡ መጻእተኛታት ኪህልዉ ዓሊሙ ነይሩ ድዩ፧ ግለጽ።

13 መብዛሕትኡ እዋን መጻእተኛታት ብቛንቋኦም፡ ብባህሎም፡ ብመልክዖም፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ብጠባዮምን ብኣከዳድናኦምን ይልለዩ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ካብቲ ነቶም መጻእተኛታት ካብ ካልኦት ዚፈልዮም ነገራት ንላዕሊ፡ እቲ ምስ ካልኦት ሓደ ዚገብሮም ነገራት እዩ ብዝያዳ ዜገድስ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ከም መጻእተኛ ጌርካ ዚርአ፡ ብገለ መገዲ እተፈልየ ስለ ዝዀነ ጥራይ እዩ። ክንዮ እዚ ፍልልይ እዚ ንርኢ እንተ ዄንና ግና፡ እታ “መጻእተኛ” እትብል ቃል ብዙሕ ኣገዳስነት ኣይህልዋን እዩ። ኵሎም ተቐማጦ ምድሪ፡ ብሓንቲ መንግስቲ ዚመሓደሩ እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ መጻእተኛ ዚብሃል ኣይምሃለወን ነይሩ። የሆዋ እውን እንተ ዀነ ኣብ ፈለማ፡ ኵሎም ደቂ ሰብ ከም ሓንቲ ስድራ ቤት ኰይኖም ኣብ ትሕቲ ሓደ ግዝኣት፡ ማለት ኣብ ትሕቲ ናቱ ግዝኣት ኪሓብሩ እዩ ዓሊሙ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ግና፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣህዛብ ከም ሓንቲ ስድራ ቤት ድዮም፧

14, 15. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብደረጃ ጕጅለ እንታይ ኪገብሩ እዮም ክኢሎም፧

14 ኣብዛ መንፈስ ስስዐን ሃገራውነትን መሊኣ ዘላ ዓለም፡ ክንዮ ሃገራዊ ዶባት ብምርኣይ ንሓድሕዶም ዚፋቐሩ ውልቀ ሰባት ምርካብ ባህ ዜብል እዩ። ሓቂ እዩ፡ ካብ ጽልኢ ምርሓቕ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ መስራቲ ሲ.ኤን.ኤን. ዚብሃል መደበር ተሌቪዥን ዝዀነ ቴድ ተርነር፡ ካብ እተፈላለየ ሃገራት ምስ ዝመጹ ኽኢላታት ውልቀ ሰባት ከም ዝሰርሐ ገሊጹ ነበረ፣ “ምስዞም ሰባት እዚኦም ብምርኻበይ፡ ዜደንቕ ተመክሮ ኸሕልፍ ክኢለ እየ። ነቶም ካብ ካልእ ሃገር ዝመጹ ሰባት ድማ ከም ‘ወጻእተኛታት’ ዘይኰነስ፡ ምሳይ ኣብዛ ፕላኔት እዚኣ ኸም ዚነብሩ ሰባት ገይረ ኽርእዮም ጀመርኩ። ነታ ‘ወጻእተኛ’ እትብል ቃል ከኣ ከም መነኣኣሲት ገይረ ኽርእያ ጀመርኩ፣ ኣብ ሲ.ኤን.ኤን. ድማ፡ ኣብ መደባት ተሌቪዥን ኰነ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዚግበር ዕላል ኣብ ጥቕሚ ኸይትውዕል ትእዛዝ ኣውጻእኩ። ኣብ ክንዳኣ፡ ‘ኣህጉራዊ’ እትብል ቃል እያ ኣብ ጥቕሚ እትውዕል ነይራ” በለ።

15 ኣብ መላእ ዓለም፡ ብደረጃ ጕጅለ ብዛዕባ እቶም ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዚመጹ ሰባት ከም ናይ ኣምላኽ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎም፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም። ንሰባት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ገይሮም ስለ ዚርእይዎም፡ ብዛዕባኦም ዘለዎም ኣረኣእያን ስምዒትን ተቐዪሩ እዩ። ነቶም ካብ ካልእ ሃገር ዝመጹ ሰባት ኣይጥርጥርዎምን ወይ ኣይጸልእዎምን እዮም፣ ነቲ እቶም ወጻእተኛታት ዘለዎም ባህርያትን ክእለታትን ከኣ ይፈትውዎ እዮም። እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝረኸብዎ ዓወት፡ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎካ ርክብ ብኸመይ ከም ዚጠቕመካ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧

መጻእተኛታት ዘይብላ ዓለም

16, 17. መፈጸምታ እቲ ኣብ ራእይ 16:16ን ዳንኤል 2:44ን ዚርከብ ትንቢት፡ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

16 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኵሎም ሕጂ ዘለዉ ኣህዛብ ኣንጻር ግዝኣት ኣምላኽ ምስ የሱስ ክርስቶስን ሰማያውያን ሓይልታቱን ኪዋግኡ እዮም፣ እዚ ውግእ እዚ፡ “ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን” ይብሃል። (ራእ. 16:14, 16፣ 19:11-16) ልዕሊ 2,500 ዓመት ይገብር፡ ነብዪ ዳንኤል ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ እቶም ንዕላማ ኣምላኽ ዚጻረርዎ ሰብኣውያን መንግስትታት መወዳእታኦም እንታይ ከም ዚኸውን ተነብዩ ነበረ፣ “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፡ ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ፡ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ” ኢሉ ጸሓፈ።—ዳን. 2:44

17 መፈጸምታ እዚ ትንቢት እዚ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ኽትግምቶ ትኽእልዶ፧ እቲ ሕጂ ዘሎ ሰብ ዚሰርሖ ሃገራዊ ዶባት፡ ንዅሉ ሰብ መጻእተኛ ገይርዎ ኣሎ፣ ድሕሪ ኣርማጌዶን ግና እዚ ኣይኪህሉን እዩ። ኣብ መልክዕን ኣብ ካልእ ኣካላዊ ዅነታትን ዚህሉ ፍልልይ፡ እቲ ዜደንቕ ፍጥረት ኣምላኽ ብዙሕ ዝዓይነቱ ኸም ዝዀነ ኻብ ምሕባር ሓሊፉ ኻልእ ኣገዳስነት ኣይኪህልዎን እዩ። እዚ ዜደንቕ ተስፋ እዚ፡ ነቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብዚከኣለና ንኽንውድሶን ንኸነኽብሮን ኪድርኸና ኣለዎ።

18. እታ “መጻእተኛ” እትብል ቃል ብዙሕ ኣገዳስነት ከም ዘይብላ ዚሕብር፡ እንታይ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመ ኣሎ፧

18 ብደረጃ ዓለምለኸ ኸምዚ ዓይነት ለውጢ ኸም ዚመጽእ ንኽትቅበሎ ዜጸግም ድዩ፧ ኣይፋሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ከምኡ ኸም ዜጋጥም ምእማን ርትዓዊ እዩ። ከመይሲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዜግነት ብዙሕ ኣቓልቦ ስለ ዘይገብሩሉ፡ እታ “መጻእተኛ” እትብል ቃል ብዙሕ ኣገዳስነት የብላን። ንኣብነት፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሓያሎ ንኣሽቱ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ምስ ካልኦት ተሓዊሰን እየን፣ እዚ ኸኣ ንዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምቕላልን ብውጽኢታዊ መገዲ ንምዕያይን ዚሕግዝ እዩ። (ማቴ. 24:14) ዜገድድ ሕጊ ኽሳዕ ዘየጋጠመ፡ እቲ ውሳነታት ኣብ ሃገራዊ ዶባት ተመርኲስካ ኣይኰነን ተገይሩ። እዚ ኸኣ፡ የሱስ ክርስቶስ ብየሆዋ እተሸመ ገዛኢ ኸም ምዃኑ መጠን ነቲ ሰብ ዝሰርሖ ዶባት የወግዶ ኸም ዘሎ ዚሕብር ካልእ መርትዖ እዩ፣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ፡ የሱስ ምሉእ ብምሉእ “ኪስዕር” እዩ።—ራእ. 6:2

19. ሳላ እቲ ጽሩይ ልሳን ወይ ቋንቋ እንታይ ኪግበር እዩ ተኻኢሉ፧

19 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹን እተፈላለየ ቛንቋታት ዚዛረቡን እኳ እንተ ዀኑ፡ ነቲ ብዛዕባ ሓቂ ዚገልጽ ጽሩይ ልሳን ወይ ቋንቋ ንምድጋፍ ይጽዕሩ እዮም። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ፈጺሙ ኺብተኽ ዘይክእል ማእሰር ሓድነት ከም ዚህሉ ገይሩ እዩ። (ጸፎንያስ 3:9 ኣንብብ።) ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከም ሓንቲ ኣብዚ እኩይ ስርዓት ዘላ ግናኸ ኻብኡ እተፈልየት ኣህጉራዊት ስድራ ቤት እዮም። እዛ ሓድነት ዘለዋ ስድራ ቤት እዚኣ፡ ናይታ እትመጽእ ዓለም፡ ማለት ናይታ መጻእተኛታት ዘይህልዉላ ዓለም ንእሽቶ መርኣያ እያ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ህያው ፍጡር፡ እቲ ኣብታ ኣቐዲማ ተጠቒሳ ዝነበረት ጽሕፍቲ ዝነበረ፡ “ዓሌታት ደቂ ሰብ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ኣሕዋት እዮም” ዚብል ሓሳብ፡ ሓቂ ምዃኑ ኺርኢ እዩ።—ዘ ረይስስ ኦቭ ማንካይንድ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

ነቲ ሃገራዊ ዶባት ዘይህልወሉን “መጻእተኛ” ዚብል ቃል ኣገዳሲ ዘይኰነሉን እዋን ብሃንቀውታ ትጽበዮ ዲኻ፧