ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

ነቲ ምስ ሓዊ ዚመሳሰል ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ዘረባ ብኸመይ ከነጥፍኦ ንኽእል፧

ንልብና ኽንምርምሮ ኣሎና። ንሓደ ሓውና ኣብ ክንዲ እንነቕፎ፡ ንምንታይ ከምኡ ንገብር ከም ዘሎና ኽንምርምር ኣሎና። ካብ ሓውና በሊጽና ኽንርአ ስለ እንደሊ ዲና፧ ንኻልኦት ምንቃፍ፡ ነቲ ዅነታት መሊሱ እዩ ዜጋድዶ።—15/8፡ ገጽ 21

ሕጊ ሙሴ፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ዜንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧

እስራኤላውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዙሕ ናጽነት ነበረን፣ ዕድል ትምህርቲ እውን ኪረኽባ ይኽእላ ነበራ። ብዘይካዚ፡ ብኣኽብሮት ይተሓዛ ነበራ፣ መሰለን ድማ ይሕለወለን ነበረ።—1/9፡ ገጽ 5-7።

መዓልቲ የሆዋ እናቐረበት ኣብ እትመጸሉ ዘላ እዋን፡ ብሕጂ እንታይ ፍጻመታት እዩ ኼጋጥም፧

“ሰላምን ደሓንን” ኪብሃል እዩ። መንግስትታት ንዓባይ ባቢሎን ኬጥቅዕዋን ኬጥፍእዋን እዮም። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ ድማ መጥቃዕቲ ኺፍኖ እዩ። ውግእ ኣርማጌዶን ኪካየድ እዩ፣ ድሕሪኡ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ናብ መዓሙቝ ኪድርበዩ እዮም።—15/9፡ ገጽ 4።

መወዳእታ መዓስ ከም ዚመጽእ ዘይምፍላጥና ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

መወዳእታ ዚመጸሉ መዓልትን ሰዓትን ዘይምፍላጥና፡ ነቲ ብሓቂ ኣብ ልብና ዘሎ ንኸነርኢ የኽእለና እዩ። ንልቢ የሆዋ ንኸነሐጕሶ እውን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ጥቕሚ ርእስና ንኽንስውእ፡ ኣብ ኣምላኽን ኣብ ቃሉን ድማ ምሉእ ብምሉእ ንኽውከል ይሕግዘና እዩ። ብዘይካዚ፡ በቲ ብሕጂ ዜጋጥመና ጸገማት ንኽንጸሪ ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ።—15/9፡ ገጽ 24-25።

ምስ ሓደ ኣብ ገሃነም እሳት ዚኣምን ሰብ ክንዘራረብ ከለና፡ ንዘፍጥረት 3:19 ክንጥቀመላ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

እታ ጥቕሲ፡ ኣዳም ምስ ሞተ ናብ ገሃነም እሳት ዘይኰነስ፡ ናብ መሬት ከም ዚምለስ እያ እትገልጽ።—1/10፡ ገጽ 13።

እቶም ኣብ ራእይ 1:16, 20 ተጠቒሶም ዘለዉ ኣብ የማናይ ኢድ የሱስ ዚርከቡ “ሾብዓተ ኸዋኽብቲ” ንመን እዮም ዜመልክቱ፧

ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንዘለዉ ቕቡኣት ሓለውቲ ዜመልክቱ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንዅሎም ሓለውቲ እውን የመልክቱ እዮም።—15/10፡ ገጽ 14።

ስድራ ቤታት ንዕዳ ብግቡእ ኪሕዛኦ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧

ሰብ ሓዳር ብዛዕባ ዕዳኦም ብግህዶን ብህድኣትን ኪዘራረቡ ኣለዎም። ንህሉው ባጀቶም ምምርማሮም እውን ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። ኣታዊኦም ኪውስኹ ወይ ወጻኢታቶም ኪንክዩዶ ይኽእሉ፧ ዕዳታቶም ካበይ ጀሚሮም ከም ዚኸፍሉ ኺውስኑ ኣለዎም፣ ምናልባት እውን ምስ ኣለቃሕቲ ኺወዓዓሉ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ትጽቢት ኪህልዎም ኣለዎ፣ ንገንዘብ ከኣ ኣብ ግቡእ ቦታኡ ኺሕልውዎ ኣለዎም። (1 ጢሞ. 6:8)—1/11፡ ገጽ 19-21።

የሱስ ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 50:4, 5 ተገሊጹ ዘሎ ዓይነት ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

እታ ጥቕሲ፡ ሓደ “ናይ ምሁራት ልሳን” ዘለዎ ሰብ፡ ‘ከም ዘየድሓርሕር’ ትገልጽ እያ። የሱስ ነቲ ኣቦኡ ዚምህሮ ዝነበረ ነገራት የቕልበሉ ስለ ዝነበረ፡ ትሕትና ኣርእዩ እዩ። ካብ የሆዋ ንኺምሃር ይህንጠን ይፈቱን ነበረ፣ ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንሓጥኣን ደቂ ሰብ ምሕረቱ ብምርኣይ ትሕትና ኼንጸባርቕ ከሎ ብቐረባ ይርኢ ነበረ።—15/11፡ ገጽ 11።

እቲ ኣብ ኢስቶንያ ንመዘከርታ ተባሂሉ እተዳለወ ቴምብር፡ ብዛዕባ ንጽህና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚምስክር ብኸመይ እዩ፧

ብ2007 ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ፡ ኣብቲ ስታሊን ኣብ ልዕሊ ኢስቶንያውያን ዘውረዶ ጃምላዊ ቕትለት ዜተኵር ቴምብር ኣውጽአ። እቲ ቴምብር፡ 382 ዚብል ቍጽሪ ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ነቶም ብ1951 ናብቲ ኣብ ሩስያ ዚርከብ ደምበ ሸቕሊ ተወሲዶም እተዳጐኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ደቆምን ዜመልክት እዩ።—1/12፡ ገጽ 27-28።