ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንማሪታዊ ኣጠቓቕማ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቀቐሉ

ንማሪታዊ ኣጠቓቕማ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቀቐሉ

ንማሪታዊ ኣጠቓቕማ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቀቐሉ

“ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ።” (እብ. 4:12) ሃዋርያ ጳውሎስ በዘን ቃላት እዚአን ኣቢሉ፡ ቃል ኣምላኽ ልቢ ሰባት ኪትንክፍን ህይወት ኪቕይርን ከም ዚኽእል ኣጕልሐ።

ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት፡ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ኽሕደት ሱር ኪሰድድ ምስ ጀመረ፡ ሰባት ነቲ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ሓይሊ ብጌጋ ኺርድእዎ ጀመሩ። (2 ጴጥ. 2:1-3) ድሕሪ ግዜ፡ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን፡ ቃል ኣምላኽ ኣስማታዊ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ገይሮም ኪዛረቡ ጀመሩ። ፕሮፌሰር ሃሪ ጋምብል፡ ብዛዕባ “ስሒራዊ ኣጠቓቕማ ክርስትያናዊ ጽሑፋት” ጽሒፉ ነበረ። ኣብ ሳልሳይ ዘመን፡ እቲ ኣበው ቤተ ክርስትያን ዝነበረ ኦሪጀን፡ “ቅዱስ ቃላት ምስማዕ ንባዕሉ ጠቓሚ እዩ፣ ቃላት ኣብ ስሒራዊ ተግባራት ኣረማውያን ሓይሊ እንተ ኣልይዎ፡ እቲ ናይ ሓቂ መለኮታዊ ቓላት ግዳ ኸመይ ዝያዳ ሓይሊ ዘይህልዎ!” ኢሉ ኸም ዝነበረ፡ ፕሮፌሰር ሃሪ ጋምብል ገሊጹ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ራብዓይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ጆን ክሪሲስተም እውን፡ “ድያብሎስ፡ ወንጌል ኣብ እተቐመጦ ቤት ኪኣቱ ኣይደፍርን እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ። ብዘይካዚ፡ ገሊኦም ሰባት ካብ ወንጌላት ንእተወስደ ቝንጽለ ጽሑፍ ከም ሓያል ክታብ ኰይኑ ምእንቲ ኼዕቍቦም፡ ኣብ ክሳውዶም ከም ዚኣስርዎ ገሊጹ ነበረ። ፕሮፌሰር ጋምብል ኣስዕብ ኣቢሉ ኸም ዝገለጾ፡ እቲ ናይ ሮማ ካቶሊክ ናይ ሃይማኖት ምሁር ዝነበረ ኣጉስቲን፡ “ሕማም ርእሲ ኺሕዘካ ኸሎ፡ ኣብ ትሕቲ መተርኣስካ ቕዳሕ ወንጌል ዮሃንስ ጌርካ ኽትድቅስ ከም ዚከኣል ገይሩ ይሓስብ ነበረ።” በዚ ኸምዚ፡ ሰባት ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ስሒራዊ ዕላማ የውዕልዎ ነበሩ። ንስኻኸ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ እከይ ኬዕቍበካ ኸም ዚኽእል ክታብ ወይ ጽቡቕ ዕድል ኬምጽእ ከም ዚኽእል ስራይ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧

ሓደ ኻብቲ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ብእንግሊዝኛ ቢብሊዮማንሲ ዚብልዎ ተግባር እዩ። ቢብሊዮማንሲ እንታይ ማለት እዩ፧ ንሓደ መጽሓፍ፡ መብዛሕትኡ እዋን ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሃውሪ ብምግንጻል ካብቲ ፈለማ እትርእዮ ጽሑፍ መምርሒ ኸም እትረክብ ብምእማን ምንባብ ማለት እዩ። ንኣብነት፡ ከምቲ ፕሮፌሰር ጋምብል ዝገለጾ፡ ሓደ እዋን ኣጉስቲን ካብ ጐረቤቱ፡ “ገንጺልካ ኣንብብ፡ ገንጺልካ ኣንብብ” ዚብል ድምጺ ቘልዓ ምስ ሰምዐ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺሉ ነቲ ብመጀመርታ ዚርእዮ ጥቕሲ ንኼንብብ ካብ ኣምላኽ ዝመጾ ትእዛዝ ኰይኑ ተሰምዖ።

ገሊኦም ሰባት፡ ኣጸጋሚ ዅነታት ምስ ኣጋጠሞም ናብ ኣምላኽ ከም ዝጸለዩ፡ እቲ ብመጀመርታ ዚርእይዎ ጥቕሲ ነቲ ጸገሞም ንምፍታሕ ከም ዚሕግዞም ብምእማን ድማ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሃውሪ ገንጺሎም ከም ዘንበቡ ዚገልጽ ጸብጻባት ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ ሓሳቦም ጽቡቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደ ክርስትያን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መምርሒ ንኺረክብ ኪጽዕር ዘለዎ፡ በዚ መገዲ እዚ ኣይኰነን።

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዚሕግዞም “መንፈስ ቅዱስ” ከም ዚልእከሎም ኣረጋጊጹሎም ነይሩ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 14:26) ይኹን እምበር፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሃውሪ ብምግንጻል፡ ካብቲ ፈለማ እትርእዮ ጥቕሲ መምርሒ ኸም እትረክብ ብምእማን ምንባብ፡ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ኪህልወካ ኣይሓትትን እዩ።

ቢብሊዮማንሲን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብማሪታዊ መገዲ ምጥቃምን፡ ልሙድ እዩ። ይኹን እምበር፡ ቃል ኣምላኽ፡ ጥንቈላ ይዅንን እዩ። (ዘሌ. 19:26፣ ዘዳ. 18:9-12፣ ግብ. 19:19) “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን” እኳ እንተ ዀነ፡ ብኸመይ ብኽእለት ከም እንጥቀመሉ ግና ክንፈልጥ ኣሎና። ህይወት ሰባት ዜመሓይሽ፡ ማሪታዊ ኣጠቓቕማ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነስ፡ ቅኑዕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ቕኑዕ ፍልጠት ሳላ ዝፈለጥዎ፡ ጥዑይ ስነ ምግባር ኬጥርዩ፡ ንጐዳኢ ኣነባብራኦም ኪሓድግዎ፡ ሓዳሮም ኬደልድሉ፡ ከምኡውን ምስቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ኪምስርቱ ኽኢሎም እዮም።