ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣነን ሰበይተይን ሓቂ ቕድሚ ምፍላጥና፡ ውሉድ ስለ ዝደለና፡ ኣብ ቤተ ምከራ ንእንቋቝሖ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብምውህሃድ ከም ዚጸጊ ዚገብር ሕክምና ጀሚርና ነበርና። ንዅሉ እቲ ዝጸገየ እንቋቝሖ (ድቂ) ስለ ዘይተጠቐምናሉ ግና፡ ኣብ መዝሓሊ ተኸዚኑ ኣሎ። እሞኸ ኸነቐምጦዶ ወይስ ከነወግዶ፧

▪ ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ቤተ ምከራ ንእንቋቝሖ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብምውህሃድ ከም ዚጸጊ ዚገብር ሕክምና (ብእንግሊዝኛ ኢን ቪትሮ ፈርቲላይዜሽን [ኣይ.ቪ.ኤፍ.]) እንተ ጀሚሮም፡ ብዙሕ ምስ ስነ ምግባር ዚተሓሓዝ ጕዳያት ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ። ኵሎም ሰብ ሓዳር፡ በቲ ዚገብርዎ ውሳነ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓተትቲ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ንሓንቲ ሰበይቲ ኸም እትጠንስ ኪገብራ ዚኽእል ተክኖሎጂ ምምርማር፡ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ብ1978 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትነብር ሓንቲ ሰበይቲ፡ በቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ተክኖሎጂ ተጠቒማ ውሉድ ወለደት። እታ ሰበይቲ፡ ሻምብቆ ማህጸና ስለ እተዓጽወ፡ እቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምስቲ ናታ እንቋቝሖ ወይ እንቋቝሖታት ኪራኸብ ኣይከኣለን። ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ንዝበሰለት እንቋቝሖ እታ ሰበይቲ ብመጥባሕቲ ብምውሳድ፡ ብመረጼን ኣብ እተሰርሐ መቐመጢ ገይሮም ምስቲ ናይ ሰብኣያ ዘርኢ ብምውህሃድ፡ ከም ዚጸጊ ገበሩ። ሽዑ እቶም ሰብ ሞያ ሕክምና፡ እቲ ድቂ ብሓገዝ ምግቢ ኸም ዚዓቢ ምስ ገበሩ፡ ናብ ማህጸን እታ ሰበይቲ ኣእተውዎ። ድሕሪ ግዜ፡ እታ ሰበይቲ፡ ጓል ወለደት። እዚ መስርሕ እዚ ዀነ ኻልእ ምስኡ ዚዛመድ መስርሓት፡ ኣብ መረጼን ዚግበር ጽግያ ወይ ከኣ ኢን ቪትሮ ፈርቲላይዜሽን (ኣይ.ቪ.ኤፍ.) ይብሃል።

እቲ ምስ ኣይ.ቪ.ኤፍ. ዚተሓሓዝ ዝርዝር መስርሕ ከከም ሃገሩ ኺፈላለ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ብሓፈሻኡ ግና ከምዚ ዚስዕብ እዩ ዚግበር፦ እታ ሰበይቲ፡ ማህደር እንቋቝሖኣ ብዙሕ እንቋቝሖ ምእንቲ ኼዳሉ፡ ንሰሙናት ሓያል መድሃኒት ጽግያ ይውሃባ። ሰብኣያ ድማ ብግብረ ሕቡእ ገይሩ ሓድሽ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ይህብ። ሽዑ እቲ እንቋቝሖን እቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን ኣብ ቤተ ምከራ ይውሃሃድ። ከም ውጽኢቱ፡ ሓያሎ እንቋቝሖ ኺጸግን ኪመቓቐልን ስለ ዚጅምር፡ ድቂ ኺፍጠር ይኽእል። ሓደ መዓልቲ ወይ ልዕሊኡ ጸኒሑ፡ ካብቲ ሓድሽ ድቂ፡ ነቲ ጸገም ዘለዎን ነቲ ምስ ሽፋን ማህጸን ተጣቢቑ ኺዓቢ ዚኽእልን ንምፍላይ፡ ምርምር ይግበር። ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ፡ ሓደ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ብሉጽ ድቂ ናብ ማህጸን እታ ሰበይቲ ኸም ዚኣቱ ይግበር፣ እዚ ኸኣ ነቲ ጥንሲ ንኺጅምር ዘሎ ኣጋጣሚ ኽብ የብሎ። ሓደ ወይ ክልተ ድቂ ምስቲ ሽፋን ማህጸን እንተ ተጣቢቑ ድማ፡ እታ ሰበይቲ ትጠንስ፣ ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ንኽትወልድ ከኣ ትጽቢት ይግበረላ።

እቲ ናብ ማህጸን እታ ሰበይቲ ዘይኣተወ፡ እንተላይ እቲ ጥዑይ ዘይኰነ ወይ ጸገም ዘለዎ ድቂኸ እንታይ ይኸውን፧ ስቕ ኢልካ እንተ ተሓዲጉ፡ ብህይወት ኪቕጽል ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ እቲ ተወሳኺ ድቂ፡ ፈሳሲ ናይትሮጅን ኣብ ዘለዎ መዝሓሊ ይቕመጥ። ስለምንታይ፧ እቲ ናይ መጀመርታ ኣይ.ቪ.ኤፍ. እንተ ዘይተዓዊቱ፡ ንገለ ኻብቲ እተቐመጠ ድቂ ተጠቒምካ፡ ብትሑት ዋጋ እንደገና ኣይ.ቪ.ኤፍ. ኪፍተን ስለ ዚከኣል እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ጕዳይ እዚ፡ ስነ ምግባራዊ ሕቶታት ከም ዚለዓል ይገብር እዩ። ልክዕ ከምቶም ኣብ ላዕሊ ሕቶኦም ዘቕረቡ ሰብ ሓዳር፡ ብዙሓት ሰብ ሓዳር፡ ነቲ ኣብ መዝሓሊ ተኸዚኑ ዘሎ ድቂ እንታይ ከም ዚገብርዎ ምውሳን ይኸብዶም እዩ። ዝያዳ ውሉዳት ኪወልዱ ኣይደልዩን ይዀኑ። ዕድመ እቶም ወለዲ ወይ ገንዘባዊ ዓቕሞም እውን፡ ዝያዳ ውሉዳት ንኺወልዱ ኣይፈቕደሎምን ይኸውን። ነቲ ብተደጋጋሚ ምስ ምውላድ ዚመጽእ ሓደጋታት ፈሪሆምዎ እውን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። a ብዘይካዚ፡ ሓደ ኻብቶም መጻምድቲ ወይ ክልቲኦም ስለ ዝሞቱ ወይ ምስ ካልእ ስለ እተመርዓዉ፡ ነገራት ኪተሓላለኽ ይኽእል እዩ። ብዙሕ ዜተሓሳስብ ነገራት ስለ ዘሎ፡ ገሊኦም ሰብ ሓዳር ንብዙሕ ዓመታት፡ ናይቲ ተኻርዮም ድቂ ዘቐመጡሉ ቦታ ኪኸፍሉ ጸኒሖም እዮም።

ብ2008 ሓደ ኽኢላ ሕክምና ድቂ፡ ኣብታ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ እትብሃል ጋዜጣ፡ ብዙሓት ወለዲ ነቲ ተወሳኺ ድቂ እንታይ ከም ዚገብርዎ ኣብ ምውሳን ከም ዚሕርብቶም ገሊጹ ነበረ። እታ ኣብቲ ጋዜጣ ዝወጸት ዓንቀጽ ከምዚ ትብል፦ “ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዚርከባ ክሊኒካት፡ ኣስታት 400,000 ድቂ ኣብ መዝሓሊ ተቐሚጡ ኣሎ፣ እቲ ኣሃዝ ድማ በብመዓልቱ ይውስኽ ኣሎ። . . . ድቂ ብግቡእ ኣብ መዝሓሊ እንተ ተቐሚጡ፡ ንዓሰርተ ዓመት ወይ ንልዕሊኡ ኺጸንሕ ይኽእል እዩ፣ ነቲ እተቐመጠሉ መዝሓሊ ኣምኪኽካ፡ ነቲ ድቂ እንተ ኣውጺእካዮ ግና፡ ኵሉ እቲ ድቂ ብህይወት ኪጸንሕ ኣይክእልን እዩ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ኣብ መወዳእታ እተጠቕሰ ሓቂ፡ ንክርስትያናት ሓንሳእ ደው ኢሎም ከም ዚሓስቡ ገይርዎም እዩ። ስለምንታይ፧

ምስ ኣይ.ቪ.ኤፍ. ዚተሓሓዝ ጕዳያት ዘጋጠሞም ሰብ ሓዳር፡ ነቲ ጕዳዮም ምስ ካልእ ዓይነት ሕክምናዊ ጕዳይ ብምዝማድ ኪሓስቡሉ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ብማሽን እናተሓገዘ ዚነብር ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ዚርከብ ዜፍቅሮ ሰብ ኪውስን የድልዮ ይኸውን፣ ምናልባት እቲ ሰብ ብማሽን እናተሓገዘ ጥራይ የስተንፍስ ይኸውን። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብሕክምና ዝመጸ ሸለልተኛታት ኣይኰኑን፣ ምስቲ ኣብ ዘጸኣት 20:13ን መዝሙር 36:9ን ዘሎ ሓሳብ ብምስምማዕ፡ ንህይወት ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዋ። ናይ 8 ግንቦት 1974 ንቕሑ! ኸምዚ ትብል፦ “እቶም ንህይወቶም ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬሰማምዕዎ ዚደልዩ ሰባት፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ቕድስና ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ኣኽቢሮም ስለ ዚርእይዎ፡ ንሕልናኦም ንምኽባርን ንሕግታት መንግስቲ ንምእዛዝን፡ ንሓደ ኺሓዊ ዘይክእል ሕሙም፡ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ከም ዚመውት ኣይገብሩን እዮም፣” ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ደይመደይ ኢሎም ከም ዚመውት ኣይገብሩን እዮም። ኣብ ገሊኡ ዅነታት ግና፡ እቲ ሕሙም ብዘይ ሓገዝ እታ ማሽን እንተ ዘይኰይኑ፡ ብህይወት ኪነብር ኣብ ዘይክእለሉ ዅነታት ይበጽሕ ይኸውን። ኣባላት ስድራ ቤቱ፡ ነቲ እቲ ሕሙም ብማሽን እናተሓገዘ ዚነብሮ ዘሎ ናብራ ኪቕጽልዎ ወይ ኬቋርጽዎ እንተ ዀይኖም ኪውስኑ ኣለዎም።

ሓቂ እዩ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዅነታት ምስቲ ነቶም ምስ ኣይ.ቪ.ኤፍ. ዚተሓሓዝ ሕክምና ዝጀመሩን ድቂ ኣብ መኽዘን ኣቐሚጦም ዘለዉን ሰብ ሓዳር ዘጋጠሞም ኵነታት ሕደ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ እቶም ሰብ ሓዳር፡ ነቲ እቲ ድቂ እተቐመጠሉ ፈሳሲ ናይትሮጅን ዘለዎ መዝሓሊ ኸም ዚመክኽ ብምግባር፡ ነቲ ድቂ ናይ ምውጻእ ኣማራጺ ኣለዎም። እቲ ድቂ ብዘይ ሓገዝ እቲ መዝሓሊ ነዊሕ ኪጸንሕ ስለ ዘይክእል፡ በርዒኑ እዩ ዚተርፍ። እቶም ሰብ ሓዳር፡ ከምኡ ንኺግበር ይፈቕዱ እንተ ዀይኖም ኪውስኑ ኣለዎም።—ገላ. 6:7

እቶም ሰብ ሓዳር፡ እታ ሰበይቲ ምእንቲ ኽትጠንስን ምእንቲ ኽትወልድን ኢሎም፡ ምስ ኣይ.ቪ.ኤፍ. ዚተሓሓዝ ሕክምና ስለ ዝጀመሩ፡ ናይቲ እቲ ድቂ እተቐመጠሉ መዝሓሊ ኽራይ ንኪኸፍሉ ወይ ከኣ ኣብ መጻኢ ውሉድ ኪወልዱ ምስ ዚደልዩ እንደገና ብኣይ.ቪ.ኤፍ. ተጠቒሞም ነቲ እተቐመጠ ድቂ ንኺጥቀሙሉ ይመርጹ ይዀኑ። ገሊኦም ሰብ ሓዳር ግና፡ እቲ ድቂ ብህይወት ኪቕጽል ዚኽእል በቲ ሰብ ዝሰርሖ ማሽን ጥራይ ከም ዝዀነ ገይሮም ብምሕሳብ፡ ናይቲ እቲ ድቂ እተቐመጠሉ መዝሓሊ ኽራይ ካብ ምኽፋል ኬቋርጹ ይውስኑ ይዀኑ። ከምዚ ዓይነት ውሳነ ዘጋጠሞም ክርስትያናት፡ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኦም ኪጥቀሙሉ ኣለዎም። ብቐንዱ ዜገድሶም፡ ጽሩይ ሕልና ንኺህልዎምን ንሕልና ኻልኦት ንኸይጐድኡን ኪኸውን ኣለዎ።—1 ጢሞ. 1:19

ሓደ ኽኢላ ሆርሞናት ከም ዝገለጾ፡ መብዛሕትኦም ሰብ ሓዳር “ብዛዕባ እቲ [ኣብ መዝሓሊ ዚርከብ] ድቂ ኣመና ይሻቐሉ እዮም፣ ውሳነ ኣብ ምግባር ከኣ ኣዝዮም እዮም ዚደናገሩ።” እቲ ኽኢላ፡ “ንብዙሓት ሰብ ሓዳር፡ ጽቡቕ ዚብሃል ውሳነ የልቦን” ብምባል ደምደመ።

ብንጹር እምበኣር፡ እቶም ምስ ኣይ.ቪ.ኤፍ. ዚተሓሓዝ ሕክምና ኺጅምሩ ዚሓስቡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ንዅሉ ነገራት ኣርዚኖም ኪሓስቡሉ ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ” ይብል።—ምሳ. 22:3

መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ዘለዉ ዘይተመርዓዉ ሰብ ሓዳር፡ ኪጥመቑ እኳ እንተ ደለዩ፡ እቲ ሰብኣይ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ስለ ዘይብሉ፡ ንሓዳሮም ሕጋዊ ኺገብርዎ ኣይከኣሉን። መንግስቲ ኸኣ፡ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ንዘይብሎም ስደተኛታት ንኺምርዓዉ ኣይፈቕደሎምን እዩ። እሞኸ ነቲ “ውዕል ማሕላ ተኣማንነት” ዚብሃል ሰነድ ፈሪሞም ኪጥመቑ ይኽእሉዶ፧

▪ እዚ ኸም መፍትሒ ኺርአ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዚሕግዝ ቅዱስ ጽሑፋዊ መገዲ ግና ኣይኰነን። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ንምርዳእ፡ ፈለማ ዕላማ እቲ “ውዕል ማሕላ ተኣማንነት” ዚብሃል ሰነድን ስለምንታይ ከም እተዳለወን ከምኡውን ብኸመይን መዓስን ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ከም ዚኽእል እስከ ንመርምር።

እቲ ሰነድ፡ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ዚፍረም ቃል መግለጺ ዀይኑ፡ እቶም ብምኽንያት እቲ ኣብ ዚስዕብ ሕጡብ ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ ጸገም ኪምርዓዉ ዘይከኣሉ ሰብ ሓዳር ዚፍርምዎ እዩ። ኣብኡ ድማ፡ ብተኣማንነት ከም ዚነብሩን ንርክቦም ሕጋዊ ኺገብርዎ ዚከኣሎም ከም ዚጽዕሩን ብምምሓል ይፍርሙ። ሽዑ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቶም ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ሰብን ንሓድሕዶም ንኸይጣለሙ ኸም ዝመሓሉ ገይራ ትርእዮም፣ ሓዳሮም ድማ ብሰበ ስልጣን እተፈቕደ ሕጋዊ ብቕዓት ከም ዘለዎ ጌርካ ይርአ።

ስለምንታይን መዓስን እዩ እቲ “ውዕል ማሕላ ተኣማንነት” ዚብሃል ሰነድ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል፧ መስራቲ መውስቦ የሆዋ እዩ፣ ኣኽቢሩ ኸኣ እዩ ዚርእዮ። ወዱ፡ “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ” ኢሉ ነበረ። (ማቴ. 19:5, 6፣ ዘፍ. 2:22-24) ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ንሰበይቱ ብዘይካ ብምኽንያት ምንዝርና [ጾታዊ ዘይስነ ምግባራውነት] ዚፈትሓ እሞ ኻልእ ዚምርዖ ዘበለ ይዝሙ” በለ። (ማቴ. 19:9NW) ስለዚ፡ ሰብ ሓዳር ኪፋትሑ ዚኽእሉ፡ ብምኽንያት “ምንዝር” ወይ ጾታዊ ዘይስነ ምግባራውነት ጥራይ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብኣይ እንተ ዘምዩ፡ ሰበይቱ ንዕኡ ንምፍታሕ ወይ ንዘይምፍታሕ ክትውስን ትኽእል እያ። እንተ ፈቲሓቶ፡ ምስ ካልእ ክትምርዖ ትኽእል እያ።

ይኹን እምበር፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ዝነበረ ቐንዲ ሃይማኖት፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍትሕ ዚገልጾ ሓሳብ ኣይቅበሎን እዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ይሃሉ ብዘየገድስ፡ ፍትሕ ኪፍቀድ ከም ዘይብሉ እዩ ዚምህር ነይሩ። ስለዚ፡ ኣብቲ መራሕቲ ሃይማኖት ሓያል ጽልዋ ዜሕድሩሉ ዝነበሩ ቦታታት፡ ዋላ እውን ከምቲ የሱስ ዝጠቐሶ ዓይነት ንፍትሕ ዚኸውን ንጹር መሰረት ይሃሉ ብዘየገድስ፡ ንፍትሕ ዚድግፍ ሲቭላዊ ሕጊ የለን። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ከኣ፡ ፍትሕ ይፍቀድ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ኣሰራርሓኡ ግና ነዊሕን ሕልኽልኽ ዝበለን ኣጸጋምን እዩ። ነዊሕ ዓመታት እውን ኪወስድ ይኽእል እዩ። ቤተ ክርስትያን ወይ መንግስቲ ነቲ ኣምላኽ ዚፈቕዶ ‘ኸም ዚኽልክሉ’ ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ።—ግብ. 11:17

ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰብ ሓዳር፡ ኪፋትሑ ኣብ ዘይክእሉሉ ወይ ከኣ ንኺፋትሑ ኣመና ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ፡ ምናልባት እውን ፍትሕ ዓመታት ኣብ ዚወስደሉ ሃገር ይነብሩ ይዀኑ። ነቲ ሕጋዊ ሓዳሮም ንኼፍርስዎ ዚከኣሎም እንተ ጽዒሮም፡ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ምስ ካልእ ንኺምርዓዉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብቑዓት እንተ ዀይኖም፡ ነቲ “ውዕል ማሕላ ተኣማንነት” ዚብሃል ሰነድ ኪፍርሙ ይኽእሉ እዮም። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ኣብተን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ ሃገራት ንዚነብሩ ክርስትያናት ዚኸውን ለውሃት ዝመልኦ መሰናድዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ንኽትፋታሕ ዜድሊ መስርሕ፡ ብዙሕ ወጻኢ ዚሓትት ወይ ሕልኽልኽ ዝበለ ይኹን ብዘየገድስ፡ እዚ ሰነድ እዚ ኣብተን ፍትሕ ፍቑድ ዝዀነለን ሃገራት ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል የብሉን።

ኣብቲ ንኽትፋታሕ ኣጸጋሚ ዘይኰነ ኸባቢ ዚነብሩ ገሊኦም ሰባት፡ ንዕላማ እቲ “ውዕል ማሕላ ተኣማንነት” ዚብሃል ሰነድ ስለ ዘይተረድእዎ፡ ካብቲ ንኽትፋታሕ ዜጋጥም ሕልኽላኻት ወይ ጸገማት ንምህዳም፡ ነቲ ሰነድ ኪፍርሙ ይኽእሉ እንተ ዀይኖም ሓቲቶም እዮም።

ናብቲ ኣብ ላዕሊ ዘበገስናዮ ሕቶ እስከ ንመለስ፣ እቶም ተኣኻኺቦም ዚነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኪምርዓዉ ይደልዩ እዮም። ክልቲኦም ምስ ካልእ ብመውስቦ ኣይተኣስሩን። ኰይኑ ግና፡ እቲ ሰብኣይ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ስለ ዘይብሉ፡ መንግስቲ ንኺምርዓዉ ኺፈቕደሎም ኣይከኣለን። (ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ካብቶም መጻምድቲ ሓዲኦም ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ እንተ ኣልይዎም፡ ዋላ እውን ክልቲኦም ኣይሃልዎም፡ ሰበ ስልጣን ነቶም ሰብኣይን ሰበይትን ንኺምርዓዉ ይፈቕዱሎም እዮም።) እቲ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ዚነብሩሉ ሃገር፡ ፍትሕ ይፈቅድ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ “ውዕል ማሕላ ተኣማንነት” ዚብሃል ሰነድ ኪጥቀሙሉ ኣይክእሉን እዮም። ከመይሲ፡ ካብቶም መጻምድቲ እቲ ሓደ ኺፋታሕ እናደለየ ኽነሱ ኸም እተኸልከለ ዚሕብር ነገር የልቦን። ክልቲኦም ኪምርዓዉ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ እቲ ሰብኣይ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ስለ ዘይብሉ፡ ብኸመይ ኪምርዓዉ ይኽእሉ፧ ኪምርዓዉ ናብ ዚኽእሉሉ ሃገር ኪኸዱ ይኽእሉ እዮም። ወይ ከኣ እቲ ሰብኣይ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ንምርካብ ዚከኣሎ እንተ ጽዒሩ፡ ኣብቲ ዘለውዎ ሃገር ኰይኖም ንሓዳሮም ሕጋዊ ኺገብርዎ ይኽእሉ ይዀኑ።

እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ንህይወቶም ምስ ስርዓታት ኣምላኽን ምስ ሕግታት ቄሳርን ኬሰማምዕዋ ይኽእሉ እዮም። (ማር. 12:17፣ ሮሜ 13:1) ከምኡ ኺገብሩ ድማ ተስፋ ንገብር። ድሕሪኡ፡ ንጥምቀት ብቑዓት ኪዀኑ ይኽእሉ።—እብ. 13:4

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ዚዓቢ ዘሎ ድቂ ጸገም እንተ ኣልይዎ፡ ወይ ከኣ ሓያሎ ድቂ ኣብ ማህጸን ኪዓቢ እንተ ጀሚሩኸ፧ ንጥንሲ ደይመደይ ኢልካ ኸም ዜቋርጽ ምግባር፡ ምንጻል ጥንሲ እዩ። መስርሕ ኣይ.ቪ.ኤፍ.፡ ማንታን ስልስቶን ካብኡ ንላዕሊ ዚዀኑ ሕጻናትን ከም ዚውለዱ ኺገብር ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ሕጻናት ቅድሚ ግዜኦም ከም ዚውለዱን እታ ኣደ ብዙሕ ደም ከም ዚፈስሳን ኪገብር ይኽእል እዩ። ሓንቲ ኣብ ማህጸና ብዙሕ ድቂ ዘለዋ ሰበይቲ፡ ካባታቶም “መሪጻ ንኽትንኪ፡” ማለት ሓደ ወይ ክልተ ንኪቕተሉ ኽትፈቅድ ትሕተት ትኸውን። እዚ ግና፡ ደይመደይ ኢልካ ዚግበር ምንጻል ጥንሲ እዩ፣ ከም ቅትለት ጌርካ ኸኣ እዩ ዚርአ።—ዘጸ. 21:22, 23፣ መዝ. 139:16

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ከምዚ ዓይነት ውሳነ ዘጋጠሞም ክርስትያናት፡ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኦም ኪጥቀሙሉ ኣለዎም

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን]

ምስ ኣይ.ቪ.ኤፍ. ዚተሓሓዝ ካልእ ኣሰራርሓ

ምስ ኣይ.ቪ.ኤፍ. ብዚተሓሓዝ እተራእየ ምዕባለ፡ ምስቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዚጋጮ ኻልእ ኣሰራርሓታት ከም ዚጅመር ገይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ንእንቋቚሖ ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ዘርኢ ሓደ ሰብኣያ ዘይኰነ ወዲ ተባዕታይ ብምውህሃድ ከም እትጸጊ ኺግበር ይከኣል እዩ። ድሕሪኡ፡ እቲ ድቂ ኣብ ማህጸን እታ ሰበይቲ ኸም ዚኣቱ ይግበር። (ግብረ ሶዶም ዚገብራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ነዚ ኣሰራርሓ እዚ ይጥቀማሉ እየን።) ወይ ከኣ ንዘርኢ ሓደ ሰብኣይን ንእንቋቝሖ ኻልእ ሰበይትን ብምውህሃድ ድቂ ኸም ዚጸጊ ይግበር እዩ። ሽዑ ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ፡ ነቲ ድቂ ኣብ ማህጸና ንኺኣቱ ትፈቅድ ትኸውን።

“ርዕመት ድቂ” ዚብሃል ኣሰራርሓ እውን ኣሎ፣ እቲ ኣብ ማህጸን ሓንቲ ሰበይቲ ኸም ዚኣቱ ዚግበር ድቂ፡ ብናታ እንቋቝሖ ዀነ ብናይ ሰብኣያ ዘርኢ ተጠቒምካ ዝጸገየ ድቂ ዘይኰነስ፡ ናይ ካልእ ሰብ ድቂ እዩ። ካልእ ኣሰራርሓ ኸኣ ኣሎ፣ እንቋቝሖን ዘርእን እቶም ሰብ ሓዳር ብኣይ.ቪ.ኤፍ. ከም ዚጸጊ ይግበር እሞ፡ ድሕሪኡ፡ እቲ ድቂ ኣብ ማህጸን እታ ሰበይቲ ዘይኰነስ፡ ኣብ ማህጸን ካልእ ሰበይቲ ኸም ዚኣቱ ይግበር፣ ሽዑ እታ ማህጸና ዘካረየት ሰበይቲ ትጠንስ እሞ፡ ነቶም ሰብ ሓዳር ውሉድ ትወልደሎም። b

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ፡ “ሰበይቲ ብጻይካ፡ ብእኣ ኸይትረክስ፡ ብስጋ ምስኣ ንምርኻብ [“ዘርእኻ ንምፍሳስ፡” NW] ኣይትደቅስ” ዚብል መምርሒ ስለ ዜኽብርዎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣሰራርሓታት ኣይቅበልዎን እዮም። (ዘሌ. 18:20, 29፣ ምሳ. 6:29) ናይ ሰብ ሓዳር ዘይኰነ እንቋቝሖ ወይ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ (ወይ ከኣ ክልቲኡ) ተጠቒምካ ድቂ ብምጽጋይ ዚግበር ጥንሲ፡ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፖርኒያ (ጾታዊ ርኽሰት) ዚብሎ ተግባር እዩ ዚምደብ። ከመይሲ፡ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣሰራርሓታት፡ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ጾታዊ ኣካላት ዜጠቓልል እዩ።—ማቴ. 5:32፣ 1 ቈረ. 5:11፣ 6:9, 18፣ እብ. 13:4

[እግረ-ጽሑፍ]

b ናይ 8 መጋቢት 1993 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 26-27፡ ብዛዕባ እተን ማህጸነን ዜካርያ ደቂ ኣንስትዮ ዚገልጽ ሰፊሕ ሓሳባት ሒዛ ወጺኣ ነይራ።