ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ህይወትካ ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ርኸብ

ኣብ ህይወትካ ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ርኸብ

ኣብ ህይወትካ ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ርኸብ

“ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ።”—እያ. 1:8

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ሰሎሞን በየናይ መገድታት እዩ ኣሳልጦ ረኺቡ፧

ጳውሎስ ብሓቂ ኣሳልጦ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧

ብሓቂ ኣሳልጦ ኽትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

1, 2. (ሀ) ብዙሓት ሰባት ንኣሳልጦ ብኸመይ እዮም ዚመዝንዎ፧ (ለ) ብዛዕባ ኣሳልጦ ዘሎካ ኣረኣእያ ኽትፈልጥ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

 ኣብ ህይወት ኣሳልጦ ምርካብ እንታይ ማለት እዩ፧ ንሰባት ከምኡ ኢልካ እንተ ሓቲትካዮም፡ እተፈላለየ መልሲ እዮም ዚህቡኻ። ንኣብነት፡ ብዙሓት ሰባት ንኣሳልጦ በቲ ብቝጠባውን ብሞያውን ብትምህርታውን መዳይ እትረኽቦ ዜደንቕ ዓወት እዮም ዚመዝንዎ። ገሊኣቶም ከኣ ምስቲ ምስ ስድራ ቤትካ፡ ምስ ፈተውትኻ፡ ወይ ምስ መሳርሕትኻ ዘሎካ ርክብ የተሓሕዝዎ። ሓደ ንኣምላኽ ዜገልግል ሰብ ድማ ንኣሳልጦ፡ ምስቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚውሃቦ ሓላፍነት ወይ ምስቲ ኣብ ኣገልግሎት ዚረኽቦ ዓወት የተሓሕዞ ይኸውን።

2 ንስኻ ብውልቅኻ ብዛዕባ ኣሳልጦ ዘሎካ ኣረኣእያ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ንስም እቶም ኣሳልጦ ኸም ዝረኸቡ ጌርካ ብሓቂ እተድንቖምን እተኽብሮምን ሰባት ጽሓፎ። ንብምሉኦም ዜመሳስሎም እንታይ ዜደንቕ ባህርይ ኣለዎም፧ ሃብታማት ወይ ውሩያት ድዮም፧ ህቡባት ድዮም፧ እቲ እትህቦ መልሲ፡ ነቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ እዩ ዚሕብር፣ ንምርጫታትካን ንሸቶታትካን ድማ ኣዝዩ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ።—ሉቃ. 6:45

3. (ሀ) እያሱ፡ ምእንቲ ኺሰልጦ እንታይ እዩ ኺገብር ነይርዎ፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

3 ብቐንዱ ዜገድስ፡ የሆዋ ኣሳልጦ ኸም ዝረኸብና ገይሩ ዚርእየና እንተ ዀይኑ እዩ፣ ከመይሲ፡ ህይወትና ኣብ ስምረቱ እተመርኰሰ እዩ። የሆዋ ንእያሱ ንእስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ናይ ምምራሕ ከቢድ መዝነት ኪህቦ ኸሎ፡ ንሕጊ ሙሴ “መዓልትን ለይትን” ኬንብቦ፡ ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ኸኣ ተጠንቂቑ ኺእዘዞ ነጊርዎ ነበረ። “ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ” ኢሉ ኸኣ ኣረጋጊጹሉ ነበረ። (እያ. 1:7, 8) እያሱ ኸም ዝሰለጦ ኸኣ ትፈልጥ ኢኻ። ንሕናኸ፧ እቲ ብዛዕባ ኣሳልጦ ዘሎና ኣረኣእያ ምስ ኣረኣእያ ኣምላኽ ከም ዚሳነ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ነዚ ንምፍላጥ፡ ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ኽልተ ሰባት እስከ ንመርምር።

ሰሎሞን ኣብ ህይወቱ ኣሳልጦ ረኺቡዶ፧

4. ሰሎሞን ኣብ ህይወቱ ኣሳልጦ ረኺቡ ኺብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

4 ሰሎሞን ብብዙሕ መገድታት ኣሳልጦ ረኺቡ እዩ። ስለምንታይ፧ ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ይፈርሆን ይእዘዞን ስለ ዝነበረን የሆዋ ስለ ዝባረኾን እዩ። የሆዋ ንሰሎሞን፡ ዚደልዮ ነገር ኪሓትት ምስ ነገሮ፡ እቲ ንጉስ ዝነበረ ሰሎሞን፡ ንህዝቢ እስራኤል ንምምራሕ ዜድሊ ጥበብ ኪውሃቦ ኸም ዝሓተተ ትዝክሮ ኢኻ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽ፡ ጥበብን ሃብትን ብምሃብ ባረኾ። (1 ነገስት 3:10-14 ኣንብብ።) “ጥበብ ሰሎሞንሲ ኻብ ጥበብ ኵሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኵሉ ጥበብ ግብጽን በዝሔ።” “ስሙ ኸኣ ናብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ወጸ።” (1 ነገ. 4:30, 31) በብዓመቱ ድማ፡ ኣስታት 25 ቶን ወርቂ የእቱ ነበረ። (2 ዜና 9:13) ኣብ ዲፕሎማስያዊ ርክብን ኣብ ህንጸትን ኣብ ንግድን በሊሕ እዩ ነይሩ። እወ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበሮ ቕኑዕ መትከል ክሳዕ ዝሓለወ፡ ኣሳልጦ ረኺቡ እዩ።—2 ዜና 9:22-24

5. ሰሎሞን ብዛዕባ እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣሳልጦ ዝረኸቡ ሰባት፡ ኣብ ምንታይ መደምደምታ እዩ በጺሑ፧

5 እቲ ሰሎሞን ኣብ መጽሓፍ መክብብ ዝጸሓፎ ነገራት፡ እቶም ሃብታማት ወይ ህቡባት ዝዀኑ ሰባት ጥራይ ዓወትን ሓጐስን ከም ዚረኽቡ ገይሩ ይሓስብ ከም ዘይነበረ ይሕብረና እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ሓቂ ኸምኡ ኣይኰነን። ሰሎሞን፡ “ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለዉ ሰናይ ምግባርን ዚሔሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበኣርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መክ. 3:12, 13) እቲ ዝጠቐሶ ባህ ዜብል ነገራት፡ ነቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም፡ ማለት ነቶም ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ዘለዎም ሰባት ናይ ሓቂ ሓጐስ ከም ዜምጽኣሎም ተገንዚቡ ነይሩ እዩ። “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ” ኺብል እምብኣር ሓቁ እዩ ነይሩ።—መክ. 12:13

6. ኣብነት ሰሎሞን፡ እንታይነት ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ንኽንፈልጥ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

6 ሰሎሞን ንሓያሎ ዓመታት ብፍርሃት ኣምላኽ ይመላለስ ነበረ። “ንእግዚኣብሄር ፈተዎ እሞ፡ ብሕጋጋት ኣቦኡ ዳዊት ከደ” ዚብል ነንብብ ኢና። (1 ነገ. 3:3) እዝስ ናይ ሓቂ ኣሳልጦዶ ኣይመስለካን፧ ሰሎሞን ብኣምላኽ ተመሪሑ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚኸውን ዜደንቕ ቤተ መቕደስ ሰርሐ፣ ሰለስተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጸሓፈ። ንሕና ኸምኡ ኽንገብር ዘይንጽበ እኳ እንተ ዀንና፡ እቲ ሰሎሞን ንኣምላኽ እሙን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝሓደጎ ኣብነት፡ ናይ ሓቂ ኣሳልጦ እንታይ ምዃኑ ንኽንፈልጥን ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ንኽንረኽብን ኪሕግዘና ኣለዎ። ሰሎሞን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ እቲ ሎሚ ሰባት ንኣሳልጦ ዚመዝኑሉ ኸም ሃብትን ጥበብን ዝናን ሓይልን ዝኣመሰለ ነገራት ከንቱ ምዃኑ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። ብሓቂ ኸኣ ባዶን “ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን እዩ።” ፈተውቲ ሃብቲ፡ ዝያዳ ሃብቲ ኸም ዚደልዩ ርኢኻ ትኸውን ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ዘለዎም ሃብቲ ኸኣ ኣመና ይሻቐሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ዘጥረይዎ ሃብቲ ብኻልእ ሰብ ይውሰድ እዩ።—መክብብ 2:8-11, 17፣ 5:10-12 ኣንብብ።

7, 8.  ሰሎሞን ተኣማንነቱ ዘጥፍአ ብኸመይ እዩ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧

7 ሰሎሞን ኣብ መወዳእታኡ፡ ካብቲ ንኣምላኽ ዝነበሮ ተኣዛዝነት ኣግለሰ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል፦ “ኰነ ድማ፡ ብጊዜ እርግና ሰሎሞን እተን ኣንስቱ ንልቡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ። ስለዚ ልቡ፡ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት፡ ፍጹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይኰነን። . . . ሰሎሞን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።”—1 ነገ. 11:4-6

8 የሆዋ በዚ ስለ ዝጐሃየ፡ ንሰሎሞን፡ “ነቲ ዝአዘዝኩኻ ኺዳነይን ሕጋጋትን ድማ ስለ ዘይሐሎኻዮ፡ ነዛ መንግስቲ ብርግጽ ካባኻ ቐዲደ ንጊልያኻ ኽህቦ እየ” በሎ። (1 ነገ. 11:11) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! ሰሎሞን ብብዙሕ መገድታት ኣሳልጦ እኳ እንተ ረኸበ፡ ኣብ መወዳእታኡ ንየሆዋ ኣጕሃዮ። ኣብቲ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መዳይ፡ ማለት ኣብቲ ንኣምላኽ ዝነበሮ ተኣማንነት፡ ኣሳልጦ ኸይረኸበ ተረፈ። ነፍሲ ወከፍና፡ ‘ካብ ህይወት ሰሎሞን ተማሂረ፡ ኣብ ህይወተይ ኣሳልጦ ንኽረክብ ቈሪጸ ድየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።

ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ዘለዎ ህይወት

9. ብኣረኣእያ ዓለም፡ ጳውሎስ ኣብ ህይወቱ ኣሳልጦ ረኺቡዶ፧ ግለጽ።

9 ህይወት ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ናይ ንጉስ ሰሎሞን ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ብስኒ ሓርማዝ እተሰርሐ ዝፋን ኣይነበሮን ወይ ከኣ ምስ ነገስታት ኣይበልዕን እዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ዝጠምየሉን ዝጸምኣሉን ዝቘርረሉን ዝዓረቐሉን እዋናት ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 11:24-27) ንየሱስ ከም መሲሕ ገይሩ ኻብ ዚቕበሎ ኣትሒዙ፡ ኣብ ሃይማኖት ኣይሁድ ዋላ ሓንቲ ስልጣን ኣይነበሮን። መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ድማ ይጸልእዎ ነበሩ። ተኣሲሩን ተገሪፉን ብሽመል ተዘቢጡን ብኣእማን ተቐጥቂጡን እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሱን ክርስትያናት ብጾቱን ከም እተጸርፉን ከም እተሰጕጉን ከም እተሓምዩን ገሊጹ ነበረ። “ክሳዕ ሕጂ ኸም ጐሓፍ ዓለምን ከም ናይ ኩላቶም ጐዱፍን ኴንና አሎና” ድማ በለ።—1 ቈረ. 4:11-13

10. ገሊኦም ሰባት፡ ጳውሎስ ነቲ ኣሳልጦ ንኺረክብ ዜኽእሎ ዝነበረ ኣጋጣሚ ኸም ዝነጸጎ ገይሮም ዚሓስቡ ስለምንታይ እዮም፧

10 እቲ ደሓር ሃዋርያ ጳውሎስ እተባህለ ሳውል፡ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ኣሳልጦ ዝረኸበ እዩ ዚመስል ነይሩ። ካብ ህቡብ ስድራ ቤት ዝመጸ ስለ ዝነበረ፡ በቲ ገማልኤል ዚስሙ ኽቡር መምህር እዩ ተማሂሩ፣ ጸኒሑ፡ “ካብ ብዙሓት ኣብ ህዝበይ ዘለዉ መሳቶይ ብኣይሁድነት ሓለፍ በልኩ” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ። (ገላ. 1:14) እብራይስጥን ግሪኽኛን ኣጽርዩ ይዛረብ ነበረ፣ ዜግነት ሮሜ ስለ ዝነበሮ ድማ፡ ብዙሓት ዚምነይዎ ሓለፋታትን መሰላትን ነበሮ። ደድሕሪ እቲ ኣብ ዓለም ዚርከብ ኣሳልጦ እንተ ዚስዕብ፡ ዓብዪ ዝናን ሃብትን ኬጥሪ ምኸኣለ ነይሩ። ንሱ ግና፡ ካልኦት ሰባት፡ ምናልባት እውን ገሊኦም ኣዝማዱ ኸም ዕሽነት ገይሮም ዚርእይዎ መገዲ መረጸ። ስለምንታይ፧

11. ጳውሎስ ነየናይ ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ሸቶታትን እዩ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ነይሩ፧ ስለምንታይከ፧

11 ጳውሎስ ካብ ሃብትን ህቡብነትን ንላዕሊ፡ ንየሆዋን ንስምረት ኣምላኽን እዩ ኣብሊጹ ዚፈቱ ነይሩ። ቅኑዕ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸበ፡ ነቲ ዓለም ዕሽሽ እትብሎ ነገራት፡ ማለት ንበጃን ንክርስትያናዊ ኣገልግሎትን ነቲ ኣብ ሰማይ ናይ ምንባር ተስፋን ኣኽቢሩ ኺርእዮ ጀመረ። ብዘይካዚ፡ መዕለቢ ኺረክብ ዘለዎ ጕዳይ ከም ዘሎ ተገንዚቡ ነይሩ እዩ። ሰይጣን፡ ሰባት ንኣምላኽ ከም ዘየገልግልዎ ኺገብር ከም ዚኽእል ተዛሪቡ እዩ። (እዮ. 1:9-11፣ 2:3-5) ጳውሎስ ግና፡ ዝዀነ ይኹን ፈተና የጋጥሞ ብዘየገድስ፡ ንኣምላኽ እሙን ኪኸውንን ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ጸኒዑ ኺመላለስን ቈሪጹ እዩ ነይሩ። እቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኣሳልጦ ኺረኽቡ ዚደልዩ ሰባት፡ ከምዚ ዓይነት ሸቶ የብሎምን።

12. ኣብ ኣምላኽ ክትእመን ዝመረጽካ ስለምንታይ ኢኻ፧

12 ንሕናኸ ኸም ናይ ጳውሎስ ዓይነት ቈራጽነት ኣሎናዶ፧ እሙን ኴንካ ምንባር ወትሩ ቐሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ በረኸትን ስምረትን የሆዋ ኸም ዜምጽእ ግና ንፈልጥ ኢና፣ ንሱ ኸኣ እዩ ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ኼምጽኣልና ዚኽእል። (ምሳ. 10:22) ሕጅን ኣብ መጻእን ክንባረኽ ኢና። (ማርቆስ 10:29, 30 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ‘በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ እምበር፡ ብሓላፊ ሃብቲ ኽንእመን’ የብልናን። ‘ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእስና ኽንእክብ ኣሎና።’ (1 ጢሞ. 6:17-19) እወ፡ ድሕሪ ሚእቲ ዓመት፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ድሕሪ ሽሕ ዓመት፡ ኣፍና መሊእና፡ ‘ብርግጽ ናብ ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ዚመርሕ መገዲ እየ መሪጸ’ ኽንብል ኢና።

መዝገብካ ኣብ ዘለዎ

13. የሱስ ብዛዕባ መዝገብ እንታይ ምኽሪ እዩ ሂቡ፧

13 የሱስ ብዛዕባ መዝገብ ኪዛረብ ከሎ ኸምዚ ኢሉ ነበረ፦ “መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።”—ማቴ. 6:19-21

14. ኣብ ምድሪ መዝገብ ምቕማጥ ጥበባዊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

14 ሓደ ሰብ ኣብ ምድሪ ዜቐምጦ መዝገብ፡ ገንዘብ ጥራይ ከይከውን ይኽእል እዩ። ነቲ ሰሎሞን ዝጸሓፎ ብኣረኣእያ ሰባት ከም ኣሳልጦ ጌርካ ዚርአ ጽቡቕ ስምን ዝናን ስልጣንን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። የሱስ ልክዕ ከምቲ ሰሎሞን ኣብ መጽሓፍ መክብብ ዝገለጾ፡ መዝገብ እዛ ዓለም እዚኣ ነባሪ ኸም ዘይኰነ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ከም እትፈልጦ፡ ከምዚ ዝበለ መዝገብ ብቐሊሉ ኺጠፍእ ይኽእል እዩ። ፕሮፌሰር ዴል ብሩነር ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዚቕመጥ መዝገብ ኪገልጽ ከሎ፡ ከምዚ በለ፦ “ዝና ተቐያያሪ ኸም ዝዀነ ፍሉጥ እዩ። ዝሓለፈ ቐዳም ፍሉጥ ዝነበረ ሰብ፡ ኣብ ዚቕጽል ወቕቲ፡ ኪርሳዕ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ዓመት እዚ ቝጠባዊ ኣሳልጦ ዝረኸበ ሰብ፡ ንዓመታ ኺጥፍሽ ይኽእል እዩ። . . . [የሱስ] ንደቂ ሰብ ይፈትዎም እዩ። ካብቲ ውዒሉ ሓዲሩ ዚመጽእ ተስፋ ምቝራጽ ምእንቲ ኺስተሩ ኢሉ ድማ፡ ካብቲ ተረሳዒ ዝዀነ ኽብሪ ኺርሕቁ ተላበዎም። ክብሪ፡ ነዊሕ ኣይጸንሕን እዩ። የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኺጕህዩ ኣይደልን እዩ ነይሩ። ‘እዛ ዓለም እዚኣ፡ በብመዓልቱ ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ኾፍ ኢሉ ዝነበረ ሰብ ትግምጠሎ እያ።’” መብዛሕትኦም ሰባት ምስዚ ሓሳብ እዚ ይሰማምዑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ቃላት የሱስ ንኣነባብራኦም ኪጸልዎ ዚፈቕዱሉ ግና ክንደይ እዮም፧ ንስኻኸ ኽትፈቕደሉ ዲኻ፧

15. ደድሕሪ እንታይ ዓይነት ኣሳልጦ ኢና ኽንስዕብ ዘሎና፧

15 ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዝዀነ ይኹን ኣሳልጦ ንምርካብ ምጽዓር ጌጋ ኸም ዝዀነ ይሰብኩ እዮም። ይኹን እምበር፡ የሱስ ንዅሉ ጻዕርታት ኣይኰነን ኰኒንዎ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ደድሕሪ ቕኑዕ ኣሳልጦ ኺስዕቡ፡ ማለት ነባሪ ‘መዝገብ ኣብ ሰማይ’ ኪገብሩ እዩ ዜተባብዖም ነይሩ። ቀንዲ ባህግና፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣሳልጦ ኽንረክብ እዩ። እወ፡ ቃላት የሱስ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ ዚጽዕረሉ ነገራት ከም ዚመርጽ እየን ዜዘኻኽራና። ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ኣኽቢርና እንርእዮ ነገራት ከኣ ኢና እንስዕብ።

16. ኣብ ምንታይ ኢና ኽንተኣማመን እንኽእል፧

16 ንየሆዋ ኸነሐጕሶ እንተ ጽዒርና፡ ንሱ ድማ ዜድልየና ዘበለ ነገራት ከም ዚህበና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ልክዕ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ንግዜኡ ኽንጠሚ ወይ ክንጸምእ ኪፈቅድ ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 4:11) ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ጥበባዊ ምኽሪ የሱስ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና፦ “እምብኣርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።”—ማቴ. 6:31-33

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣሳልጦ ርኸብ

17, 18. (ሀ) ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ኣብ ምንታይ እዩ ዚምርኰስ፧ (ለ) ኣሳልጦ ኣብ ምንታይ እዩ ዘይምርኰስ፧

17 ናይ ሓቂ ኣሳልጦ፡ በቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝረኸብናዮ ዓወት ወይ መዓርግ ከም ዘይምዘን ክንዝክር ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ኣብ ክርስትያናዊ መሰናድዎታት ብዘሎና ሓላፍነት እውን ኣይኰነን ዚዕቀን። እቲ ሓላፍነት፡ ውጽኢት እቲ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣዛዝነትን ተኣማንነትን እዩ፣ ንሱ፡ “ካብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ” ኢሉ ኣሎ። (1 ቈረ. 4:2) እወ፡ እሙናት ኴንና ብጽንዓት ክንመላለስ ኣሎና። የሱስ፡ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ” ኢሉ ነበረ። (ማቴ. 10:22) ክትድሕን ምኽኣል፡ ኣሉ ዘይብሃሎ መርትዖ ኣሳልጦ ደይኰነን፧

18 ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ፡ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ምስ ህቡብነት፡ ምስ ትምህርቲ፡ ምስ ሃብቲ ወይ ምስ ማሕበራዊ ደረጃ ዚተሓሓዝ ኣይኰነን፣ ኣብ ኣእምሮኣዊ ኽእለት፡ ኣብ ተውህቦ፡ ወይ ኣብ ክእለት ዚምርኰስ እውን ኣይኰነን። ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንሃሉ ብዘየገድስ፡ ንኣምላኽ እሙናት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ገሊኦም ሃብታማት፡ ገሊኦም ከኣ ድኻታት እዮም ነይሮም። ጳውሎስ ነቶም ሃብታማት፡ “ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ” መኺርዎም ነበረ። እቶም ድኻታት ይኹኑ እቶም ሃብታማት ድማ፡ ‘ናይ ሓቂ ህይወት ኪረኽቡ’ ይኽእሉ እዮም። (1 ጢሞ. 6:17-19) ሎሚ እውን ከምኡ እዩ። ኵላትና ተመሳሳሊ ኣጋጣምን ሓላፍነትን እዩ ዘሎና፣ እሙናት ክንከውንን ‘ብሰናይ ግብሪ ኽንህብትምን’ ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪና ኣሳልጦ ኽንረክብን ንዕኡ ባህ ብምባል ክንሕጐስን ኢና።—ምሳ. 27:11

19. ኣሳልጦ ንኽትረክብ እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

19 ንዅነታትካ ምሉእ ብምሉእ ክትቈጻጸሮ እኳ እንተ ዘይከኣልካ፡ ነቲ ምስ ኵነታትካ እትጋጠመሉ መገዲ ግና ክትቈጻጸሮ ትኽእል ኢኻ። ኵነታትካ ብዘየገድስ፡ እሙን ክትከውን ጽዓር። እዚ ጻማ ኣለዎ። የሆዋ ሕጂ ዀነ ንዘለኣለም ከም ዚባርኸካ ተኣማመን። ነተን የሱስ ንቕቡኣት ክርስትያናት ዝበለን ቃላት ኣይትረስዓየን፣ ንሱ፡ “ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ” በለ። (ራእ. 2:10) እወ፡ እቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚውሃቦም ሰባት፡ ናይ ሓቂ ኣሳልጦ እዮም ዚረኽቡ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]