ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እሙን መጋቢ ኢኻ

እሙን መጋቢ ኢኻ

እሙን መጋቢ ኢኻ

“ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧”—1 ቈረ. 6:19

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ጥንቲ ዝነበሩ መገብቲ ወይ ኣመሓደርቲ እንታይ ሓላፍነት እዩ ነይርዎም፧

ኣምላኽ ካብ ኵሎም መገብቲ እንታይ ብቕዓት እዩ ዚደሊ፧

ነቲ ብሓደራ እተዋህበና ምስ መጋቢነት ዚተሓሓዝ ዕዮ ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

1. ሰባት ብሓፈሻ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ምምራሕ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧

 ኣስታት 2,500 ዓመት ይገብር ዝነበረ ግሪኻዊ ደራሲ ተዋስኦ፡ “ንኣርዑት ባርነት ብፍታው ዚስከሞ የለን” ኢሉ ነበረ። ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ይሰማምዑሉ እዮም። ከመይሲ፡ ባርነት ዚብል ቃል፡ ብዛዕባ እቶም ተጨቊኖምን ተገዲዶምን ዜገልግሉ ሰባት እዩ ዜዘኻኽሮም፣ እወ፡ ብዛዕባ እቶም ንገዛእ ርእሶም ዘይኰነስ፡ ንወነንቶምን ንገዛእቶምን ጥራይ ዚጠቅም ስራሕ ዚዓይዩ ሰባት እዩ ዜዘኻኽሮም።

2, 3. (ሀ) እቶም ብፍታዎም ባሮት ወይ ኣገልገልቲ ክርስቶስ ዝዀኑ ሰባት፡ ከመይ ጌርካ እዮም ዚረኣዩ፧ (ለ) እንታይ ምስ መጋቢነት ዚተሓሓዝ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 ይኹን እምበር፡ የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ትሑታት ኣገልገልቲ ወይ ባሮት ከም ዚዀኑ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። እቲ ምስ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚተሓሓዝ ባርነት ግና፡ ዜሕስር ወይ ጭቈና ዝመልኦ ኣይኰነን። እቶም ባሮት ወይ ኣገልገልቲ ዝዀኑ ክርስትያናት፡ ትውክልቲ ዚግበረሎምን ኣኽቢርካ ዚረኣዩን እዮም። ነቲ የሱስ ቀቅድሚ ሞቱ እተዛረበሉ “ባርያ” እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ክርስቶስ ንሓደ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ሓላፍነት ከም ዚህቦ ገሊጹ ነበረ።—ማቴ. 24:45-47

3 ብመሰረት እቲ ኣብ ካልእ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተመሳሳሊ ጸብጻብ፡ እቲ ባርያ፡ “መጋቢ” ወይ ኣመሓዳሪ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ሉቃስ 12:42-44 ኣንብብ።) መብዛሕትኦም ሕጂ ብህይወት ዘለዉ እሙናት ክርስትያናት፡ ኣባላት እቲ እሙን መጋቢ ኣይኰኑን። ይኹን እምበር፡ ኵሎም ንኣምላኽ ዜገልግሉ ሰባት፡ መገብቲ ኸም ዝዀኑ ቕዱሳት ጽሑፋት ይሕብረና እዩ። እዚ ዕዮ እዚ እንታይ ሓላፍነታት እዩ ዜጠቓልል፧ ነቲ ሓላፍነታትከ ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ንምርካብ፡ ነቲ እቶም ጥንቲ ዝነበሩ መገብቲ ወይ ኣመሓደርቲ ዝነበሮም ሓላፍነታት እስከ ንመርምሮ።

መገብቲ ዝነበሮም ሓላፍነት

4, 5. ጥንቲ ዝነበሩ መገብቲ ወይ ኣመሓደርቲ እንታይ ሓላፍነታት እዩ ነይርዎም፧ ኣብነታት ሃብ።

4 ብግዜ ጥንቲ ኸም መጋቢ ወይ ኣመሓዳሪ ቤት ኰይኑ ዚሽየም ዝነበረ፡ ሓደ ንቤት ወይ ንንግዲ ጐይታኡ ኼመሓድር ዚኽእል እሙን ባርያ እዩ ነይሩ። ነዚ ሰብ እዚ፡ ዓብዪ ሓላፍነት እዩ ዚውሃቦ ነይሩ፣ ንንብረትን ንገንዘብን ንኻልኦት ኣገልገልትን ከኣ የመሓድር ነበረ። እቲ ግዙእ ኣብርሃም ዝነበረ ኣልኣዛር ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ፣ ንሱ ንዅሉ ንብረት ኣብርሃም የካይዶ ነበረ። ብዘይካዚ፡ ንይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም እትኸውን ሰበይቲ ንኼምጽእ እተላእከ፡ ንሱ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብሓቂ እምበኣር ዓብዪ ሓላፍነት እዩ ነይርዎ።—ዘፍ. 13:2፣ 15:2፣ 24:2-4

5 እቲ ንወዲ ኣብርሃም ወዲ ወዱ ዝነበረ ዮሴፍ እውን፡ ኣመሓዳሪ ቤት ጶጢፋር እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 39:1, 2) ድሕሪ ግዜ፡ ዮሴፍ እውን እንተ ዀነ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣመሓዳሪ ኺህልዎ ኸኣለ፣ እቲ ኣመሓዳሪ ኸኣ፡ “ኣዛዝ ቤት ዮሴፍ” ኰነ። ነቶም ዓሰርተ ኣሕዋት ዮሴፍ ከኣ ኣአንገዶም። ብመሰረት እቲ ዮሴፍ ዝሃቦ ትእዛዝ ከኣ፡ ኣብቲ ምስታ ኸም እተሰርቀት ጌርካ እተሓስበት ጽዋእ ብሩር ዚተሓሓዝ ጕዳይ ዓብዪ ኣበርክቶ ነበሮ። ብንጹር እምበኣር፡ ኣመሓደርቲ ዓብዪ ትውክልቲ እዩ ዚግበረሎም ነይሩ።—ዘፍ. 43:19-25፣ 44:1-12

6. እተፈላለዩ ክርስትያን ሽማግለታት እንታይ ምስ መጋቢነት ዚተሓሓዝ ዕዮ እዩ ዘለዎም፧

6 ዘመናት ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ክርስትያን ሓለውቲ ‘ናይ ኣምላኽ መገብቲ’ ኸም ዚዀኑ ጽሒፉ ነበረ። (ቲቶ. 1:7) ሓለውቲ ን“መጓሰ ኣምላኽ” ኪጓስዩ ስለ እተሸሙ፡ መምርሒ ይህቡን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይመርሑን እዮም። (1 ጴጥ. 5:1, 2) ሓቂ እዩ፡ እተፈላለየ ሓላፍነታት እዩ ዘለዎም። ንኣብነት፡ ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ክርስትያን ሓለውቲ፡ ንሓንቲ ጉባኤ እዮም ዜገልግሉ። ገየሽቲ ሓለውቲ ኸኣ፡ ንብዙሓት ጉባኤታት እዮም ዜገልግሉ። ኣባላት ኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ድማ፡ ኣብ መላእ ሃገር ንዘለዋ ጉባኤታት እዮም ዜገልግሉ። ኰይኑ ግና፡ ኵላቶም ሓላፍነቶም ብተኣማንነት ኪፍጽሙ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም፣ እወ፡ ኵላቶም ንኣምላኽ ‘ጸብጻብ ኪህቡ ኣለዎም።’—እብ. 13:17

7. ኵሎም ክርስትያናት መገብቲ ኸም ዝዀኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

7 እቶም ሓለውቲ ዘይኰኑ ብዙሓት እሙናት ክርስትያናትከ፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት ብሓፈሻ፡ “ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ” ኢሉ ጽሒፉሎም ነበረ። (1 ጴጥ. 1:1፣ 4:10) ኣምላኽ ብጸጋኡ ኣቢሉ ንዅላትና፡ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ንኽንሕግዞም ዜኽእለና ውህበት፡ ንብረት፡ ክእለት፡ ወይ ተውህቦ ሂቡና እዩ። ስለዚ፡ ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ዜገልግልዎ ሰባት፡ መገብቲ እዮም፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ክብርን ትውክልትን ሓላፍነትን ይረኽቡ እዮም።

ናይ ኣምላኽ ኢና

8. ነየናይ ኣገዳሲ ነጥቢ ኢና ኽንዝክሮ ዘሎና፧

8 መገብቲ ኸም ምዃንና መጠን፡ ኣብ ሰለስተ ነጥብታት እስከ ነተኵር። ቀዳማይ፡ ኵልና ናይ ኣምላኽ ኢና፡ ንዕኡ ኸኣ ኢና ጸብጻብ እንህብ። ጳውሎስ፡ “ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ . . . ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ፣ እቲ ዋጋ፡ ነቲ ዝፈሰሰ መስዋእታዊ ደም ክርስቶስ እዩ ዜመልክት። (1 ቈረ. 6:19, 20) ናይ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ትእዛዛቱ ናይ ምኽባር ግዴታ ኣሎና፣ ትእዛዛቱ ኸኣ ከቢድ ኣይኰነን። (ሮሜ 14:8፣ 1 ዮሃ. 5:3) ባሮት ክርስቶስ እውን ኴንና ኢና። ልክዕ ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ መገብቲ፡ ብዙሕ ናጽነት ኣሎና፣ እቲ ናጽነትና ግና ገደብ ኣለዎ። ንሓላፍነታትና ብመሰረት እቲ ዚውሃበና መምርሒ ኢና ኽንፍጽሞ ዘሎና። ዝዀነ ይኹን ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ይሃልወና ብዘየገድስ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ኢና።

9. የሱስ ነቲ ኣብ መንጎ ጐይታን ባርያን ዘሎ ርክብ ብምሳሌ ዝገለጾ ብኸመይ እዩ፧

9 የሱስ ነቲ ኣብ መንጎ ጐይታን ባርያን ዘሎ ርክብ ንኽንርድኦ ዚሕግዘና ምሳሌ ጠቒሱ ነበረ። ሓደ እዋን ንደቀ መዛሙርቱ፡ ብዛዕባ ሓደ ኺሰርሕ ውዒሉ ናብ ቤቱ እተመልሰ ባርያ ነገሮም። እሞኸ ጐይታ እቲ ባርያ፡ “ቀልጢፍካ ሕለፍ፡ ክትድረር ተቐመጥ” ምበሎዶ፧ ኣይፋሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ክድረር ኣዳልወለይ፡ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዐጢቕካ ኣገልግለኒ፡ ድሕርቲ ንስኻውን ብላዕን ስተን” እዩ ዚብሎ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ኪምህሮም እዩ ዚጽዕር ነይሩ፧ ከምዚ በሎም፦ “ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተአዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፤ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና፡ በሉ።”—ሉቃ. 17:7-10

10. የሆዋ ነቲ ንዕኡ ንኸነገልግሎ እንገብሮ ጻዕሪ ኸም ዜማስወሉ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

10 የሆዋ ነቲ ንዕኡ ንኸነገልግሎ እንገብሮ ጻዕሪ የማስወሉ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ፡ . . . ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ኢሉ የረጋግጸልና እዩ። (እብ. 6:10) የሆዋ ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር ኣይጽበን እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኽንገብሮ ዚደልየና ነገራት ንጥቕምና ኻብ ምዃኑ ንላዕሊ፡ ከቢድ እውን ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ከምቲ የሱስ ኣብ ምሳልያዊ ዛንታኡ ዝገለጾ፡ ሓደ ባርያ ንውልቃዊ ድሌቱ ቐዳምነት ብምሃብ ንርእሱ ኼሐጕስ ኣይኰነን ዚጽዕር። ንሕና እውን ርእስና ንኣምላኽ ኣብ ዝወፈናሉ እዋን፡ ንፍቓዱ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክንህቦ ኢና መሪጽና። ነዚ ትሰማምዓሉ ዲኻ፧

የሆዋ ኻብ ኵላትና ዚደልዮ ብቕዓት

11, 12. መገብቲ ኸም ምዃንና መጠን፡ እንታይ ዓይነት ጠባይ ኢና ኸነርኢ ዘሎና፧ ካብ ምንታይከ ኢና ኽንርሕቕ ዚግብኣና፧

11 ካልኣይ፡ ከም መገብቲ መጠን፡ ኵላትና ተመሳሳሊ መሰረታዊ ስርዓታት ኢና እንስዕብ። ሓቂ እዩ፡ ገሊኡ ሓላፍነታት ነቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሒደት ሰባት እዩ ዚውሃብ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መብዛሕትኡ ሓላፍነታት፡ ኣምላኽ ካባና ዚደልዮ ብቕዓት ተመሳሳሊ እዩ። ንኣብነት፡ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስን መሰኻኽር የሆዋን ከም ምዃንና መጠን፡ ንሓድሕድና ኽንፋቐር ኣሎና። የሱስ፡ ፍቕሪ መለለዪት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዝዀነት ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 13:35) ኰይኑ ግና፡ ፍቕርና ኽንዮ ሕውነትና ሓሊፋ እያ እትኸይድ። እወ፡ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት እውን ነፍቅሮም ኢና። እዚ ኸኣ ኵላትና ኽንገብሮ እንኽእልን ክንገብሮ ዘሎናን እዩ።

12 ጽቡቕ ጠባይ እውን ከነርኢ ኣሎና። ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተዀኒኑ ዘሎ ጠባይን ናብራን ድማ ክንርሕቕ ኣሎና። ጳውሎስ፡ “ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ። (1 ቈረ. 6:9, 10) ምስ ስርዓታት ጽድቂ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ምምልላስ ጻዕሪ ኸም ዚሓትት ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ እቲ ጻዕሪ ጻማ ስለ ዘለዎ፡ ጠቓሚ እዩ፣ ጽቡቕ ጥዕና ንኺህልወናን ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ንኽንምስርትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ንኽንረክብን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ኢሳይያስ 48:17, 18 ኣንብብ።

13, 14. ኵልና ክርስትያናት እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘሎና፧ ብኸመይከ ኢና ኽንርእዮ ዚግብኣና፧

13 ልክዕ ከምቲ ሓደ መጋቢ ወይ ኣመሓዳሪ ስራሕ ዘለዎ፡ ንሕና እውን ስራሕ ኣሎና። ክቡር ውህበት፡ ማለት ፍልጠት ሓቂ ተዋሂቡና ኣሎ። ኣምላኽ ድማ፡ ነዚ ፍልጠት እዚ ንኻልኦት ከነካፍሎም ይጽበየና እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ጳውሎስ፡ “ሰብ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢር ኣምላኽን ደኣ ይቝጸሩና” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ። (1 ቈረ. 4:1) ጳውሎስ፡ ከም መጋቢ መጠን፡ ነቲ ቕዱስ “ምስጢር” ብጥንቃቐ ናይ ምሕላው፡ ብመሰረት እቲ ጐይታኡ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝኣዘዞ ትእዛዝ ከኣ፡ ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ምስጢር ብተኣማንነት ናይ ምክፋል ሓላፍነት ከም ዝነበሮ ይግንዘብ ነበረ።—1 ቈረ. 9:16

14 ሓቂ ንኻልኦት ምክፋል፡ ፍቕሪ ዝመልኦ ተግባር እዩ። ሓቂ እዩ፡ ኵነታት ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኪፈላለ ይኽእል እዩ። እወ፡ ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ተሳትፎ ሓደ ዓይነት ከይከውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ድማ ነዚ ይርድኦ እዩ። እቲ ቐንዲ ዜገድስ፡ ዚከኣለና ምግባርና እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ንኣምላኽን ንብጻይናን ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸም ዘላትና ኸነርኢ ኢና።

እሙን ምዃን ዘለዎ ኣገዳስነት

15-17. (ሀ) ሓደ መጋቢ፡ እሙን ኪኸውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ነቲ እሙን ዘይምዃን ዘለዎ ሳዕቤን ብምሳሌ ዝገለጾ ብኸመይ እዩ፧

15 ብመሰረት እታ ምስተን ቀዳሞት ክልተ እትመሳሰል ሳልሰይቲ ነጥቢ፡ እሙናትን ትውክልቲ ዚግበረልናን ክንከውን ኣሎና። ሓደ መጋቢ ብዙሕ ጽቡቕ ባህርያትን ክእለታትን እኳ እንተለዎ፡ ሓላፍነት ዘይስምዖ ወይ ዘይእሙን እንተ ዀይኑ ግና፡ ኵሉ ዋጋ የብሉን። ውጽኢታውን ዕዉትን መጋቢ ንምዃን፡ ተኣማንነት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ጳውሎስ፡ “ካብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ።—1 ቈረ. 4:2

16 እሙናት እንተ ዄንና፡ ከም እንባረኽ ኣየጠራጥርን እዩ። እሙናት እንተ ዘይኴንና ግና፡ ስምረት ኣምላኽ ክንስእን ንኽእል ኢና። እቲ የሱስ ብዛዕባ መክሊት ዝሃቦ ምሳሌ ነዚ የነጽረልና እዩ። እቶም ብገንዘብ ጐይታኦም ብተኣማንነት ‘ዝነገዱ’ ባሮት፡ ተናኢዶምን ተባሪኾምን እዮም። እቲ ብገንዘብ ጐይታኡ ዘይግደስ ዝነበረ ባርያ ግና፡ “ክፉእ ሃካይ” “ዘይጠቅም ባርያ” ተባሂሉ ተፈርዶ። መክሊቱ ተሓድገ፣ ናብ ወጻኢ ኸኣ ተደርበየ።—ማቴዎስ 25:14-18, 23, 26, 28-30 ኣንብብ።

17 የሱስ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ዘይተኣማንነት ብዛዕባ ዘለዎ ሳዕቤን ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ኣዛዝ ቤት ዝነበሮ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንእኡ፤ ገንዘብካ ይብትነልካ አሎ፡ ኢሎም ኣጣቘስዎ። ጸዊዑ ኸኣ፤ እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ፧ ደጊም ኣዛዝ ቤት ክትኰነኒ ኣይኰነልካን እዩ እሞ፡ ጸብጻብ ምምጋብካ ሀበኒ፡ በሎ።” (ሉቃ. 16:1, 2) እቲ ኣዛዝ ቤት ንንብረት ጐይታኡ ስለ ዝዘረዎ፡ ጐይታኡ ሰጐጎ። እዝስ ከመይ ዝኣመሰለ ሓያል ትምህርቲ ዀን እዩ ዚዀነና! ንሕና እውን ዘይእሙናት ክንከውን ኣይንደልን ኢና።

ንርእስና ምስ ካልኦት ምውድዳር ጥበባዊ ድዩ፧

18. ንርእስና ምስ ካልኦት ከነወዳድራ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

18 ነፍሲ ወከፍና፡ ‘ነቲ ምስ መጋቢነት ዚተሓሓዝ ዕዮይ ብኸመይ እየ ዝርእዮ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ንርእስና ምስ ካልኦት ከነወዳድራ ኸለና፡ ጸገም ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡ ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ [“ምስ ካልእ ከይተነጻጸረ፡” NW]፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ” ኢሉ ይመኽረና እዩ። (ገላ. 6:4) ንርእስና ምስ ካልኦት ኣብ ክንዲ እነወዳድራ፡ ኣብቲ ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት እንተ ኣተኰርና ይሓይሽ። እዚ ኸኣ፡ ንኸይንዕበ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተስፋ ንኸይንቘርጽ እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ርእስና ኽንምርምር ከለና፡ ኵነታት ኪቀያየር ከም ዚኽእል ክንግንዘብ ኣሎና። ብምኽንያት ጥዕና ምስኣን ወይ ካልእ እተፈላለየ ሓላፍነታት፡ ከምቲ ቕድሚ ሕጂ እንገብሮ ዝነበርና ኽንገብር ኣይንኽእልን ንኸውን። ብኣንጻሩ ኸኣ፡ ካብቲ ሕጂ እንገብሮ ዘለና ንላዕሊ ኽንገብር ንኽእል ንኸውን። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ንምንታይ ብዝያዳ ዘይነመሓይሽ፧

19. ገለ ፍሉይ መሰላት ብዘይምርካብና፡ ተስፋ ኽንቈርጽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

19 ብተወሳኺ፡ ንገዛእ ርእስና ምስቶም ንሕና ዘይብልና ሓላፍነት ዘለዎም ክርስትያናት ከነወዳድራ የብልናን። ንኣብነት፡ ሓደ ሓው፡ ናይ ጉባኤ ሽማግለ ኪኸውን ወይ ከኣ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ክፍሊ ኺውሃቦ ይደሊ ይኸውን። ከምዚ ዓይነት ፍሉይ መሰል ንምርካብ ምጽዓር ጽቡቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብቲ ዝደለናዮ ግዜ ኸምቲ ዝደለናዮ ብዘይምዃኑ ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። ንሕና ብዘይፈለጥናዮ ምኽንያት፡ ገሊኡ ፍሉይ መሰላት ንምርካብ ክንጽበ የድልየና ይኸውን። ሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ መሪሕዎም ኪወጽእ ከም ዚኽእል ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዖ፡ ን40 ዓመት ኪጽበ ኸም ዝነበሮ ትዝክር ኢኻ። እዚ ኸኣ፡ ተረርቲ ኽሳድን ዓለወኛታትን ዝዀኑ ህዝቢ ንምምራሕ ዜድልዮ ባህርያት ንኼማዕብል ዜኽእሎ እኹል ግዜ እዩ ነይሩ።—ግብ. 7:22-25, 30-34

20. ካብቲ ዮናታን ዘሕለፎ ተመክሮ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

20 ሓድሓደ ግዜ፡ ገሊኡ ፍሉይ መሰላት ፈጺሙ ኣይወሃበናን ይኸውን። ንዮናታን ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ወዲ ሳኦል ስለ ዝነበረ፡ ቀጺሉ ዚነግስ ንሱ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ነቲ ኻብ ዮናታን ብዕድመ ኣዝዩ ዚንእስ ዳዊት እዩ ንጉስ ኪኸውን መሪጽዎ። እሞኸ ዮናታን እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ንውሳነ ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ፣ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ እውን እንተ ዀነ፡ ንዳዊት ይድግፎ ነበረ። ንዳዊት ከኣ፡ “ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ካልኣይካ ክኸውን እየ” በሎ። (1 ሳሙ. 23:17) ካብዚ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ዮናታን ንዅነታቱ ተቐቢልዎ እዩ፣ ከም ኣቦኡ ስለ ዘይነበረ ኸኣ፡ ካብ ቅንኢ ረሓቐ። በቲ ንኻልኦት ሰባት እተዋህቦም መዝነት ኣብ ክንዲ እንቐንእ፡ ኵላትና ነቲ ዘሎና ሓላፍነት ብኸመይ ብውጽኢታዊ መገዲ ኽንፍጽሞ ኸም እንኽእል ክንሓስብ ኣሎና። የሆዋ ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ንግቡእ ባህጊ ዅሎም ኣገልገልቱ ኼማልኦ እዩ።

21. ነቲ ምስ መጋቢነት ዚተሓሓዝ ዕዮና ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዚግብኣና፧

21 እሙናት መገብቲ ስለ ዝዀንና፡ ከምቶም ተጨቊኖም ዜገልግሉ ባሮት ከም ዘይኰንና ኽንዝክር ኣሎና። ከመይሲ፡ ናትና ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። የሆዋ ስለ ዚኣምነና፡ ዳግማይ ዘይምለስ ኣገዳሲ ዕዮ ሂቡና ኣሎ፣ ንሱ ኸኣ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት እዚ ዚዕየ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሓላፍነታትና እንፍጽመሉ ናጽነት ሂቡና ኣሎ። ስለዚ፡ እሙናት መገብቲ ንኹን። ነቲ ኣብ መላእ ፍጥረት ልዑል ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንምግልጋል እተዋህበና ፍሉይ መሰል ከኣ ኣኽቢርና ንርኣዮ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]