ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሚያዝያ 2013

ፈትዮም ይመጹ—መክሲኮ

ክርስትያናዊ ኣገልግሎቶም ምእንቲ ኼስፍሑ፡ ጸገማት ዝሰገሩ ኽንደይ መንእሰያት ከም ዘለዉ ኣንብብ።

ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም

መጽሓፍ ቅዱስ ኪጠቕመና ዚኽእል፡ እንተ ኣንቢብናዮን ንትምህርትታቱ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮን ጥራይ እዩ። ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ብኸመይ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኽትገብሮ ኸም እትኽእል ተምሃር።

ንቓል ኣምላኽ ተጠቒምካ ንርእስኻን ንኻልኦትን ሓግዝ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢርካ ዲኻ እትርእዮ፧ ን2 ጢሞቴዎስ 3:16 ምስ እተጽንዓ፡ ነታ ኣብዚ ውህበት የሆዋ ዝዀነ መጽሓፍ ዘላትካ እምነት ኬደልድለልካ እዩ።

ታሪኽ ህይወት

ኣብ ጥቓ ኣርክቲካዊ ዓንኬል ንሓምሳ ዓመት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣገልገልና

ታሪኽ ህይወት እተን ኣይሊን ኣኒኪን ዝስመን፡ ኣብ ሰሜናዊ ፊንላንድ ፍሉያት ፈለምቲ ዀይነን ኬገልግላ ኸለዋ ኣብ የሆዋ ምውካል እተማህራ ኣሓት ኣንብብ።

‘እቲ ዚሓይሽ መርምር’

ክፍሊ ውድብ የሆዋ ንኽንከውን ፍሉይ መሰል ረኺብና ኢና። ነቲ እቲ ውድብ ሎሚ ዚዓይዮ ዘሎ ዕዮ ኸም እንድግፎ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

‘ኣይትተሓለል’

ምስ ውድብ የሆዋ ብማዕረ ንኽንስጕምን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዘሎና ቕንኣት ንኽንዕቅብን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

ትፈልጥዶ፧

የሱስ፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከም እትዓኑ ተነብዩ ነበረ። ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ድሕሪ 70 ድ. ክ. እንደገና ተሃኒጻ ድያ፧