ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ድሕሪ 70 ድ.ክ. እንደገና ተሃኒጻ ድያ፧

የሱስ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተነቢሩ ኸይፈረሰ ኸቶ ኸም ዘይተርፍ ገለጸ። እዚ ትንቢት እዚ ኸኣ፡ ብ70 ድ.ክ. እቶም ብቲቶስ እተመርሑ ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ምስ ኣዕነውዋ እዩ ተፈጺሙ። (ማቴ. 24:2) ድሕሪኡ፡ ሃጸይ ጁልያን ነታ ቤተ መቕደስ እንደገና ኺሃንጻ መደብ ኣውጽአ።

ጁልያን ናይ መወዳእታ ኣረማዊ ሃጸይ ሮሜ ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። እዚ ወዲ ሓዉ ንቆስጣንጢኖስ ዓብዪ፡ “ትምህርቲ ክርስትና” ዚብልዎ ተማሂሩ እዩ። ብ361 ድ.ክ. ሃጸይ ምስ ተባህለ ግና፡ ንኣረማውነት ተቐቢሉ ነቲ እተማህሮ ትምህርቲ ዀነ ነቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ብልሹው ዓይነት ክርስትና ብጋህዲ ነጸጎ። መጻሕፍቲ ታሪኽ ከም “ከሓዲ” እዮም ዚጠቕስዎ።

ጁልያን ንክርስትና ጸልኦ። ሓደ ኻብቲ ምኽንያት ከኣ፡ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ከሎ፡ ተወከልቲ ክርስትና ንኣቦኡን ንኣዝማዱን ኪቐትልዎም ከለዉ ስለ ዝረኣየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብመሰረት ጸሓፍቲ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን፡ ጁልያን የሱስ ናይ ሓሶት ነብዪ ኸም ዝነበረ መርትዖ ኪኸውን ኢሉ፡ ነቶም ኣይሁድ ነታ ቤተ መቕደስ ኪሃንጽዋ ኣተባቢዕዎም እዩ። *

ጁልያን ነታ ቤተ መቕደስ እንደ ገና ኺሃንጻ ኸም ዝመደበ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ነቲ ዕዮ ህንጸት ብሓቂ ጀሚርዎ እንተ ዀይኑ፡ እንተ ጀሚርዎ ኸኣ ከም ዚቋረጽ ዝገበሮ እንታይ ምዃኑ ይካትዕሉ እዮም። ሓደ ርግጽ ዝዀነ ነገር ግና ኣሎ። ጁልያን ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ፡ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ተቐቲሉ እዩ። እቲ ዕዮኡ ኸኣ ምስኡ ተቐብረ።

እቲ ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረ ቤተ መቕደስ ነዚ ይመስል ነበረ

^ ሕ.ጽ. 5 የሱስ እታ ቤተ መቕደስ ከም እትዓኑ ደኣ እምበር፡ ፈጺማ ኸም ዘይትህነጽ ኣይተዛረበን። ከምቲ ዝበሎ ድማ ብ70 ድ.ክ. ዓንያ እያ።