ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘እቲ ዚሓይሽ መርምር’

‘እቲ ዚሓይሽ መርምር’

“እቲ ዚሓይሽ ክትምርምሩ።”​—ፊል. 1:10

1, 2. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ካብቲ ጐይታኦም ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት እተዛረቦ ትንቢት፡ ኣየናይ እዩ ኣቓልቦኦም ስሒብዎ ኪኸውን ዚኽእል፧ ስለምንታይከ፧

ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን በይኖም ምስ ጐይታኦም ተሪፎም ነበሩ። እቲ የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ብዛዕባ ጥፍኣት እታ ቤተ መቕደስ ዝሃቦም ሓሳባት፡ ኣሻቒልዎም ነበረ። (ማር. 13:1-4) ስለዚ ድማ፡ “እስከ ንገረና፡ እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧ ምልክት ኣብዚ እትህልወሉ እዋንን መደምደምታ ስርዓት ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴ. 24:1-3) የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወት ሰባት ዓብዪ ለውጢ ዜምጽእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ከም ዝጀመረ ዚሕብር ፍጻመታት ወይ ኵነታት እውን ኪነግሮም ጀመረ። ብፍላይ ሓደ ኻብቲ ዝነገሮም ፍጻመታት ከኣ ንኣቓልቦኦም ስሒብዎ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ከም ውግእን ጥሜትን ብዝሒ ዓመጻን ዝኣመሰለ ዜጕሂ ነገራት ከም ዚፍጸም ድሕሪ ምዝራቡ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” ብምባል ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት ዝዀነ ኣወንታዊ ፍጻመ ኸም ዚህሉ እውን ሓቢሩ እዩ።—ማቴ. 24:7-14

2 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ይሰብኩ ነበሩ። (ሉቃ. 8:1፣ 9:1, 2) ነቲ የሱስ፡ “እቲ እኽልስ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ጐይታ እኽሊ፡ ናብ እኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ ለምንዎ” ዝበሎም ቃላት ዘኪሮምዎ ኪዀኑ ኣለዎም። (ሉቃ. 10:2) ግናኸ፡ ‘ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ዚሰብኩ’ ብኸመይ እዮም፧ እቶም ዓየይቲ ኻበይ እዮም ዚመጹ፧ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ማቴዎስ 24:14 ብኸመይ ዝበለ ዜደንቕ መገዲ ኸም እትፍጸም፡ ንኺግምትዎ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ።

3. ሉቃስ 21:34 ሎሚ ብኸመይ እያ እትፍጸም ዘላ፧ ንርእስናኸ እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትታ ዘሎና፧

3 ኣብቲ ትንቢት የሱስ ዚፍጸመሉ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ሓቢሮም ኣብ ምልእቲ ምድሪ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ። (ኢሳ. 60:22) ይኹን እምበር፡ የሱስ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት ዚነብሩ ገሊኦም ሰባት ንዕዮ ስብከት ኣብ ናብራኦም ቀዳምነት ንኺህብዎ ኸም ዜጸግሞም ሓቢሩ እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ብኻልእ ነገራት ይተሓዙ፡ ‘ይኸብዶም’ ከኣ እዩ። (ሉቃስ 21:34 ኣንብብ።) እቲ የሱስ ብዛዕባ እዚ እተዛረቦ ሓሳባት እውን ኪፍጸም ንርእዮ ኣሎና። ገሊኦም ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ኣቓልቦኦም ዚሰርቕ ነገራት የጋጥሞም ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ንዓለማዊ ስራሕ፡ ዝለዓለ ትምህርቲ፡ ስጋዊ ጥሪት፡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ስፖርትን መዘናግዕን ንዜሕልፍዎ ግዜ ብዚምልከት ዚገብርዎ ውሳነታት ኪርአ ይኽእል እዩ። ገሊኣቶም ከኣ እቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራኦም ዜጋጥሞም ጸቕጥን ጭንቀትን የድክሞም እዩ። ንርእስኻ፡ ‘ኣነኸ ኸመይ እየ፧ ውሳነታተይ ንኣየናይ ቀዳምነት ከም ዚህብ እዩ ዚሕብር፧’ ኢልካ ሕተት።

4. (ሀ) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊሊጲ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ኢሉ እዩ ጸልዩሎም፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧

4 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ወትሩ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ንኺህቡ ይጽዕሩ ነይሮም እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ዚሓይሽ ኪምርምሩ’ ጸልዩሎም እዩ። (ፊልጲ 1:9-11 ኣንብብ።) መብዛሕትኦም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከይፈርሁ ቓል ኣምላኽ ንምዝራብ ብዝያዳ ተቢዖም” ነበሩ። (ፊል. 1:12-14) ኣብዚ ግዜና እውን መብዛሕትና ብትብዓት ቃል ኣምላኽ ንሰብኽ እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ ሎሚ ኣብ ውድብ የሆዋ ዚፍጸም ዘሎ ነገራት ምምይያጥና፡ ብዝያዳ ኣብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ስብከት ንኸነቕልብ ኣይድርኸናንዶ፧ ብርግጽ ይድርኸና እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ንፍጻመ ማቴዎስ 24:14 እንታይ መሰናድዎ ኸም ዝገበረ ንመርምር። ውድብ የሆዋ እንታይ እዩ ዚገብር ዘሎ፧ ብዛዕባ እዚ ምፍላጥናኸ ንዓናን ንስድራ ቤትናን እንታይ ንኽንገብር እዩ ኺድርኸና ዚኽእል፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ከኣ፡ ንኽንጸንዕን ምስ ውድብ የሆዋ ብማዕረ ንኽንስጕምን እንታይ ከም ዚሕግዘና ኽንርኢ ኢና።

ሰማያዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ

5, 6. (ሀ) የሆዋ ንኣገልገልቱ ብዛዕባ ሰማያዊ ኽፋል ውድቡ ዚገልጽ ራእይ ዘርኣዮም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ህዝቅኤል እንታይ እዩ ርእዩ፧

5 የሆዋ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየስፈሮ ሓያሎ ነገራት ኣሎ። ንኣብነት፡ ሓንጐል ብኸመይ ከም ዚዓዪ፡ ወይ ዩኒቨርስ ብኸመይ ከም ዚንቀሳቐስ ዚገልጽ ዝርዝር ሓሳባት ኣይሃበን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዕላማኡ ንኽንርዳእን ምስ ዕላማኡ ተሰማሚዕና ንኽንነብርን ዚሕግዘና ሓሳባት እዩ ሂቡና። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ዘይርአ ኽፋል ውድብ የሆዋ ዚገልጽ ሓሳባት ተመዝጊቡ ምህላዉስ፡ ኣየ ኽንደይ ዜሐጉስ ኰን እዩ! ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ሓሳባት ኣብ ትንቢት ኢሳይያስን ህዝቅኤልን ዳንኤልን ኣብ ራእይ ዮሃንስን ከነንብብ ከሎና ንሕጐስ ኢና። (ኢሳ. 6:1-4፣ ህዝ. 1:4-14, 22-24፣ ዳን. 7:9-14፣ ራእ. 4:1-11) ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ የሆዋ ኣብ ሰማይ ንዘሎ ነገራት ምእንቲ ኽንርኢ ኢሉ መጋረጃ ቐሊዑልና እዩ። ነዚ ሓበሬታት እዚ ዝሃበና ስለምንታይ እዩ፧

6 የሆዋ፡ ክፍሊ እቲ ውድብ ምዃንና ኽንርስዕ ኣይደልየናን እዩ። ንዕላማታት የሆዋ ዚድግፍ ክንርእዮ ዘይንኽእል ሓያሎ ነገራት ይፍጸም እዩ። ንኣብነት፡ ህዝቅኤል ነቲ ዘይርአ ኽፋል ውድብ የሆዋ ዜመልክት ኣዝዩ ገዚፍ ሰረገላ ርእዩ እዩ። እቲ ሰረገላ፡ ብቕልጡፍ እዩ ዚጐዓዝ፡ ብቕጽበት ከኣ ኣንፈቱ ይቕይር። (ህዝ. 1:15-21) እቲ መንኰራዅር ኪዘውር ከሎ፡ እቲ ሰረገላ ነዊሕ ርሕቐት እዩ ዚጐዓዝ። ብዘይካዚ፡ ህዝቅኤል ኣብቲ ሰረገላ እተወጥሐ መን ምዃኑ እውን ርእዩ እዩ። እቲ ነብዪ፡ “ርሱን ኣስራዚ ዝሕብሩ፡ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ውሽጥን ዙርያኡን ርኤኹ። . . . ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ” በለ። (ህዝ. 1:25-28) ህዝቅኤል፡ የሆዋ ንውድቡ ምሉእ ብምሉእ ኪቈጻጸሮ ኸሎ፡ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ድማ ኪመርሖ ኸሎ ምስ ረኣየ፡ ኣዝዩ ተገሪሙ ኪኸውን ኣለዎ። እዝስ እቲ ሰማያዊ ውድብ የሆዋ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ዜርኢ ዜደንቕ መርኣያዶ ኸይኰነ!

7. እቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ራእይ እምንቶ ዜሕድረልና ብኸመይ እዩ፧

7 ዳንኤል እውን እምንቶ ዜሕድረልና ራእይ ርእዩ እዩ። ሓደ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ፡” ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ዘለዎ ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ ረኣዮ። ንሱ ኸኣ ንየሆዋ የመልክት። እቲ ዝፋን ኣብ ልዕሊ መንኰራዅር ነበረ። (ዳን. 7:9) የሆዋ ንዳንኤል፡ ውድቡ ዕላማኡ ንምፍጻም ይዓዪ ኸም ዘሎ ኼርእዮ እዩ ደልዩ ነይሩ። ዳንኤል፡ “ወዲ ሰብ ዚመስል” ንምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ኺቈጻጸር ሓላፍነት ከም እተዋህቦ እውን ረኣየ። እቲ “ወዲ ሰብ ዚመስል” የሱስ እዩ። እቲ ፍጹም ግዝኣት ክርስቶስ ንሒደት ዓመታት ጥራይ ኣይኰነን ዚጸንሕ። ከመይሲ፡ “ግዝአቱ ዘይሐልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፡ መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።” (ዳን. 7:13, 14) እዚ ራእይ እዚ፡ ኣብ የሆዋ ንኽንውከልን ነቲ ዚፍጽሞ ነገራት ንኸነለልዮን ይድርኸና። የሆዋ ነቲ ብፈተና ዝሓለፈ እሙን ወዱ የሱስ፡ “ግዝኣትን ክብርን መንግስትን” ሃቦ። ንሱ ንወዱ ስለ ዝተኣማመነሉ፡ ንሕና እውን ነቲ መራሒና ዝዀነ የሱስ ክንተኣማመነሉ ንኽእል ኢና።

8. እቲ ህዝቅኤልን ኢሳይያስን ብዛዕባ የሆዋ ዝረኣይዎ ራእይ፡ ንዓታቶም እንታይ ጽልዋ ኣሕደረሎም፧ ንዓናኸ ብኸመይ ኪጸልወና ይግባእ፧

8 እዚ ብዛዕባ እቲ ዘይርአ ኽፋል ውድብ የሆዋ ዚገልጽ ራእያት ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧ ንሕና እውን ከም ህዝቅኤል በቲ የሆዋ ዚዓምሞ ዘሎ ነገራት ኣዚና ኸም እተመሰጥና ፍሉጥ እዩ። (ህዝ. 1:28) ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ምስትንታንና፡ ከምቲ ንኢሳይያስ ዝደረኾ ንዓናውን ስጕምቲ ንኽንወስድ ኪድርኸና ይኽእል እዩ። ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚዓይዮ ነገራት ንኻልኦት ንኺነግር ኣጋጣሚ ምስ ተኸፍተሉ፡ ከይተወላወለ ተቐበሎ። (ኢሳይያስ 6:5, 8 ኣንብብ።) ብሓገዝ የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ጸገማት ኪሰግሮ ኸም ዚኽእል እምንቶ ነበሮ። እዚ ብዛዕባ እቲ ዘይርአ ኽፋል ውድብ የሆዋ ዚገልጽ ራእይ ንዓና እውን ከም ኢሳይያስ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝያዳ ንኽንዓዪ ኺድርኸና ይግባእ። ክፍሊ እቲ ዕላማ ኣምላኽ ንኺፍጽም ወትሩ ዚዓዪ ውድብ ከም ዝዀንና ምፍላጥሲ፡ ኣየ ኽንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ!

ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ

9, 10. ዚርአ ኽፋል ውድብ የሆዋ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧

9 የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ምስቲ ዘይርአ ኽፋል እቲ ውድብ ዚዓዪ መሰናድዎ ገይሩ ኣሎ። ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14 ተገሊጹ ዘሎ ዕዮ ንምፍጻም፡ ዚርአ ኽፋል እቲ ውድብ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ ሰለስተ ረቛሒታት እስከ ንርአ።

10 ቀዳማይ፡ የሱስ፡ እዚ ዕዮ ስብከት እዚ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ደቀ መዛሙርቱ “ኽሳዕ ወሰን ምድሪ” ኺዓይዩ ኸም ዜድልዮም ገሊጹ ኣሎ። (ግብ. 1:8) ካልኣይ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ንምድላውን ነቶም ኣብዚ ዕዮ እዚ እተጸምዱ ሰባት ንምሕጋዝን መሰናድዎ ኺህሉ ኣለዎ። (ዮሃ. 21:15-17) ሳልሳይ፡ እቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኩ ሰባት ሓቢሮም ንየሆዋ ምእንቲ ኼምልኽዎን ነቲ ዕዮ ብኸመይ ከም ዚፍጽምዎ ምእንቲ ኺምሃሩን ኣኼባታት ኪግበር ኣለዎ። (እብ. 10:24, 25) እዚ ነገራት እዚ ብወዝቢ ዚፍጸም ኣይኰነን። ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዕዮ እዚ ንኺዕወቱ፡ ብግቡእ ኪውደቡ ኣለዎም።

11. ነቲ ብውድብ የሆዋ ዚግበር መሰናድዎ ኸም እንድግፎ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

11 ነቲ ብውድብ የሆዋ እተገብረ መሰናድዎ ኸም እንድግፎ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ሓደ ኻብቲ ነዚ ኽንገብረሉ እንኽእል መገዲ፡ ኣብቶም ኣብ ዕዮ ስብከትና ምእንቲ ኺመርሑና፡ ብየሆዋን ብየሱስን ሕድሪ እተዋህቦም ሰባት ወትሩ እምንቶ ምሕዳር እዩ። ሎሚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ንኣቓልቦ እቶም ዚመርሑና ሰባት ኪወስድ ዚኽእል ሓያሎ ንጥፈታት ወይ ጠንቅታት ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ዚርአ ኽፋል ውድብ የሆዋ ወትሩ ኣብ ምንታይ ከም ዜተኵር ንርአ።

ኣብቲ “ዚሓይሽ” ኣተኵር

12, 13. ክርስትያን ሽማግለታት ነቲ እተዋህቦም ሓላፍነት ብኸመይ እዮም ዚዋጽኡሉ፧ እዚ ንዓኻ ዜተባብዕ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

12 ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ምኩራት ክርስትያን ሽማግለታት፡ ነቲ ኣብ ዜገልግልሉ ሃገራት ዚዕየ ዕዮ ስብከት ንኺውድብዎን ንኺመርሕዎን ተሸይሞም እዮም። ውሳነታት ኪገብሩ ኸለዉ፡ ቃል ኣምላኽ ‘ንእግሮም መብራህቲ፡ ንመገዶም ብርሃን’ ምእንቲ ኪዀኖም፡ ካብኡ መምርሒ ኺረኽቡ ይደልዩ፡ የሆዋ ንኺመርሖም ከኣ ልባዊ ጸሎት የቕርቡ እዮም።—መዝ. 119:105፣ ማቴ. 7:7, 8

13 ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሽማግለታት፡ እዞም ሎሚ ነቲ ዕዮ ስብከት ዚውድብዎ ክርስትያን ሽማግለታት እውን ኣብ “ኣገልግሎት እቲ ቓል” ውፉያት እዮም። (ግብ. 6:4) ብዕቤት እቲ ኣብ ሃገሮም ኰነ ኣብ መላእ ዓለም ዚካየድ ዘሎ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣዝዮም ሕጉሳት እዮም። (ግብ. 21:19, 20) መወዳእታ ዘይብሉ ዝርዝር ስርዓታትን መምርሒታትን ኣየውጽኡን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ዕዮ ስብከት ንቕድሚት ንኺግስግስ ዚሕግዝ መሰናድዎታት ኪገብሩ ኸለዉ፡ መምርሒ ምእንቲ ኺረኽቡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣብ መንፈስ ቅዱስን እዮም ዚምርኰሱ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ ድማ ንዅለን እተን ኣብ ሃገሮም ዘለዋ ጉባኤታት ጽቡቕ ኣብነት ይዀንወን።—ኤፌ. 4:11, 12

14, 15. (ሀ) ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚካየድ ዕዮ ስብከት ዚድግፍ እንታይ መሰናድዎታት ኣሎ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ ዘሎካ ግደ እንታይ ይስምዓካ፧

14 ሓያሎ ሰባት ነቲ ብጽሑፋትናን ብሰሙናውን ዓመታውን ኣኼባታትን ኣቢሉ ዚቐርብ መንፈሳዊ ምግቢ ንምድላው ዚግበር ዕቱብ ጻዕሪ ኣየስተብህልሉን እዮም። ብእተኻእለ መጠን ሓያሎ ሰባት፡ “ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ብቛንቋኦም ምእንቲ ኺመሃሩ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ወለንተኛታት ተጊሆም ብምዕያይ ንመንፈሳዊ ምግቢ ናብ 600 ዚኸውን ቋንቋታት ይትርጕምዎ ኣለዉ። (ግብ. 2:7-11) መንእሰያት ኣሕዋትን ኣሓትን በቲ ብልዑል ፍጥነት ዚሓትም ኣብያተ ማሕተምን ዚጥርዝ መሳርሕን ገይሮም ጽሑፋት የዳልዉልና። ድሕሪኡ፡ እቲ ጽሑፋት ናብተን ኣብ ርሑቕ ክፋላት ምድሪ ዚርከባ ጉባኤታት እውን ከይተረፈ ይዝርጋሕ።

15 ምስ ኣባላት ጉባኤና ዄንና ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነተኵር ዚሕግዘና ሓያሎ መሰናድዎታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣሕዋት፡ ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባን ንምሕጋዝ፡ ብባህርያዊ ሓደጋታት ንእተጐድኡ ወይ ንሕክምና ዚምልከት ሃንደበታዊ ጕዳይ ንዜጋጥሞም ኣስፋሕቲ ንምድጋፍ፡ ዓበይቲ ኣኼባታትና ንምውዳብ፡ ኣብ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣስተምህሮ ንምሃብ ብወለንታ ይዓይዩ እዮም። ዕላማ እዚ ዕዮታት እዚ እንታይ እዩ፧ ንዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ፡ ንመንፈሳውነት እቶም ኣብዚ ዕዮ እዚ እተጸምዱ ሰባት ንምድልዳል፡ ከምኡውን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድንፋዕ እዩ። እሞኸ እቲ ምድራዊ ኽፋል የሆዋ ኣብቲ ዚሓይሽ የተኵር ኣሎዶ፧ እሂናይ ደኣ!

ኣብነት ውድብ የሆዋ ስዓብ

16. ንርእስኻ ወይ ንስድራ ቤትካ እንታይ ጽቡቕ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧

16 ነቲ ውድብ የሆዋ ዚዓይዮ ነገራት ግዜ መዲብና ነስተንትነሉ ዲና፧ ገሊኣቶም ኣብቲ ኣምልኾ ስድራ ቤት ወይ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ዚገብሩሉ እዋናት ብዛዕባ እዚ ይምርምሩን የስተንትኑን እዮም። ብዛዕባ እቲ ንኢሳይያስን ንህዝቅኤልን ንዳንኤልን ንዮሃንስን እተዋህቦም ራእይ ባህ ዜብል መጽናዕቲ ኺግበር ይከኣል እዩ። ካብታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም (ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ) ዘርእስታ መጽሓፍን ካብ ካልእ ጽሑፋትን ወይ ካብ ዲቪዲታት ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ኣገዳሲ ነገራት ንመሃር ኢና።

17, 18. (ሀ) እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብኸመይ ጠቒማትካ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

17 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ብውድቡ ኣቢሉ ዚገብሮ መሰናድዎታት ምስትንታንና ይጠቕመና እዩ። ንሕና እውን ምስዚ ዜደንቕ ውድብ የሆዋ ሓቢርና፡ ወትሩ ኣብቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ነተኵር። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንሕና እውን ከም ጳውሎስ፡ “በቲ እተገብረልና ምሕረት ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኻብ ረኸብና፡ ኣይንሕለልን ኢና” ኽንብል ኢና። (2 ቈረ. 4:1) ጳውሎስ ንመዓይይቱ፡ “እንተ ዘይተሓሊልና፡ ብግዜኡ ኽንዓጽድ ኢና እሞ፡ ሰናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ” ብምባል ኣተባቢዕዎም እዩ።—ገላ. 6:9

18 ኣብ መዓልታዊ ናብራና እቲ ዚሓይሽ ምእንቲ ኽንምርምር፡ ብውልቂ ወይ ብስድራ ቤት ከነመሓይሾ ዘሎና ነገራት ኣሎዶ፧ ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ስብከት ዝያዳ ምእንቲ ኸነተኵር፡ ናብራና ኸነቕልል ወይ ዚዓናቕፈና ነገራት ክንንኪ ምኸኣልናዶ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ምስ ውድብ የሆዋ ብማዕረ ንኽንጐዓዝ ኪሕግዘና ዚኽእል ሓሙሽተ ነገራት ክንምርምር ኢና።