ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ግንቦት 2013

“ግብሪ ወንጌላዊ ግበር”

ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ግብሪ ወንጌላዊ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

‘ንሰናይ ግብሪ ትቐንእ’ ዲኻ፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቲ ብቕንኣት እንፍጽሞ ዕዮ ስብከትናን ጽቡቕ ጠባይናን ንሰባት ብኸመይ ናብ ኣምላኽ ኪስሕቦም ከም ዚኽእል ትገልጽ።

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ጥንቲ ዝነበሩ ሓያሎ ኣህዛብ፡ ንገሊኦም ገበነኛታት ኣብ ጕንዲ ወይ ኣብ ዓንዲ ሰቒሎም ይቐትልዎም ነበሩ። ጥንታውያን እስራኤላውያንከ፧

ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብ ንሓሳብ ብምልውዋጥ፡ ንሓዳርካ ኣደልድሎ

ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ፡ ኣገዳሲ መዳይ ሕጉስ ሓዳር እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብ ንሓሳብ ንኽትለዋወጥ ኪሕግዘካ ብዛዕባ ዚኽእል ባህርያት ትገልጽ።

ኣቱም ወለድን ውሉዳትን፡ ብፍቕሪ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጡ

ሓሳብ ንሓሳብ ንኸይትለዋወጥ ዚዓግት ገለ ዕንቅፋታት እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኽትሰግሮ ትኽእል፧

ታሪኽ ህይወት

ህይወትና ናይ ሓቂ ትርጕም ኪህልዎ ዝኸኣለሉ ምኽንያት

ፓትሪሻ ብውርሻ ዚመሓላለፍ ፍልይ ዝበለ ሕማም ዘለዎም ክልተ ደቂ ኣለውዋ። ብዙሕ ጸገማት እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ህይወቶም ናይ ሓቂ ትርጕም ኪህልዎ ዝኸኣለ ብኸመይ ምዃኑ ኣንብብ።

ጥበባዊ ምርጫታት ብምግባር ንርስትኻ ሓልዎ

ንክርስትያናት እንታይ መንፈሳዊ ርስቲ እዩ ተዳልዩሎም ዘሎ፧ ካብ ኤሳውከ እንታይ መለበሚ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

ካብ መዛግብትና

ኣብ “ሰዓት ፈተና” ጸንዑ

ብ1914 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስ ተላዕለ፡ ገለልትነት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዓለም ብኸመይ ከም እተጋህደ ርአ።