ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥበባዊ ምርጫታት ብምግባር ንርስትኻ ሓልዎ

ጥበባዊ ምርጫታት ብምግባር ንርስትኻ ሓልዎ

“ንእከይ ፈንፍንዎ፡ ናብ ሰናይ ልገቡ።”—ሮሜ 12:9

1, 2. (ሀ) ንኣምላኽ ከተገልግሎ ዝወሰንካ ብኸመይ ኢኻ፧ (ለ) ብዛዕባ መንፈሳዊ ርስትና እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት እንኽእል፧

ሎሚ ዘለና ብሚልዮናት እንቝጸር ሰባት፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ናይ ምግልጋልን ኣስኣሰር የሱስ ክርስቶስ ናይ ምስዓብን ጥበባዊ ምርጫ ጌርና ኢና። (ማቴ. 16:24፣ 1 ጴጥ. 2:21) ነቲ ንኣምላኽ ዝገበርናዮ ወፈያ ኣቕሊልና ኣይንርእዮን ኢና። እቲ ዝገበርናዮ ምርጫ፡ ኣብ ሒደት ጥቕስታት ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣብ ዕምቈት ዘይብሉ ፍልጠትን ዘይኰነስ፡ ኣብ ዓሚቝ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘዳለዎ ርስቲ ዚገልጽ እምነት ዜደልድል ዝርዝር ነገራት ክንፈልጥ ክኢልና ኢና፣ እዚ ርስቲ እዚ ኸኣ ነቶም ‘ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ዝለኣኾ የሱስ ክርስቶስን ዚፈልጡ’ ሰባት እተዳለወ እዩ።—ዮሃ. 17:3፣ ሮሜ 12:2

2 ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ጽቡቕ ርክብ ሓሊና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ንሰማያዊ ኣቦና ዜሐጕሶ ምርጫታት ክንገብር ኣሎና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶታት ክትምርምሮ እያ፦ ርስትና እንታይ እዩ፧ ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧ ንርስትና ኸም እንቕበሎ ኸነረጋግጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ጥበባዊ ምርጫታት ንኽንገብርከ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ርስትና እንታይ እዩ፧

3. (ሀ) ንቕቡኣት፡ (ለ) ን“ኻልኦት ኣባጊዕ” እንታይ ርስቲ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧

3 ሒደት ቍጽሪ ዘለዎም ክርስትያናት፡ “ዘይሓልፍን ዘይረኸሰን ዘይጽምሉን ርስቲ” ኺረኽቡ ይጽበዩ እዮም፣ እዚ ርስቲ እዚ ኸኣ፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ናይ ምግዛእ ፍሉይ መሰል እዩ። (1 ጴጥ. 1:3, 4) ነዚ ርስቲ እዚ ንምርካብ፡ እቶም ውልቀ ሰባት፡ ‘ዳግም ኪውለዱ’ ኣለዎም። (ዮሃ. 3:1-3) እቶም ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ምስ ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስ ዚተሓባበሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ “ኻልኦት ኣባጊዕ”ከ እንታይ ርስቲ እዩ ዘለዎም፧ (ዮሃ. 10:16) እዞም ካልኦት ኣባጊዕ እዚኦም፡ ነቲ እቶም ዝሓጥኡ ኣዳምን ሄዋንን ዘይረኸብዎ ርስቲ ኺርስተዩ እዮም፣ እዚ ኸኣ ኣብታ መከራ፡ ሞት፡ ወይ ሓዘን ዘይህልወላ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር እዩ። (ራእ. 21:1-4) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ የሱስ ነቲ ምስኡ ዝሞተ ገባር እከይ፡ “ሎሚ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፦ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” ኢሉ እተመባጽዓሉ።—ሉቃ. 23:43

4. እንታይ በረኸት ኢና ረኺብና ዘለና፧

4 ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ንርስትና ብእተወሰነ መዳይ ከነስተማቕሮ ንኽእል ኢና። “በቲ ብክርስቶስ የሱስ እተኸፍለ በጃ” ስለ እንኣምን፡ ውሽጣዊ ሰላም ክንረክብን ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ክንምስርትን ክኢልና ኢና። (ሮሜ 3:23-25) ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ክቡር መብጽዓታት ንጹር ምርዳእ ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ኣባላት እቲ ፈቃር ዓለምለኻዊ ሕውነት ብምዃንና፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓጐስ ረኺብና ኢና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ንባዕሉ ፍሉይ መሰል እዩ። ንርስትና ኣኽቢርና እንተ ረኣናዮ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

5. ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ንኺገብሩ እዩ ኺጸልዎም ዚጽዕር፧ ንፍሕሶኡ ንኽንቃወሞኸ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

5 ይኹን እምበር፡ ነቲ ዜደንቕ ርስትና ኣጥቢቕና ምእንቲ ኽንሕዞ፡ ንውዲት ሰይጣን ክንጥንቀቐሉ ኣሎና። ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ፡ ርስቶም ኬስእኖም ዚኽእል ምርጫታት ኪገብሩ ንኺጸልዎም፡ ኵሉ ሳዕ እዩ ዚጽዕር። (ዘሁ. 25:1-3, 9) ዚጠፍኣሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ ስለ ዚፈልጥ፡ ንኼስሕተና ሒዅ እዩ ዚብል። (ራእይ 12:12, 17 ኣንብብ።) ‘ንፍሕሶ ድያብሎስ ክንቃወሞ’ እንተ ደሊና፡ ወትሩ ንርስትና ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኣሎና። (ኤፌ. 6:11) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እቲ ኤሳው ዝስሙ ቦኽሪ ውሉድ እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ይስሃቅ ዝገበሮ ነገራት፡ መለበሚ ኪዀነና ስለ ዚኽእል፡ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ኣሎና።

ከም ኤሳው ኣይትኹን

6, 7. ኤሳው መን እዩ ነይሩ፧ እንታይ ርስቲኸ እዩ ዚጽበዮ ነይሩ፧

6 ኣስታት 4,000 ዓመት ይገብር፡ ይስሃቅን ርብቃን፡ ንኤሳውን ነቲ ፍላይ ማንታኡ ዝዀነ ያእቆብን ወለዱ። እዞም ማናቱ እዚኦም እናዓበዩ ምስ ከዱ፡ ባህሪኦምን እቲ ዚመርጽዎ ንጥፈታትን እተፈላለየ ዀነ። “ኤሳው ሃድን ዚፈልጥ ሰብኣይ መሮር ኰነ። ያእቆብ ከኣ ኣብ ድንኳን ዚነብር ህዱእ ሰብኣይ ኰነ።” (ዘፍ. 25:27) ከምቲ ሮበርት ኣልተር ዝስሙ ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገለጾ፡ እታ ኣብዚ “ህዱእ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ንጽህና ወይ እውን ቅንዕና እተመልክት እያ።”

7 ኤሳውን ያእቆብን ደቂ 15 ዓመት ከለዉ፡ ኣብርሃም ኣቦሓጎኦም ሞተ፣ እቲ የሆዋ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ መብጽዓ ግና ኣይሞተን። ጸኒሑ፡ የሆዋ ንይስሃቅ እውን ብዛዕባ እቲ መብጽዓ ነገሮ፣ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርኢ ኣብርሃም ከም ዚባረኹ ድማ ሓበሮ። (ዘፍጥረት 26:3-5 ኣንብብ።) እዚ መብጽዓ እዚ፡ መሲሕ፡ ማለት እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተጠቒሱ ዘሎ እሙን “ዘርኢ፡” ብዘርኢ ኣብርሃም ኣቢሉ ኸም ዚመጽእ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ኤሳው ድማ ንይስሃቅ በዅሪ ወዱ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ መብጽዓ ኪቕበል ሕጋዊ መሰል ነበሮ። ከመይ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ርስቲ ዀን እዩ ዚጽበዮ ነይሩ! እሞኸ ኣማስዩሉዶ፧

ንመንፈሳዊ ርስትኻ ኣብ ሓደጋ ኣይተእትዎ

8, 9. (ሀ) ኤሳው ንርስቱ ብዚምልከት እንታይ ምርጫ እዩ ገይሩ፧ (ለ) ዓመታት ጸኒሑ፡ ኤሳው ብዛዕባ ምርጫኡ እንታይ እዩ ተገንዚቡ፧ እንታይከ ገበረ፧

8 ሓደ መዓልቲ፡ ያእቆብ ‘ጸብሒ ኺሰርሕ’ ከሎ፡ ኤሳው ካብ መሮር መጸ። ንያእቆብ ድማ፡ “ደኺመ እየ እሞ፡ በጃኻ ካብዚ ቐይሕ ጸብሒ ኣብልዓኒ” በሎ። ያእቆብ ከኣ፡ “ሎሚ ብዅርናኻ ሽጠለይ” ኢሉ መለሰሉ። እሞኸ ኤሳው እንታይ ምርጫ ገበረ፧ እቲ ዜገርም፡ “እዛ ብዅርናኸ ንምንታየይ እያ፧” በለ። እወ፡ ኤሳው ንብዅርናኡ ኻብ ጸብሒ ብርስን ኣትሒቱ ረኣያ። ያእቆብ ነቲ ስምምዖም ሕጋዊ ንምግባር፡ ንኤሳው “ሎሚ ምሐለለይ” በሎ። ኤሳው ከኣ ዓይኑ ኸይሓሰየ ንብዅርናኡ ሸጠሉ። “ያእቆብ ድማ ንኤሳው እንጌራን ጸብሒ ብርስንን ገይሩ ሀቦ። ንሱ ድማ በሊዑን ሰትዩን ተንስኤ ከደውን። ኤሳው ንብዅርናኡ ኸምዚ ገይሩ ነዐቓ።”—ዘፍ. 25:29-34

9 ዓመታት ጸኒሑ፡ ይስሃቅ፡ ዝሞተሉ ግዜ ዝኣኸለ ዀይኑ ምስ ተሰምዖ፡ ርብቃ፡ ያእቆብ ነቲ ኤሳው ዝጠንጠኖ ብዅርና ኸም ዚረክብ ገበረት። ኤሳው ዕሽነት ዝመልኦ ምርጫ ኸም ዝገበረ ምስ ተገንዘበ፡ ንይስሃቅ፡ “ኣቦየ፡ ንኣይ ድማ መርቐኒ፡ . . . ንኣይከ ምርቓዶ ኣየትረፍካለይን ኢኻ፧” ኢሉ ለመኖ። ይስሃቅ ግና፡ ነቲ ንያእቆብ ዝመረቖ ምርቓ ኪቕይሮ ኸም ዘይክእል ነገሮ፣ ሽዑ ኤሳው “ዓው ኢሉ በኸየ።”—ዘፍ. 27:30-38

10. ኣምላኽ ንኤሳውን ንያእቆብን ብኸመይ እዩ ዚርእዮም ነይሩ፧ ስለምንታይከ፧

10 ኣብዚ ጸብጻብ እዚ፡ ኣየናይ ኣረኣእያ ኤሳው እዩ ጐሊሑ ዘሎ፧ ንስጋዊ ባህጊ ምርዋይ፡ ካብቲ ብርስቱ ኣቢሉ ዚመጽእ በረኸት ኣብሊጹ ይርእዮ ነበረ። ንብዅርናኡ ኣኽቢሩ ኣይረኣያን፣ ንኣምላኽ እውን ኣየፍቅሮን እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ተግባራቱ ኣብ ልዕሊ ዘርኡ ኼምጽኦ ብዛዕባ ዚኽእል ጽልዋ ኣይሓሰበን። ብኣንጻሩ ግና፡ ያእቆብ ንርስቱ ኣዝዩ የማስወሉ ነበረ። ንኣብነት፡ ሰበይቲ ኺመርጽ ከሎ፡ ነቲ ወለዱ ዝሃብዎ መምርሒ ሰዓበ። (ዘፍ. 27:46–28:3) ትዕግስትን መስዋእትን ዚሓትት ምርጫ ስለ ዝገበረ ድማ፡ ኣቦሓጎ እቲ መሲሕ ኪኸውን ክኢሉ እዩ። ኣምላኽ ንኤሳውን ንያእቆብን ብኸመይ እዩ ዚርእዮም ነይሩ፧ የሆዋ ብነብዪ ሚልክያስ ኣቢሉ፡ “ንያእቆብ ኣፍቀርክዎ፡ ንኤሳው ግና ጸላእክዎ” በለ።—ሚል. 1:2, 3

11. (ሀ) እቲ ኤሳው ዝገበሮ ነገራት ንዓና ንክርስትያናት ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ንምንዝርና ምስ ተግባር ኤሳው ኣተሓሒዙ ዝጠቐሶ ስለምንታይ እዩ፧

11 እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኤሳው ዚገልጾ ነገራት ነቶም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት የገድሶም ድዩ፧ እሂናይ ደኣ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ “ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ከምቲ ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው ንቕዱስ ነገራት ዚንዕቕ ኣይኹን” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (እብ. 12:16) እዚ መጠንቀቕታ እዚ፡ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት እውን ይምልከቶም እዩ። ብስጋዊ ባህግታት ምእንቲ ኸይንስዓርን መንፈሳዊ ርስትና ምእንቲ ኸይንስእንን፡ ነቲ ንቕዱስ ነገራት ዘሎና ሞሳ ኽንዕቅቦ ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ንምንዝርና ምስ ተግባር ኤሳው ኣተሓሒዙ ዝጠቐሶ ስለምንታይ እዩ፧ ከም ናይ ኤሳው ዓይነት ስጋዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ፡ ነቲ ንምንዝርና እውን ዜጠቓልል ርኹስ ባህጊ ንኼዕግብ ኢሉ፡ ቅዱስ ነገራት ዕሽሽ ኪብል ይኽእል እዩ።

ሕጂ ንልብኻ ኣዳልዎ

12. (ሀ) ሰይጣን ኪፍትነና ዚጽዕር ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣጸጋሚ ምርጫታት ክንገብር ከለና ኺሕግዘና ዚኽእል ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ሃብ።

12 ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ናብ ርኽሰት ኪመርሓና ዚኽእል ፈታኒ ዅነታት ኣይነናድን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንየሆዋ ንኸይንእዘዞ ኽንፍተን ከለና ምእንቲ ኸይንወድቕ፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ኢና እንጽሊ። (ማቴ. 6:13) ኣብዛ ነውራም ዓለም እናነበርና፡ ንጽህናና ኽንሕሉ ንጽዕር እኳ እንተ ዀንና፡ ሰይጣን ግና ወትሩ ንመንፈሳውነትና ኼዳኽሞ እዩ ዚፍትን። (ኤፌ. 6:12) ሰይጣን፡ ኣምላኽ እዚ እኩይ ስርዓት ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ቅድሜና ፈተናታት ብምንባር፡ ነቲ ዘይፍጹም ባህግታትና ብኸመይ ከም ዚምዝምዞ ይፈልጥ እዩ። (1 ቈረ. 10:8, 13) ንኣብነት፡ ንባህግታትካ ብርኹስ መገዲ ንኸተርውዮ ዚፍትነካ ዅነታት ኣጋጢሙካ ንበል። ሽዑ እንታይ ምርጫ ኢኻ እትገብር፧ ልክዕ ከም ኤሳው፡ ‘ቀልጥፍ! ሃበኒ’ ዲኻ እትብል፧ ወይስ ከምቲ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ካብ ሰበይቲ ጶጢፋር ፈተና ምስ ኣጋጠሞ ዝገበሮ፡ ካብቲ ፈተና ትሃድም ኢኻ፧ዘፍጥረት 39:10-12 ኣንብብ።

13. (ሀ) ሎሚ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ናይ ዮሴፍ ዓይነት ስጕምቲ ዝወሰዱ ብኸመይ እዮም፧ ገሊኣቶም ከም ናይ ኤሳው ዓይነት ስጕምቲ ዝወሰዱኸ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) እቶም ከም ናይ ኤሳው ዓይነት ስጕምቲ ዝወሰዱ ሰባት፡ ነየናይ ኣገዳሲ ነገር እዮም ዜዘኻኽሩና፧

13 ንሓያሎ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ከም ናይ ኤሳው ወይ ከኣ ከም ናይ ዮሴፍ ዓይነት ምርጫ ኺገብሩ ዚሓትት ኵነታት ኣጋጢምዎም እዩ። መብዛሕትኦም ግና ጥበባዊ ስጕምቲ ብምውሳድ ንልቢ የሆዋ ኣሐጒሶምዎ እዮም። (ምሳ. 27:11) ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና፡ ፈተና ምስ ኣጋጠሞም፡ ልክዕ ከም ኤሳው ንመንፈሳዊ ርስቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮምዎ እዮም። በብዓመቱ ዜጋጥም ፍርዳዊ ስጕምትታትን ውገዳን፡ መብዛሕትኡ ምስ ጾታዊ ርኽሰት ዚተሓሓዝ እዩ። ሕጂ፡ ማለት ንንጽህናና ዚፍትን ኵነታት ከየጋጠመና ኸሎ፡ ንልብና ኸነዳልዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ! (መዝ. 78:8) ንፈተና ንኽንዋጽኣሉን ጥበባዊ ምርጫታት ንኽንገብርን ኪሕግዘና ዚኽእል ክልተ ስጕምትታት እስከ ንርአ።

ኣስተንትንን ተዳሎን

ጥበብ የሆዋ ብምንዳይ፡ ገዛእ ርእስና ኸነደልድል ንኽእል ኢና

14. ብዛዕባ ኣየናይ ሕቶታት ምስትንታንና እዩ ‘ንእከይ ንኽንፍንፍኖ፡ ናብ ሰናይ ከኣ ንኽንለግብ’ ኪሕግዘና ዚኽእል፧

14 እቲ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ፡ ብዛዕባ ሳዕቤን ስጕምትታትና ምስትንታን እዩ። ዕምቈት እቲ ንመንፈሳዊ ርስትና ዘሎና ሞሳ፡ ኣብ ዕምቈት እታ ንየሆዋ ኣምላኽ፡ ማለት ንወሃብ እቲ ርስቲ ዘላትና ፍቕሪ እተመርኰሰ እዩ። ከመይሲ፡ ንሓደ ሰብ ነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ ክንጐድኦ ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ስምረቱ ኽንረክብ ኢና እንደሊ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ንርኹስ ስጋዊ ትምኒት ኢድካ ምሃብ፡ ኣባናን ኣብ ካልኦትን ኬምጽኦ ብዛዕባ ዚኽእል ሳዕቤን ክንሓስብ ኣሎና። ‘እቲ ብጥቕሚ ርእሰይ ተደሪኸ ዝወስዶ ስጕምቲ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤተይከ እንታይ ጽልዋ እዩ ኼሕድር ዚኽእል፧ ነቶም ኣብ ጉባኤይ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ብኸመይ እዩ ዚጸልዎም፧ ንኻልኦትከ አዐንቅፎም ደዀን እኸውን፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና። (ፊል. 1:10) ብዘይካዚ፡ እቲ ርኽሰት ብምፍጻም ዚርከብ ንሓጺር ህሞት ዚጸንሕ ሓጐስ፡ ምስቲ ጸኒሑ ዜስዕቦ ጓሂ ብምውድዳር ክንሓስበሉ ኣሎና፣ ‘ልክዕ ከምቲ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ጌጋ ምስ ተገንዘበ ኣምሪሩ ዝበኸየ ኤሳው ድየ ክኸውን ዝደሊ፧’ ኢልና እውን ንርእስና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና። (እብ. 12:17) ብዛዕባ እዚ ሕቶታት እዚ ምስትንታንና፡ ‘ንእከይ ንኽንፍንፍኖ፡ ናብ ሰናይ ከኣ ንኽንለግብ’ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ሮሜ 12:9) ብፍላይ እታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ፡ ናብ ርስትና ንኽንጠብቕ ክትድርኸና እያ።—መዝ. 73:28

15. ነቲ ንመንፈሳውነትና ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ዚኽእል ነገራት ንኽንዳለወሉ፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

15 እቲ ኻልኣይ ስጕምቲ፡ ቅድሚ ፈተና ምምጽኡ ንገዛእ ርእስና ምድላው እዩ። የሆዋ ነቲ ንመንፈሳውነትና ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ዚኽእል ካብዛ ዓለም እዚኣ ዚመጽእ ፈተናታት ምእንቲ ኽንቃወሞ፡ ብዙሕ መሰናድዎታት ገይሩ እዩ። እዚ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣገልግሎት ወፍርን ጸሎትን እዩ። (1 ቈረ. 15:58) ብጸሎት ኣቢልና ልብና ናብ የሆዋ ኸነፍስስ ከለናን ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ኽንገብር ከለናን፡ ንፈተናታት ንኽንዋጽኣሉ ድሉዋት ንኸውን ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 6:12, 19 ኣንብብ።) ንፈተናታት ተዳሊናሉ ምእንቲ ኽንጸንሕ፡ ነዚ እተጠቕሰ ነገራት ኣዘውቲርና ኽንገብሮ ኣሎና። (ገላ. 6:7) እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ምዕራፍ ክልተ ጐሊሑ ኣሎ።

‘ድለያ’

16, 17. ጥበባዊ ምርጫታት ንኽንገብር ዜድልየና ኽእለት ከነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 መጽሓፍ ምሳሌ ምዕራፍ 2፡ ጥበብን ጥንቃቐን ንኸነጥሪ ተተባብዓና እያ። እዚ ባህርያት እዚ፡ ቅኑዕ ካብ ጌጋ ንኽንፈሊ፡ ርእስና ንኽንገትእ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጥራይ ንኸይንሓስብ ይሕግዘና እዩ። ነዚ ባህርያት እዚ ምእንቲ ኸነጥርዮ፡ ብዙሕ ክንጽዕር ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓቂ እዚ ኼጕልሖ ኸሎ ኸምዚ ይብል፦ “ወደየ፡ እዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ፡ ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ፡ ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ፡ ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ አርነብካዮ፡ እወ፡ ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ፡ ንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ፡ ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ፡ ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ፡ ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ፡ ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ። እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ።”—ምሳ. 2:1-6

17 ብንጹር እምበኣር፡ ጥበባዊ ምርጫታት ንኽንገብር ዜድልየና ኽእለት ከነጥሪ እንኽእል፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ነገራት ምስ እንትግብሮ እዩ። ቃል የሆዋ ንውሽጣዊ እንታይነትና ንኪቐርጾ እንተ ፈቒድናሉን ኣምላኽ መምርሒ ምእንቲ ኺህበና ብዘይምቍራጽ እንተ ጸሊናን ንፍልጠት ኣምላኽ ከም ንሕቡእ ስልማት ጌርና እንተ ኣናዲናዮን፡ ንፈተናታት ብዓወት ክንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና።

18. እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧ ስለምንታይከ፧

18 የሆዋ ነቶም ጻዕሪ ዚገብሩ ሰባት፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ጥበብን ይህቦም እዩ። ነዚ ባህርያት እዚ ኽንረኽቦ ጻዕሪ እንተ ጌርናን እንተ ተጠቒምናሉን፡ ናብቲ ምንጪ እቲ ባህርያት ዝዀነ የሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርብ ኢና። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ምስ የሆዋ እንምስርቶ ጥብቂ ርክብ፡ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ ኼዕቍበና እዩ። ናብ የሆዋ ምቕራብን ንዕኡ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ምሕዳርን፡ ኣብ ኣበሳ ንኸይንወድቕ ኬዕቍበና ይኽእል እዩ። (መዝ. 25:14፣ ያእ. 4:8) እቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነትን ንኣምላኻዊ ጥበብ ንምትግባር እንገብሮ ጻዕርን፡ ንልቢ የሆዋ ዜሐጕስን ንርስትና ኽንሕልዎ ዚሕግዝን ምርጫታት ንኽንገብር ኪድርኸና እዩ።