ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እስራኤላውያን ንገበነኛታት ኣብ ጕንዲ ሰቒሎም ድዮም ዚቐትልዎም ነይሮም፧

ጥንቲ ዝነበሩ ሓያሎ ኣህዛብ፡ ንገሊኦም ገበነኛታት ኣብ ጕንዲ ወይ ኣብ ዓንዲ ሰቒሎም ይቐትልዎም ነበሩ። ሮማውያን ንሓደ ገበነኛ ኣብ ጕንዲ ኣሲሮም ወይ ብመስማር ሸንኪሮም ይሰቕልዎ እሞ፡ ንገለ መዓልትታት ብቓንዛን ብጽምእን ብጥሜትን ብዅነታት ኣየርን ተሳቕዩ ኽሳዕ ዚመውት ኣብኡ ይገድፍዎ ነበሩ። ንገበነኛታት ኣብ ጕንዲ ሰቒልካ ምቕታል፡ ከም ሓደ ዜሕፍር መቕጻዕቲ ገይሮም ይቘጽርዎ ነበሩ።

ጥንታውያን እስራኤላውያንከ፧ ንገበነኛታት ኣብ ጕንዲ ሰቒሎም ድዮም ዚቐትልዎም ነይሮም፧ ሕጊ ሙሴ፡ “ሰብ ናብ ሞት ዜብጽሕ ኣበሳ እንተ ገበረ እሞ ኣሕሊፍካ ንሞት እንተ ተዋህበ፡ ኣብ ዕጨይቲ ድማ እንተ ሰቐልካዮ፡ ነቲ ሬሳኡ ሽዑ መዓልቲ ደኣ ቕበሮ እምበር፡ ኣብ ዕጨይቲ ኣይሕደር” ይብል። (ዘዳ. 21:22, 23) ስለዚ፡ ኣብቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተጻሕፈሉ እዋን፡ ሞት ዚግብኦ ሰብ፡ መጀመርታ ይቕተል፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ጕንዲ ወይ ኣብ ኦም ይስቀል ከም ዝነበረ ንጹር እዩ።

ዘሌዋውያን 20:2 ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ትብል፦ “ንደቂ እስራኤል በሎም፤ ዝዀነ ሰብ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዚነብሩ ጓኖት፡ ካብ ዘርኡ ንሞሌኽ ዚህብ፡ ሞት ይሙት፡ ህዝቢ እታ ሃገር ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ።” ብዘይካዚ፡ “መንፈስ ጥንቈላ” ዘለዎ፡ ወይ “መውደቕ ዛዕጐል” ዝዀነ ሰብ እውን ይቕተል ነበረ። ብኸመይ፧ “ብዳርባ እምኒ።”—ዘሌ. 20:27

ዘዳግም 22:23, 24፡ “ኣብ ሰብኣይ እተሐጽየት ድንግል ጓል እንተላ፡ ሰብኣይ ከኣ ኣብ ከተማ ረኺብዋ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡ እታ ጓል፡ ኣብ ከተማ ኽነሳ ስለ ዘየእወየት፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ሰበይቲ ብጻዩ ስለ ዘነወረ፡ ንኽልቲኦም ናብ ደገ እታ ኸተማ እቲኣ ኣውጺእኩም፡ ኪሞቱ ብዳርባ እምኒ ቕተልዎም። ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ” ትብል። ስለዚ፡ ቀዳሞት እስራኤላውያን ነቶም ዜስካሕክሕ ገበን ዝፈጸሙ ገበነኛታት ብዳርባ እምኒ እዮም ዚቐትልዎም ነይሮም። *

ኣብቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተጻሕፈሉ እዋን፡ ሞት ዚግብኦ ሰብ፡ መጀመርታ ይቕተል፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ጕንዲ ወይ ኣብ ኦም ይስቀል ከም ዝነበረ ንጹር እዩ

ዘዳግም 21:23፡ “እቲ እተሰቕለ ብእግዚኣብሄር እተረግመ እዩ” ትብል። ሓደ “ብእግዚኣብሄር እተረግመ” ነውራም ሰብ፡ ሬሳኡ ኺስቀል ከሎ፡ ኣብ እስራኤላውያን ጽልዋ ኸም ዝነበሮ ንጹር እዩ። እወ፡ ሬሳ እቲ ሰብ ኣብ ጕንዲ ወይ ኣብ ኦም ምስቃሉ፡ ንኻልኦት ከም መጠንቀቕታ ዀይኑ የገልግል ነበረ።

^ ሕ.ጽ. 6 ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ሰባት ንሓደ ገበነኛ ኣብ ጕንዲ ቕድሚ ምስቃሎም፡ ይቐትልዎ ኸም ዝነበሩ፡ ሓይሎ ምሁራት ይሰማምዑሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ንገሊኦም ገበነኛታት ብህይወቶም ኣብ ጕንዲ ይሰቕልዎምን ክሳዕ ዚሞቱ ኣብኡ ይገድፍዎምን ከም ዝነበሩ ዚገልጽ መርትዖ ኣሎ።