ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሓምለ 2013

እዛ ሕታም እዚኣ፡ እቲ የሱስ እተነበዮ ምስ ዳሕሮት መዓልትታት ዚተሓሓዝ ምዕባለታት ብዛዕባ ዚፍጸመሉ እዋን ኰነ ብዛዕባ መንነት እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ንዝነበረና ምርዳእ ዜነጽር፡ ምትዕርራይ እተገብረሉ እተወሰነ ነጥብታት ተቕርብ

“እስከ ንገረና፡ እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧”

እቲ የሱስ እተነበዮ ኣብ ማቴዎስ 24, 25 ዚርከብ ፍጻመታት ብዛዕባ ዚፍጸመሉ እዋን ዘሎና ምርዳእ፡ እንታይ ምትዕርራይ እዩ ተገይሩሉ፧

“እንሆ ድማ፡ ኣነ . . . ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ”

እቲ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዚገልጽ ምሳሌ የሱስ፡ ብዛዕባ እቲ ዘርኢ ዚዝርኣሉን ዚዓብየሉን ኣብ እዋን ቀውዒ ዚዕጸደሉን እዋን እዩ ዚገልጽ። ብዛዕባ እዋን ቀውዒ ዝነበረና ምርዳእ እተዓራረየ ብኸመይ እዩ፧

ብሒደት ሰባት ንብዙሓት ምምጋብ

የሱስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ክርስትያናት ብኸመይ እዩ መንፈሳዊ ምግቢ ዚህቦም ነይሩ፧ ሎሚኸ ኸምኡ ዓይነት መገዲ ድዩ ዚጥቀም፧

“እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን ኰን እዩ፧”

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ንዘሎና ምርዳእ እተነጽር እያ። መንፈሳዊ ጥዕናና ብኸመይ ኣብዚ መትረብ እዚ ኸም ዚምርኰስ ርአ።

ሓድሽ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል

ማርክ ሳንደርሰን ካብ 1 መስከረም 2012 ኣትሒዙ፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ኺዓዪ ጀመረ።

ታሪኽ ህይወት

ኣብ ዝሃለና ሃሊና፡ ንየሆዋ ተሃንጢና ኣገልጊልናዮ

ደቂ ነዘርላንድስ ዝዀኑ ሰብ ሓዳር፡ ብድሆታትን ተለዋዋጢ ዅነታትን እናኣጋጠሞ ክነሱ፡ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምውካል እተማህሩ ብኸመይ ምዃኖም ኣንብብ።

“ኣየ ስእሊ!”

ስእልታት ንሓሳብናን ንስምዒትናን ዚትንክፍ መምሃሪ መገዲ እዩ። ካብኡ ኽትጥቀም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧