ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እስከ ንገረና፡ እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧”

“እስከ ንገረና፡ እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧”

“ምልክት ኣብዚ እትህልወሉ እዋንን መደምደምታ ስርዓት ዓለምንከ እንታይ እዩ፧”—ማቴ. 24:3

1. ልክዕ ከም ሃዋርያት፡ ንሕና እውን ብዛዕባ እንታይ ክንፈልጥ ኢና እንህንጠ፧

ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ ኪውዳእ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዜጋጥሞም ነገራት ኪፈልጡ ተሃንጥዮም ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ቀቅድሚ ሞት የሱስ ሒደት መዓልትታት ይገብር፡ ኣርባዕተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፡ “እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧ ምልክት ኣብዚ እትህልወሉ እዋንን መደምደምታ ስርዓት ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴ. 24:3፣ ማር. 13:3) የሱስ ድማ ነቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24, 25 ተመዝጊቡ ዚርከብ ሰፊሕ ትንቢት ብምንጋር ንሕቶኦም መለሶ። ኣብቲ ትንቢት ከኣ ብዛዕባ ብዙሕ ኣገዳሲ ፍጻመታት ገለጸ። ቃላት የሱስ ንዓና ዓብዪ ትርጕም እዩ ዘለዎ፣ ከመይሲ፡ ንሕና እውን ብዛዕባ መጻኢ ኽንፈልጥ ንደሊ ኢና።

2. (ሀ) ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ንጹር ምርዳእ ኪህልወና ጽዒርና፧ (ለ) ኣየኖት ሰለስተ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት እተነበዮ ትንቢት ምእንቲ ኺርድእዎ፡ ብጸሎት እተሰነየ መጽናዕቲ ኣካይዶም እዮም። ብዛዕባ እቲ ቓላት የሱስ ዚፍጸመሉ ግዜ ንጹር ምርዳእ ንኺህልዎም ድማ ጽዒሮም እዮም። ዝነበረና ምርዳእ ብኸመይ ከም ዝነጸረ ንምግላጽ፡ “መዓስ” ዚብል ሰለስተ ሕቶታት እስከ ንርአ። “ብርቱዕ ጸበባ” ዚጅምር መዓስ እዩ፧ የሱስ ‘ነተን ኣባጊዕን’ ‘ነተን ኣጣልን’ ዚፈርደን መዓስ እዩ፧ የሱስ ‘ዚመጽእ’ መዓስ እዩ፧—ማቴ. 24:21፣ 25:31-33

ብርቱዕ ጸበባ ዚጅምር መዓስ እዩ፧

3. ብዛዕባ እቲ ብርቱዕ ጸበባ እንታይ ምርዳእ እዩ ነይሩና፧

3 ንሓያሎ ዓመታት፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኣብቲ ቐዳማይ ውግእ ዓለም እተኻየደሉ 1914 ከም ዝጀመረ፡ እቶም ተረፍ ቅቡኣት ንዅሎም ኣህዛብ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰብኩሎም ድማ፡ እቲ ውግእ ብ1918 ምስ ተወድአ፡ “እተን መዓልትታት እቲአን” ብየሆዋ ‘ኸም ዝሓጸራ’ ጌርና ንሓስብ ኔርና። (ማቴ. 24:21, 22) እቲ ዕዮ ስብከት ምስ ተዛዘመ ኸኣ፡ እዚ ኸም ሃጸያዊ ግዝኣት ዝዀነ ስርዓት ሰይጣን ዚጠፍእ መሲሉና ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ሰለስተ ኽፋል ከም ዘለዎ፡ ማለት ዚጅምረሉ እዋን (1914-1918)፡ ዚቋረጸሉ እዋን (ካብ 1918 ንነጀው)፡ ከምኡውን ኣብ ኣርማጌዶን ዚዛዘመሉ እዋን ከም ዘሎ ጌርና ኢና እንሓስብ ኔርና።

4. ኣየናይ ምርዳእ እዩ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት እተነበዮ ትንቢት ብንጹር ንኽንርድኦ ዚሕግዘና፧

4 ይኹን እምበር፡ ነቲ የሱስ እተዛረቦ ትንቢት ብዝያዳ ምስ መርመርናዮ፡ እተወሰነ ኽፋል እቲ ትንቢት፡ ክልተ ፍጻመታት ከም ዘለዎ ተረዲእና ኢና። (ማቴ. 24:4-22) እቲ ቐዳማይ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ይሁዳ እዩ ተፈጺሙ፣ እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣብዚ ግዜና ኣብ መላእ ዓለም ኪፍጸም እዩ። እዚ ምርዳእ እዚ፡ ካልእ ሓያሎ ነጥብታት እውን ከም ዚንጽር ገይሩ እዩ። *

5. (ሀ) ብ1914 እንታይ ኣጸጋሚ እዋን እዩ ጀሚሩ፧ (ለ) እቲ እዋን ቅልውላው ምስ ኣየናይ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ እዋን እዩ ዚመሳሰል፧

5 ቀዳማይ ክፋል እቲ ብርቱዕ ጸበባ ብ1914 ከም ዘይጀመረ እውን ተገንዚብና ኢና። ስለምንታይ እዩ ሽዑ ዘይጀመረ፧ ምኽንያቱ፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ብዚግበር ውግእ ዘይኰነስ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብዚወርድ መጥቃዕቲ ኸም ዚጅምር እዩ ዚገልጽ። ስለዚ፡ እቲ ብ1914 ዝጀመረ ፍጻመታት፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ዝጀመረ ዚሕብር ዘይኰነስ፡ “መጀመርታ ቕልውላው እዩ።” (ማቴ. 24:8) እዚ “ቕልውላው” እዚ፡ ምስቲ ኻብ 33 ድ.ክ. ክሳዕ 66 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዘጋጠመ ፍጻመታት እዩ ዚመሳሰል።

6. እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ዝጀመረ ዚሕብር ምልክት እንታይ እዩ፧

6 እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ዝጀመረ ዚሕብር ምልክት እንታይ እዩ፧ የሱስ፡ “እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ዜጥፍእ ጽያፍ ኣብ ቅዱስ ቦታ ደው ኢሉ ምስ ረኣኹም፡ (እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡) ሽዑ፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ” ኢሉ ተነበየ። (ማቴ. 24:15, 16) ብ66 ድ.ክ. ሰራዊት ሮሜ (“ጽያፍ”) ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን (ብኣይሁድ ከም ቅዱስ ጌርካ ዚርአ ዝነበረ ቦታ) መጥቃዕቲ ምስ ኣውረዱ፡ “ኣብ ቅዱስ ቦታ ደው” በሉ፣ እዚ ኸኣ ናይ መጀመርታ ፍጻመ እቲ ትንቢት እዩ ነይሩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዘመናዊ “ጽያፍ”) ኣብ ልዕሊ ህዝበ ክርስትያንን (ብስመ ክርስትያን ከም ቅድስቲ ጌርካ እትርአ) ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተረፈ ኽፋል ዓባይ ባቢሎንን መጥቃዕቲ ምስ ኣውረደ፡ ‘ኣብ ቅዱስ ቦታ ደው ኪብል እዩ፣’ በዚ ኸምዚ፡ እቲ ትንቢት ዝዓበየ ፍጻሜኡ ኺረክብ እዩ። ኣብ ራእይ 17:16-18 እውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ፍጻመ እዚ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ዝጀመረ ዚሕብር ምልክት እዩ።

7. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ‘ስጋ ዝደሓነ’ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ መጻኢ እንታይ ኬጋጥም ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧

7 የሱስ፡ “እተን መዓልትታት እቲአን ኪሓጽራ እየን” ኢሉ እውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ፍጻመ፡ ሰራዊት ሮሜ ብ66 ድ.ክ. ንመጥቃዕቶም ‘ምስ ኣሕጸርዎ፡’ እቲ ትንቢት ተፈጸመ። ድሕሪኡ፡ ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት ሃደሙ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ‘ስጋኦም [ወይ ህይወቶም] ደሓነ።’ (ማቴዎስ 24:22 ኣንብብ፣ ሚል. 3:17) እሞኸ ኣብቲ ዚመጽእ ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ እንታይ ኬጋጥም ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧ የሆዋ ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዜውርዶ መጥቃዕቲ ‘ብምሕጻር፡’ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ተለኪማ ንኽትጠፍእ ኣይኪፈቅድን እዩ። እዚ ኸኣ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ከም ዚድሕኑ ዜረጋግጽ እዩ።

8. (ሀ) ናይ መጀመርታ ኽፋል እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ሓለፈ፡ ድሕሪኡ እንታይ ፍጻመታት ኬጋጥም እዩ፧ (ለ) እቲ ናይ መወዳእታ ኣባል 144,000 ሰማያዊ ዓስቡ ዚረክብ መዓስ ኪኸውን ይኽእል፧ (ነቲ ኣብ መወዳእታ ዘሎ ሓበሬታ ርአ።)

 8 ናይ መጀመርታ ኽፋል እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ሓለፈ፡ ድሕሪኡ እንታይ ኬጋጥም እዩ፧ ቃላት የሱስ ከም ዚሕብሮ፡ ኣርማጌዶን ክሳዕ ዚጅምር፡ ገለ እዋን ኪሓልፍ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ እንታይ ፍጻመታት ኬጋጥም እዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ህዝቅኤል 38:14-16 ኸምኡውን ኣብ ማቴዎስ 24:29-31 ተገሊጹ ኣሎ። (ኣንብብ።) * ድሕሪኡ፡ እቲ መዛዘሚ ብርቱዕ ጸበባ ዝዀነ ኣርማጌዶን ኪጅምር እዩ፣ እዚ ኸኣ ምስቲ ብ70 ድ.ክ. ዘጋጠመ ጥፍኣት የሩሳሌም ዚመሳሰል እዩ። (ሚል. 4:1) እቲ ዚመጽእ ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ፡ መዛዘሚኡ ውግእ ኣርማጌዶን ኰይኑ፡ “ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ዘይኰነ” ፍጻመ ስለ ዚኸውን፡ ኣዝዩ ፍሉይ እዩ። (ማቴ. 24:21) ምስ ተዛዘመ ድማ፡ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ኪጅምር እዩ።

9. እቲ የሱስ ብዛዕባ ብርቱዕ ጸበባ እተነበዮ ትንቢት፡ ኣብ ህዝቢ የሆዋ እንታይ ጽልዋ እዩ ዜሕድር፧

9 እዚ ብዛዕባ ብርቱዕ ጸበባ ዚገልጽ ትንቢት፡ የበራትዓና እዩ። ስለምንታይ፧ ዝዀነ ይኹን መከራ የጋጥመና ብዘየገድስ፡ ህዝቢ የሆዋ ብደረጃ ጕጅለ ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ዚወጹ እዩ ዜረጋግጸልና። (ራእ. 7:9, 14) ልዕሊ ዅሉ ዜሐጕሰና ግና፡ የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን፡ ልዑላውነቱ ኼረጋግጽን ነቲ ቕዱስ ስሙ ኪቕድሶን ምዃኑ እዩ።—መዝ. 83:18NW፣ ህዝ. 38:23

የሱስ ነተን ኣባጊዕን ነተን ኣጣልን ዚፈርደን መዓስ እዩ፧

10. ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ፍርዲ እተን ኣባጊዕን እተን ኣጣልን መዓስ ከም ዚፍጸም ጌርና ኢና እንሓስብ ኔርና፧

10 ሕጂ ድማ፡ ካልእ ክፋል እቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት ዚፍጸመሉ እዋን ንመርምር፣ እዚ ኸኣ እቲ ንፍርዲ እተን ኣባጊዕን እተን ኣጣልን ዚምልከት ምሳሌ እዩ። (ማቴ. 25:31-46) ኣቐድም ኣቢልና፡ ሰባት ከም ኣባጊዕ ወይ ከም ኣጣል ምዃኖም ዚፍረዱ፡ ካብቲ ኻብ 1914 ንነጀው ዘሎ እዋን ከም ዝዀነ ጌርና ኢና እንሓስብ ኔርና። እቶም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነጸግዎን ቅድሚ ብርቱዕ ጸበባ ምጅማሩ ዝሞቱን ሰባት፡ ኣጣል ከም ዝዀኑን ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዘይብሎምን ጌርና ደምዲምና ኔርና።

11. እቲ ሰባት ከም ኣባጊዕን ከም ኣጣልን ዚፍረዱሉ እዋን ብ1914 ኪጅምር ዘይክእል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

11 ኣብ መፋርቕ 1990ታት፡ ግምቢ ዘብዐኛ ነታ፡ “ወዲ ሰብ ምስ ኵሎም መላእኽቱ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ሽዑ ኣብ ክቡር ዝፋኑ ኪቕመጥ እዩ” እትብል ማቴዎስ 25:31 እንደገና መርመረታ። የሱስ ብ1914 ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ እኳ እንተ ዀነ፡ ‘ንዅሎም ኣህዛብ’ ንኺፈርድ ግና ‘ኣብ ክቡር ዝፋኑ ኣይተቐመጠን።’ (ማቴ. 25:32፣ ምስ ዳንኤል 7:13 ኣረኣኢ።) ይኹን እምበር፡ እቲ ብዛዕባ ኣባጊዕን ኣጣልን ዚገልጽ ምሳሌ፡ ንየሱስ ብቐንዱ ኸም ፈራዲ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። (ማቴዎስ 25:31-34, 41, 46 ኣንብብ።) የሱስ ብ1914 ከም ፈራዲ ዅሎም ኣህዛብ ኰይኑ ኺዓዪ ስለ ዘይጀመረ፡ እቲ ንሰባት ከም ኣባጊዕን ከም ኣጣልን ዚፈርደሉ እዋን ብ1914 ኪጅምር ኣይክእልን እዩ ነይሩ። * እቲ ፍርዲ ደኣሞ መዓስ እዩ ዚጅምር፧

12. (ሀ) የሱስ ንፈለማ እዋን ንዅሎም ኣህዛብ ዚፈርዶም መዓስ እዩ፧ (ለ) ኣብ ማቴዎስ 24:30, 31 ከምኡውን ኣብ ማቴዎስ 25:31-33, 46 እንታይ ፍጻመታት እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

 12 እቲ የሱስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት እተዛረቦ ትንቢት፡ ክርስቶስ ንፈለማ እዋን ንዅሎም ኣህዛብ ዚፈርዶም፡ ድሕሪ ምጥፋእ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ዝዀነ እዩ ዚሕብር። ከምቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ  ሸሞንተ እተጠቕሰ፡ ገለ ኻብቲ ሽዑ ዚፍጸም ፍጻመታት ኣብ ማቴዎስ 24:30, 31 ተመዝጊቡ ኣሎ። ነዘን ጥቕስታት እዚአን ክትምርምረን ከለኻ፡ የሱስ ምስቲ ብዛዕባ ኣባጊዕን ኣጣልን ዚገልጽ ምሳሌ ዚመሳሰል ፍጻመታት ከም ዝሓበረ ኸተስተብህል ኢኻ። ንኣብነት፡ ወዲ ሰብ ምስ መላእኽቲ ብኽብሪ ኺመጽእ እዩ፣ ኵሎም ነገዳትን ኣህዛብን ኪእከቡ እዮም፣ እቶም ከም ኣባጊዕ ዚፍረዱ ሰባት “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ስለ ዚጽበዮም፡ ‘ርእሶም ኬልዕሉ እዮም።’ * እቶም ከም ኣጣል ዚፍረዱ ሰባት ከኣ፡ “ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት” ከም ዚጽበዮም ስለ ዚፈልጡ፡ “ደረቶም እናወቕዑ ኼልቅሱ እዮም።”—ማቴ. 25:31-33, 46

13. (ሀ) የሱስ ንሰባት ከም ኣባጊዕን ከም ኣጣልን ዚፈርዶም መዓስ እዩ፧ (ለ) እዚ ምርዳእ እዚ፡ ነቲ ብዛዕባ ኣገልግሎት ዘሎና ኣረኣእያ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

13 እሞኸ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና ኽንበጽሕ እንኽእል፧ የሱስ ኣብ እዋን እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ መጸ፡ ንዅሎም ኣህዛብ ከም ኣባጊዕን ኣጣልን ኪፈርዶም እዩ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ መዛዘሚ ብርቱዕ ጸበባ ዝዀነ ኣርማጌዶን፡ እቶም ከም ኣጣል ዚፍረዱ ሰባት ንዘለኣለም ‘ኪጠፍኡ’ እዮም። እዚ ምርዳእ እዚ፡ ነቲ ብዛዕባ ኣገልግሎት ዘሎና ኣረኣእያ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧ ዕዮ ስብከትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኽንርዳእ እዩ ዚሕግዘና። እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኽሳዕ ዚጅምር፡ ሰባት ኣተሓሳስባኦም ንኪቕይሩን ኣብታ ‘ናብ ህይወት እትመርሕ’ ቀጣን መገዲ ንኺመላለሱን ግዜ ኣለዎም። (ማቴ. 7:13, 14) ሓቂ እዩ፡ ሎሚ ዘለዉ ሰባት ከም ናይ በጊዕ ወይ ናይ ጤል ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልዎም ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ መኖም ኣባጊዕ፡ መኖም ከኣ ኣጣል ምዃኖም ንመወዳእታ እዋን ዚፍረዱ፡ ኣብ እዋን እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምዃኑ ኽንዝክር ኣሎና። ስለዚ፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰምዑን ምላሽ ንኺህቡን ኣጋጣሚ ኽንህቦም ኣሎና።

እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኽሳዕ ዚጅምር፡ ሰባት ኣተሓሳስባኦም ንኪቕይሩ ግዜ ኣለዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

የሱስ ዚመጽእ መዓስ እዩ፧

14, 15. ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ከም ፈራዲ ዀይኑ ዚመጸሉ እዋን ዚሕብራ ኣርባዕተ ጥቕስታት ኣየኖት እየን፧

14 ነቲ የሱስ እተዛረቦ ትንቢት ብዝያዳ ምምርማርና፡ ካልእ ኣገዳሲ ፍጻመታት ብዛዕባ ዚፍጸመሉ እዋን ዘሎና ምርዳእ ከነተዓራሪ ኸም ዘሎና ዚሕብር ድዩ፧ እቲ ትንቢት ንሕቶና ይምልሶ እዩ። ብኸመይ ከም ዚምልሶ እስከ ንርአ።

15 የሱስ ኣብቲ ኣብ ማቴዎስ 24:29–25:46 እተዛረቦ ትንቢት፡ ብቐንዱ ኣብቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታትን ኣብቲ ዚመጽእ ብርቱዕ ጸበባን ዜጋጥም ነገራት እዩ ኣተኲሩ። ሸሞንተ ሳዕ ድማ ብዛዕባ ‘ምምጽኡ’ ተዛረበ። ብዛዕባ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኺገልጽ ከሎ፡ ከምዚ ዚስዕብ በለ፦ “ወዲ ሰብ . . . ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም፣” “ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም፣” “ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ኪመጽእ እዩ።” ኣብታ ብዛዕባ ኣባጊዕን ኣጣልን እትገልጽ ምሳሌኡ ድማ፡ “ወዲ ሰብ ምስ ኵሎም መላእኽቱ ብኽብሩ ምስ መጸ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:30, 42, 44፣ 25:31) እዘን ጥቕስታት እዚአን፡ ነፍሲ ወከፈን ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ከም ፈራዲ ዀይኑ ዚመጸሉ እዋን እየን ዚሕብራ። እተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ጥቕስታትከ ኣበይ እየን ዚርከባ፧

16. ምምጻእ የሱስ ኣበየኖት ካልኦት ጥቕስታት እዩ ተሓቢሩ ዘሎ፧

16 የሱስ ብዛዕባ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምኡ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ሕጉስ እዩ!” በለ። ኣብታ ብዛዕባ ደናግል እትገልጽ ምሳሌኡ ድማ፡ “ኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ” በለ። ኣብታ ብዛዕባ ታለንት እትገልጽ ምሳሌኡ እውን፡ “ድሕሪ ነዊሕ ግዜ፡ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ” ኢሉ ነበረ። የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ እቲ ጐይታ፡ “ኣነ ድማ መጺአ፡ ገንዘበይ . . . ምተቐበልኩ” ኸም ዝበለ ገለጸ። (ማቴ. 24:46፣ 25:10, 19, 27) እዘን ኣርባዕተ ጥቕስታት እዚአን፡ ነየናይ ምምጻእ የሱስ እየን ዜመልክታ፧

17. ብዛዕባ እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:46 ተጠቒሱ ዘሎ ምምጻእ፡ እንታይ ኢልና ኢና ሓቢርና ኔርና፧

17 ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ እቲ ኣብቲ ኣርባዕተ ጥቕስታት ተሓቢሩ ዘሎ ምምጻእ የሱስ፡ ብ1918 ከም እተፈጸመ ኣብ ጽሑፋትና ገሊጽና ኔርና ኢና። ነቲ የሱስ ብዛዕባ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዝገለጾ ሓሳብ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። (ማቴዎስ 24:45-47 ኣንብብ።) እቲ ኣብ ፍቕዲ 46 ተሓቢሩ ዘሎ ‘ምምጻእ፡’ ምስቲ የሱስ ንመንፈሳዊ ዅነታት ቅቡኣት ንምምርማር ብ1918 ዝመጸሉ እዋን ከም ዚተሓሓዝን እቲ ባርያ ብ1919 ኣብ ኵሉ ንብረት ጐይታ ኸም እተሸመን ጌርና ንሓስብ ኔርና። (ሚል. 3:1) ይኹን እምበር፡ ነቲ የሱስ እተዛረቦ ትንቢት ብዝያዳ ምስ መርመርናዮ፡ ገሊኡ መዳያት እቲ የሱስ እተዛረቦ ትንቢት ብዛዕባ ዚፍጸመሉ እዋን ዘሎና ምርዳእ፡ ምትዕርራይ ከም ዜድልዮ ተገንዚብና ኢና። ስለምንታይ፧

18. ንብምሉኡ እቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት ምምርማርና፡ ብዛዕባ ምምጻኡ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኸም እንበጽሕ እዩ ዚገብረና፧

18 እታ ቕድሚ ማቴዎስ 24:46 ኣብ ዘለዋ ፍቕድታት ብተኸታታሊ እተጠቕሰት ‘ምምጻእ’ እትብል ቃል፡ ነቲ የሱስ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ፍርዲ ዚእውጀሉን ነቲ ፍርዲ ዚፍጽመሉን እዋን እያ እተመልክት። (ማቴ. 24:30, 42, 44) ብዘይካዚ፡ ከምቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ  12 ዝረኣናዮ፡ እቲ ኣብ ማቴዎስ 25:31 እተጠቕሰ ‘ምምጻእ’ የሱስ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ፍርዲ እዩ ዜመልክት። ስለዚ፡ እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:46, 47 እተጠቕሰ፡ የሱስ ነቲ እሙን ባርያ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንብረቱ ንምሻም ዚመጸሉ እዋን እውን፡ ንመጻኢ ኸም ዜመልክት ክንድምድም ንኽእል ኢና፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ እዩ ዚፍጸም። ብሓቂ እምበኣር፡ ንብምሉኡ እቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት ምምርማርና፡ እተን ብዛዕባ ምምጻኡ ዚገልጻ ሸሞንተ ጥቕስታት፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ብግዜ ብርቱዕ ጸበባ ዚፍጸም ፍርዲ ኸም ዜመልክታ የነጽረልና እዩ።

19. እንታይ ኣብ ምርዳእና እተገብረ ምትዕርራይ ኢና መርሚርና፧ ኣብዘን ቀጺለን ዘለዋ ዓንቀጻትከ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

19 እንታይ ኢና ተማሂርና፧ ኣብ መጀመርታ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ “መዓስ” ዚብል ሰለስተ ሕቶታት ኣልዒልና ኔርና። ብቐዳምነት፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ብ1914 ከም ዘይጀመረ፡ የግዳስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን መጥቃዕቲ ምስ ኣውረደ ኸም ዚጅምር ርኢና ኢና። ድሕሪኡ፡ እቲ የሱስ ነተን ኣባጊዕን ነተን ኣጣልን ዚፈርደሉ እዋን ብ1914 ኸም ዘይጀመረ፡ ኣብ ክንዳኡስ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ዚፍጸም ተማሂርና ኢና። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ የሱስ ነቲ እሙን ባርያ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንብረቱ ንኺሸሞ ዝመጸሉ እዋን ብ1919 ከም ዘይነበረ፡ የግዳስ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ዚፍጸም መርሚርና ኢና። ስለዚ፡ ኵለን እተን “መዓስ” ዚብላ ሕቶታት ንሓደ ብድሕሪ ሕጂ ዚመጽእ እዋን፡ ማለት ንብርቱዕ ጸበባ እየን ዜመልክታ። እዚ ምትዕርራይ እተገብረሉ ኣረኣእያ እዚ፡ ነቲ ብዛዕባ እሙን ባርያ ዘሎና ምርዳእ ብዝያዳ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ዚፍጸም ዘሎ ኻልእ ምሳሌታት የሱስ ንዘሎና ምርዳእ ዚጸልዎኸ ብኸመይ እዩ፧ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶታት እዚ፡ ኣብዘን ቀጺለን ዘለዋ ዓንቀጻት ክንምርምሮ ኢና።

 

^ ሕ.ጽ. 4 ሕጡብ ጽሑፍ 4፦ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዚ ዚስዕብ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ርአ፦ 1 ለካቲት 1994፡ ገጽ 18-31 (w94-E 15/2 ገጽ 8-21)፣ 1 ግንቦት 1999፡ ገጽ 8-20

^ ሕ.ጽ. 8 ሕጡብ ጽሑፍ 8፦ ሓደ ኻብቲ ኣብዘን ፍቕድታት እዚአን ተጠቒሱ ዘሎ ፍጻመታት፡ ‘ምእካብ እቶም ሕሩያት’ እዩ። (ማቴ. 24:31) ስለዚ፡ እቶም ናይ መጀመርታ ኽፋል ብርቱዕ ጸበባ ምስ ሓለፈ ኣብ ምድሪ ዚህልዉ ዅሎም ቅቡኣት፡ ውግእ ኣርማጌዶን ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዘሎ እዋን ናብ ሰማይ ዚትንስኡ እዩ ዚመስል። እዚ ነቲ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1990 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 30 ኣብ ትሕቲ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዝወጸ ሓሳብ ዜተዓራሪ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 11 ሕጡብ ጽሑፍ 11፦ ናይ 15 ጥቅምቲ 1995 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 18-28 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 12 ሕጡብ ጽሑፍ 12፦ ነቲ ኣብ ሉቃስ 21:28 ዚርከብ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ርአ።