ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መዛግብትና

እቲ ንጉስ ባህ በሎ

እቲ ንጉስ ባህ በሎ

እዋኑ ነሓሰ 1936 እዩ ነይሩ። እቲ ቦታ ኸኣ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ስዋዚላንድ እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሮበርት ኒዝበትን ጆርጅ ኒዝበትን ኣብ ሓንቲ መጕልሕ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና ዀይኖም፡ ሙዚቃን ሓው ጀይ.ኤፍ. ራዘርፎርድ ዘቕረቦ መደረታትን ኣስምዑ። ሽዑ ንጉስ ዳግማዊ ሶብሁዛ ባህ በሎ። ጆርጅ፡ “እቲ ንጉስ ነታ መደረ እነስምዓላ ዝነበርና ማሽንን ነቲ እተቐድሐ መደረታትን ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚስምዓሉ መጕልሕ ድምጽን ኪገዝኦ ኸም ዚደሊ ምስ ነገረና፡ እንታይ ኢልና ኸም እንምልሰሉ ጠፍኣና” በለ።

[ምንጪ ስእሊ]

ሮበርት ብኡብኡ ይቕረታ ብምሕታት፡ እቲ ኣቕሑ ኸም ዘይሽየጥ ነቲ ንጉስ ነገሮ። ስለምንታይ እዩ ዘይሽየጥ፧ ዋና እቲ ኣቝሑ ኻልእ ስለ ዝዀነ እዩ። እቲ ንጉስ፡ መንነት እቲ ዋና ኺፈልጥ ደለየ።

ሮበርት ድማ፡ “ዋናኡ ኻልእ ንጉስ እዩ” ኢሉ መለሰ። ድሕሪኡ፡ ሶብሁዛ፡ ‘እቲ ንጉስ መን እዩ፧’ ኢሉ ሓተተ። ሮበርት ከኣ፡ “እቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እዩ” ኢሉ መለሰ።

ሶብሁዛ ብኣኽብሮት፡ “ብሓቂ ዓብዪ ንጉስ እዩ። ካብ ንብረቱ ሓንቲ እኳ ኽወስድ ኣይደልን እየ” በለ።

ሮበርት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ ‘ብኣመለኻኽታ እቲ ልዑል [ንጉስ ሶብሁዛ] ኣዝየ ተገረምኩ። እንግሊዝኛ ኣጽርዩ እዩ ዚኽእል፣ ታዕናን ወይ ዕቡይ ዘይኰነስ፡ ቀጥታ ዚዛረብን ተቐራብን እዩ ነይሩ። ጆርጅ ኣብ ደገ ዀይኑ ሙዚቃ ኼስምዕ ከሎ፡ ኣነ ምስቲ ንጉስ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዀይነ ን45 ደቒቕ ተዘራረብኩ።’

ሮበርት ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ በለ፦ ‘ድሕሪኡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ናብ ሃገራዊ ቤት ትምህርቲ ስዋዚላንድ ከድና፣ ዝያዳ ባህ ዜብል ተመክሮ ድማ ኣጋጠመና። ነቲ ዳይረክተር መስከርናሉ፣ ንሱ ኸኣ ብጽቡቕ ሰምዓና። ብዛዕባ እታ ማሽንን ንብምሉኡ እቲ ቤት ትምህርቲ ኸነስምዖ ኸም እንደልን ምስ ነገርናዮ፡ እናተሓጐሰ ዳርጋ ሚእቲ ዚዀኑ ተመሃሮ ጸዊዑ፡ ኣብ ሳዕሪ ኾፍ ኢሎም ከም ዚሰምዑና ገበረ። እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ንኣወዳት ሕርሻን ምክንኻን ኣታኽልትን ጽርበት ዕንጨይትን ህንጸትን ቋንቋ እንግሊዝኛን ሕሳብን ዚምህር፡ ንኣዋልድ ከኣ ምእላይ ሕሙማትን ዕዮ ቤትን ካልእ ጠቓሚ ሞያታትን ዚምህር ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እዩ ነይሩ።’ ነቲ ቤት ትምህርቲ ዝመስረተቶ፡ ዓብዩ ነቲ ንጉስ እያ። *

ነቲ ብ1936 ኣብ ስዋዚላንድ ዝቐረበ ህዝባዊ መደረ ዝሰምዑ ተመሃሮ ኻልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ

ካብ 1933 ኣትሒዙ፡ ንጉስ ሶብሁዛ ነቶም ናብ ቤተ መንግስቱ ዚመጹ ፈለምቲ ባህ ኢልዎ ይሰምዖም ነበረ። ሓደ እዋን፡ ን100 ዚዀኑ ሓለውቱ ኣኪቡ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚሰምዑ ገይሩ ነይሩ እዩ። መጽሔት ምእንቲ ኺለኣኸሉ፡ ኵንትራት ኣተወ፣ ነቲ እቶም ኣሕዋት ዝሃብዎም ጽሑፋት ከኣ ተቐበሎ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ንጉስ ዳርጋ ዅሉ ጽሑፋትና ነበሮ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም መንግስቲ ብሪጣንያ ንጽሑፋትና እኳ እንተ ኣገዶ፡ ንሱ ግና ነቲ ጽሑፋት ኣየወገዶን።

ንጉስ ዳግማዊ ሶብሁዛ ንነዊሕ ዓመታት ነቶም ናብቲ ኣብ ሎባምባ ዚርከብ ቤተ መንግስቱ ዚመጹ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይቕበሎም ነበረ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ንኣቕሽሽቲ ጸዊዑ ነቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረታትና ኸም ዚሰምዑ ይገብር ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሂልቪ ማሻዚ ዝስሙ ወዲ ስዋዚላንድ ዝዀነ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ብዛዕባ ማቴዎስ ምዕራፍ 23 ኪገልጽ ከሎ፡ ጕጅለ ኣቕሽሽቲ ብሓርቖት ተንሲኦም ኮፍ ንኺብል ኬገድድዎ ፈተኑ። እቲ ንጉስ ግና ጣልቃ ኣትዩ፡ ንሓው ማሻዚ መደረኡ ኪቕጽል ነገሮ። ብዘይካዚ፡ ንዅሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት፡ ነቲ ኣብቲ መደረ ዚጥቀስ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪጽሕፍዎ ነገሮም።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ኣርባዕተ ኣቕሽሽቲ፡ ሓደ ፈላሚ ዝዀነ ሓውና ንዘቕረቦ መደረ ምስ ሰምዑ፡ ነቲ ኸም ኣቕሽሽቲ ዜፍልጦም ኳሌታ ብምሕባእ፡ “ካብ ሎሚ ንደሓር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደኣ እምበር፡ ኣቕሽሽቲ ኣይኰንናን” በሉ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ፈላሚ፡ ከምቲ ነቲ ንጉስ እተዋህቦ ዓይነት መጻሕፍቲ እንተ ኣልይዎ ሓተትዎ።

እቲ ንጉስ ካብ 1930ታት ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ብ1982 ዝሞተሉ እዋን፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር የኽብሮም ነበረ፣ ንጽምብላት ስዋዚላንድ ብዘይምኽባሮም መስጐጕቲ ኺወርዶም ድማ ኣይፈቐደን። ስለዚ፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዝገበረሎም ነገራት ኣማስዮምሉ፡ ምስ ሞተ ኸኣ ካብ ልቦም ሓዚኖምሉ እዮም።

ኣብ መጀመርታ 2013፡ ኣብ ስዋዚላንድ ልዕሊ 3,000 ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነበሩ። ቍጽሪ ህዝቢ ስዋዚላንድ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስለ ዝዀነ፡ እቲ መጠነ ዝምድና፡ ሓደ ኣስፋሒ ን384 እዩ። ኣብ 90 ጉባኤታት ዜገልግሉ ልዕሊ 260 ፈለምቲ ኣለዉ፣ ኣብ 2012 ከኣ ልዕሊ 7,496 ዚዀኑ ኣብ በዓል ዝኽሪ ተኣከቡ። እዚ ኸኣ ዝያዳ ዕቤት ኪህሉ ኸም ዚኽእል ዜርኢ እዩ። እቲ ኣብ 1930ታት ኣብ ስዋዚላንድ እተገብረ ምብጻሓት፡ ድልዱል መሰረት ኣንቢሩ እዩ።—ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኻብ ዚርከብ መዛግብትና።

^ ሕ.ጽ. 8 ዘ ጎልደን ኤጅ፡ 30 ሰነ 1937፡ ገጽ 629።