ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኤልሳእ ሰረገላታት ሓዊ ርእዩ—ንስኻኸ፧

ኤልሳእ ሰረገላታት ሓዊ ርእዩ—ንስኻኸ፧

ንጉስ ሶርያ ንነብዪ ኤልሳእ ኪሃድኖ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብታ እተዓርደትን ኣብ ጎቦ እትርከብን ከተማ ዶታን ረኸቦ። ብለይቲ ድማ ኣፍራስን ሰረገላታት ውግእን ብዙሕ ሰራዊትን ናብ ዶታን ለኣኸ። ኣብ ኣጋ ወጋሕታ፡ እቶም ሰራዊት ኣብታ ኸተማ በጺሖም ነበሩ።—2 ነገ. 6:13, 14

ጊልያ ኤልሳእ ንግሆ ተንሲኡ ናብ ደገ ምስ ወጸ፡ ነቶም ንጐይታኡ ኺሕዝዎ ዝመጹ ሰራዊት ረኣዮም። ንኤልሳእ ድማ፡ “ኣየ ጐይታይ፡ እንታይ ክንገብር ኢና፧” በሎ። ኤልሳእ ድማ፡ “ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ፡ ኣይትፍራህ” ኢሉ መለሰሉ። ድሕሪኡ ኸኣ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ እልምነካ አሎኹ፡ ኪርእስ ኣዒንቱ ኽፈት” ኢሉ ጸለየ። እቲ ጸብጻብ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸም ዚገልጾ፡ “እግዚኣብሄር . . . ኣዒንቲ እቲ መንእሰይ ከፈተ እሞ ረአየ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዙርያ ኤልሳእ እቲ ኸረን ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን መሊእዎ ነበረ።” (2 ነገ. 6:15-17) ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዀነ ኻብ ካልእ ኣብ ህይወት ኤልሳእ ዘጋጠመ ፍጻመታት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ኤልሳእ ኣብ የሆዋ ይውከል ስለ ዝነበረን ነቲ ኣምላኽ ዘለዎ ናይ ምዕቋብ ሓይሊ ስለ ዝረኣየን፡ ብሰራዊት ሶርያ ተኸቢቡ ኸሎ እውን እንተ ዀነ፡ ሃዲኡ ነበረ። ሎሚ ተኣምር ክንርኢ እኳ እንተ ዘይተጸበና፡ የሆዋ ንህዝቡ ብደረጃ ጕጅለ ኸም ዜዕቍቦም ግና ከነስተውዕል ንኽእል ኢና። ንሕና እውን ብምሳልያዊ መገዲ፡ ብናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን ኢና ተኸቢብና ዘለና። ነዚ ብዓይኒ እምነት እንተ ‘ርኢናዮ፡’ ወትሩ ድማ ኣብ ኣምላኽ እንተ ተወኪልና፡ ‘ብደሓን ክንሓድርን’ በረኸት የሆዋ ኽንረክብን ኢና። (መዝ. 4:8) ካብ ካልእ ኣብ ህይወት ኤልሳእ ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ብኸመይ ጥቕሚ ኽንረክብ ከም እንኽእል እስከ ንመርምር።

ኤልሳእ ንኤልያስ ኬገልግሎ ጀመረ

ሓደ እዋን፡ ኤልሳእ ኪሓርስ ከሎ፡ ነብዪ ኤልያስ ናብኡ ቐሪቡ ባርኖሱ ኣብ ልዕሊኡ ኣውደቐ። ኤልሳእ፡ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ምግቢ ድሕሪ ምድላዉ፡ ንኣቦኡን ንኣዲኡን ተሰናቢቱ፡ ጊልያ ኤልያስ ኪኸውን ከደ። (1 ነገ. 19:16, 19-21) ኤልሳእ ዓይኑ ኸይሓሰየ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኬገልግል ብፍታው ገዛእ ርእሱ ስለ ዘቕረበ፡ የሆዋ ተጠቕመሉ፣ ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ ንኤልያስ ተኪኡ ነብዪ ዀይኑ ኣገልገለ።

ኤልሳእ ንኤልያስ ምናልባት ንሽዱሽተ ዓመት ኣገልጊልዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ‘ናብ ኣእዳው ኤልያስ ድማ ማይ የፍስስ ነበረ።’ (2 ነገ. 3:11) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሰባት ብፋርኬታ፡ ብኻራ፡ ወይ ብኻልእ ንዋት ዘይኰነስ፡ ብኢዶም እዮም ዚበልዑ ነይሮም። ድሕሪ ምግቢ ድማ፡ ሓደ ጊልያ ንጐይታኡ ማይ ብምፍሳስ የሕጽቦ ነበረ። ስለዚ፡ ገሊኡ ዕዮታት ኤልሳእ፡ ኣትሒትካ ዚርአ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኤልሳእ፡ ጊልያ ኤልያስ ብምዃኑ ኸም ፍሉይ መሰል ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ።

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ክርስትያናት፡ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ይካፈሉ እዮም። ከምኡ ኺገብሩ ዝኸኣሉ፡ ብእምነት ስለ እተደረኹን ንጕልበቶም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኺጥቀሙሉ ባህጊ ስለ ዘለዎምን እዩ። ገሊኣቶም ንቤቶም ሓዲጎም ብምኻድ፡ ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጸትን ኣብ ካልእ መዳያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎትን፡ ብብዙሓት ሰባት ኣትሒትካ ዚርአ ዕዮ እዮም ዚዓይዩ። ይኹን እምበር፡ ዝዀነ ይኹን ክርስትያን፡ የሆዋ ንኸምዚ ዝበለ ኣገልግሎት ኣኽቢሩ ስለ ዚርእዮ፡ ከም ዘይረብሕ ወይ ከም ዜዋርድ ገይሩ ኺርእዮ የብሉን።—እብ. 6:10

ኤልሳእ ካብ ዕዮኡ ምንቕ ኣይበለን

ኣምላኽ ‘ንኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ንሰማይ ከየዕረጎ ኸሎ፡’ ናብ ጊልጋል፡ ቤት-ኤል ለኣኾ። ኤልያስ ንኤልሳእ፡ ኪተርፍ ከም ዚኽእል እኳ እንተ ነገሮ፡ ኤልሳእ ግና፡ ‘ኣይሓድገካን እየ’ በሎ። እናተጓዕዙ ኸለዉ፡ ኤልያስ ክልተ ሳዕ ንኤልሳእ ኪተርፍ እኳ እንተ ደፋፍኦ፡ ንሱ ግና ኣበየ። (2 ነገ. 2:1-6) ልክዕ ከምቲ ሩት ምስ ናእሚ ዝጠበቐት፡ ኤልሳእ እውን ምስ ኤልያስ ጠበቐ። (ሩት 1:8, 16, 17) ስለምንታይ፧ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ንኤልያስ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ስለ ዘማሰወሉ እዩ።

ኤልሳእ ሰናይ ኣብነት እዩ ዚዀነና። ኣብ ውድብ ኣምላኽ ገለ ፍሉይ መሰል ምስ ዚውሃበና፡ ንየሆዋ ነገልግሎ ኸም ዘሎና ድማ እንተ ዘኪርና፡ ነቲ ፍሉይ መሰል ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኢና። ካብዚ ዚዓቢ ኽብሪ ኸኣ የልቦን።—መዝ. 65:4፣ 84:10

“እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምን”

ኤልያስን ኤልሳእን ኪጓዓዙ ኸለዉ፡ ኤልያስ ንኤልሳእ፡ “ገና ኻባኻ ኸይተወሰድኩ እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምን” በሎ። ልክዕ ከምቲ ዓመታት ይገብር፡ ሰሎሞን ተመሳሳሊ ሕቶ ምስ ቀረበሉ ምስ መንፈሳዊ ነገራት ዚተሓሓዝ ልመና ዘቕረበ፡ ኤልሳእ እውን ከምኡ ገበረ። ‘መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊኡ ዕጽፊ ኪኸውን’ ድማ ለመነ። (1 ነገ. 3:5, 9፣ 2 ነገ. 2:9) ኣብ እስራኤል፡ በዅሪ ውሉድ፡ ካብ ርስቲ ዕጽፊ እዩ ዚውሃቦ ነይሩ። (ዘዳ. 21:15-17) ስለዚ፡ ኤልሳእ፡ ከም መንፈሳዊ ወራሲ ኤልያስ ኪኸውን እዩ ዚሓትት ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ልክዕ ከምቲ ‘ስለ የሆዋ ቕንኣት ዝቐንአ’ ኤልያስ ዝነበሮ ዓይነት ተባዕ መንፈስ ኪህልዎ ደለየ።—1 ነገ. 19:13, 14

እሞኸ ኤልያስ ንሕቶ ጊልያኡ ብኸመይ መለሰሉ፧ “ዜሸግር ነገር ለመንካ። ካባኻ ኽውሰድ ከሎኹ እንተ ርኤኻኒ ግና፡ ከምኡ ኪዀነልካ እዩ፡ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ኣይኸውንን እዩ” በሎ። (2 ነገ. 2:10) እዚ ኤልያስ ዝሃቦ ምላሽ፡ ክልተ ኣገዳሲ ነገራት ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ቀዳማይ፡ ኤልሳእ ከምቲ ዝለመኖ ኪዀነሉ እንተ ዀይኑ ዚውስኖ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ካልኣይ፡ ኤልሳእ ልማኖኡ ኺፍጸመሉ እንተ ደልዩ፡ ዝዀነ ይኹን ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ምስ ኤልያስ ኪጠብቕ ነበሮ።

ኤልሳእ ዝረኣዮ

ኣምላኽ ነቲ ኤልሳእ ዕጽፊ መንፈስ ኤልያስ ኪውሃቦ ዘቕረቦ ልመና ብኸመይ ረኣዮ፧ እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ “እናተዛራረቡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ እንሆ ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን፡ ኣብ መንጎኦም መጺኡ ንኽልቲኦም ፈላለዮም። ኤልያስ ድማ ብህቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ዐረገ።” ኤልሳእ ነዚ ዅሉ ይርእዮ ነበረ። * በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ንልመና ኤልሳእ መለሶ። ኤልሳእ፡ ኤልያስ ኪውሰድ ከሎ ረኣየ፣ ዕጽፊ መንፈስ ኤልያስ ተዋህቦ፣ መንፈሳዊ ወራሲ ነብዪ ኤልያስ ከኣ ኰነ።—2 ነገ. 2:11-14

ኤልሳእ ነቲ ኻብ ኤልያስ ዝወደቐ ባርኖስ ኣልዒሉ ተኸድኖ። እቲ ባርኖስ፡ ነብዪ ኣምላኽ ምዃኑ ዜርኢ እዩ ነይሩ። ብኣምላኽ ከም እተሸመ ዜርኢ ኻልእ መርትዖ ንምሃብ ድማ፡ ጸኒሑ ንሩባ ዮርዳኖስ ኣብ ክልተ ብምምቃል ተኣምር ገበረ።

ኤልሳእ፡ ኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ኪዓርግ ከሎ ምርኣዩ፡ ዓብዪ ጦብላሕታ ኣሕዲሩሉ ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ፡ ሓደ ሰብ ኵሉ መዓልቲ፡ ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን ኣይርእን እዩ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ትርኢት እዚ፡ የሆዋ ንልመና ኤልሳእ ኣወንታዊ ምላሽ ከም ዝሃበሉ ዜርኢ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ንጸሎትና ኺምልሶ ኸሎ፡ ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን ኣይንርእን ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ነቲ ዓብዪ ሓይሉ ተጠቒሙ ፍቓዱ ብርግጽ ከም ዚፍጽም ከነስተውዕል ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንምድራዊ ኽፋል ውድቡ ይባርኾ ኸም ዘሎ ኽንርኢ ኸለና፡ ብምሳልያዊ መገዲ ንሰማያዊት ሰረገላኡ ኸም ‘ዝረኣናያ’ ጌርና ኽንሓስብ ንኽእል ኢና።—ህዝ. 10:9-13

ኤልሳእ፡ የሆዋ ዜደንቕ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ዜርኢ ብዙሕ ነገራት ርእዩ እዩ። ብሓይሊ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ገይሩ፡ 16 ተኣምራት ኪገብር ክኢሉ እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ካብቲ ኤልያስ ዝፈጸሞ ተኣምራት ብዕጽፊ ዚዛይድ እዩ ነይሩ። * ኤልሳእ ንኻልኣይ ሳዕ ኣፍራስ ሓውን ሰረገላታት ሓውን ዝረኣየ፡ ምስቲ ኣብ ዶታን ዘጋጠመ ጸገማት ብዚተሓሓዝ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተገሊጹ ኣሎ።

ኤልሳእ ኣብ የሆዋ ተወከለ

ኤልሳእ ኣብ ዶታን ብጸላእቲ እኳ እንተ ተኸብበ፡ ሃዲኡ ነበረ። ስለምንታይ፧ ኣብ የሆዋ ድልድልቲ እምነት ስለ ዝነበረቶ እዩ። ንሕና እውን ከምኣ ዓይነት እምነት ተድልየና እያ። ስለዚ፡ እምነትን ካልእ መዳያት ፍረ መንፈስን ምእንቲ ኸነርኢ፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበና ንጸሊ።—ሉቃ. 11:13፣ ገላ. 5:22, 23

እቲ ኣብ ዶታን ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ንኤልሳእ ኣብ የሆዋን ኣብቶም ብዓይኒ ዘይርኣዩ ዜዕቍቡ ሰራዊትን ከም ዚውከል እዩ ገይርዎ። ኤልሳእ፡ ኣምላኽ ነታ ኸተማን ንኸበብታን ንምኽባብ፡ መላእኽቱ ኸም ዝለኣኸ ተገንዚቡ ነበረ። የሆዋ ነቶም ጸላእቲ ብዑረት ብምውቃዕ ድማ፡ ንኤልሳእን ንጊልያኡን ብተኣምራዊ መገዲ ኣድሓኖም። (2 ነገ. 6:17-23) ኤልሳእ ድማ ከምቲ ቕድሚኡ እውን ዚገብሮ ዝነበረ፡ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ተወከለ።

ንሕና እውን ልክዕ ከም ኤልሳእ፡ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ክንውከል ኣሎና። (ምሳ. 3:5, 6) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ‘ኣምላኽ ኪምሕረናን ኪባርኸናን’ እዩ። (መዝ. 67:1) ሓቂ እዩ፡ ቃል ብቓሉ ብሰረገላታት ሓውን ኣፍራስ ሓውን ኣይኰንናን ተኸቢብና ዘለና። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘሎ “ብርቱዕ ጸበባ፡” የሆዋ ኸም ዓለምለኻዊ ሕውነት መጠን ኬዕቍበና እዩ። (ማቴ. 24:21፣ ራእ. 7:9, 14) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ‘የሆዋ መዕቈቢና ኸም ዝዀነ’ ወትሩ ንዘክር።—መዝ. 62:8

^ ሕ.ጽ. 16 ኤልያስ ናብቲ የሆዋን መላእኽቱን ዚነብሩሉ ሰማያዊ ቦታ ኣይኰነን ዓሪጉ። ኣብታ ናይ 15 መስከረም 1997 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 15 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 19 ናይ 1 ነሓሰ 2005 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 10 ርአ።