ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ሓጐስ ልብኻ ግበሮ

ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ሓጐስ ልብኻ ግበሮ

“ምስክራትካ [“መዘኻኸሪታትካ:” NW] ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፡ ንዘለኣለም ርስተይ ገበርክዎ።”—መዝ. 119:111

1. (ሀ) ሰባት፡ መዘኻኸሪታት ኪውሃቦም ከሎ ብኸመይ እዮም ዚቕበልዎ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ሓደ ዕቡይ ሰብ፡ ምኽሪ ኺውሃቦ ኸሎ፡ ብኸመይ እዩ ዚቕበሎ፧

ሰባት ንዚውሃቦም መምርሒ ብእተፈላለየ መገድታት እዮም ምላሽ ዚህቡሉ። ካብ ብዓል ስልጣን ንዚውሃቦም መዘኻኸሪ ብጽቡቕ ኪቕበልዎ ኸለዉ፡ ነቲ ኻብ መዘናኦም ወይ ካብ ትሕት ዝበለ ሰብ ዚውሃቦም መዘኻኸሪ ወይ ምኽሪ ግና ዕሽሽ ይብልዎ ይዀኑ። ንተግሳጽን ምዕዶን ዚውሃቦ ምላሽ እውን ኣዝዩ እተፈላለየ እዩ። ገሊኣቶም ይጕህዩ፡ ይሓፍሩ፡ ወይ ይሽቝረሩ፣ ገሊኦም ግና ዝያዳ ምትእምማን ይሓድሮም፡ ዝሓሸ ንኺገብሩ ድማ ይድረኹ። ከምዚ ዝዓይነቱ ፍልልይ ዚርአ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ምኽንያት ሰባት ትዕቢት ስለ ዘለዎም እዩ። እወ፡ ሓደ ዕቡይ ሰብ፡ ምኽሪ ኺውሃቦ ኸሎ፡ እቲ ምኽሪ ንዕኡ ዚዓዪ ዀይኑ ስለ ዘይስምዖ፡ ኣይቅበሎን እዩ፣ ከይተጠቕመ ድማ ይተርፍ።—ምሳ. 16:18

2. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዚውሃቦም ምኽሪ ዜማስዉሉ ስለምንታይ እዮም፧

2 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግና፡ ጠቓሚ ምኽሪ ኺውሃቦም ከሎ፡ ብፍላይ እኳ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ምስ ዚኸውን፡ ብጽቡቕ እዮም ዚቕበልዎ። መዘኻኸሪታት የሆዋ፡ ብኸም ፍቕረ ንዋይ፡ ጾታዊ ርኽሰት፡ ከምኡውን ሓሽሽ ወይ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ ዝኣመሰለ መፈንጠራ ንኸይንፍንጠር ብምስትምሃርን ብምሕጋዝን ምስትውዓል ይህበና እዩ። (ምሳ. 20:1፣ 2 ቈረ. 7:1፣ 1 ተሰ. 4:3-5፣ 1 ጢሞ. 6:6-11) ብዘይካዚ፡ ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ምስ እንእዘዞ፡ “ብሓጐስ ልቢ” እልል ንብል ኢና።—ኢሳ. 65:14

3. ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መዝሙር፡ እንታይ ክንቀድሖ ዘሎና ኣመለኻኽታ እዩ ነይርዎ፧

3 ነቲ ምስ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ኽቡር ርክብ ምእንቲ ኽንዕቅቦ፡ ነቲ ጥበባዊ ምኽሪ የሆዋ ኣብ ናብራና ኽንዓይየሉ ይግባእ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “ምስክራትካ [“መዘኻኸሪታትካ፡” NW] ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፡ ንዘለኣለም ርስተይ ገበርክዎ” በለ። ንሕና እውን ከምኡ ዓይነት ኣመለኻኽታ ኸነንጸባርቕ ይግባእ። (መዝ. 119:111) እሞኸ፡ ኣብነት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብምስዓብ፡ ንትእዛዛት የሆዋ ንሕጐሰሉ ዲና፧ ወይስ ሓድሓደ ግዜ ኸም ጾር ጌርና ኢና እንርእዮ፧ ሓሓሊፉ፡ ገሊኡ ምኽሪ ጸላዕላዕ ዜብለና እኳ እንተ ዀነ፡ ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። ነቲ ኣብቲ ብሉጽ ጥበብ ኣምላኽ ዘሎና እምንቶ፡ ወትሩ ኸነደልድሎ ንኽእል ኢና። ነዚ ኽንገብረሉ እንኽእል ሰለስተ መገድታት እስከ ንመርምር።

ንእምንቶኻ ብጸሎት ኣደልድሎ

4. ኣብ ህይወት ዳዊት ዘይቅየር ዝነበረ ነገር እንታይ እዩ፧

4 ንጉስ ዳዊት ኣብ ህይወቱ ዜሐጕስን ዜጕህን ነገራት የጋጥሞ እኳ እንተ ነበረ፡ ሓደ ዘይቅየር ነገር ግና ነይርዎ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ፈጣሪኡ ዝነበሮ ምሉእ እምንቶ ወይ ትውክልቲ እዩ። “ዎ እግዚኣብሄር፡ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል አሎኹ። ዎ ኣምላኸይ፡ ኣባኻ ተወኪለ እኔኹ” ድማ በለ። (መዝ. 25:1, 2) ዳዊት ኣብ ሰማያዊ ኣቦኡ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትውክልቲ ንኼማዕብል ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

5, 6. ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዳዊት ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ እንታይ ይብለና፧

5 ሓያሎ ሰባት ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥሞም ከሎ ጥራይ እዮም ናብ ኣምላኽ ዚጽልዩ። ሓደ ፈታዊኻ ወይ ዘመድካ ገንዘብ ኬድልዮ ኸሎ ወይ ሓደ ነገር ክትገብረሉ ኺደሊ ኸሎ ጥራይ እንተ ዚዛረበካ፡ እንታይ ምተሰምዓካ፧ ድሕሪ ገለ ግዝያት፡ እቲ ሰብ ብሓቂ ዚፈትወካ እንተ ዀይኑ፡ ኬጠራጥረካ ይኽእል እዩ። ዳዊት ግና ከምኡ ዓይነት ሰብ ኣይነበረን። ኣብ ምሉእ ህይወቱ፡ ማለት ዜሐጕስ ነገራት ኰነ ዜጕሂ ነገራት ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ወትሩ ንኣምላኹ የፍቅሮን ኣብኡ ይውከልን ከም ዝነበረ፡ ኣብ ጸሎቱ ተንጸባሪቑ እዩ።—መዝ. 40:8

6 ነቲ ዳዊት፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታና፡ ኣታ ንግርማኻ ኣብ ሰማያት ዝተኸልካዮ፡ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ” ብምባል ናብ የሆዋ ዘቕረቦ ውዳሰን ምስጋናን እሞ ኣቕልበሉ። (መዝ. 8:1) እዚ ቓላት እዚ፡ ዳዊት ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ጥብቂ ርክብ ከም ዝነበሮ ዚሕብርዶ ኣይኰነን፧ እቲ ዳዊት ብዛዕባ ዕቤትን ግርማን ኣምላኽ ዝነበሮ ሞሳ ንየሆዋ “ምሉእ መዓልቲ” ንኺውድሶ ደሪኽዎ እዩ።—መዝ. 35:28

7. ንኣምላኽ ብጸሎት ኣቢልና ምስ እንቐርቦ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧

7 ንሕና እውን፡ እቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ወይ ትውክልቲ ምእንቲ ኺድልድል፡ ከም ዳዊት ምስ የሆዋ ኣዘውቲርና ኽንራኸብ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ይብለና። (ያእ. 4:8) ጸሎት ንኣምላኽ ንኽንቀርቦ ዚሕግዝ መገዲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መንፈስ ቅዱስ ንኽንረክብ ዜኽእለና ኣገዳሲ መገዲ እውን እዩ።—1 ዮሃንስ 3:22 ኣንብብ።

8. ተደጋጋሚ ዓይነት ጸሎት ከነቕርብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

8 ክትጽሊ ኸለኻ፡ ሓረጋት ወይ ቃላት ትደጋግም ኰይኑ ይስምዓካዶ፧ ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ቅድሚ ምጽላይካ፡ እንታይ ከም እትብል ሕሰብ። ንሓደ ፈታዊና ወይ ዘመድና ኽንዛረቦ ኸለና ወትሩ ሓደ ዓይነት ቃላት እንተ ንደግመሉ፡ ባህ ምበሎዶ፧ ባህ ከም ዘይብሎ ፍሉጥ እዩ፡ እኳ ደኣስ እዝኑ ኺዓጽወልና ይጅምር ይኸውን። የሆዋ ነቲ እሙናት ኣገልገልቱ ብቕንዕና ዜቕርብዎ ጸሎት ዕሽሽ ከም ዘይብሎ ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ብጸሎት ክንቀርቦ ኸለና ሓደ ዓይነት ልምዲ ንኸይንስዕብ ክንጥንቀቕ ኣሎና።

9, 10. (ሀ) ኣብ ጸሎትና እንታይ ኢና ኽንጠቅስ እንኽእል፧ (ለ) ልባዊ ጸሎት ንኸነቕርብ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

9 ንኣምላኽ ክንቀርቦ ንደሊ እንተ ዄንና፡ ጸሎትና ናይ ላዕለ ላዕሊ ኪኸውን ከም ዘይብሉ ንጹር እዩ። ንየሆዋ ናይ ልብና እንተ ኣፍሲስናሉ፡ ብዝያዳ ኽንቀርቦን ክንውከሎን ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጸሎትና እንታይ ኢና ኽንጠቅስ ዘሎና፧ ቃል ኣምላኽ፡ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ” ብምባል ይምልሰልና። (ፊል. 4:6) እወ፡ ምስ የሆዋ ንዘሎና ርክብ ወይ ከም ኣገልገልቱ መጠን ንዘሎና ህይወት ዚትንክፍ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣብ ጸሎትና ኽንጠቅስ ግቡእ እዩ።

10 ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ዘቕረብዎ ጸሎት ምስ እንምርምሮ፡ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። (1 ሳሙ. 1:10, 11፣ ግብ. 4:24-31) ንኣብነት፡ መጽሓፍ መዝሙር፡ መሪር ሓዘንን ምሉእ ሓጐስን እተገልጸሉ ናብ የሆዋ ዝቐረበ ሓያሎ ልባዊ ጸሎትን መዝሙርን ሒዙ ኣሎ። ነዚ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘቕረብዎ ጸሎት ምስ እንምርምሮ፡ ንሕና እውን ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና፡ ትርጕም ዘለዎ ጸሎት ንኸነቕርብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ኣስተንትነሉ

11. ነቲ ኣምላኽ ዚህበና ምዕዶ ኸነስተንትነሉ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

11 ዳዊት፡ “ምስክር እግዚኣብሄር [“መዘኻኸሪታት የሆዋ፡” NW] እሙን እዩ፡ ንገርሂ የጥብቦ” በለ። (መዝ. 19:7) እወ፡ ገርህታት ወይ ተመክሮ ዘይብልና እኳ እንተ ዀንና፡ ትእዛዛት ኣምላኽ ብምሕላው ጥበበኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ካብ ገሊኡ ቕዱሳት ጽሑፋት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም ግና፡ ከነስተንትነሉ ኼድልየና እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕና ንጽህናና ንኽንሕሉ፡ ብዛዕባ ደም ዚገልጽ ስርዓታት ኣምላኽ ንኸነኽብር፡ ክርስትያናዊ ገለልትነትና ንኽንዕቅብ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት፡ ሓሳባት ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥና፡ ኬጋጥም ንዚኽእል ጸገማት ብኣጋኡ ብምድላው ወሲንና ንኽንጸንሕ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምድላው፡ ካብ ጌጋ ኺሰትረና ይኽእል እዩ።—ምሳ. 15:28

12. ብዛዕባ እንታይ ምስትንታንና እዩ ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ወትሩ ንኸነቕልበሉ ኺሕግዘና ዚኽእል፧

12 መብጽዓታት ኣምላኽ ኪፍጸም ክንጽበ ኸለና፡ ብመንፈስ ንቑሓት ከም ዝዀንና ብናብራ ህይወትና ነርኢ ዲና፧ ንኣብነት፡ ዓባይ ባቢሎን ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸም እትጠፍእ ብሓቂዶ ንኣምን ኢና፧ እቲ ኸም ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ምንባር ዝኣመሰለ እንጽበዮ በረኸታት፡ ከምቲ መጀመርታ ብዛዕባኡ ኽንመሃር ከለና፡ ዚስምዓና ዝነበረ፡ ብሓቂ ኸም ዚፍጸም ይስምዓና ድዩ፧ ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ከም ቀደሙ ሃልሃል ድዩ ዚብል ዘሎ ወይስ ንብሕታዊ ጕዳያት ኢና ቐዳምነት እንህቦ፧ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤን ምቕዳስ ስም የሆዋን ምርግጋጽ ልዑላውነቱን ዘሎና ኣመለኻኽታኸ ኸመይ እዩ ዘሎ፧ ነዚ ነገራት እዚ ሕጂ እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርና ዲና እንርእዮ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ምስ እነስተንትነሉ፡ ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ፡ ንሕና እውን ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ፡ ‘ንዘለኣለም ርስትና ኽንገብሮ’ ንኽእል ኢና።—መዝ. 119:111

13. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ገሊኡ ነገራት ንምርዳኡ ዜጸግሞም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

13 የሆዋ ንገሊኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ነገራት ዜብርሃሉ ግዜ ስለ ዘይኣኸለ፡ እቲ ጥቕስታት ኣብዚ ግዜ እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣይርድኣናን ይኸውን። የሱስ ግድን ኪሳቐን ኪመውትን ከም ዚግብኦ ንሃዋርያቱ ደጋጊሙ ነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 12:40፣ 16:21 ኣንብብ።) ሃዋርያት ግና እንታይ ማለቱ ኸም ዝዀነ ኣይተረድኦምን ነይሩ። ድሕሪ ሞቱን ትንሳኤኡን ስጋ ሰብ ለቢሱ ንሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ተራእዮም፡ ከምኡውን “ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ኬስተውዕልዎ፡ ኣእምሮኦም [ምስ] ከፈተሎም” ጥራይ እዮም ተረዲኦምዎ። (ሉቃ. 24:44-46፣ ግብ. 1:3) ብዘይካዚ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ብ33 ድ.ክ. መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዚወርዶም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ከም ዝቘመት ኣየስተውዓልዎን ነይሮም።—ግብ. 1:6-8

14. ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን፡ ሓያሎ ኣሕዋት ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ዘይተረድእዎ ነጥብታት እኳ እንተ ነበረ፡ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዮም ገዲፎምልና፧

14 እቶም ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ዝነበሩ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን፡ ብዛዕባ “ዳሕሮት መዓልትታት” ግጉይ ትጽቢታት ነይርዎም እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) ንኣብነት፡ ብ1914 ገሊኣቶም ቀልጢፎም ናብ ሰማይ ዚኸዱ ይመስሎም ነበረ። ተስፋኦም ኣብቲ ግዜ እቲ ስለ ዘይተፈጸመ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ከም ብሓድሽ ብዕቱብ መርመርዎ እሞ፡ መጀመርታ ሰፊሕ ወፈራ ስብከት ኪካየድ ከም ዜድሊ ተገንዘቡ። (ማር. 13:10) ስለዚ፡ ብ1922፡ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ዝነበሮ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ፡ ነቶም ኣብ ሴዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ. ኣብ እተገብረ ኣህጕራዊ ኣኼባ ዝነበሩ ተኣከብቲ፡ “ርኣዩ፡ እቲ ንጉስ ይገዝእ ኣሎ! ንስኻትኩም ድማ ብዛዕባኡ እትነግሩ ልኡኻት ኢኹም። ሃየ እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ንጉስን መንግስቱን ኣውጁ፡ ኣውጁ፡ ኣውጁ” በሎም። ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ስብከት “ብስራት መንግስቲ” ኣምላኽ፡ መለለዪ እዞም ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ዀይኑ ኣሎ።—ማቴ. 4:23፣ 24:14

15. ነቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ዚሕዘሉ መገዲ ምስ እነስተንትነሉ፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

15 ነቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ይኹን ኣብዚ ግዜ እዚ ንህዝቡ ዚሕዘሉ ዜደንቕ መገዲ ምስ እነስተንትነሉ፡ ንሱ ኣብ መጻኢ እውን እንተ ዀነ ፍቓዱን ዕላማኡን ኪፍጽም ከም ዚኽእል ዝያዳ ምትእምማን የሕድረልና። ምስናይዚ እውን መዘኻኸሪታት ኣምላኽ፡ ነቲ ብሕጂ ዚፍጸም ትንቢታት ካብ ኣእምሮናን ልብናን ከም ዘይሃስስ እዩ ዚገብሮ። እወ፡ ብዛዕባ መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ምስትንታንና፡ ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ብዝያዳ ኸም እንተኣማመን እዩ ዚገብረና።

ንእምንቶኻ ብኣምልኾ ኣደልድሎ

16. ኣብ ኣገልግሎት ንጡፋት እንተ ዄንና እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

16 የሆዋ ኣምላኽና፡ ስጕምቲ ኻብ ምውሳድ ድሕር ዘይብል፡ ብርቱዕ ኣምላኽ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ከማኻ ስልጡን መን እዩ፧ ዎ ጐይታይ” ኢሉ ድሕሪ ምሕታቱ፡ “ኢድካ ብርትዕቲ፡ የማነይትኻ ልዕልቲ እያ” በለ። (መዝ. 89:8, 13) የሆዋ ምስዚ ብምስምማዕ፡ ነቲ ንረብሓታት እታ መንግስቲ ንምድንፋዕ እንገብሮ ጻዕሪ የማስወሉን ይባርኾን እዩ። ኣገልገልቱ፡ ደቂ ተባዕትዮ ዀኑ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዓበይቲ ዀኑ ንኣሽቱ፡ ኢዶም ኣጣሚሮም ኮፍ ብምባል “እንጌራ ትህኪት” ከም ዘይበልዑ ይርእዮም እዩ። (ምሳ. 31:27) ንሕና እውን ከም ፈጣሪና፡ ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ትሑዛት ኢና። ንኣምላኽ ብምሉእ ነፍስና ኸነገልግሎ ኸለና ዕግበት የምጽኣልና፣ የሆዋ እውን በቲ እንገብሮ ጻዕሪ ኣዝዩ ስለ ዚሕጐስ ንኣገልግሎትና ይባርኾ እዩ።—መዝሙር 62:12 ኣንብብ።

17, 18. እቲ ብእምነት እንፍጽሞ ተግባራት፡ ነቲ ኣብ መዘኻኸሪታት የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ወይ እምንቶ ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

17 እቲ ብእምነት እንፍጽሞ ተግባራት፡ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ወይ እምንቶ ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧ ነቲ፡ ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ኸለዉ ዘጋጠሞም ነገራት ዚገልጽ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ንመርምር። የሆዋ ነቶም ታቦት ኪዳን ጸይሮም ዝነበሩ ኻህናት ንርባ ዮርዳኖስ ብእግሮም ንኺሳገርዎ ኣዘዞም። ግናኸ፡ እቶም ህዝቢ ናብቲ ርባ እናቐረቡ ምስ ከዱ፡ ብዝናም ጽድያ መሊኡ፡ ከም ዘዕለቕለቐ ኺርእይዎ ኽኢሎም እዮም። እሞኸ፡ እስራኤላውያን ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ገበሩ፧ ኣብ ወሰን እቲ ርባ ብምስፋር፡ እቲ ማይ ክሳዕ ዚጐድል ንሰሙናት ኪጽበዩ ድዮም ወሲኖም፧ ኣይፋሎምን። ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ብምውካል ንመምርሒኡ ስዒቦም እዮም። ከምኡ ብምግባሮምከ እንታይ ውጽኢት ተረኽበ፧ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ኻህናት ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ . . . እቲ ኻብ ላዕሊ ዚወርድ ዝነበረ ማይ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ደው በለ . . . እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዚጾሩ ኻህናት ከኣ ኣብቲ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ቀጥ ኢሎም ደው ኢሎም ነበሩ። ብዘሎ እቲ ህዝቢ ፈጺሙ ንዮርዳኖስ ክሳዕ ዚሳገሮ፡ ኵሉ እስራኤል በቲ ንቑጽ ሐለፈ።” (እያ. 3:12-17) እስራኤላውያን፡ እቲ ኣዕለቕሊቑ ዝነበረ ብርቱዕ ማይ ኬቋርጽ ኪርእይዎ ኸለዉ ኽሳዕ ክንደይ ተሓጒሶም ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉስ ብኣእምሮኻ እሞ ስኣሎ! እወ፡ እስራኤላውያን ብመምርሒታት የሆዋ ስለ እተኣመኑ፡ እምነቶም ደልዲላ እያ።

ንስኻኸ ኸምታ እቶም ኣብ ግዜ እያሱ ዝነበሩ ህዝቢ የሆዋ ዘርኣይዋ ዓይነት እምንቶ ኸተርኢ ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 17ን 18ን ርአ)

18 ሎሚ የሆዋ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ተኣምራት ከም ዘይፍጽም ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ብእምነት ዚፍጽምዎ ተግባራቶም ግና፡ ይባርኾ እዩ። መንፈስ ቅዱሱ ብምሃብ፡ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ንኺፍጽምዎ ሓይሊ ይህቦም እዩ። እቲ ቐንዲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ . . . እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ ስርዓት ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብምባል ኣብዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ኸም ዚድግፎም ኣረጋጊጹሎም እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ሓፋራት ከም ዝዀኑ ዚስምዖም ዝነበረ ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንዚረኽብዎም ዘይፈልጥዎም ሰባት ብትብዓት ኪዛረብዎም ከም ዝኸኣሉ ይምስክሩ እዮም።—መዝሙር 119:46፣ 2 ቈረንቶስ 4:7 ኣንብብ።

19. ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከምቲ እንምነዮ ኽንገብር ዓቕሚ ምስ ዘይህልወና፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

19 ገሊኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምኽንያት ሕማም ወይ እርጋን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከምቲ ዚምነይዎ ኺገብሩ ዓቕሚ የብሎምን። ግናኸ፡ “እቲ ኣቦ ርሕራሐን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን ዝዀነ ኣምላኽ” ንዅነታት ነፍሲ ወከፍ ናይ ሓቂ ክርስትያን ከም ዚርድኦ፡ ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (2 ቈረ. 1:3) የሆዋ ንዅሉ እቲ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ እንገብሮ ጻዕሪ የማስወሉ እዩ። ኵላትና፡ ነፍስና ኽትድሕን እትኽእል፡ ብቐዳምነት ኣብ በጃ ክርስቶስ እምነት ምስ እትህልወና ጥራይ ምዃኑ ኽንዝክር ኣሎና።—እብ. 10:39

20, 21. ገለ ኻብቲ ብየሆዋ ኸም እንእመን እነርእየሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

20 ንግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን፡ ብእተኻእለ መጠን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከነውዕሎ ኣሎና። እዚ ገለ ኻብቲ ኣምልኾና እንፍጽመሉ መገድታት እዩ። እወ፡ ብምሉእ ልብና፡ “ግብሪ ወንጌላዊ” ኽንገብር ኣሎና። (2 ጢሞ. 4:5) እዚ ንሰባት ‘ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጹ’ ኸም ዚሕግዞም ስለ እንፈልጥ ድማ ተሓጒስና ኢና እንፍጽሞ። (1 ጢሞ. 2:4) ንየሆዋ ኸነኽብሮን ክንውድሶን ከለና ብመንፈስ ከም እንህብትም ፍሉጥ እዩ። (ምሳ. 10:22) ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ዕዮ እቲ ምጽማድና፡ ዝመጸ ይምጻእ ብፈጣሪና ምሉእ ብምሉእ ከም እንመን እዩ ዚገብረና።—ሮሜ 8:35-39

21 ከምቲ ኣቐዲምና እተመያየጥናሉ፡ ኣብቲ ጥበባዊ ዝዀነ መምርሒ የሆዋ ምውካል፡ ብሃውሪ ዚመጽእ ዘይኰነስ፡ ጻዕሪ ዜድልዮ እዩ። ስለዚ፡ ብእተኻእለ መጠን ብጸሎት ኣብ የሆዋ ተወከል። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ፍቓዱ ንምፍጻም ዝገበሮን ንዚመጽእ ዚገብሮን ነገራት ኣስተንትን። ነታ ኣብ የሆዋ ዘላትካ እምንቶ ብኣምልኾ ጌርካ ወትሩ ኣደልድላ። እወ፡ መዘኻኸሪታት የሆዋ ንዘለኣለም እዩ ዚነብር። ንሳኻ እውን ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ።