ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዘኻኸሪታት የሆዋ እሙን እዩ

መዘኻኸሪታት የሆዋ እሙን እዩ

“ምስክር እግዚኣብሄር [“መዘኻኸሪታት የሆዋ፡” NW] እሙን እዩ፡ ንገርሂ የጥብቦ።”—መዝ. 19:7

1. እንታይ ርእሰ ነገራት ኢና ብስሩዕ እነጽንዕ፧ ነዚ ደጋጊምና ምጽናዕናኸ ብኸመይ ይጠቕመና፧

ኣብ ዚመጽእ ዚጽናዕ ግምቢ ዘብዐኛ ኽትዳሎ ኸለኻ፡ ‘እዚ ደኣ ቕድሚ ሕጂዶ ኣይተመሃርናዮን ኢና፧’ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ገለ ግዜያት ኣቐድም ኣቢልካ ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽትእከብ እንተ ደኣ ጸኒሕካ፡ ገሊኡ ትምህርቲ ብተደጋጋሚ ኸም ዝቐረበ ኣስተብሂልካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን በጃን ዕዮ ደቀ መዛሙርትን ከምኡውን ብዛዕባ ኸም ፍቕርን እምነትን ዝኣመሰለ ባህርያት ዚግበር መጽናዕቲ፡ ስሩዕ ክፍሊ መንፈሳዊ መኣድና እዩ። ነዚ ርእሰ ነገራት እዚ ደጋጊምና ምጽናዕና፡ ብእምነት ጥዑያት ኴንና ንኽንመላለስን ‘ሰማዕቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ገበርቲ ቓል’ ንኽንከውንን ይሕግዘና እዩ።—ያእ. 1:22

2. (ሀ) መዘኻኸሪታት ኣምላኽ መብዛሕትኡ ግዜ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ለ) መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ካብቲ ሰባት ዜውጽእዎ ሕግታት ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧

2 እታ “መዘኻኸሪ” እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቓል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ዚህቦም ሕግታትን ትእዛዛትን ስርዓታትን እያ እተመልክት። ደቂ ሰብ ዜውጽእዎ ሕግታት መብዛሕትኡ ግዜ ኺመሓየሽ ወይ ኪእረም የድልዮ እዩ። ሕግታትን ስርዓታትን የሆዋ ግና ወትሩ እሙን እዩ። ገሊኡ ሕግታት ኣብ እተወሰነ ግዜ ወይ ኵነታት ጥራይ ንኺትግበር ተባሂሉ ኸም እተሓገገ ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ጕድለት ግና የብሉን። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ምስክራትካ [“መዘኻኸሪታትካ፡” NW] ንዘለኣለም ጽድቂ እዩ” በለ።—መዝ. 119:144

3, 4. (ሀ) መዘኻኸሪታት የሆዋ እንታይ እዩ ኼጠቓልል ዚኽእል፧ (ለ) እስራኤላውያን ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ እንተ ዚሕልውዎ ነይሮም ብኸመይ ምተጠቕሙ፧

3 ሓድሓደ ግዜ መዘኻኸሪታት የሆዋ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ዝሓቘፈ ምዃኑ ኣስተብሂልካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ብነብያቱ ኣቢሉ ኣዘውቲሩ መጠንቀቕታ ይህቦም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ቐቅድሚ ምእታዎም፡ ሙሴ፡ “ሽዑ ልብኹም ከይስሕት፡ ኣግሊስኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይተምልኹን ከይትሰግዱሎምን፡ ኵራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣባኻትኩም ከይነድድ . . . ንርእስኹም ተጠንቀቑ” በሎም። (ዘዳ. 11:16, 17) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ ሓያሎ መዘኻኸሪታት ከም ዝሃቦም ይገልጽ እዩ።

4 ኣብ ሓያሎ ኻልእ ኣጋጣሚታት እውን፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ኪፈርህዎን ድምጹ ኺሰምዑን ስሙ ኪቕድሱን ተማሕጺንዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 4:29-31፣ 5:28, 29) ነዚ መዘኻኸሪታት እዚ እንተ ሓልዮምዎ፡ ሓያሎ በረኸታት ኪቕበሉ ኸም ዚኽእሉ ርግጸኛታት እዮም ነይሮም።—ዘሌ. 26:3-6፣ ዘዳ. 28:1-4

እስራኤላውያን ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ብኸመይ ተቐበልዎ፧

5. የሆዋ ንንጉስ ህዝቅያስ እተዋግኣሉ ስለምንታይ እዩ፧

5 ኣብ ኵሉ እቲ እስራኤላውያን ዘሕለፍዎ ታሪኽ፡ ኣምላኽ መብጽዓኡ ፈጺሙ እዩ። ንኣብነት፡ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ንይሁዳ ምስ ወረራን ንንጉስ ህዝቅያስ ምስ ኣፈራርሆን፡ የሆዋ ንህዝቡ ንኺሕግዝ ሓደ መልኣኽ ለኣኸ። እቲ መልኣኽ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ኣብ ሰራዊት ኣሶር ንዝነበሩ “ዅሎም ሓያላት ጀጋኑ” ኣጥፈኦም፣ ሰናክሬብ ከኣ ተዋሪዱ ናብ ሃገሩ ተመልሰ። (2 ዜና 32:21፣ 2 ነገ. 19:35) ኣምላኽ ንንጉስ ህዝቅያስ እተዋግኣሉ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱስ [ህዝቅያስ] ኣብ እግዚኣብሄር ጠበቐ፡ ካብ ምስዓቡ ኣየግለሰን፡ . . . ትእዛዛቱውን ሐለወ” ብምባል ምኽንያቱ ገሊጹልና ኣሎ።—2 ነገ. 18:1, 5, 6

ዮስያስ፡ መዘኻኸሪታት የሆዋ ምስ ሰምዐ፡ ምእንቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ስጕምቲ ኺወስድ ተደረኸ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

6. ንጉስ ዮስያስ ብየሆዋ እተኣመነ ብኸመይ እዩ፧

6 ትእዛዝ የሆዋ ብምሕላው ኣብነት ዝገደፈልና ኻልእ ንጉስ ከኣ፡ ንጉስ ዮስያስ እዩ። ንሱ ኻብ ንእሽቶኡ፡ ማለት ወዲ ሸሞንተ ዓመት ከሎ ኣትሒዙ፡ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ . . . ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣየግለሰን።” (2 ዜና 34:1, 2) ነታ ሃገር ካብ ጣኦታት ብምጽራይ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ድማ ከም ዚምለስ ብምግባር ብየሆዋ ኸም ዚእመን ኣርእዩ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንርእሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም እቶም ህዝቢ በረኸት ኣምጽኣሎም።—2 ዜና መዋእል 34:31-33 ኣንብብ።

7. እስራኤላውያን ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ዕሽሽ ኪብልዎ ኸለዉ፡ እንታይ የጋጥሞም ነበረ፧

7 እቲ ዜሕዝን ግና ህዝቢ ኣምላኽ ብመዘኻኸሪታት የሆዋ ዘይእመኑሉ ግዜያት እውን ነይሩ እዩ። ንዘመናት ዚኣክል ትእዛዛት ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ጥሒሶም እዮም። እምነቶም ክትደክም ከላ፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፈሎም፡ ንሳቶም እውን መብዛሕትኡ ግዜ፡ ‘ብዅሉ ንፋስ ትምህርቲ ንየው ነጀው ይኽብከቡ’ ነበሩ። (ኤፌ. 4:13, 14) ከምቲ ብትንቢት እተነገረ ኸኣ፡ ኣብ መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ዝነበሮም እምነት ኬጥፍኡ ኸለዉ፡ ሕማቕ ፍረ ይዓጽዱ ነበሩ።—ዘሌ. 26:23-25ኤር. 5:23-25

8. ካብ ታሪኽ እስራኤላውያን ብኸመይ ክንመሃር ንኽእል፧

8 ካብ ታሪኽ እስራኤላውያን ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧ ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ምኽርን ተግሳጽን ይውሃቦም እዩ። (2 ጴጥ. 1:12) ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦ ኸለና፡ መዘኻኸሪ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዘሎና፡ መምርሒታት የሆዋ ንኽንሕሉ ኽንመርጽ ንኽእል ኢና፣ ወይ እውን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ቕኑዕ ኰይኑ እተራእየና ኽንስዕብ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 14:12) እስከ እምበኣር፡ ገለ ኻብቲ ብመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ከም እንእመን ኪገብረና ዚኽእል ምኽንያታት እንታይ ምዃኑን ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ብምሕላውና ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእልን ንመርምር።

ንኣምላኽ እናተገዛእካዮ ንበር

9. እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ የሆዋ ኸም ዚድግፎም ዘረጋገጸሎም ብኸመይ እዩ፧

9 እስራኤላውያን ነቲ 40 ዓመት ዝወሰደ፡ በቲ ‘ዜፍርህ በረኻ’ ዝገበርዎ ጕዕዞኦም ኪጅምርዎ ኸለዉ፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዚመርሖምን ከም ዜዕቕቦምን ከም ዚከናኸኖምን ኣቐዲሙ ንጹር ዝዀነ ዝርዝር ነጥብታት ኣይሃቦምን። ኰይኑ ግና፡ ብእኡን ብስርዓታቱን ኪእመኑ ኸም ዚኽእሉ ብተደጋጋሚ ኣርእይዎም እዩ። ብመዓልቲ፡ ዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ኸኣ ዓንዲ ሓዊ እናተጠቕመ፡ ኣብቲ ዜፍርህ በረኻ እናደገፈ ኸም ዚመርሖም የዘኻኽሮም ነበረ። (ዘዳ. 1:19፣ ዘጸ. 40:36-38) ዜድልዮም ዘበለ መሰረታዊ ነገራት እውን የዳልወሎም ነይሩ እዩ። እቲ ጸብጻብ፡ “ገለ ኸየጕደልካ፡ . . . መገብካዮም። ክዳውንቶምውን ኣይአረገን፡ ኣእጋሮም ድማ ኣይሐበጠን” ይብለና።—ነህ. 9:19-21

10. የሆዋ ሎሚ ንህዝቡ ዚመርሖም ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

10 ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ድርኵዂት እታ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም እዮም ዚነብሩ ዘለዉ። የሆዋ፡ ካብቲ ዚመጽእ “ብርቱዕ ጸበባ” ንኽንድሕን ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ንተኣማመን ዲና፧ (ማቴ. 24:21, 22፣ መዝ. 119:40, 41) ንሱ ናብ ሓዳስ ዓለም ንኺመርሓና፡ ዓንዲ ደበና ወይ ዓንዲ ሓዊ ኸም ዘይተጠቕመ ፍሉጥ እዩ። ግናኸ፡ ንቑሓት ኴንና ምእንቲ ኽንነብር ብውድቡ ኣቢሉ እዩ ዚሕግዘና ዘሎ። ንኣብነት፡ ብናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብኣምልኾ ስድራ ቤትን ጌርና መንፈሳውነትና ንኸነደልድል ከምኡውን ካብ ኣኼባታትን ኣገልግሎትን ንኸይንበኵር ብተደጋጋሚ መዘኻኸሪ ኺውሃበና ጸኒሑ እዩ። ነዚ መምርሒ እዚ ንኽንስዕብ፡ ዝገበርናዮ ምትዕርራያት ኣሎዶ፧ ከምዚ ምግባርና፡ ናብ ሓዳስ ዓለም ከተስግረና እትኽእል እምነት ንኸነጥሪ ኺሕግዘና እዩ።

ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ፡ ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተኸናኺንና ኽንሕዞ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. ገለ ኻብቲ ኣምላኽ ከም ዚሓልየልና ዜርኢ መገድታት እንታይ እዩ፧

11 እቲ እንረኽቦ መምርሒታት፡ ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና ንኽንነብር ኣብ ርእሲ ምሕጋዙ፡ ኣብ መዓልታዊ ናብራና እውን ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት፡ ጭንቀት ምእንቲ ኽንንኪ ንዓይንና ወትሩ ትኵርቲ ኽንገብራ፡ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ድማ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ንኽንሕዝ መዘኻኸሪ ይውሃበና እዩ። ብዘይካዚ፡ ካብቲ ብዛዕባ ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን፡ ጥዑይ ዓይነት መዘናግዒ ብዛዕባ ምምራጽ፡ ከምኡውን መጠነኛ ዓይነት ትምህርቲ ብዛዕባ ምውሳን እተዋህበና መምርሒ ተጠቒምና ኢና። ብዛዕባ እቲ ምስ ኣባይትናን ማካይንናን ኣዳራሻት መንግስትናን ዚተሓሓዝን ንሃንደበታዊ ዅነታት ንኽንዳሎን ዚውሃበና መዘኻኸሪታት ድሕነት እውን ንሕሰብ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምኽሪ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ድሕንነትና ኸም ዚሓሊ ዚሕብር እዩ።

መዘኻኸሪታት ንቐዳሞት ክርስትያናት እሙናት ኰይኖም ኪነብሩ ሓጊዝዎም

12. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ እንታይ እዩ ንደቀ መዛሙርቱ ደጋጊሙ እተዛረቦም፧ (ለ) ንጴጥሮስ እንታይ ዓይነት መርኣያ ትሕትና እዩ ዘይርሳዕ ጦብላሕታ ዘሕደረሉ፧ እዚኸ ንዓና ብኸመይ እዩ ኺጸልወና ዘለዎ፧

12 ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ህዝቢ ኣምላኽ ወትሩ መዘኻኸሪታት ይውሃቦም ነይሩ እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ትሕትና ኼማዕብሉ ብተደጋጋሚ ተዛሪብዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ ትርጕም ትሕትና ጥራይ ኣይኰነን ገሊጹሎም፣ ነዛ ባህሪ እዚኣ ብኸመይ ከም ዜንጸባርቕዋ እውን ኣርእይዎም እዩ። ኣብታ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ዝጸንሓላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ፋስጋ ኼብዕሉ ኣከቦም። ሃዋርያቱ እናበልዑ ኸለዉ፡ ካብ መኣዲ ተንሲኡ ኣእጋሮም ሓጸቦም። እዚ ተግባር እዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብሓደ ግዙእ እዩ ዚፍጸም ነይሩ። (ዮሃ. 13:1-17) እዚ ትሕትና ዚንጸባረቐሉ ተግባር እዚ፡ ንሃዋርያት የሱስ ዘይርሳዕ ጦብላሕታ ኣሕዲሩሎም እዩ። እቲ ኣብቲ መኣዲ እቲ ዝነበረ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ድሕሪኡ 30 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ንክርስትያን ብጾቱ ብዛዕባ ትሕትና ምኽሪ ሂብዎም እዩ። (1 ጴጥ. 5:5) እቲ የሱስ ዝገደፈልና ኣብነት፡ ኣብ ንሓድሕድና ኣብ እንገብሮ ርክብ ትሑታት ንኽንከውን ይድርኸና እዩ።—ፊል. 2:5-8

13. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ኣገዳሲት ባህሪ ኼማዕብሉ ኸም ዜድልዮም እዩ ዘዘኻኸሮም፧

13 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ድልድልቲ እምነት ኬማዕብሉ ኸም ዜድልዮም እውን ብተደጋጋሚ ይገልጸሎም ነይሩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንሓደ ጋኔን ዝሓዞ ወዲ፡ ጋኔን ኬውጽኡሉ ፈቲኖም ምስ ኣበዮም፡ ንየሱስ፡ “ስለምንታይ ደኣ ንሕና ኸነውጽኦ ዘይከኣልና፧” ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ከኣ፡ “እምነትኩም ስለ ዝጐደለት እያ። ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ . . . ዘይከኣለኩም እውን ኣይህሉን” ኢሉ መለሰሎም። (ማቴ. 17:14-20) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እምነት ኣገዳሲት ባህሪ ምዃና፡ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ብተደጋጋሚ ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 21:18-22 ኣንብብ።) ኣብቲ እምነትና ንኸነደልድል ዚሕግዘና ሃናጺ መዘኻኸሪታት ዚውሃበሉ ዓበይቲ ኣኼባታትን ሰሙናዊ ኣኼባታትን ኣዘውቲርና ንእከብ ዲና፧ እዚ ኣኼባታት እዚ፡ ባህ ዜብል መሕለፍ ግዜ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብየሆዋ ኸም እንእመን እነርእየሉ ፍሉይ ኣጋጣሚታት እዩ።

14. ሎሚ ኸም ናይ ክርስቶስ ዝበለት ፍቕሪ ኸነማዕብል ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

14 ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ንሓድሕድና ኽንፋቐር ከም ዘሎና ዚሕብር ተደጋጋሚ መዘኻኸሪታት ሒዙ ኣሎ። የሱስ እታ ዝዓበየት ካልኣይቲ ትእዛዝ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” እትብል ምዃና ገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 22:39) እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ እውን፡ ፍቕሪ፡ “ንጉሳዊ ሕጊ” ምዃና ገሊጹ ኣሎ። (ያእ. 2:8) ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ፍቑራተየ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ናይ ቀደም ትእዛዝ እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰንኩን ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃ. 2:7, 8) ዮሃንስ፡ “ናይ ቀደም ትእዛዝ” ኪብል ከሎ፡ ነየናይ ትእዛዝ እዩ ዜመልክት ነይሩ፧ ነቲ ንኽንፋቐር እተዋህበና ትእዛዝ እዩ ዜመልክት ነይሩ። “ናይ ቀደም” እተባህለሉ ምኽንያት፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ነዚ ትእዛዝ እዚ ኻብ ዚህቦም፡ ሓያሎ ዓመታት ሓሊፉ ስለ ዝነበረ እዩ። “ሓድሽ” እተባህለሉ ምኽንያት ግና፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ሓድሽ ኵነታት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ነዛ ርእሰ መስዋእታዊት ፍቕሪ ብግብሪ ኼርእይዋ የድልዮም ስለ ዝነበረ እዩ። ከም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ መጠን፡ ካብቲ መለለዪ እዛ ዓለም እዚኣ ዝዀነ፡ ንብጻይና ኸም ዘይነፍቅር ኪገብረና ዚኽእል መንፈስ ስስዐ ንኽንሕሎ ዚሕግዘና መጠንቀቕታታት ከነማስወሉ ኣይግብኣናንዶ፧

15. የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ቀንዲ ተልእኾኡ እንታይ እዩ ነይሩ፧

15 የሱስ ንሰባት ብብሕቲ ይግደሰሎም ነበረ። ሕሙማትን ስንኩላትን ብምሕዋይ፡ ምዉታት ከኣ ብምትንሳእ ፍቕራዊ ተገዳስነት ከም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። ቀንዲ ተልእኾ የሱስ ግና፡ ሕሙማት ምሕዋይ ኣይኰነን ነይሩ። ስብከቱን ትምህርቱን ኣብ ህይወት ሰባት ዝያዳ ጦብላሕታ ዜሕድር እዩ ነይሩ። ብኸመይ፧ ንኣብነት፡ እቶም የሱስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዘሕወዮምን ዘተንስኦምን ሰባት፡ ኣሪጎም ሞይቶም እዮም። እቶም ንስብከቱ ብጽቡቕ እተቐበልዎ ሰባት ግና ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡሉ ኣጋጣሚ ኣለዎም።—ዮሃ. 11:25, 26

16. ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ክሳዕ ክንደይ እዩ ብስፍሓት ዚፍጸም ዘሎ፧

16 እቲ የሱስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝጀመሮ ዕዮ ስብከት፡ ሎሚ ብዝሰፍሐ ደረጃ እዩ ዚፍጸም ዘሎ። እወ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ስለዚ፡ ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ዚብል ትእዛዝ ሂብዎም እዩ። (ማቴ. 28:19) ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ትእዛዝ እዚ ፈጺሞምዎ እዮም፡ ንሕና እውን ንፍጽሞ ኣሎና። ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ኣቢሎም ዚዀኑ ንጡፋት መሰኻኽር የሆዋ፡ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ይእውጁ ኣለዉ፣ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት እውን ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑሎም ኣለዉ። እዚ ስብከት እዚ፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር መርትዖ እዩ።

ሎሚ ብየሆዋ ተኣመን

17. ጳውሎስን ጴጥሮስን እንታይ ምኽሪ እዮም ሂቦም፧

17 መዘኻኸሪታት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ክርስትያናት ብእምነት ንኺጸንዑ ኸም ዝሓገዞም ፍሉጥ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ ንጢሞቴዎስ፡ “እቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ቕርጺ እቲ ጥዑይ ቃል፡ . . . ሓዞ” ምስ በሎ፡ ጢሞቴዎስ ክሳዕ ክንደይ ተተባቢዑ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። (2 ጢሞ. 1:13) ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያን ብጾቱ ተጻዋርነት፡ ሕውነታዊት ፍቕሪ፡ ከምኡውን ርእሰ ግትኣት ዝኣመሰለ ባህርያት ኬማዕብሉ ድሕሪ ምትብባዑ፡ “ነዚ ትፈልጥዎ እኳ እንተ ዀንኩም፡ ኣብታ . . . ሓቂ እውን ጸኒዕኩም እኳ እንተ ኣለኹም፡ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ዅሉ ሳዕ ከዘክረኩም ሓሲበ ኣለኹ” በለ።—2 ጴጥ. 1:5-8, 12

18. እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ብኸመይ ይርእይዎ ነበሩ፧

18 እወ፡ እቲ ጳውሎስን ጴጥሮስን ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ፡ “ኣቐዲሙ ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓል” እዩ። (2 ጴጥ. 3:2) እሞኸ፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋትናሲ ኸምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ ብምቕባሎም ቅር ኢልዎምዶ እዩ፧ ኣይፋሎምን፡ ከመይሲ፡ እዚ መዘኻኸሪታት እዚ፡ ‘ብጸጋን ብፍልጠትን ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ንኺዓብዩ’ ዚሕግዞም መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ ነይሩ።—2 ጴጥ. 3:18

19, 20. ብመዘኻኸሪታት የሆዋ ኽንእመን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ከምኡ ብምግባርናኸ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

19 ሎሚ፡ ኣብቲ ምሉእ ብምሉእ ሓቂ ዝዀነ ቓል የሆዋ፡ ማለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንእመነሉ ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎና። (እያሱ 23:14 ኣንብብ።) ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት ምስቶም ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ዝገበሮ ርክብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። እዚ ታሪኻዊ ጸብጻብ እዚ፡ ንጥቕምና ተባሂሉ እዩ ተመዝጊቡ። (ሮሜ 15:4፣ 1 ቈረ. 10:11) ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም ከሎ ንርኢ ኣለና። እዚ ኸኣ፡ ኣቐዲሙ እተነግረ መዘኻኽሪ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ንኣብነት፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ብትንቢት፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ” እተባህለ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ናብ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ይውሕዙ ኣለዉ። (ኢሳ. 2:2, 3) እቲ እናኸፍአ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት ዓለም እውን መፈጸምታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ብዘይካዚ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዚርአ ዘሎ ሰፊሕ ወፈራ ስብከት፡ ቀጥታዊ መፈጸምታ ቓላት የሱስ እዩ።—ማቴ. 24:14

20 ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ፈጣሪና ብእኡ ኽንእመን ከም እንኽእል ዚሕብር ንጹር ነገራት ገይሩ እዩ። እሞኸ፡ ነቲ ዚህበና መዘኻኸሪታት ንጥቀመሉዶ ኣሎና፧ ብመዘኻኸሪታቱ ኽንእመን ኣሎና። ሮዜለን እተባህለት ሓብቲ፡ “ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ኺእመን ምስ ጀመርኩ፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኢዱ ዘርጊሑ ኼዐንግለንን ኬደልድለንን ከሎ ብዝያዳ ኣነጺረ ኺርእዮ ጀመርኩ” በለት። ንሕና እውን ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ወትሩ ብምሕላው፡ ንጠቐም።