ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንብሕታዊ ውሳነታትካ ብጥበብ ግበሮ

ንብሕታዊ ውሳነታትካ ብጥበብ ግበሮ

“ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።”—ምሳ. 3:5

1, 2. ውሳነታት ምግባር ትፈቱዶ፧ ብዛዕባ ገሊኡ ውሳነታትካኸ ኸመይ ይስምዓካ፧

በብመዓልቱ እተፈላለየ ዓይነት ውሳነታት ንገብር ኢና። ውሳነታት ብዛዕባ ምግባር እንታይ ይስምዓካ፧ ገሊኦም ሰባት፡ ንዅሉ ነገር ባዕላቶም ኪውስንዎ እዮም ዚደልዩ። ከምኡ ምግባር መሰሎም ከም ዝዀነ ስለ ዚኣምኑ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪውስነሎም ኣይደልዩን እዮም። ገሊኦም ሰባት ግና፡ ኣገዳሲ ውሳነታት ምግባር ኣመና የፍርሆም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ መጻሕፍቲ የንብቡ ወይ ንኽኢላታት የማኽሩ እዮም፣ ነቲ ውሳነ ንምግባር ዜድልዮም ምኽሪ ንምርካብ ድማ ብዙሕ ገንዘብ የውጽኡ እዮም።

2 መብዛሕትና ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ዓይነት ሰባት ኢና እንርከብ። ንሕና ኽንውስኖ ዘይንኽእል ካብ ቍጽጽርና ንላዕሊ ዝዀነ ነገራት ከም ዘሎ ንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት ህይወትና ግና፡ ኣብ ብሕታዊ ምርጫታትና ተመርኲስና ኽንውስን ንኽእል ኢና። (ገላ. 6:5) ይኹን እምበር፡ እንገብሮ ውሳነታት፡ ጥበባዊ ወይ ጠቓሚ ዚኸውን፡ ኵሉ ሳዕ ከም ዘይኰነ ንፈልጥ ኢና።

3. ውሳነታት ንምግባር ዚሕግዘና እንታይ መምርሒታት ኣሎ፧ ውሳነታት ምግባር ኵሉ ሳዕ ቀሊል ዘይኰነ ግና ስለምንታይ እዩ፧

3 የሆዋ ኸም ኣገልገልቱ መጠን፡ ነቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ኣገዳሲ ጕዳያት ዚምልከት ንጹር መምርሒታት ስለ ዝሃበና፡ ክንሕጐስ ንኽእል ኢና። ነዚ መምርሒታት እዚ እንተ ስዒብናዮ፡ ንየሆዋ ዜሐጕስን ንዓና ዚጠቅምን ውሳነታት ክንገብር ከም እንኽእል ንፈልጥ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብንጹር ዘይተገልጸ ጕዳያትን ኵነታትን የጋጥመና ይኸውን። እሞኸ ብኸመይ ኢና ኽንውስን እንኽእል፧ ንኣብነት፡ ክንሰርቕ ከም ዘይብልና ንፈልጥ ኢና። (ኤፌ. 4:28) ይኹን እምበር፡ ስርቂ እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧ ዋጋ እቲ እተሰርቀ ኣቕሓ፡ እተሰርቀሉ ምኽንያት፡ ወይ ከኣ ካልእ ነገራት ድዩ ዚውስኖ፧ ንጹር መምርሒ ኣብ ዘይንረኽበሉ እዋን፡ ብኸመይ ኢና ኽንውስን እንኽእል፧ ከምኡ ንምግባርከ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ብልብምና ወስን

4. ውሳነ ዜድልዮ ጕዳይ ኬጋጥመና ኸሎ፡ እንታይ ምኽሪ እዩ ኺውሃበና ዚኽእል፧

4 ንሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና፡ ኣገዳሲ ውሳነ ኽንገብር ምዃንና ምስ ነገርናዮ፡ ብልብምና ኽንውስን ይነግረና ይኸውን። እዚ ኸኣ ጽቡቕ ምኽሪ እዩ። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሃወኽ ኪመክር ከሎ፡ “እቲ ዚህወኽ ዘበለ ግና ናብ ስእነት ጥራይ ይህወኽ” ይብል እዩ። (ምሳ. 21:5) ኰይኑ ግና፡ ብልብምና ምውሳን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ግዜ ወሲድና ብዛዕባ እቲ ዅነታት ኣጸቢቕና ኽንሓስብን ሚዛናውያን ክንከውንን ብምስትውዓል ክንውስንን ኣሎና ማለት ጥራይ ድዩ፧ እዚ እተጠቕሰ ረቛሒታት፡ ጽቡቕ ውሳነ ንምግባር ሓጋዚ እኳ እንተ ዀነ፡ ልብምና ግና ካብኡ ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል።—ሮሜ 12:3፣ 1 ጴጥ. 4:7

5. ብተፈጥሮና ፍጹም ልብምና ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

5 ኵላትና ፍጹም ልብምና ሃልዩና ኣይኰንናን ተወሊድና። ስለምንታይ፧ ኵላትና ሓጥኣንን ዘይፍጹማትን ስለ ዝዀንና፡ ብኣካላውን ብኣእምሮኣውን መዳይ ፍጹማት ኣይኰንናን። (መዝ. 51:5፣ ሮሜ 3:23) ብዘይካዚ፡ መብዛሕትና ኻብቶም ሰይጣን ሓሳቦም ‘ዘዖሮም’ ስለ ዝነበርና፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ስርዓታት ጽድቁን ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና። (2 ቈረ. 4:4፣ ቲቶ. 3:3) ስለዚ፡ ኣብቲ ጽቡቕን ርትዓውን ኰይኑ እተሰምዓና ጥራይ ተመርኲስና ንውስን እንተ ዄንና፡ ዋላ እውን ነቲ ጕዳይ ኣጸቢቕና እንተ ሓሰብናሉ፡ ገዛእ ርእስና ጥራይ ኢና እነታልል።—ምሳ. 14:12

6. ልብምና ንኸነጥሪ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

6 ንሕና ፍጹም ጥዕናን ኣተሓሳስባን ዘይብልና እኳ እንተ ዀንና፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ግና ብዅሉ መዳያት ፍጹም እዩ። (ዘዳ. 32:4) እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ ኣእምሮና ንኽንሕድስን ልብምና ንኸነጥርን እንኽእለሉ መገዲ ኸፊቱልና ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 1:7 ኣንብብ።) ከም ክርስትያናት መጠን፡ ኣመዛዚንና ኽንሓስብን ምስኡ ዚሳነ ስጕምቲ ኽንወስድን ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ንሓሳብናን ንስምዒትናን ክንቈጻጸሮ፡ ንሓሳብን ንስምዒትን ንተግባርን የሆዋ ድማ ክንቀድሖ ኣሎና።

7, 8. ጸቕጢ ወይ ጸገም እናኣጋጠመ ኽነሱ፡ ብኸመይ ብልብምና ኽትውስን ከም ዚከኣል ዚሕብር ተመክሮ ኣዘንቱ።

7 ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ገሊኦም ስደተኛታት፡ ኣብ ስራሖም ብምትኳር ገንዘብ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ቈልዓ ምስ ወለዱ ቐልጢፎም ናብ ኣዝማዶም ይልእክዎ። * ሓንቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር እትነብር ሰበይቲ፡ ባህ ዜብል ወዲ ወለደት። ኣብ ከባቢ እዋን ሕርሳ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጅማር፡ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ገበረት። ፈተውታን ኣዝማዳን ግና፡ ንዓኣን ንሰብኣያን ነቲ ሕጻን ናብ ኣቦሓጎኡን እኖሓጎኡን ንኺልእክዎ ጸቕጢ ገበሩሎም። ይኹን እምበር፡ እታ ሰበይቲ፡ ከም ወላዲት መጠን፡ ኣምላኽ ንውሉዳ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ንዓኣ ኸም ዝሃባ፡ ካብቲ መጽናዕታ ተማሂራ ነበረት። (መዝ. 127:3፣ ኤፌ. 6:4) እሞኸ ነቲ ብዙሓት ሰባት ከም ርትዓዊ ገይሮም ዚርእይዎ ልምዲ ድያ ኽትስዕብ ዘለዋ፧ ወይስ ነቲ ዜጋጥማ ገንዘባዊ ጸገምን ነቐፌታን ተጻዊራ፡ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህረቶ ትምህርቲ እያ ኽትስዕብ ዘለዋ፧ ንስኻ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ፧

8 እታ ሰበይቲ ብሰንኪ እቲ ጸቕጢ ስለ እተጨነቐት፡ መምርሒ ደልያ፡ ልባ ናብ የሆዋ ኣፍሰሰት። ነታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓላ ሓብትን ንኻልኦት ኣባላት ጉባኤኣን ምስ ኣማኸረቶም ድማ፡ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ተገንዘበት። ሕጻናት ኣብተን ዝቕረጹለን ዓመታት ካብ ወለዶም ኪፍለዩ ኸለዉ ብዛዕባ ኼጋጥሞም ዚኽእል ስምዒታዊ ጕድኣት እውን ኣርዚና ሓሰበት። ነቲ ጕዳይ ብዓይኒ ቕዱሳት ጽሑፋት ምስ መርመረቶ ድማ፡ ነቲ ሕጻን ናብ ኣቦሓጎኡን እኖሓጎኡን ምልኣኽ ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ወሰነት። ሰብኣያ፡ ነቲ ኣባላት ጉባኤ ሰበይቱ ዚገብርዎ ዝነበሩ ሓገዝ ምስ ተዓዘበ፡ ከምኡውን እቲ ሕጻን ክሳዕ ክንደይ ሕጉስን ጥዑይን ምዃኑ ምስ ረኣየ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ተሰማምዐ፣ ምስ ሰበይቱ ድማ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ ጀመረ።

9, 10. ብልብምና ምውሳን እንታይ ማለት እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧

9 እዚ ሓደ ኣብነት እኳ እንተ ዀነ፡ ብልብምና ምውሳን ኪብሃል ከሎ፡ ብኣተሓሳስባና፡ ብኣተሓሳስባ ኻልኦት ሰባት፡ ወይ ከኣ ብዝጠዓመና መገዲ ንውስን ማለት ከም ዘይኰነ ዚሕብር እዩ። እቲ ዘይፍጹም ኣእምሮናን ልብናን፡ ምስ ሓንቲ ኣመና እትቕልጥፍ ወይ ኣመና እትድንጒ ሰዓት ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ብእኣ ንምራሕ እንተ ዄንና፡ ከቢድ ጸገም ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። (ኤር. 17:9) ስለዚ፡ ንኣእምሮናን ንልብናን በቲ ዜተኣማምን ስርዓታት ኣምላኽ ክንመርሖ ኣሎና።—ኢሳይያስ 55:8, 9 ኣንብብ።

10 በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ኢሉ ዚመኽረና። (ምሳ. 3:5, 6) ነታ፡ “ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” እትብል ሓረግ እሞ ኣስተብህለላ። ደድሕሪኣ፡ “ንእኡ [ማለት ንየሆዋ] ሕሰብ” ዚብል ሓረግ ኣሎ። የሆዋ ጥራይ እዩ ፍጹም ልብምና ዘለዎ። ስለዚ፡ ዝዀነ ይኹን ውሳነ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ኣረኣእያ ኣምላኽ ንምፍላጥ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምርምር ክንገብር ኣሎና። ድሕሪኡ፡ ኣብኡ ተመርኲስና ንውስን። ስለዚ እምበኣር፡ ብልብምና ኽንውስን እንተ ደሊና፡ ንሓሳብ የሆዋ ኽንቀድሖ ኣሎና።

ንልቦናኻ ኣላምዶ

11. ጽቡቕ ውሳነ ንኽንገብር ዜኽእለና ቐንዲ ረቛሒ እንታይ እዩ፧

11 ብኸመይ ጥበባዊ ውሳነታት ከም እትገብር ምፍላጥን ምትግባሩን ቀሊል ኣይኰነን። እዚ ብሕልፊ ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሓቂ ዝመጹ ወይ ከኣ ነቶም ናብ መንፈሳዊ ብስለት ንምብጻሕ ዕቤት ዚገብሩ ዘለዉ ኪኸብዶም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈሳዊ መዳይ ሕጻናት ከም ዝዀኑ ጌርካ እተገልጹ ሰባት፡ ናይ ሓቂ ዕቤት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሕጻን ብኸመይ ታተ እናበለ እግሪ ኸም ዚተክል እስከ ንርአ። በብቝሩብ እናሰጐመን ብተደጋጋሚ ኸምኡ እናገበረን እዩ ብእግሪ ምኻድ ዚለምድ። እቶም ብኸመይ ጥበባዊ ውሳነታት ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ ዚምሃሩ ዘለዉ ብመንፈሳዊ መዳይ ሕጻን ዝዀኑ ሰባት እውን፡ ተመሳሳሊ ነገር እዮም ዚገብሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንብሱላት ሰባት ኪገልጾም ከሎ፡ “ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኦም ዘላመዱ” ኸም ዝበለ ዘክር። እተን “ብተመክሮ”ን “ዘላመዱ”ን ዚብላ ቓላት፡ ቀጻልን ተደጋጋምን ጻዕሪ ኸም ዜድሊ ዚሕብራ እየን። ስለዚ እምበኣር፡ እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሓቂ ዝመጹ ሓደስቲ ሰባት፡ ቀጻልን ተደጋጋምን ጻዕሪ ኺገብሩ ኣለዎም።—እብራውያን 5:13, 14 ኣንብብ።

ኣብ መዓልታዊ ጕዳያት እንገብሮ ቕኑዕ ምርጫታት፡ ንልቦናና ኼላምዶ ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

12. ነቲ ጥበባዊ ውሳነታት ናይ ምግባር ክእለትና ኸነማዕብሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ በብመዓልቱ ዓበይትን ንኣሽቱን ውሳነታት ክንገብር ኣሎና። ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ካብቲ እንወስዶ ስጕምቲ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ዚኸውን፡ ኣቐዲምና ሓሲብና ዘይኰነስ፡ ብልምዲ ኢና እንገብሮ። ንኣብነት፡ ንግሆ ንግሆ እንታይ ክትክደን ከም ዘሎካ ትውስን ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ኸም ንእሽቶ ጕዳይ ጌርካ ትርእዮ ትኸውን፣ ብሕልፊ ተሃዊኽካ እንተ ኣሊኻ ድማ፡ ብዙሕ ከይሓሰብካ ትውስን ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ እቲ እትኽደኖ ኽዳን ምስቲ ኸም ኣገልጋሊ የሆዋ መጠን ዘሎካ ግደ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ ኽትሓስብ ኣገዳሲ እዩ። (2 ቈረ. 6:3, 4) ክዳውንቲ ኽትዕድግ ከለኻ፡ ብዛዕባ ቕድን ፋሽንን ትሓስብ ትኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ምዕሩግን ዋጋኡ ዜዋጽኣካን ምዃኑኸ ትሓስብ ዲኻ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ እትገብሮ ቕኑዕ ምርጫታት፡ ንልቦናኻ ኼላምዶ እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ከቢድ ጕዳያት እውን እንተ ዀነ፡ ቅኑዕ ውሳነታት ንኽትገብር ኪሕግዘካ እዩ።—ሉቃ. 16:10፣ 1 ቈረ. 10:31

ቅኑዕ ዘበለ ናይ ምግባር ሓቦ ይሃሉኻ

13. ነቲ ዝገበርናዮ ውሳነ ንምትግባር እንታይ እዩ ዜድልየና፧

13 ቅኑዕ ውሳነ ምግባርን ጸኒዕካ ንውሳነኻ ምትግባርን ክልተ እተፈላለየ ነገራት እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት፡ ንምትካኽ ሽጋራ ኼቋርጽዎ እኳ እንተ ደለዩ፡ እኹል ሓቦ ስለ ዘይብሎም፡ ኣይዕወቱን እዮም። ነቲ ኺገብርዎ ዚደልዩ ነገር ንምፍጻም ኒሕ የድልዮም እዩ። ገሊኦም ሰባት፡ ንሓቦ ምስ ጭዋዳ የመሳስልዎ እዮም። ብዝያዳ ብእተጠቐምናሉ መጠን፡ ብዝያዳ እናደልደለ እዩ ዚኸይድ። ስሕት ኢልና ጥራይ ንጥቀመሉ እንተ ዄንና ግና፡ ኪደክም ወይ ኪማስን ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ ውሳነና ንምጽናዕን ንምትግባርን ዜድልየና ሓቦ ኸነማዕብሎ እንኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና፧ ኣብ የሆዋ ምውካል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ፊልጲ 2:13 ኣንብብ።

14. ጳውሎስ ነቲ ኺገብሮ ኸም ዚግባእ ዚፈልጦ ነገራት ንኺገብሮ ሓቦ ዝረኸበ ስለምንታይ እዩ፧

14 ጳውሎስ ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ቀሊል ከም ዘይኰነ ተመኪርዎ እዩ። ሓደ እዋን፡ “ድሌት ደኣ ኣሎኒ እምበር፡ ሰናይ ክገብር ክእለት የብለይን” ኢሉ ጓሂኡ ገለጸ። ነቲ ኺገብሮ ዚደሊ ወይ ከኣ ኪገብሮ ዘለዎ ነገር ይፈልጦ እኳ እንተ ነበረ፡ ሓድሓደ ግዜ ግና ኪትግብሮ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። “ብውሽጠይሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ፣ ግናኸ፡ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ ኣእምሮይ ዚዋጋእን ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ ዚማርኸንን ካልእ ሕጊ እርኢ ኣለኹ” በለ። እሞኸ ዅነታቱ ተስፋ ዘይብሉ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። “ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ይመስገን!” በለ። (ሮሜ 7:18, 22-25) ኣብ ካልእ ቦታ ድማ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ ጸሓፈ።—ፊል. 4:13

15. ቈራጽ ስጕምቲ ምውሳድን ዘይምውሳድን እንታይ ጽልዋ እዩ ኺህልዎ ዚኽእል፧

15 ብንጹር እምበኣር፡ ንኣምላኽ ንምሕጓስ፡ ቈራጽ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ነቲ ኤልያስ ንኣምለኽቲ በዓልን ነቶም ከሓድቲ እስራኤላውያንን ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ዝበሎም ዘክር፣ ንሱ፡ “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ፧ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ፡ ደድሕሪኡ ስዐቡ፡ በዓል እንተ ደአ ዀይኑ ኸኣ ንእኡ ስዐቡ” በሎም። (1 ነገ. 18:21) እስራኤላውያን እንታይ ኪገብሩ ኸም ዝነበሮም ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ይወላወሉን ኣብ ክልተ ወገን ‘ይሕንክሱን’ ነበሩ። ብኣንጻሩ ግና ዓመታት ኣቐዲሙ፡ እያሱ ሰናይ ኣብነት ገደፈ፣ ንእስራኤላውያን ድማ፡ “ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ . . . ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል” በሎም። (እያ. 24:15) ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ እያሱን እቶም ምስኡ ዝጠበቑን ሰባት፡ ናብ ምድሪ ተስፋ፡ ማለት ናብታ “ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ” ብምእታው ተባረኹ።—እያ. 5:6

ጥበባዊ ውሳነታት ብምግባር ተባረኽ

16, 17. ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሳነ ውሳነ ምግባር ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

16 ዘመናዊ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ ቀረባ እዋን እተጠምቀ ሓደ ሓውናን ሰበይቱን፡ ሰለስተ ንኣሽቱ ውሉዳት ኣለውዎም። ሓደ መዓልቲ፡ ነቲ ሓውና መሳርሕቱ፡ ዝለዓለ ደሞዝ ናብ ዚኸፍሎምን ዝያዳ ጥቕሚ ናብ ዚረኽቡሉን ካልእ ትካል ኪቕይሩ ሓሳብ ኣቕረበሉ። እቲ ሓውና ነቲ ጕዳይ ብጸሎት ሓሰበሉ። ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ትካል ብዙሕ ደሞዝ ዘይክፈሎ እኳ እንተ ዀነ፡ ቀዳመ ሰናብቲ ስለ ዘይሰርሕ፡ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብን ምስ ስድራ ቤቱ ኣብ ኣገልግሎት ኪካፈልን ይኽእል እዩ፣ ኣብ ፈለማ እውን ብኸምኡ እዩ ነቲ ስራሕ መሪጽዎ። ሕጂ ግና ስራሕ እንተ ቐዪሩ፡ ቀዳመ ሰናብቲ ዘይሰርሓሉ እዋን ርሑቕ ከም ዚኸውን ተገንዘበ። ንስኻ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ፧

17 እቲ ሓውና፡ ንመንፈሳዊ ጥቕምታት ምስቲ ዚረኽቦ ልዑል ኣታዊ ምስ ኣነጻጸሮ፡ ስራሕ ንኸይቅይር ወሰነ። እሞኸ ውሳነኡ ኣጣዒስዎዶ፧ ከቶ ኣየጠዓሶን። ንዕኡን ንስድራ ቤቱን፡ ካብ ዝለዓለ ደሞዝ ንላዕሊ፡ መንፈሳዊ በረኸት ዚጠቕሞም ኰይኑ እዩ ዚስምዖ። እታ ጓል ዓሰርተ ዓመት ዝዀነት በዅሪ ጓሎም፡ ንዓታቶምን ንኣሕዋትን ንኣሓትን ንየሆዋን ኣዝያ ኸም እተፍቅሮም ንዕኡን ንሰበይቱን ምስ ነገረቶም፡ ኣዝዮም ተሓጐሱ። ህይወታ ንየሆዋ ወፍያ ኽትጥመቕ ከም እትደሊ ድማ ሓበረቶም። ነቲ ሓውና ጓሉ፡ ነቲ ኣቦኣ ንኣምልኾ የሆዋ ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ብምሃብ ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት ክሳዕ ክንደይ ኰን እያ እተማስወሉ!

ጥበባዊ ውሳነታት ብምግባር፡ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ተሓጐስ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18. በብመዓልቱ ንብሕታዊ ውሳነታትና ብጥበብ ክንገብሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 እቲ ዝዓበየ ሙሴ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ነቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ኣብዛ ኸም በረኻ ዝዀነት ናይ ሰይጣን ዓለም ንነዊሕ ዓመታት ኪመርሖም ጸኒሑ እዩ። ከም ዝዓበየ እያሱ መጠን ድማ፡ ነዚ ብልሹው ስርዓት ኬጥፍኦን ንሰዓብቱ ናብታ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ኬእትዎምን ተዳልዩ እዩ ዘሎ። (2 ጴጥ. 3:13) ስለዚ፡ ሕጂ ናብቲ ናይ ቀደም ኣተሓሳስባን ልምድታትን ስርዓታትን ባህግታትን እንምለሰሉ እዋን ኣይኰነን። የግዳስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ብዝያዳ እነስተውዕለሉ እዋን እዩ። (ሮሜ 12:2፣ 2 ቈረ. 13:5) እቲ በብመዓልቱ እንገብሮ ውሳነታትን ምርጫታትን፡ ነቲ ኣምላኽ ዚህቦ ናይ ዘለኣለም በረኸት እንበቅዕ ዓይነት ሰባት ምዃንና ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ።—እብራውያን 10:38, 39

^ ሕ.ጽ. 7 ከምኡ ዚግበረሉ ኻልእ ምኽንያት፡ እቶም ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ነቶም ደቂ ደቆም ንፈተውቶምን ንኣዝማዶምን ብምርኣይ ንኺጅሃሩ እዩ።