ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጽጽር ይሓግዝካ

ንጽጽር ይሓግዝካ

የሱስ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ሰባት እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ምዃኑስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ንገለ ኻብቲ ኣብ ኣመሃህራኡ ዚጥቀመሉ ዝነበረ፡ ከም ሕቶታትን ምሳሌታትን ዝኣመሰለ መገድታት ክትቀድሖ ፈቲንካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ኪምህር ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ንጽጽር ይጥቀም ከም ዝነበረኸ ኣስተብሂልካሉዶ ትፈልጥ፧

ሓያሎ ሰባት ኪዛረቡ ኸለዉ ንጽጽር ይጥቀሙ እዮም። ንስኻ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ኸይተፈለጠካ ትጥቀመሉ ትኸውን። ንኣብነት፡ “ኵሉ እቲ ፍረታት ብሱል እዩ ኢሎምኒ ነይሮም፣ እዚ ግና ጥረ እዩ” ትብል ትኸውን። ወይ ድማ፡ “ሓፋር ቈልዓ እያ ነይራ፡ ሕጂ ግና ሕውስቲ እያ” ትብል ትኸውን።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ መጀመርታ ሓቂ ዝዀነ ነገር ወይ ሓሳብ ኢኻ እተቕርብ፡ ጸኒሕካ ድማ ከም ግና፡ የግዳስ፡ ይኹን እምበር፡ ኣብ ክንዳኡስ፡ ወይ ብኣንጻሩ ግና ዝኣመሰለ ንጽጽር ትጥቀም ኢኻ። ወይ ከኣ ነቲ ሓሳብ ንምርጓድ ንጽጽር ትጥቀም ትኸውን። በዚ መገዲ እዚ ኽትዛረብ ከለኻ፡ ባህርያዊ እዩ ዚጥዕም፡ ንሰማዕትኻ ድማ ሓሳባትካ ንኺርድእዎ ይሕግዞም።

ንጽጽር ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት ወይ ባህልታት ልሙድ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ጠቓሚ ምዃኑ ኽንግንዘብ ኣሎና። ከመይሲ፡ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ፡ ሓያሎ ንጽጽር ንረክብ ኢና። የሱስ ብተደጋጋሚ ንጽጽር ይጥቀም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ እዚ ዚስዕብ ኪጥቀስ ይከኣል፦ “መብራህቲ ኣብሪሆም ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዘይኰነስ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል እዮም ዚሰቕልዎ።” “ንሕጊ . . . ክፍጽም ደኣ እምበር፡ ክስዕር ኣይመጻእኩን።” “‘ኣይትዘሙ’ ኸም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና፡ ንሰበይቲ ብፍትወት ዚጥምታ ዅሉ፡ ብልቡ ድሮ ምስኣ ዘመወ፡ እብለኩም ኣለኹ።” “‘ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኣብ ክንዲ ስኒ’ ኸም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ንእኩይ ኣይትቃወምዎ፣ የግዳስ፡ የማነይቲ ምዕጕርትኻ ንዚጸፍዓካ ዘበለ፡ እታ ኻልአይቲ ምለሰሉ።”—ማቴ. 5:15, 17, 27, 28, 38, 39

ኣብ ካልእ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከምኡ ዝዓይነቱ ንጽጽር ቀሪቡ ኣሎ። ንሓደ ነገር ብንጹር ንኽትርድኦ ኺሕግዘካ፡ ወይ ከኣ ብዝሓሸ እትዓይየሉ መገዲ ኼጕልሓልካ ይኽእል እዩ። ወላዲ እንተ ዄንካ ነቲ፡ “ኣቱም ኣቦታት ድማ፡ ንውሉዳትኩም ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተሕርቕዎም” ዚብል ንጽጽር ኣቕልበሉ። (ኤፌ. 6:4) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሓደ ኣቦ ንውሉዱ ብተግሳጽ ኣምላኽ ኬዕብዮ ኸም ዚግባእ ጥራይ እንተ ዚጽሕፍ ነይሩ እውን፡ ጥበብን ሓቅነትን ዝሓዘ ሓሳብ ምዃኑ ኣይምተረፎን። እቲ፡ “ብምዕዶን የሆዋ ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተሕርቕዎም” ዚብል ንጽጽር ስለ እተወሰኾ ግና፡ እቲ ሓሳብ ዝያዳ ኽንጽር ክኢሉ እዩ።

ጳውሎስ ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ፡ “ቅልስና . . . ምስ ናይዚ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ኣብ ሰማያት ምስ ዘለዉ እኩያት መናፍስትን እዩ እምበር፡ ምስ ደምን ስጋን ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 6:12) እዚ ንጽጽር እዚ፡ ኣዝዩ ኸቢድ ቃልሲ ኸም ዘሎካ ንኽትግንዘብ ከም ዚሕግዘካ ፍሉጥ እዩ። እወ፡ ቃልስኻ ምስ ተራ ሰባት ዘይኰነስ፡ ምስ እኩያት መናፍስቲ እዩ።

ካብ ንጽጽር ተጠቐም

ጳውሎስ ኣብ መጽሓፍ ኤፌሶን፡ ብጀካ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብ ሓያሎ ኻልእ ጥቕስታት እውን ንጽጽር ተጠቒሙ እዩ። ብዛዕባ እዚ ምሕሳብና፡ ነቲ ጳውሎስ ኬመሓላልፎ ዝደለዮ ነጥቢ ንኽንርድኦ ኺሕግዘናን እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኼነጽረልናን ይኽእል እዩ።

ኣብቲ ኣብ ገጽ 4ን 5ን ዚርከብ ሰሌዳ፡ ገለ ኻብቲ ኣብ ኤፌሶን ምዕራፍ 4ን ምዕራፍ 5ን ዚርከብ ንጽጽር ቀሪቡ ኣሎ። ነዚ እንተ ኣቕሊብካሉ፡ ክትሕጐሰሉን ክትመሃረሉን ኢኻ። ነቲ ንጽጽር ከተንብቦ ኸለኻ ብዛዕባ ህይወትካ ሕሰብ። ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተትታ፦ ‘ብዛዕባ ቕንዕና እንታይ ኣመለኻኽታ ኣሎኒ፧ ኣብዚ ወይ ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት እንታይ ምላሽ እየ ዝህብ፧ ካልኦት ሰባት ብዛዕባይ ኪሓስቡ ኸለዉ ኻብቲ ንጽጽር ኣበየናይ እዮም ዚምድቡኒ፧’ እቲ ንጽጽር ሓደ ነገር ክትገብር ከም ዘሎካ እንተ ኣሚቱልካ፡ ክትትግብሮ ፈትን። እቲ ንጽጽር ይሓግዝካ።

ነቲ ሰሌዳ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትካ እውን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። መጀመርታ፡ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤትካ፡ ነቲ ንጽጽር ኬንብብዎ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪኡ፡ ሓደ ኣባል ስድራ ቤትካ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ኽፋል እቲ ንጽጽር ከም ዜንብቦ፡ እቶም ካልኦት ከኣ፡ ነቲ ኻልኣይ ክፋሉ ኺዝክርዎ ኸም ዚፍትኑ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ቀጺልኩም ከኣ፡ ነቲ ብድሙቕ ተጻሒፉ ዘሎ ኣወንታዊ መዳይ እቲ ንጽጽር ብኸመይ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ኸተውዕልዎ ኸም እትኽእሉ ኽትመያየጡ ትኽእሉ ኢኹም። እወ፡ ኣባላት ስድራ ቤት ንንጽጽር በዚ ኸምዚ እንተ መርሚሮምዎ፡ ንንኣሽቶኦምን ንዓበይቶምን ኣብታ ስድራ ቤት ኰነ ኣብ ካልእ ቦታ፡ ክርስትያናዊ ጠባይ ንኼርእዩ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ።

ነቲ ብድሙቕ ተጻሒፉ ዘሎ ኣወንታዊ መዳይ እቲ ንጽጽር ክትዝክሮ ትኽእልዶ፧

ነቲ ንጽጽር ዘለዎ ረብሓ እናፈለጥካዮ ምስ ከድካ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ ኸተለልዮ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትካ እውን ኣዝዩ ኺጠቕመካ ኸም ዚኽእል ክትግንዘብ ኢኻ። ንኣብነት፡ ንሓደ ብዓል ቤት፡ “ሓያሎ ሰባት፡ ኵሉ ሰብ ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላቶ እዮም ዚኣምኑ፣ ቃል ኣምላኽ ግና እንታይ ከም ዚብል እሞ ኣስተብህል” ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለኻ ነቲ ተመሃራይ፡ “ሓያሎ ኣብዚ ኸባቢ ዘለዉ ሰባት ኣምላኽን የሱስን ሓደ ኸም ዝዀኑ እዮም ዚኣምኑ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ግና እንታይ እዩ ዚምህር፧ ንስኻኸ እንታይ ኢኻ እትኣምን፧” ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ።

እወ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብመገድታት ኣምላኽ ንኽንመላለስ ኪሕግዘና ዚኽእል ሓያሎ መሃሪ ንጽጽር የቕርበልና እዩ። ንኻልኦት ሰባት እውን ብንጽጽር ተጠቒምና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኺመሃሩ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።