ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ታሕሳስ 2013

እዛ ሕታም እዚኣ፡ እምነትና ንኸይትደክም እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ትገልጽ። ብዘይካዚ፡ ድራር ጐይታ መዓስ ኪብዓል ከም ዘለዎን ንዓና እንታይ ትርጕም ከም ዜመሓላልፈልናን ተብርህ።

የሆዋ ኣብ ጽላሎት ኣኽራን ኣዕቈቦም

ኣብ ጀርመን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናዚ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዮም ዚረኽቡ ነይሮም፧ እንታይ ሓደገኛ ዅነታትከ እዩ ዜጋጥሞም ነይሩ፧

‘ካብ ሓሳብካ ቐልጢፍካ ኸይትናወጽ’ ተጠንቀቕ

እታ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝለኣኻ ኻልአይቲ መልእኽቲ፡ እንታይ እዋናዊ መጠንቀቕታ እያ ሒዛ ዘላ፧ ንኸይንታለል እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ መስዋእትታት ክትከፍል ዲኻ፧

ንመንግስቲ ኣምላኽ ብግዜናን ብገንዘብናን ብጕልበትናን ብኽእለትናን ክንድግፋ እንኽእል ብኸመይ ምዃኑ ተምሃር።

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ ነየናይ ክትዝክሮ ኸም እትኽእል እስከ ርእስኻ ፈትን።

‘ንመዘከርታ ትኹነልኩም’

ክርስትያናት ብዛዕባ ፋስጋ እንታይ እዮም ኪፈልጡ ዘለዎም፧ ድራር ጐይታ ንዅልና እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

“እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ”

ድራር ጐይታ መዓስ ኪብዓል ከም ዘለዎ ብኸመይ ንፈልጥ፧ እቲ ቕጫን ወይንን ንምንታይ የመልክት፧

መጻምድትኻ ምስ ዚመውት

መጻምድትኻ ምስ ዚመውት ዚስምዓካ ሓዘን፡ መሪርን ንነዊሕ እዋን ዚጸንሕን እዩ። እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ተስፋ ትንሳኤ፡ ብኸመይ ምንጪ ምጽንናዕ ኪኸውን ከም ዚኽእል ርአ።

መሐበሪ ርእሰ ነገር ግምቢ ዘብዐኛ 2013

ንመሐበሪ እቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ 2013 ብርእሰ ነገር እተሰርዐ ዓንቀጻት ተወከስ።