ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ መስዋእትታት ክትከፍል ዲኻ፧

ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ መስዋእትታት ክትከፍል ዲኻ፧

“ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ።”—2 ቈረ. 9:7

1. ብዙሓት ውልቀ ሰባት እንታይ መስዋእትታት እዮም ዚኸፍሉ፧ ስለምንታይከ፧

ሰባት ምእንቲ እቲ ኣዝዩ ዜገድሶም ነገራት ኢሎም ብፍቓደኛነት መስዋእቲ ይኸፍሉ እዮም። ወለዲ ድማ ምእንቲ ደቆም ኢሎም ግዜኦምን ገንዘቦምን ጕልበቶምን ይህቡ እዮም። መንእሰያት ስፖርተኛታት፡ መሳቱኦም እናተዘናግዑ ኸለዉ፡ ንሳቶም ግና ኣብቲ ንሃገሮም ወኪሎም ዚገብርዎ ውድድር ኦሎምፒክ ምእንቲ ኺዕወቱ፡ በብመዓልቱ ንሓያሎ ሰዓታት ኣበርቲዖም ይለማመዱ እዮም። የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ ምእንቲ እቲ ኸም ኣገዳሲ ገይሩ ዚርእዮ ዝነበረ ነገራት፡ መስዋእቲ ኸፊሉ እዩ። ደድሕሪ ምሾት ኣይኰነን ዚስዕብ ነይሩ፣ ቈልዑ እውን ኣይወለደን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድንፋዕ እዩ ኣተኲሩ። (ማቴ. 4:17፣ ሉቃ. 9:58) ሰዓብቱ እውን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺድግፉ ኢሎም፡ ብዙሕ ነገራት ሓዲጎም እዮም። ከመይሲ፡ ብቐንዱ እተገድሶም ዝነበረት፡ መንግስቲ ኣምላኽ እያ ነይራ፣ ምሉእ ብምሉእ ንዓኣ ኣብ ምድጋፍ ምእንቲ ኼተኵሩ ድማ፡ ብዙሕ መስዋእቲ ኸፊሎም እዮም። (ማቴ. 4:18-22፣ 19:27) ስለዚ፡ ንሕና እውን፡ ‘ኣብ ህይወተይ ዜገድሰኒ እንታይ እዩ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና።

2. (ሀ) ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ መሰረታዊ መስዋእትታት እዮም ኪኸፍሉ ዘለዎም፧ (ለ) ገሊኣቶም እንታይ ተወሳኺ መስዋእትታት እዮም ዚኸፍሉ፧

2 ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ገለ መሰረታዊ መስዋእቲ ኺገብሩ ኣለዎም፣ እዚ መስዋእትታት እዚ፡ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ንኺህልወና ኺሕግዘና ስለ ዚኽእል፡ ኣገዳሲ እዩ። እቲ መስዋእትታት፡ ነቲ ኣብ ጸሎትን ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን እነውዕሎ ግዜናን ጕልበትናን ዜጠቓልል እዩ። * (እያ. 1:8፣ ማቴ. 28:19, 20፣ እብ. 10:24, 25) ከም ውጽኢት ጻዕርናን ሳላ በረኸት የሆዋን ድማ፡ ዕዮ ስብከት ይውስኽ ኣሎ፣ ብዙሓት ሰባት ከኣ ‘ናብ ከረን ቤት የሆዋ’ ይውሕዙ ኣለዉ። (ኢሳ. 2:2) ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ንንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺድግፉ ኢሎም፡ ብዙሕ መስዋእቲ ይኸፍሉ እዮም፣ ኣብ ቤት-ኤል ዜገልግሉ፡ ኣብ ህንጸት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን ዚካፈሉ፡ ዓበይቲ ኣኼባታት ኣብ ምውዳብ ዚዓይዩ፡ ከምኡውን ድሕሪ ባህርያዊ ሓደጋ ኣብ ዚግበር ዕዮ ረድኤት ዚሰርሑ ኣለዉ። እዚ ተወሳኺ ስራሕ እዚ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዜድሊ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ ግና ኣገዳሲ እዩ።

3. (ሀ) ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢልና መስዋእትታት ክንከፍል ከለና እንጥቀም ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ነየናይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምሮ ዘሎና፧

3 ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ ክንጽዕር ኣሎና። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ምእንቲ የሆዋ ኢሎም መስዋእትታት ኪኸፍሉ ኸለዉ ምርኣይ ዜሐጕስ እዩ። (መዝሙር 54:6 ኣንብብ።) ከምዚ ዓይነት መንፈስ ልግሲ፡ ንምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እንጽበየሉ እዋን ብዙሕ የሐጕሰና እዩ። (ዘዳ. 16:15፣ ግብ. 20:35) ይኹን እምበር፡ ኵላትና ገዛእ ርእስና ኣጸቢቕና ኽንምርምር ኣሎና። ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢልና ተወሳኺ መስዋእትታት ክንከፍል ንኽእል ዲና፧ ንግዜናን ንገንዘብናን ንጕልበትናን ንኽእለትናን ብኸመይ ኢና እንጥቀመሉ ዘለና፧ ብዛዕባ እንታይ ኢናኸ ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧ ንገለ ኻብቲ ብግዜ ጥንቲ ብፍቓድ ዚቐርብ ዝነበረን ንሕና ኽንቀድሖ እንኽእልን መስዋእትታት እስከ ንመርምሮ፣ ከምኡ ምግባርና፡ ንሓጐስና ኺውስኾ እዩ።

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት

4. እስራኤላውያን መስዋእትታት ካብ ምቕራብ ጥቕሚ ዚረኽቡ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧

4 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ሕድገት ሓጢኣት ንምርካብ መስዋእትታት ይቐርብ ነበረ። እቶም ህዝቢ፡ ሞገስ የሆዋ ንኺረኽቡ መስዋእትታት ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ገሊኡ መስዋእትታት ግዴታዊ ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ኸኣ ብፍቓድ ወይ ብፍታው እዩ ዚቐርብ ነይሩ። (ዘሌ. 23:37, 38) መስዋእቲ ምሕራር ብምሉኡ፡ ከም ብፍቓድ ዚግበር መስዋእቲ ወይ ከም ህያብ ኰይኑ ናብ የሆዋ ይቐርብ ነበረ። እቲ ብግዜ ሰሎሞን ኣብ ጽምብል ቤተ መቕደስ ዝቐረበ መስዋእትታት፡ ከም ዜደንቕ ኣብነት ኰይኑ ኺጥቀስ ይኽእል እዩ።—2 ዜና 7:4-6

5. የሆዋ ነቶም ትሑት ኣታዊ ዝነበሮም እስራኤላውያን እንታይ መሰናድዎ እዩ ገይሩሎም፧

5 የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ ኵሉ ሰብ ሓደ ዓይነት መስዋእቲ ኬቕርብ ከም ዘይክእል ስለ እተረድአ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ዓቕሙ መስዋእቲ ኬቕርብ ወሰነ። እቲ የሆዋ ዝሃቦ ሕጊ፡ ደም እንስሳ ኺፈስስ ከም ዘለዎ ይእዝዝ ነበረ፣ እዚ ኸኣ “ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገራት፡” ማለት ነቲ ጸኒሑ ብየሱስ ኣቢሉ ዚግበር ነገር ዜመልክት እዩ ነይሩ። (እብ. 10:1-4) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣብ ኣፈጻጽማ እቲ ሕጊ ድርቕ ዝበለ ኣረኣእያ ኣይኰነን ነይርዎ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ካብ መጓሰኡ መስዋእቲ ኬቕርብ እንተ ዘይክኢሉ፡ ባሬቶ ኬቕርብ ይኽእል ነበረ። በዚ ኸምዚ፡ ድኻታት እውን እንተ ዀኑ፡ ተሓጒሶም ንየሆዋ መስዋእቲ ኬቕርቡሉ ይኽእሉ ነበሩ። (ዘሌ. 1:3, 10, 14፣ 5:7) እቲ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ እንስሳታት ኪፈላለ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍቓዱ መስዋእቲ ኬቕርብ ከሎ ኼማልኦ ዝነበሮ ኽልተ ብቕዓታት ነይሩ እዩ።

6. ዝዀነ ይኹን ሰብ መስዋእቲ ኬቕርብ እንተ ደልዩ፡ እንታይ ብቕዓት እዩ ኼማልእ ነይርዎ፧ እዚኸ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ ነይሩ፧

6 ቀዳማይ፡ እቲ መስዋእቲ ዜቕርብ ሰብ፡ ዝበለጸ ኺህብ ነበሮ። የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ዝዀነ ይኹን ዜቕርብዎ መስዋእቲ ‘ምእንቲ ኺፍተወሎም፡’ ጥዑይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 22:18-20) እቲ እንስሳ ጐደሎ እንተ ኣልይዎ ግና፡ ከም ተቐባልነት ዘለዎ መስዋእቲ ጌርካ ኣይርአን እዩ ነይሩ። ካልኣይ፡ እቲ መስዋእቲ ዜቕርብ ሰብ፡ ንጹህን ዘይረኸሰን ኪኸውን ነበሮ። እቲ ሰብ ረኺሱ ኸሎ መስዋእቲ እንተ ኣቕሪቡ ግና፡ ፈለማ መስዋእቲ ሓጢኣት ወይ መስዋእቲ በደል ኬቕርብ ነበሮ፣ ድሕሪኡ፡ ብፍቓዱ መስዋእቲ ኬቕርብ ይኽእል። (ዘሌ. 5:5, 6, 15) እዚ ኣቕሊልካ ዚርአ ጕዳይ ኣይነበረን። ከመይሲ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ረኺሱ ኸሎ ኻብቲ ብፍቓድ ዚቐርብ መስዋእቲ እውን ዜጠቓልል መስዋእቲ ምስጋና እንተ በሊዑ፡ ካብ ህዝቡ ኺምንቈስ ከም ዘለዎ የሆዋ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 7:20, 21) ብኣንጻሩ ድማ፡ እቲ መስዋእቲ ዜቕርብ ሰብ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ እንተ ኣልይዎ፡ መስዋእቱ ኸኣ ጐደሎ ዘይብሉ እንተ ዀይኑ፡ ብዙሕ ኪሕጐስ ይኽእል ነበረ።—1 ዜና መዋእል 29:9 ኣንብብ።

ሎሚ መስዋእቲ ምኽፋል

7, 8. (ሀ) ብዙሓት ሰባት ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሎም መስዋእቲ ምኽፋሎም፡ እንታይ ሓጐስ እዩ ዜምጽኣሎም፧ (ለ) ኵላትና እንታይ እዩ ዘሎና፧

7 ሎሚ እውን፡ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ርእሶም ወፍዮም ኬገልግሉ ፍቓደኛታት እዮም፣ የሆዋ ድማ በዚ ይሕጐስ እዩ። ምእንቲ ኣሕዋትና ኢልና ምዕያይና ዜሐጕስ እዩ። ሓደ ኣብ ህንጸት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ነቶም ብባህርያዊ ሓደጋ እተጐድኡ ኣብ ምሕጋዝን ዚዓዪ ሓው፡ ነቲ ዚረኽቦ ዕግበት ንምግላጽ ቃላት ከም ዚሓጽሮ ተዛረበ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብቲ እተሃንጸሎም ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ወይ ከኣ ድሕሪ እቲ ዘጋጠሞም ባህርያዊ ሓደጋ ሓገዝ ኪግበረሎም ከሎ ዚስምዖም ሓጐስን ዜርእይዎ ሞሳን፡ ንዕዮኻን ንጻዕርኻን ከም እትፈትዎ እዩ ዚገብረካ።”

መብዛሕትኡ መስዋእትታት፡ ልክዕ ከምቲ ሎሚ እነቕርቦ ገሊኡ መስዋእቲ ብፍታው እዩ ዚቐርብ ነይሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 7-13 ርአ)

8 ኣብዚ ግዜና ዘሎ ውድብ የሆዋ፡ ንዕዮ የሆዋ ንምድጋፍ ዜኽእሎ ኣጋጣሚታት ወትሩ የናዲ እዩ። ብ1904 ሓውና ቻርለስ ቴዝ ራስል፡ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንገዛእ ርእሱ፡ ናይ ግዜኡን ናይ ሓይሉን ናይ ገንዘቡን ወ.ዘ.ተ. መጋቢ ንኪኸውን ብጐይታ ኸም እተሸመ ገይሩ ኺሓስብ ኣለዎ፣ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነቲ ተውህቦኡ ንኽብሪ ጐይታ ኢሉ ብዚከኣሎ ዓቕሚ ኺጥቀመሉ ኣለዎ” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ። ምእንቲ የሆዋ ኢልና መስዋእቲ ምኽፋልና ብዙሕ በረኸት ዜምጽኣልና እኳ እንተ ዀነ፡ እተወሰነ ዋጋ ግና ንኸፍል ኢና። (2 ሳሙ. 24:21-24) እሞኸ ነቲ ዘሎና ነገራት ብዝበለጸ ኽንጥቀመሉ ንኽእልዶ፧

ኣባላት ቤት-ኤል ኣውስትራልያ

9. ንኣጠቓቕማ ግዜና ብዚምልከት፡ ካብቲ ኣብ ሉቃስ 10:2-4 ዚርከብ ቃላት የሱስ እንታይ ስርዓት ኢና እንረክብ፧

9 ግዜና። ንጽሑፋትና ምትርጓምን ምሕታምን፡ ንቦታታት ኣምልኾ ምህናጽ፡ ንዓበይቲ ኣኼባታት ምውዳብ፡ ኣብ ዕዮ ረድኤት ምክፋል፡ ከምኡውን ኣብ ካልእ ብዙሕ ኣገዳሲ ንጥፈታት ምዕያይ ብዙሕ ግዜ እዩ ዚወስድ። ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ድማ፡ እተወሰነ ሰዓታት ጥራይ እዩ ዘሎና። የሱስ ኪሕግዘና ዚኽእል ስርዓት ጠቒሱ ነበረ። ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ወፍሪ ኺልእኮም ከሎ፡ ‘ኣብ መገዲ ንሓደ እኳ ሰላም ከይብሉ’ ነገሮም። (ሉቃ. 10:2-4) ስለምንታይ፧ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ “ኣብ መንጎ ምብራቓውያን ዚግበር ሰላምታታት ከምዚ ናትና ቝሩብ ርእስኻ ምድናን ወይ ኢድካ ምዝርጋሕ ኣይኰነን ዜጠቓልል፣ የግዳስ ብዙሕ ምትሕቝቛፍ፡ ምጕንባሕ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ምድሪ ተደቢርካ ምስጋድ ዜጠቓልል ነበረ። እዚ ዅሉ ብዙሕ ግዜ ዚሓትት ነበረ” በለ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ ስነ ስርዓት ዘይብሎም ኪዀኑ ኣይኰነን ዜተባብዖም ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሓጺር ግዜ ጥራይ ስለ ዝነበሮም፡ ንግዜኦም ብዝበለጸ መገዲ ንኺጥቀሙሉ እዩ ዚሕግዞም ነይሩ። (ኤፌ. 5:16) ንሕናኸ ነዚ ስርዓት እዚ ብምትግባር፡ ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ንኽንሕግዝ ዜኽእለና ግዜ ኽንዕድግ ንኽእልዶ፧

ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ኬንያ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

10, 11. (ሀ) ንዓለምለኻዊ ዕዮ እንገብሮ ወፈያ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕለሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ኣብ 1 ቈረንቶስ 16:1, 2 ዚርከብ ስርዓት እዩ ኺጠቕመና ዚኽእል፧

10 ገንዘብና። ንንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ፡ ብዙሕ ገንዘብ እዩ ዜድሊ። ንገየሽቲ ሓለውትን ንፍሉያት ፈለምትን ንሚስዮናውያንን ንምሕጋዝ በብዓመቱ ብሚልዮናት ዚቝጸር ዶላራት እዩ ዚወጽእ። ካብ 1999 ንነጀው ኣብተን ድኻታት ዝዀና ሃገራት ልዕሊ 24,500 ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተሃኒጹ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ገና 6,400 ዚኸውን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ የድሊ ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣስታት 100 ሚልዮን ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ይሕተም እዩ። እዚ ዅሉ በቲ ብፍታው ዚግበር ወፈያ እዩ ዚድገፍ።

11 ሃዋርያ ጳውሎስ ንወፈያ ብዚምልከት፡ ሓደ ስርዓት ጠቒሱ ነበረ። (1 ቈረንቶስ 16:1, 2 ኣንብብ።) ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋቱ፡ ክሳዕ መወዳእታ ሰሙን ኪጽበዩ ኸም ዘይብሎም፡ የግዳስ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ከከም ዓቕሞም ኣዋህሊሎም ኬቐምጡ ኸም ዘለዎም ኣተባብዖም። ሎሚ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን፡ ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ክንደይ ኪውፍዩ ኸም ዚኽእሉ ኣቐዲሞም ይምድቡ እዮም። (ሉቃ. 21:1-4፣ ግብ. 4:32-35) የሆዋ ድማ ንኸምዚ ዝበለ ናይ ምሃብ መንፈስ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ።

ኣብ ታክሲዶ፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዚርከብ ኮሚተ ኸባብያዊ ህንጸት ዚዓዪ ወለንተኛ

12, 13. ገሊኦም ክርስትያናት ንጕልበቶምን ንኽእለቶምን ንኸይጥቀሙሉ ዚኽልክሎም እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ የሆዋ ግና ብኸመይ እዩ ዚሕግዞም፧

12 ጕልበትናን ክእለትናን። ንጕልበትናን ንኽእለትናን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኢልና ኽንጥቀመሉ ኸለና፡ የሆዋ ይድግፈና እዩ። ክንደክም ከለና ኸም ዚሕግዘና ተመባጺዑልና ኣሎ። (ኢሳ. 40:29-31) ክእለትና ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ ዘይበቅዕ ኰይኑ ይስምዓና ድዩ፧ ካባና ንላዕሊ ብቕዓት ዘለዎም ከም ዘለዉ ጌርና ንሓስብ ዲና፧ የሆዋ ልክዕ ከምቲ ንኽእለት በሳልኤልን ኦሆልያብን ዘመሓየሾ፡ ንናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ተውህቦ እውን ኬመሓይሾ ኸም ዚኽእል ኣይንረስዕ።—ዘጸ. 31:1-6፣ ኣብ ገጽ 11 ዘላ ስእሊ ርአ።

13 የሆዋ፡ ካብቲ ዘሎና ኸይበቐቕና እቲ ዝበለጸ ኽንህቦ እዩ ዚደሊ። (ምሳ. 3:27) እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ እንደገና ኽትህነጽ ከላ፡ የሆዋ ንኣይሁድ፡ ነቲ ዕዮ ህንጸት ንምድጋፍ ብዛዕባ ዚገብርዎ ዝነበሩ ነገራት ኪሓስቡ ነገሮም። (ሃጌ 1:2-5) ከመይሲ፡ ኣቓልቦኦም ብኻልእ ነገራት ተሰሪቑ እዩ ነይሩ። ንሕና እውን፡ እቲ ቐዳምነት እንህቦ ነገራት ምስቲ የሆዋ ቐዳምነት ዚህቦ ነገራት ዚሳነ እንተ ዀይኑ ኽንሓስብ ኣሎና። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ምእንቲ ኽንካፈል፡ ‘ብልብና መገድና ኽንሓስብ’ ንኽእልዶ፧

ብዓቕምና እነቕርቦ መስዋእትታት

14, 15. (ሀ) ካብቲ እቶም ድሩት ዝዓቕሞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝሓደግዎ ኣብነት፡ እንታይ ምትብባዕ ኢና እንረክብ፧ (ለ) ባህግና እንታይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧

14 ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብቲ ጸገም ዚበዝሖ ወይ ድኽነት ዘለዎ ቦታታት እዮም ዚነብሩ። ውድብና ንጕድለት እቶም ኣብ ከምዚኣተን ዝበላ ሃገራት ዚነብሩ ኣሕዋት “ኪምልእ” ይጽዕር እዩ። (2 ቈረ. 8:14) ኰይኑ ግና፡ እቶም ድሩት ዝዓቕሞም ኣሕዋት እውን እንተ ዀኑ፡ ነቲ ንኻልኦት ናይ ምሃብ ፍሉይ መሰል ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። እቶም ብስጋ ድኻታት ዝዀኑ ኣሕዋት ተሓጒሶም ኪህቡ ኸለዉ፡ የሆዋ ባህ ይብሎ እዩ።—2 ቈረ. 9:7

15 ኣብ ሓንቲ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ኣዝያ ድኻ ሃገር፡ ገሊኦም ኣሕዋት ኣብ እተወሰነ ሸነኽ ግራቶም ንዚርከብ ኣታኽልቲ ሸይጦም፡ ነቲ ኣታዊኡ ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ ይጥቀሙሉ እዮም። ኣብታ ሃገር እቲኣ፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪህነጽ መደብ ምስ ወጸ፡ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ኪሕግዙ ደለዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ህንጸት ኣብቲ ዘርኢ ዚዝርኣሉ ወቕቲ እዩ ዚካየድ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ኪሕግዙ ስለ ዝቘረጹ፡ ቀትሪ ኣብቲ ኣዳራሽ ኪሰርሑ ድሕሪ ምውዓል፡ ምሸት ናብ ግራውቶም ወፊሮም ይዘርኡ ነበሩ። እዝስ ከመይ ዝኣመሰለ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኰን እዩ! እዚ ተመክሮ እዚ፡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ መቄዶንያ ዝነበሩ ኣሕዋት እዩ ዜዘክረና። ኣብ ‘ሕሉፍ ድኽነት’ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብቲ ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ናይ ምሕጋዝ ፍሉይ መሰል ኪውሃቦም ለመኑ። (2 ቈረ. 8:1-4) ንሕና እውን ነፍሲ ወከፍና ‘ብመጠን እቲ የሆዋ ዝሃበና በረኸት ንሃብ።’—ዘዳግም 16:17 ኣንብብ።

16. እቲ እንኸፍሎ መስዋእትታት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት እንተ ኣልይዎ ኸነረጋግጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ይኹን እምበር፡ ሓደ ኽንጥንቀቐሉ ዘሎና ጕዳይ ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ብግዜ ጥንታውያን እስራኤላውያን ዝነበረ፡ እቲ ብፍቓድ እነቕርቦ መስዋእቲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት እንተ ኣልይዎ ኸነረጋግጽ ኣሎና። ነቲ ምስ ስድራ ቤትናን ምስ ኣምልኾ የሆዋን ዚተሓሓዝ ቀንዲ ሓላፍነትና ምእንቲ ኽንፍጽሞ፡ ሚዛንና ኽንሕሉ ኣሎና። እቲ ምእንቲ ኻልኦት ኢልና እንህቦ ግዜናን ሃብትናን፡ ንመንፈሳዊ ወይ ንኣካላዊ ድሕንነት ስድራ ቤትና ዕሽሽ ከም እንብሎ ኺገብረና የብሉን። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ካብ ዘይብልና ንህብ ከም ዘለና እዩ ዚቝጸር። (2 ቈረንቶስ 8:12 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ መንፈሳውነትና ኽንሕሉ ኣሎና። (1 ቈረ. 9:26, 27) ይኹን እምበር፡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕና ኽንነብር ከለና፡ እቲ እንኸፍሎ መስዋእትታት ብዙሕ ሓጐስን ዕግበትን ኬምጽኣልና እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ “ቕቡል” እዩ።

እቲ እንኸፍሎ መስዋእትታት፡ ዓብዪ ዋጋ ኣለዎ

17, 18. ብዛዕባ እቶም ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሎም መስዋእትታት ዚኸፍሉ እንታይ እዩ ዚስምዓና፧ ኵላትናኸ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንሓስብ ዘሎና፧

17 ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ኣገዳሲ ንጥፈታት ንምድጋፍ፡ ‘ንገዛእ ርእሶም ከም መስዋእቲ መስተ ይኽዕዉ እዮም።’ (ፊል. 2:17) ነቲ እዞም ኣሕዋት እዚኦም ዜርእይዎ ናይ ምሃብ መንፈስ ካብ ልቢ ኢና እነማስወሉ። ኣንስትን ደቅን እቶም ኣብ ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ መሪሕ ግደ ዘለዎም ኣሕዋት እውን፡ በቲ ዜርእይዎ መንፈስ ልግስን ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስን ኪንኣዱ ይግብኦም እዩ።

18 ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድጋፍ፡ ብዙሕ ዕዮ እዩ ዜድሊ። ስለዚ፡ ኣብዚ ዕዮ እዚ ብእተኻእለና መጠን ብዙሕ ኣበርክቶ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ምዃኑ፡ ኵላትና ብጸሎት ንሕሰበሉ። ሕጂ ዀነ “ኣብ ዚመጽእ ስርዓት ዓለም” እንረኽቦ ዓስቢ ብዙሕ ከም ዚኸውን ድማ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ማር. 10:28-30

^ ሕ.ጽ. 2 ነታ ኣብ ናይ 15 ጥሪ 2012 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 21-25 ዝወጸት፡ “ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ መስዋእቲ ኣቕርበሉ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።