ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ”

“እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ”

“ኣመስጊኑ፡ [ነቲ ቕጫ] ቈሪሱ ‘እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ስጋይ ማለት እዩ። እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ’ በለ።”—1 ቈረ. 11:24።፡

1, 2. ሃዋርያት ብዛዕባ እቲ ናብ የሩሳሌም ዚግበር ጕዕዞ ዚጅምረሉ እዋን እንታይ ኢሎም እዮም ሓሲቦም ኪዀኑ ዚኽእሉ፧

‘ደበና ስለ ዘይነበረ፡ ሓዳስ ወርሒ ተራእያ እያ። ትማሊ ምሸት፡ ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ሓለውቲ፡ ነታ ወርሒ ርእዮምዋ ኪዀኑ ኣለዎም። ዋዕላ ኣይሁድ እዚ ምስ ፈለጡ፡ ሓዳስ ወርሒ፡ ማለት ወርሒ ኒሳን ከም ዝጀመረት ኣበሰሩ። ድሕሪኡ፡ እቲ ብስራት ብምልክታት ሓዊ ወይ ብልኡኻት ስለ እተዘርግሐ፡ ንሕና እውን ክንሰምዖ ኸኣልና። የሱስ ቅድሚ ፋስጋ ናብ የሩሳሌም ኪበጽሕ ከም ዚደሊ ፍሉጥ እዩ።’

2 ገለ ኻብቶም ምስ የሱስ ኣብ ፔራ (ስግር ዮርዳኖስ) ዝነበሩ ሃዋርያት ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ኢሎም ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሱስ ንመወዳእታ ግዜ ናብ የሩሳሌም ኪጐዓዝ ተበጊሱ ነበረ። (ማቴ. 19:1፣ 20:17, 29፣ ማር. 10:1, 32, 46) ብኣቈጻጽራ ኣይሁድ፡ ቀዳመይቲ መዓልቲ ወርሒ ኒሳን መዓስ ከም እትጅምር ምስ ተፈልጠ፡ ድሕሪኡ 13 መዓልቲ ጸኒሑ ፋስጋ ይብዓል ነበረ። እዚ ኸኣ ብ14 ኒሳን፡ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ እዩ ዚውዕል።

3. ክርስትያናት ብዛዕባ እታ ፋስጋ እትውዕለላ ዕለት ዚግደሱ ስለምንታይ እዮም፧

3 እታ ምስ ዕለት ፋስጋ ሕደ ዝዀነት፡ ዕለት ድራር ጐይታ፡ ኣብ 14 ሚያዝያ 2014፡ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ እያ እትውዕል። እዛ ዕለት እዚኣ፡ ንናይ ሓቂ ክርስትያናትን ንተገደስቲ ሰባትን ፍልይቲ መዓልቲ እያ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብ 1 ቈረንቶስ 11:23-25፡ “የሱስ በታ ኣሕሊፍካ ዚውሃበላ ለይቲ፡ እንጌራ ኣልዓለ፣ ኣመስጊኑ፡ ቈሪሱ፡ ‘እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ስጋይ ማለት እዩ። እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ’ በለ። ብዛዕባ እታ ጽዋእ እውን . . . ከምኡ ገበረ” ተባሂሉ ኣሎ።

4. (ሀ) ብዛዕባ በዓል ዝኽሪ እንታይ ሕቶታት እዩ ኺለዓል ዚኽእል፧ (ለ) ዕለት በዓል ዝኽሪ ኣብ ዓዓመት ዚውሰን ብኸመይ እዩ፧ ( “በዓል ዝኽሪ 2014” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

4 ኣብታ የሱስ ንሰዓብቱ ኣብ ዓዓመት ኬብዕልዋ ዝነገሮም ሓንቲ በዓል ክትርከብ ከም እትደሊ ፍሉጥ እዩ። ኣቐዲምካ ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ነታ ምሸት እቲኣ ብኸመይ እየ ኽዳለወላ ዘሎኒ፧ እንታይ ፍሉይ ነገራት እዩ ዚቐርብ፧ ኣብቲ በዓል እቲ፡ ከመይ ዝበለ ስርዓት እዩ ዚህሉ፧ እቲ በዓል እትን እቲ ሽዑ ዚቐርብ ነገራትን ንዓይ እንታይ ትርጕም እዩ ኼመሓላልፈለይ ዘለዎ፧’

ቅጫን ወይንን

5. የሱስ ኣብቲ ንመወዳእታ ግዜ ምስ ሃዋርያቱ ዀይኑ ዘብዓሎ ፋስጋ፡ እንታይ ምድላዋት እዩ ገይሩ፧

5 የሱስ ንሃዋርያት ፋስጋ ዜብዕሉላ ኽፍሊ ኼዳልዉሉ ኺነግሮም ከሎ፡ እተጋነነ መጸባበቒ ኺግበር ከም ዘለዎ ኣይጠቐሰን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ምሽእትን ጽርይትን ነቶም ዕዱማት ዚኣክል ስፍሓት ዘለዋን ክፍሊ እዩ ደልዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። (ማርቆስ 14:12-16 ኣንብብ።) ሃዋርያት፡ ዘይበዅዐ ቕጫን ቀይሕ ወይንን ዝኣመሰለ ነቲ በዓል ዚኸውን ነገራት ኬዳልዉ ኸም ዘለዎም ይፈልጡ ነበሩ። የሱስ ፋስጋ ኣብዒሉ ምስ ወድአ፡ ኣብቲ ቕጫን ወይንን ኣተኰረ።

6. (ሀ) የሱስ፡ ፋስጋ ምስ ተበልዐ፡ ብዛዕባ እቲ ቕጫ እንታይ እዩ ዝበለ፧ (ለ) ኣብ በዓል ዝኽሪ እንታይ ዓይነት ቅጫ እዩ ዚቐርብ፧

6 ሃዋርያ ማቴዎስ ኣብቲ በዓል እቲ ስለ ዝነበረ፡ “የሱስ እንጌራ ኣልዓለ፣ ባሪኹ፡ ቈሪሱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ እናሃበ ድማ፡ “ውሰዱ፡ ብልዑ። እዚ ስጋይ ማለት እዩ’ በሎም” ኢሉ ጸሓፈ። (ማቴ. 26:26) እቲ “ቕጫ፡” ከምቲ ኣብ በዓል ፋስጋ ዚግበር ዝነበረ፡ ዘይበዅዔ እንጌራ እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 12:8፣ ዘዳ. 16:3) መባዅዕቲ ወይ ከም ጨው ዝኣመሰለ መማቕርቲ ብዘይብሉ ሓርጭ ስርናይን ማይን ከኣ እዩ ዚዳሎ ነይሩ። ስለ ዘይበዅዐ ድማ ፈዀዅ ኣይብልን ነበረ። ገለ ሕዋስ ዘይብሉን ንቝጽን ብቐሊሉ ዚስበርን ነበረ። ሎሚ ሽማግለታት ጉባኤ፡ ቅድሚ በዓል ዝኽሪ፡ ንሓደ ኻብቶም ኣስፋሕቲ ብሓርጭ ስርናይን ብማይን ገይሩ ብዘይቲ ኣብ እተለኽየ ባዴላ ወይ መቕሎ ቕጫ ኺስንክት ኪሓትትዎ ይኽእሉ እዮም። (ሓርጭ ስርናይ ኪርከብ እንተ ዘይተኻኢሉ፡ ብሓርጭ ሩዝ፡ ስገም፡ ዕፉን ወይ ብኻልእ ተመሳሳሊ ዓይነት እኽሊ ጌርካ ኺስንከት ይከኣል እዩ።) ወይ ከኣ ቡቕሊ፡ እንቃቕሖ፡ ወይ ሽጕርቲ ዘይብሉ ዓይነት ቅጫ ኣይሁድ ክትጥቀም ይከኣል እዩ።

7. የሱስ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ወይኒ እዩ እተዛረበ፧ ሎሚኸ፡ ኣብ ድራር ጐይታ እንታይ ዓይነት ወይኒ እዩ ኪቐርብ ዚከኣል፧

7 ማቴዎስ ቀጺሉ ኸም ዝገለጾ፡ “[የሱስ] ጽዋእ ኣልዒሉ እውን፡ ኣመስጊኑ፡ ከምዚ እናበለ ሃቦም፦ ‘ኵላትኩም ካብዚ ስተዩ።’” (ማቴ. 26:27, 28) እቲ የሱስ ኣብ ኢዱ ዝሓዞ ጽዋእ፡ ጽዋእ ቀይሕ ወይኒ እዩ ነይሩ። (ዓጺድ ወይኒ ኻብ ዝሓልፍ ነዊሕ ገይሩ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ወይኒ፡ ሓድሽ ጽማቝ ወይኒ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ ነይሩ።) ሽሕ እኳ ወይኒ፡ ክፍሊ እቲ ኣብ ግብጺ እተገብረ ናይ መጀመርታ በዓል ፋስጋ እንተ ዘይነበረ፡ የሱስ ኣብ ፋስጋ ወይኒ ስለ ዝቐረበ፡ ኣይተቓወመን። ሕሉፍ ሓሊፉ እኳ ደኣ፡ ንገለ ኽፋል እቲ ወይኒ ኣብ ድራር ጐይታ ተጠቒሙሉ እዩ። ስለዚ፡ ክርስትያናት ኣብ ድራር ጐይታ ወይኒ ኸም ዚቐርብ ይገብሩ እዮም። ንዋጋ ደም የሱስ ከነደልድሎ ወይ ክንውስኸሉ ስለ ዘየድሊ፡ እቲ ኣብ ድራር ጐይታ እንጥቀመሉ ወይኒ፡ ብብራንዲ ወይ ብቐመማት ዝተረረ ዓይነት ወይኒ ኣይኰነን። ሕዋስ ዘይብሉ ቐይሕ ወይኒ ኪቐርብ ኣለዎ። እዚ ኣብ ቤት ኪዳሎ፡ ወይ ከኣ ከም ቦዦሌ፡ በርጋንዲ፡ ወይ ኪያንቲ ዝኣመሰለ ወይኒ ኺዕደግ ይከኣል እዩ።

ትርጕም ቅጫን ወይንን

8. ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ቕጫን ወይንን ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ዚግደሱ ስለምንታይ እዮም፧

8 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሃዋርያት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኵሎም ክርስትያናት እውን ድራር ጐይታ ኼብዕሉ ኸም ዘለዎም ኣነጺሩ ገሊጹ እዩ። ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያን ብጾቱ፡ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም፦ “እቲ ናባኻትኩም ዘመሓላለፍክዎ፡ ካብ ጐይታ ተቐቢለ እየ፦ ጐይታና የሱስ . . . እንጌራ ኣልዓለ፣ ኣመስጊኑ፡ ቈሪሱ፡ ‘እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ስጋይ ማለት እዩ። እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ’ በለ።” (1 ቈረ. 11:23, 24) በዚ መሰረት እዚ፡ ክሳዕ እዚ ግዜና ዘለዉ ክርስትያናት፡ ነዚ ፍሉይ በዓል እዚ፡ ኣብ ዓዓመት እዮም ዜብዕልዎ፣ ብዛዕባ እቲ ቕጫን ወይንን ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ድማ ይግደሱ እዮም።

9. ገሊኣቶም ብዛዕባ እቲ የሱስ እተጠቐመሉ ቕጫ፡ እንታይ ግጉይ ርእይቶ እዩ ዘለዎም፧

9 ገሊኦም ምእመናን፡ የሱስ፡ ቃል ብቓሉ፡ ‘እዚ ስጋይ እዩ’ ኸም ዝበለ ብምጥቃስ፡ እቲ ቕጫ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ናብ ስጋ የሱስ ከም እተቐየረ እዮም ዚኣምኑ። እዚ ግና፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። * ስጋ ወይ ኣካል የሱስ ኣብ ቅድሚ እቶም እሙናት ሃዋርያት እዩ ነይሩ፣ እቲ ቘሪሶም ዝበልዕዎ ዘይበዅዐ ቕጫ እውን ኣብ ቅድሚኦም እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ የሱስ ከምቲ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ካልእ እዋናት እውን ዚብሎ ዝነበረ፡ ኣብዚ እውን ብምሳልያዊ መገዲ ይዛረብ ከም ዝነበረ ንጹር እዩ።—ዮሃ. 2:19-21፣ 4:13, 14፣ 10:7፣ 15:1

10. እቲ ኣብ ድራር ጐይታ ዚቐርብ ቅጫ እንታይ እዩ ዜመልክት፧

10 እቲ ሃዋርያት ኪርእይዎን ኪማቐልዎን ዚኽእሉ ዚነበሩ ቕጫ፡ ንስጋ የሱስ እዩ ዜመልክት ነይሩ። ኣየናይ ስጋ፧ ሓደ እዋን፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ የሱስ ነቲ ቕጫ ቘሪሱ ስለ ዝሰበሮ፡ ዓጽሚ የሱስ ግና ስለ ዘይተሰብረ፡ እቲ ቕጫ፡ ን“ሰብነት ክርስቶስ፡” ማለት ንጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ከም ዜመልክት ኰይኑ ይስምዖም ነበረ። (ኤፌ. 4:12፣ ሮሜ 12:4, 5፣ 1 ቈረ. 10:16, 17፣ 12:27) ድሕሪ ገለ ግዜ ግና፡ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ እቲ ቕጫ ነቲ ንየሱስ እተዳለወሉ ምድራዊ ሰብነቱ ወይ ስጋኡ ኸም ዜመልክት ተገንዘቡ። የሱስ፡ ‘ብስጋ መከራ ጸጊቡ፡’ ተሰቒሉ እውን እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ድራር ጐይታ፡ እቲ ቕጫ ነቲ ‘ንሓጢኣትና ዝጾረ’ ሰብነት የሱስ እዩ ዜመልክት።—1 ጴጥ. 2:21-24፣ 4:1፣ ዮሃ. 19:33-36፣ እብ. 10:5-7

11, 12. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ እቲ ወይኒ እንታይ እዩ ዝበለ፧ (ለ) እቲ ኣብ ድራር ጐይታ ዚቐርብ ወይኒ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧

11 እዚ ትርጕም እዚ ነቲ የሱስ ቀጺሉ ብዛዕባ እቲ ወይኒ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል እተዛረቦ ሓሳባት ንኽንርድኦ ይሕግዘና፦ “ብዛዕባ እታ ጽዋእ እውን ድሕሪ ድራር፡ ‘እዛ ጽዋእ እዚኣ፡ ብደመይ ዚግበር ሓድሽ ኪዳን ማለት እያ። ብእትሰትይዋ መጠን፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ’ ብምባል ከምኡ ገበረ።” (1 ቈረ. 11:25) እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ኣብ ሓያሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ትርጕም 1956 ብዚመሳሰል ቃላት፡ ቃል ብቓሉ፡ “እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ” ብዚብል ተተርጒማ ኣላ። እታ የሱስ ዝሓዛ ጽዋእሲ ሓድሽ ኪዳን ማለት ድያ ነይራ፧ ኣይፋላን። እታ “ጽዋእ” እትብል ቃል፡ ነቲ ኣብ ውሽጣ ሒዛቶ ዘላ ነገር፡ ማለት ነቲ ወይኒ እያ እተመልክት። የሱስ፡ እቲ ወይኒ ንደሙ ኸም ዜመልክት እዩ ገሊጹ።

12 እቲ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት የሱስ፡ “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናተይ ‘ደም ኪዳን’ ማለት እዩ” ይብል። (ማር. 14:24) እወ፡ ደም የሱስ “ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ” ደም እዩ ነይሩ። (ማቴ. 26:28) ስለዚ እምበር፡ እቲ ቐይሕ ወይኒ፡ ንደም የሱስ እዩ ዜመልክት። በቲ ደም እቲ ኣቢሉ በጃ ስለ እተኸፍለልና ኸኣ፡ ‘ኣበሳና ኺሕደገልና’ ይኽእል እዩ።—ኤፌሶን 1:7 ኣንብብ።

ሃዋርያት ካብቲ ንደም የሱስ ዜመልክት ወይኒ ወሲዶም እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 11, 12 ርአ)

ሞት ክርስቶስ ምዝካር

13. ዓመታዊ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ብኸመይ ከም ዚብዓል ግለጽ፧

13 ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ዝኽሪ እተብዕል ንመጀመርታ ግዜኻ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ኢኻ ኽትጽበ እትኽእል፧ እቲ መአከቢ ዅሎም ተኣከብቲ ባህ ኢልዎም ኪእከቡሉ ዚኽእሉ፡ ማራኽን ጽፉፍን ቦታ እዩ። ነቲ ቦታ ዜማዕርግ ዕምባባታት ኪህሉ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እተጋነነ መጻበበቒ የለን፣ ኣብ ፓርቲ ኸም ዚግበር እውን ኣይኰነን። ሓደ ብቑዕ ሽማግለ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ በዓል እንታይ ከም ዚብል ብንጹርን ኣኽብሮት ብዘለዎ መገድን ኪገልጽ እዩ። ንዅሎም ተኣከብቲ ድማ ነቲ ክርስቶስ ዝገበረልና ነገር ንኼማስዉሉ ኺሕግዞም እዩ። ክርስቶስ፡ ንኽንነብር ኢሉ፡ ብሞቱ በጃ ኸፊሉልና እዩ። (ሮሜ 5:8-10 ኣንብብ።) እቲ ተዛራባይ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ንክርስትያናት እተዳለወሎም ክልተ ተስፋታት ኪገልጽ እዩ።

14. ኣብ ድራር ጐይታ ብዛዕባ እንታይ ተስፋታት እዩ ዚግለጽ፧

14 ሓደ ኻብቲ ተስፋ፡ ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ኴንካ ምግዛእ እዩ። እዚ ተስፋ እዚ ዘለዎም ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ብተዛማዲ ሒደት ኪዀኑ ኸለዉ፡ እቶም እሙናት ሃዋርያት እውን ይርከብዎም። (ሉቃ. 12:32፣ 22:19, 20፣ ራእ. 14:1) እቲ ኻልኣይ ተስፋ ድማ፡ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ዜገልግልዎ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ዘለዎም ተስፋ እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም። ሽዑ፡ እቲ ክርስትያናት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ኪጽልይዎ ዚጸንሑ ነገር ኪፍጸም እዩ። እወ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ኪኸውን እዩ። (ማቴ. 6:10) ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ክርስትያናት ንዘለኣለም ዚሕጐሱሉ ዜደንቕ ኵነታት ዚገልጽ ባህ ዜብል ሓሳባት ይህበና እዩ።—ኢሳ. 11:6-9፣ 35:5, 6፣ 65:21-23

15, 16. ኣብ ድራር ጐይታ እቲ ቕጫ እንታይ እዩ ዚግበር፧

15 እቲ ተዛራባይ መደረኡ ናብ ምድምዳም ገጹ ኪቐርብ ከሎ፡ ልክዕ ከምቲ የሱስ ንሃዋርያቱ ኺገብርዎ ዝነገሮም ነገር ከም ዚፍጸም ይሕብር። ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ድማ፡ ዘይበዅዐ ቕጫን ቀይሕ ወይንን ይቐርብ። እዚ ኣብ ጥቓ እቲ ተዛራባይ ኣብ ዚርከብ ሰደቓ ኪቕመጥ ይኽእል እዩ። እቲ ተዛራባይ፡ የሱስ ነዚ በዓል እዚ ኬቕውም ከሎ እንታይ ከም ዝበለን ከም ዝገበረን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ የብርህ። ንኣብነት፡ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ፡ “የሱስ እንጌራ ኣልዓለ፣ ባሪኹ፡ ቈሪሱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ እናሃበ ድማ፡ ‘ውሰዱ፡ ብልዑ። እዚ ስጋይ ማለት እዩ’ በሎም” ዚብል ጸብጻብ ተመዝጊቡ ኣሎ። (ማቴ. 26:26) የሱስ ነቲ ዘይበዅዐ ቕጫ ቘሪሱ፡ ነቶም ኣብ የማነ ጸጋሙ ዝነበሩ ሃዋርያቱ ኣዞረሎም። ኣብቲ ብ14 ሚያዝያ ዚግበር ኣኼባ እውን ዘይበዅዐ ቕጫ ተቘራሪሱ፡ ኣብ ቢያትታት ተቐሚጡ ኽትርኢ ኢኻ።

16 እቲ ቕጫ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ናብ ኵሎም ተኣከብቲ ምእንቲ ኺዘውር፡ እኹል ብያትታት ኪቕረብ እዩ። ሽዑ፡ ሰፊሕ ጽምብል ኣይኪግበርን እዩ። ሓጺር ጸሎት ምስ ተገብረ፡ እቲ ብያትታት ከከም ከባቢኡ ተቐባልነት ብዘለዎ ስርዓት እዩ ዚዘውር። ልክዕ ከምቲ ብ2013 ኣብ እተገብረ በዓል ዝኽሪ ዘጋጠመ፡ ኣብ መብዛሕትአን ጉባኤታት ካብቲ ዚዘውር ቅጫ ዚወስዱ ተኣከብቲ ኣዝዮም ሒደት እዮም። አረ ኣብ ገሊአን ጉባኤታትሲ ሓደ እኳ ዚወስድ የለን።

17. ኣብ ድራር ጐይታ፡ እቲ የሱስ ብዛዕባ ወይኒ ዝሃቦ መምርሒ ብኸመይ እዩ ዚትግበር።

17 ድሕርዚ፡ እቲ ማቴዎስ ቀጺሉ ዝገለጾ ነገር ኪዕየየሉ እዩ። ከምዚ ዚብል፦ “[የሱስ] ጽዋእ ኣልዒሉ እውን፡ ኣመስጊኑ፡ ከምዚ እናበለ ሃቦም፦ ‘ኵላትኩም ካብዚ ስተዩ፣ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ናተይ “ደም ኪዳን” ማለት እዩ።’” (ማቴ. 26:27, 28) ልክዕ ከምቲ ቕጫ ቐቅድሚ ምዛሩ ዚግበር፡ ኣብዚ እውን፡ ኣቐዲምካ ጸሎት ይግበር እሞ፡ እቲ ቐይሕ ወይኒ ዝሓዘ ‘ጽዋኣት’ ናብ ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ይዘውር።

18. ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ ኣዝዮም ሒደት እውን እንተ ዀኑ፡ ወይ እውን ዋላ ሓደ ዚወስድ እውን እንተ ዘየለ፡ ኣብ በዓል ዝኽሪ ምምጻእ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

18 የሱስ ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ እቶም ኣብ ሰማያዊት መንግስቱ ምስኡ ዝገዝኡ ሰባት ጥራይ ምዃኖም ስለ ዝሓበረ፡ እቲ ቕጫን ወይንን ኪዘውር ከሎ፡ መብዛሕትኦም ተኣከብቲ ኻብኡ ኣይወስዱን እዮም። (ሉቃስ 22:28-30 ኣንብብ፣ 2 ጢሞ. 4:18) ይኹን እምበር፡ እቶም ዘይወስዱ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ድራር ጐይታ ምምጻኦም ኣገዳሲ እዩ። ኣብቲ በዓል ምምጻኦም ንመስዋእቲ የሱስ ኣኽቢሮም ከም ዚርእይዎ እዩ ዚሕብር። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዛዕባ እቲ ብመስዋእታዊ በጃ የሱስ ኪረኽብዎ ዚኽእሉ በረኸታት ኬስተንትኑ ይኽእሉ እዮም። እዚኣቶም፡ ኣብ መንጎ እቶም “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝወጹ፡” “ብዙሓት ህዝቢ” ዀይኖም ኪድሕኑ ተስፋ ኣለዎም። ብዛዕባ እዞም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚኦም፡ “ነቲ ወለል ዚብል ክዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕድዮምዎ እዮም” ተባሂሉ ኣሎ።—ራእ. 7:9, 14-17

19. ካብ ድራር ጐይታ ንኽትጥቀም እንታይ ምድላዋት ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧

19 ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ይዳለዉሉ ኣለዉ። ሰሙናት ኣቐዲምና፡ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት፡ ናብቲ በዓል ንኺመጹ ኽንዕድሞም ኢና። ብዘይካዚ፡ መብዛሕትና፡ ቀቅድሚ እቲ በዓል ኣብ ዘለዋ መዓልትታት፡ ብዛዕባ እቲ ቐቅድሚ እቲ ብ33 ድ.ክ. ዝወዓለ ድራር ጐይታ ኣብ ዘሎ መዓልትታት የሱስ ዝገበሮን እተፈጸመ ነገራትን ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ኢና። ኣብቲ በዓል ንኽንርከብ ድማ ኣቐዲምና ብሕታዊ ጕዳያትና ኸነተዓራሪ ኢና። ኣጋይሽ ምእንቲ ኽንቅበልን ኣብ ብምሉኡ እቲ መደብ ምእንቲ ኽንካፈልን፡ መኽፈቲ መዝሙርን ጸሎትን ቅድሚ ምጅማሩ ኽንመጽእ ዝሓሸ እዩ። ኵላትና፡ ኣባላት ጉባኤን ኣጋይሽን፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪግለጽ ከሎ፡ መጽሓፍ ቅዱሳና ገንጺልና ምስ እንከታተል ብሓቂ ኽንጥቀም ኢና። ብዝያዳ ድማ፡ ኣብ በዓል ዝኽሪ ምእካብና፡ ንመስዋእቲ የሱስ ልባዊ ሞሳ ኸም ዘሎናን ነቲ፡ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ብምባል ዝሃበና ትእዛዝ ከም እነኽብሮን ዜርኢ እዩ።—1 ቈረ. 11:24

^ ሕ.ጽ. 9 ሃይንሪኽ መየር ዚብሃል ጀርመናዊ ምሁር፡ ‘“ኣብቲ ግዜ እቲ ስጋ የሱስ ስለ ዘይተመቕለ (ብህይወት ስለ ዝነበረ)” ሃዋርያት ቃል ብቓሉ ስጋ የሱስ ከም ዚበልዑን ደሙ ኸም ዚሰትዩን ገይሮም ከም ዘይሓሰቡ’ ገለጸ። ኣስዒቡ እውን፡ ‘የሱስ ብዛዕባ እቲ ቕጫን ወይንን ንምብራህ “ቅልል ዝበለ ቓላት” ከም እተጠቕመን ንሃዋርያቱ ብጌጋ ኺርድእዎ ኸም ዘይደለዮምን’ ገለጸ።