ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

የሱስ ‘ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ዝሰበኸሎም’ መዓስ እዩ፧ (1 ጴጥ. 3:19)

የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ገለ ግዜያት ጸኒሑ፡ ነቶም እኩያት መናፍስቲ፡ እቲ ዚግብኦም ፍርዲ ኸም ዚመጾም ኣወጀሎም።—15/6፡ ገጽ 23።

ካልኣይ መውስቦ ንኸይሰምር ዕንቅፋት ዚኸውን ሰለስተ ብድሆታት እንታይ እዩ፧

እቲ ብዛዕባ ናይ ቀደም ሓዳርካ ዘሎካ ተዘክሮ፡ ነቲ ናይ ሕጂ ሓዳርካ ንኸይዕብልሎ ምቅላስ፣ ምስቲ ናይ ሕጂ መጻምድትኻ ሌላ ምስ ዘይብሎም ናይ ቀደም ፈተውቲ ኽትረዳዳእ ምቅላስ፣ እቲ ናይ ቀደም መጻምድትኻ ስለ ዝጠለመካ፡ ነቲ ሓድሽ መጻምድትኻ ንኽትኣምኖ ምጽጋም።—1/7፡ ገጽ 9-10

የሱስ ንሰባት ከም ኣባጊዕ ወይ ከም ኣጣል ዚፈርዶም መዓስ እዩ፧ (ማቴ. 25:32)

የሱስ ኣብ እዋን እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ መጸ፡ ንሰባት ኪፈርዶም እዩ፣ እዚ ኸኣ ድሕሪ ምጥፋእ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እዩ ዚፍጸም።—15/7፡ ገጽ 6

እቶም ኣብቲ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዚገልጽ ምሳሌ እተጠቕሱ ጠሓስቲ ሕጊ ዝዀኑ ሰባት፡ ኣስናኖም ዚሕርቅሙ መዓስ እዮም፧ (ማቴ. 13:36, 41, 42)

ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ካብ ጥፍኣት ኬምልጡ ኸም ዘይክእሉ ምስ ፈለጡ እዮም ኣስናኖም ዚሕርቅሙ።—15/7፡ ገጽ 13

እተን ብዛዕባ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዚገልጻ ቓላት የሱስ መዓስ እየን ተፈጺመን፧ (ማቴ. 24:45-47)

ኣብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ዘይኰነስ፡ ድሕሪ 1914 እየን ኪፍጸማ ጀሚረን። ብ1919 እቲ ባርያ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ቤት ተሸመ፣ እዞም ኣገልገልቲ ቤት እዚኦም ድማ፡ ነቶም መንፈሳዊ ምግቢ ዜድልዮም ኵሎም ክርስትያናት ዜጠቓልሉ እዮም።—15/7፡ ገጽ 21-23

የሱስ ነቲ እሙን ባርያ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንብረቱ ዚሸሞ መዓስ እዩ፧

እዚ ኣብ መጻኢ፡ ማለት እቲ እሙን ባርያ ሰማያዊ ዓስቡ ኣብ ዚረኽበሉ እዋን እዩ ዚፍጸም።—15/7፡ ገጽ 25

መጽሓፍ ቅዱስ ንገሊኦም ሰባት ስሞም ዘይጠቕሶም፡ ሕማቕ ባህርያት ስለ ዝነበሮም ወይ ከኣ ዘይረብሑ ስለ ዝነበሩ ድዩ፧

ከምኡ ኢልና ኽንድምድም የብልናን። ከመይሲ፡ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስሞም ዘይተጠቕሰ ሰባት፡ ገሊኦም ንፉዓት፡ ገሊኦም ከኣ ሕማቓት እዮም ነይሮም። (ሩት 4:1-3፣ ማቴ. 26:18) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስሞም እተመዝገበ እሙናት መላእኽቲ፡ ክልተ ጥራይ እዮም።—1/8፡ ገጽ 10

እቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበ ዛክሰንሃውዘን ዝነበሩ 230 ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብቲ እተገብረ ነዊሕ ጕዕዞ ብህይወት ኪተርፉ ዝኸኣሉ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ እዮም። ካልእከ እንታይ ሓጊዝዎም፧

ብጥሜትን ብሕማምን ደኺሞም እኳ እንተ ነበሩ፡ ንሓድሕዶም ይተባብዑን ይደጋገፉን ነበሩ።—15/8፡ ገጽ 18

እስራኤላውያን ናብታ ምድሪ ተስፋ ንምእታው ንፈለግ ዮርዳኖስ ከም ዝሰገርዎ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ንዓና ዜተባብዓና ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ፈለግ ኣዕለቕሊቑ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኺሳገሩ፡ የሆዋ ደው ኣበሎ። እዚ ንእምነቶምን ነቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮም ምትእምማንን ኣደልዲልዎ ኪኸውን ኣለዎ፣ ንሕና እውን በቲ ጸብጻብ ክንተባባዕ ንኽእል ኢና።—15/9፡ ገጽ 16

ሕብሪ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ምህላዉ፡ እንታይ እዩ ዜርኢ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ሕብሪ ዚጥቀም ምዃኑ፡ ኣምላኽ ነቲ ሰባት ብዛዕባ ሕብሪ ዘለዎም ስምዒት ከም ዚፈልጦን ሕብሪ ንምዝካር ከም ዚሕግዝን ይሕብር።—1/10፡ ገጽ 14-15

እቲ ኣብ ሚክያስ 5:5 ዚርከብ ብዛዕባ ጓሶትን መሳፍንትን ዚገልጽ ትንቢት፡ ሎሚ ዚፍጸም ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

እቶም ኣብ ሚክያስ 5:5 ተጠቒሶም ዘለዉ ‘ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ መሳፍንትን፡’ ነቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ንመጥቃዕቲ ንኺዳለዉ ዜተባብዕዎም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተሸሙ ሽማግለታት እዮም ዜመልክቱ።—15/11፡ ገጽ 20

ኣምላኽ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

ጽቡቕ መምርሕን ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥመና ጸገማት ዚኸውን መልስን የድልየና እዩ፣ እዚ ድማ ካብ ኣምላኽ እዩ ዚመጽእ። ኣምላኽ፡ ጽቡቕ ህይወት ንኽንነብርን ሕጉሳት ንኽንከውንን ዜኽእለና ሓገዝ ይህበና እዩ፣ ነዚ ኽዉን ንምግባር ድማ ነቲ ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓታቱ ኺፍጽሞ እዩ።—1/12፡ ገጽ 4-6