ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ካብ ሓሳብካ ቐልጢፍካ ኸይትናወጽ’ ተጠንቀቕ

‘ካብ ሓሳብካ ቐልጢፍካ ኸይትናወጽ’ ተጠንቀቕ

“ኣቱም ኣሕዋትና፡ . . . ካብ ሓሳብኩም ቀልጢፍኩም ኣይትናወጹ።”—2 ተሰ. 2:1, 2

1, 2. ሎሚ ምትላል ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ዚንዛሕ፧ (ኣብ ገጽ 6 ዘላ ስእሊ ርአ።)

ኣብዚ ዘለናሉ ስርዓት፡ ምጥፍፋእን ምትላልን ቅጥፈትን ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኬገርመና የብሉን። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ገዛኢ እዚ ስርዓት እዚ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ፡ ዝወጸሉ መታለሊ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (1 ጢሞ. 2:14፣ 1 ዮሃ. 5:19) መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ እናቐረበ ኺመጽእ ከሎ፡ ሰይጣን “ሓጺር እዋን” ጥራይ ከም ዘለዎ ስለ ዚፈልጥ፡ ቍጥዓኡ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። (ራእ. 12:12) ስለዚ፡ እቶም ብድያብሎስ ዚጽለዉ ሰባት፡ ብፍላይ ነቶም ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኼደንፍዑ ዚጽዕሩ ንኼታልልዎም ዚገብርዎ ጻዕሪ ኸም ዚዛይድ እንጽበዮ ነገር እዩ።

2 ብዛዕባ ኣገልገልቲ የሆዋን ብዛዕባ እምነታቶምን ዚንዛሕ ዜጋጊ ሓሳባትን ውጹእ ሓሶትን፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ይቐርብ እዩ። ነቲ ሓሶታት ብዝያዳ ንምንዛሕ ድማ፡ ኣርእስተ ዜና ጋዜጣታትን ብተለቪዥን ዚቐርብ ፊልምታትን ወብ ሳይታትን ኣብ ጥቕሚ ይውዕል እዩ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ገሊኦም ሰባት በቲ ሓሶታት ይርበሹን ብግርህነት ይኣምንዎን እዮም።

3. ምእንቲ ኸይንታለል፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

3 ቃል ኣምላኽ “ንምቕናዕ . . . ዚጠቅም” ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ጸላኢና ንኼጃጅወና ኢሉ ዚጥቀመሉ ሜላ ኽንቃወሞ ንኽእል ኢና። (2 ጢሞ. 3:16) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት ተታሊሎም ከም ዝነበሩ ዚሕብር ሓሳብ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። “ካብ ሓሳብኩም ቀልጢፍኩም ኣይትናወጹ” ብምባል ድማ ኣተባብዖም። (2 ተሰ. 2:1, 2) ካብዚ ጳውሎስ ዝሃቦ ፍቕራዊ ማዕዳ፡ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ ክንትግብሮ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

እዋናዊ መጠንቀቕታ

4. ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ብዛዕባ ምምጻእ “መዓልቲ የሆዋ” መጠንቀቕታ እተዋህቦም ብኸመይ እዩ፧ ንዓናኸ ብኸመይ እዩ ዚውሃበና ዘሎ፧

4 ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝጸሓፋ ናይ መጀመርታ መልእኽቱ፡ ብዛዕባ ምምጻእ “መዓልቲ የሆዋ” ገለጸ። ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት፡ ኣሕዋቱ ብዛዕባ መዓልቲ የሆዋ ኣብ ጸልማት ከይኰኑ፡ ወይ ከኣ ተዳልዮም ኪጸንሑ ስለ ዝደለየ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ፡ ከም “ደቂ ብርሃን” መጠን ‘ኪነቕሑን ኪጥንቀቑን’ እተማሕጸኖም። (1 ተሰሎንቄ 5:1-6 ኣንብብ።) ሎሚ ንጥፍኣት እታ ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ኢና እንጽበ ዘለና። እዚ ኸኣ፡ እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ኸም ዝጀመረት ዚሕብር ምልክት እዩ። እቲ ዜሐጕስ፡ ብዛዕባ እቲ ዕላማ የሆዋ ዚፍጸመሉ መገዲ ዝሓሸ ምርዳእ ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ብክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢልና፡ ንቑሓት ንኽንከውን ዚሕግዘና መዘኻኸሪታት ብዘይምቍራጽ ንረክብ ኢና። ነቲ ብተደጋጋሚ ዚውሃበና መጠንቀቕታታት እንተ ኣቕሊብናሉ፡ ነቲ ንኣምላኽ ‘ብኣእምሮና ጌርና ንኸነገልግሎ’ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ኬደልድሎ እዩ።—ሮሜ 12:1

ጳውሎስ፡ ንክርስትያናት እዋናዊ መጠንቀቕታ ዚህባ መልእኽትታት ጸሓፈ (ሕጡብ ጽሑፍ 4, 5 ርአ)

5, 6. (ሀ) ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝጸሓፋ ኻልአይቲ መልእኽቲ፡ ብዛዕባ እንታይ እዩ ገሊጹ፧ (ለ) ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ እዋን ብየሱስ ኣቢሉ እንታይ እዩ ኺገብር፧ ንሕናኸ ንርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትታ ዘሎና፧

5 ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ቐዳመይቲ መልእኽቲ ኻብ ዚልእከሎም ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ካልአይቲ መልእኽቲ እውን ሰደደሎም። ብዛዕባ እቲ ጐይታ የሱስ ኣብ ልዕሊ እቶም “ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንብስራት ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን” ሰባት መለኮታዊ ፍርዲ ዜውርደሉ እዋን ጸበባ ድማ ኣጕልሐ። (2 ተሰ. 1:6-8) እታ ሕጂ ምዕራፍ 2 ዀይና ዘላ ኽፋል እታ መልእኽቲ ኸም እትሕብሮ፡ ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ‘መዓልቲ የሆዋ መጺኣ’ ኢሎም ኣዝዮም ‘ተሸቢሮም’ ነይሮም እዮም። (2 ተሰሎንቄ 2:1, 2 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ብዛዕባ እቲ ዕላማ የሆዋ ዚፍጸመሉ መገዲ እተወሰነ ምርዳእ እዩ ነይርዎም፣ ጳውሎስ ጸኒሑ ብዛዕባ ትንቢት ኪገልጽ ከሎ፡ “ብኸፊል ንፈልጥን ብኸፊል ንንበን ኣለና፣ እቲ ምልኣት ምስ መጸ ግና፡ እቲ ኸፊል ኪሰዓር እዩ” በለ። (1 ቈረ. 13:9, 10) ይኹን እምበር፡ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ካልኦት እሙናት ቅቡኣት ኣሕዋትን ዝጸሓፍዎ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጠንቀቕታ፡ እምነት ዜደልድል እዩ ነይሩ።

6 ጳውሎስ ነቲ ዝነበረ ግጉይ ኣረኣእያ ንምዕራይ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ መዓልቲ የሆዋ ቕድሚ ምጅማራ፡ ዓብዪ ኽሕደት ኪኸውንን ‘እቲ ጠሓስ ሕጊ ዝዀነ ሰብ’ ኪግለጽን ከም ዘለዎ ሓበረ። * ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ግቡእ እዋን፡ ጐይታ የሱስ ነቲ ‘ጠሓስ ሕጊ ዝዀነ ሰብን’ ንዅሎም እቶም ብእኡ እተታለሉ ሰባትን ‘ከንቱ ኺገብሮም’ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እቶም እተታለሉ ሰባት “ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ” ኸም ዚፍረዱ ገለጸ። (2 ተሰ. 2:3, 8-10) ስለዚ እምበኣር፡ ‘ንሓቂ ኽሳዕ ክንደይ እየ ዘፍቅራ፧ ምስቲ በዛ መጽሔት እዚኣን በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋትን ኣቢሉ ንዓለምለኻዊት ጉባኤ ህዝቢ ኣምላኽ ዚውሃባ እዋናዊ ምርዳእ፡ ማዕረ ማዕረ እስጕምዶ ኣለኹ፧’ ኢልና ንገዛእ ርእስና ኽንሓትታ ኣሎና።

ፈተውትኻ ብጥበብ ምረጽ

7, 8. (ሀ) ቀዳሞት ክርስትያናት ምስ ከመይ ዝበለ ሓደጋ እዮም ዚቃለሱ ነይሮም፧ (ለ) ሎሚ ንክርስትያናት ብፍላይ ሓደገኛ ኪዀኖም ዚኽእል እንታይ እዩ፧

7 ክርስትያናት ካብ ከሓድትን ካብ ትምህርትታቶምን ጥራይ ኣይኰነን ሓደጋ ዜጋጥሞም። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ክፍኣት እዩ” ኢሉ ጽሒፉሉ ነይሩ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ገሊኦም ነዚ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ንርእሶም እውን ብብዙሕ ስቓይ ወጋግኡ” በለ። (1 ጢሞ. 6:10) “ግብሪ ስጋ” እውን እንተ ዀነ፡ ኵሉ ሳዕ ሓደገኛ እዩ።—ገላ. 5:19-21

8 ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ፡ እቶም ኣብ ካልእ ቦታ “ናይ ሓሶት ሃዋርያት” ኢሉ ዝጸውዖም ሰባት ኬስዕብዎ ብዛዕባ ዚኽእሉ ኸቢድ ሓደጋ ብዕቱብ ኣጠንቂቕዎም እዩ። ኣብ መንጎ ሰብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት፡ “ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚዛረቡ” እዮም ነይሮም። (2 ቈረ. 11:4, 13፣ ግብ. 20:30) የሱስ ጸኒሑ ንጉባኤ ኤፌሶን፡ ‘ነቶም እኩያት ክትጻወሮም ስለ ዘይከኣለት’ ንኢድዋ እዩ። ሰብ ኤፌሶን ነቶም ናይ ሓሶት ሃዋርያት ‘ፈቲኖምዎምን’ ሓሰውቲ ውልቀ ሰባት ምዃኖም ፈሊጦምን እዮም። (ራእ. 2:2) ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝለኣኻ ኻልአይቲ መልእኽቲ፡ “ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ . . . ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓው ክትርሕቑ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም ኣለና” ኢሉ ነበረ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ እቶም ‘ኪዓይዩ ዘይደልዩ’ ክርስትያናት ብንጹር ገለጸ። (2 ተሰ. 3:6, 10) እዞም ሰባት እዚኦም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ ጌርካ እንተ ተራእዮም፡ ናይቶም ናብ ክሕደት ገጾም ዝዘንበሉ እሞ ኸኣ ዝገደደ እዩ። ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ምቅርራብ፡ ሽዑ ዀነ ሎሚ ሓደገኛ እዩ።—ምሳ. 13:20

9. ሓደ ሰብ ግምታዊ ወይ ነቐፌታዊ ዘረባ ኺዛረብ እንተ ሰሚዕና፡ ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9 ናብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚጅምረሉን እዚ ዘለናሉ እኩይ ስርዓት ዚጠፍኣሉን እዋን ንቐርብ ስለ ዘለና፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተዋህበ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጠንቀቕታ፡ ብዝያዳ የገድሰና እዩ። ንጸጋ የሆዋ ‘ኸንቱ’ ኸይንገብሮን ነቲ ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋና ኸይነጥፍኦን ክንጥንቀቕ ኣሎና። (2 ቈረ. 6:1) ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚእከብ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዘይተገልጸ ነገራት ንኽንግምት ወይ ከኣ ንኻልኦት ኣገልገልቲ የሆዋ ንኽንነቕፎም ኪደፋፍኣና እንተ ፈቲኑ፡ ክንጥንቀቕ ኣሎና።—2 ተሰ. 3:13-15

‘ነቲ ስርዓታት ኣጽኒዕካ ሓዞ’

10. ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ነየናይ ስርዓታት እዮም ኣጥቢቖም ኪሕዝዎ ተተባቢዖም፧

10 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣሕዋቱ፡ ‘ንኺጸንዑን’ ነቲ እተማህርዎ ኣጥቢቖም ንኺሕዝዎን ኣተባብዖም። (2 ተሰሎንቄ 2:15 ኣንብብ።) እቲ እተማህርዎ “ስርዓታት” እንታይ እዩ ነይሩ፧ ንስርዓታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣይኰነን ዜመልክት ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ጳውሎስ ነቲ ንሱን ካልኦት ክርስትያናትን ካብ የሱስ እተቐበልዎን ኣምላኽ ንኼመሓላልፍዎ ዝደረኾምን ትምህርትታት እዩ ዜመልክት ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ጸኒሑ ኽፋል እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት ኰነ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዅሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዘመሓላለፍኩልኩም ጌርኩም ነቲ ስርዓታት ኣጽኒዕኩም ስለ ዝሓዝኩምዎን፡ እንእደኩም ኣለኹ” በለ። (1 ቈረ. 11:2) እወ፡ እቲ ትምህርትታት ካብ ዜተኣማምን ምንጪ ስለ ዝመጸ፡ ትውክልቲ ኺግበሮ ይከኣል ነበረ።

11. ገሊኦም ሰባት ብኸመይ እዮም ኪታለሉ ዚኽእሉ፧

11 ጳውሎስ ንእብራውያን ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ሓደ ክርስትያን እምነቱ ኸም ዜጥፍእን ከም ዚወድቕን ኪገብሮ ዚኽእል ክልተ መገድታት ገሊጹ ነይሩ እዩ። (እብራውያን 2:1፣ 3:12 ኣንብብ።) ‘ከይንውሰድ’ ከምኡውን ‘ከይንርሕቕ’ ዚብል ቃላት ድማ ተጠቕመ። ካብ ገምገም ፈለግ እናተወስደት ወይ እናረሓቐት እትኸይድ ጃልባ፡ ትርሕቕ ከም ዘላ ኣብ ፈለማ ኸይፍለጥ ይኽእል እዩ። ቀስ ብቐስ ግና፡ ብዝያዳ ኣርሒቓ ኽትከይድ ትኽእል እያ። ብኣንጻሩ ግና፡ እናፈለጠ ንጃልባኡ ኻብቲ ገምገም ዚደፍኣ ሰብ፡ ደይመደይ ኢሉ እዩ ኸም እትርሕቕ ዚገብራ። ክልቲኡ ተግባራት፡ ነቶም ብገርሆም ተታሊሎም ኣብ ሓቂ ዘለዎም ምትእምማን ንኺጠፍእ ዚፈቕዱ ሰባት ብዚግባእ ዚገልጽ እዩ።

12. እንታይ ኣብዚ እዋን እዚ ዚግበር ነገራት እዩ ንመንፈሳውነትና ኺጐድኦ ዚኽእል፧

12 ንገሊኦም ሰብ ተሰሎንቄ ኸምኡ ኣጋጢምዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሎሚኸ፧ ግዜ ዜባኽን ብዙሕ ነገራት እዩ ዘሎ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ማለት ኤለክትሮኒካዊ መልእኽትታት ንምንባብን ንምምላስን ዚጠፍእ ግዜ፡ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ንመሕለፍ ግዜ ኣብ ዚግበር ንጥፈታትን ብዛዕባ ስፖርታዊ ፍጻመታት ንኽትፈልጥ ኣብ ዚግበር ጻዕርን ዚባኽን ግዜ እሞ ሕሰብ! እዚ ንጥፈታት እዚ ንሓደ ክርስትያን ኣቓልቦኡ ኺሰርቆን ንቕንኣቱ ኼዳኽሞን ይኽእል እዩ። ሳዕቤኑኸ እንታይ እዩ፧ ንልባዊ ጸሎት፡ ንመጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ፡ ንኣኼባታት ጉባኤ፡ ንስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚኸውን ግዜ ኸም እትስእን እዩ ዚገብር። እሞኸ ኻብ ሓሳብና ቐልጢፍና ንኸይንናወጽ ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ንኸይትናወጽ ዚሕግዘካ ዕቝባ

13. ከምቲ ብትንቢት እተነግረ፡ ብዙሓት ሰባት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧ እምነትና ንኸይትደክም ኪሕግዘና ዚኽእልከ እንታይ እዩ፧

13 ኣበየናይ እዋን ንነብር ከም ዘለና ኽንርዳእን ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና ምስ ዘይኣምኑ ሰባት ምቅርራብ ጐዳኢ ምዃኑ ኽንፈልጥን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እዚ ግዜና ኺገልጽ ከሎ፡ “ከም ትምኒቶም ዚመላለሱ መላገጽቲ ምስ ላግጾም ከም ዚመጹ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶም ከኣ፡ ‘እቲ ንሱ ኣብዚ ኸም ዚህሉ እተተስፈወ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝዓረፉላ መዓልቲ፡ ኵሉ ኸምቲ ኻብ መጀመርታ ፍጥረት ዝነበሮ እዩ ዘሎ’ ኺብሉ እዮም” በለ። (2 ጴጥ. 3:3, 4) በብመዓልቱ ቓል ኣምላኽ ነንብብን ኣዘውቲርና ነጽንዖን እንተ ዄንና፡ ኣበየናይ እዋን ከም ዘለና፡ ማለት ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና ንኽንዝክር ኪሕግዘና እዩ። እቲ ኣቐዲሙ እተነግረሉ ኽሕደት ካብ ዚግለጽ ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ፣ ክሳዕ ሕጂ እውን ይቕጽል ኣሎ። “እቲ ጠሓስ ሕጊ ዝዀነ ሰብ” ሕጂ እውን ኣሎ፣ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ድማ ይጻረሮም እዩ ዘሎ። ስለዚ፡ ንምቕራብ መዓልቲ የሆዋ ብንቕሓት ክንጽበዮ ኣሎና።—ጸፎ. 1:7

ብግቡእ ተዳሊና ኣብ ኣገልግሎት ንካፈል እንተ ዄንና፡ ካብ ሓሳብና ቐልጢፍና ንኸይናወጽ ይሕግዘና (ሕጡብ ጽሑፍ 14, 15 ርአ)

14. ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ትሑዝ ምዃን፡ ኬዕቍበና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

14 ካብ ተመክሮ ኸም እተራእየ፡ ንቑሕ ንኽትከውንን ካብ ሓሳብካ ቐልጢፍካ ንኸይትናወጽን ዚሕግዝ ቀንዲ መገዲ፡ ኣዘውቲርካ ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምክፋል እዩ። ስለዚ፡ እቲ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም” ኪብሎም ከሎ፡ ዜዕቍቦም ምኽሪ እዩ ዚህቦም ነይሩ። (ማቴ. 28:19, 20) ነቲ የሱስ ዝሃቦ መምርሒ ምእንቲ ኽንስዕቦ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኣት ክንካፈል ኣሎና። ሰብ ተሰሎንቄ፡ ኣብቲ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ ግዲ ዀይንዎም ንማለቱ ጥራይ ዚካፈሉ ዝነበሩዶ ይመስለካ፧ ጳውሎስ፡ “ሓዊ መንፈስ ኣይተጥፍኡ። ትንቢት ኣይትንዓቑ” ኸም ዝበሎም ዘክር። (1 ተሰ. 5:19, 20) ብሓቂ ድማ፡ እቲ እነጽንዖን ንኻልኦት ሰባት እነካፍሎን ትንቢት ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ።

15. ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ብዛዕባ እንታይ ሓጋዚ ነገራት ኢና ኽንመያየጥ እንኽእል፧

15 ንኣባላት ስድራ ቤትና እውን፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዘለዎም ክእለት ንኼመሓይሹ ኽንሕግዞም ኣሎና። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ንእተወሰነ ኽፋል ኣምልኾ ስድራ ቤቶም ንኣገልግሎት ኣብ ምድላው የውዕልዎ። ኣባላት ስድራ ቤትካ፡ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ዝረኸብዎም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ብኸመይ ኪከታተልዎም ከም ዚኽእሉ ኽትመያየጡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣባላት ስድራ ቤትካ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብሩ ኸለዉ እንታይ ኪብሉ ሓሲቦም ኣለዉ፧ ንተገዳስነት እቲ ብዓል ቤት ንምልዕዓልከ ብዛዕባ ኣየናይ ጕዳያት ክትዘራረብ ትኽእል፧ ኣበየናይ እዋን እንተ ኸድካ እዩ ዝሓሸ ዚኸውን፧ ብዙሓት ስድራ ቤታት፡ ንገሊኡ ኽፋል ኣምልኾ ስድራ ቤተን፡ ንኣኼባታት ጉባኤ ንምድላው እውን ይጥቀማሉ እየን። ንስኻኸ ንኣኼባታት ንኽትዳሎን ኣብኡ ንኽትሳተፍን ብዝያዳ ኽትጽዕር ትኽእልዶ፧ ከምኡ ምግባርካ፡ ንእምነትካ ኼደልድላን ካብ ሓሳብካ ቐልጢፍካ ንኸይትናወጽ ኪሕግዘካን እዩ። (መዝ. 35:18) እወ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ካብ ግምታትን ጥርጣረታትን ኬዕቍበካ እዩ።

16. ቅቡኣት ክርስትያናት ንኣእምሮኦም ንኺሕልውዎ ዚድርኾም እንታይ እዩ፧

16 ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ የሆዋ ንህዝቡ ብዛዕባ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓሸ ምርዳእ ብምሃብ ባሪኽዎም እዩ፣ ብዛዕባ እዚ ኽንሓስብ ከለና፡ ነቲ ዚጽበየና ዘሎ ዜደንቕ ዓስቢ ብምትእምማን ከም እንጽበዮ እዩ ዚገብረና። ቅቡኣት ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ናይ ምዃን ተስፋ እዩ ዘለዎም። እዚ ኸኣ ንኣእምሮኦም ንኺሕልውዎ ይድርኾም እዩ። እቲ ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ዝጸሓፈሎም ሓሳባት፡ ንቕቡኣት እውን ይምልከት እዩ፣ ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ብየሆዋ እተፈቐርኩም ኣሕዋትና፡ ኣምላኽ . . . ብመንፈሱ ብምቕዳስን በታ ኣብ ሓቂ ዘላትኩም እምነትን . . . ስለ ዝሓረየኩም፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ይግብኣና እዩ።”—2 ተሰ. 2:13

17. ኣብ 2 ተሰሎንቄ 3:1-5 እንታይ ዜተባብዕ ቃላት ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

17 እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም እውን፡ ካብ ሓሳቦም ቀልጢፎም ከይናወጹ ኺጥንቀቑ ኣለዎም። ምድራዊ ተስፋ እንተ ኣልዩካ፡ ነቲ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ቕቡኣት ብጾቱ ዝጸሓፎ ፍቕራዊ መተባብዒ ኣብ ልብኻ ኣሕድሮ። (2 ተሰሎንቄ 3:1-5 ኣንብብ።) ነፍሲ ወከፍና ንኸምዚ ዝበለ ፍቕራዊ ሓሳባት ከነማስወሉ ኣሎና። እወ፡ እተን ናብ ሰብ ተሰሎንቄ እተላእካ መልእኽትታት፡ ንግምታት ወይ ከኣ ንዜተሓታትት ሓሳባት ዚምልከት ኣገዳሲ መጠንቀቕታ ዝሓዘት እያ። ናብ መወዳእታ ኣዚና ስለ ዝቐረብና፡ ነቲ መጠንቀቕታ ኣዚና ኢና እነማስወሉ።

^ ሕ.ጽ. 6 ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30፡ ካብ ውሽጢ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ‘ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚዛረቡ ኸም ዚትንስኡ’ ገሊጹ ነይሩ እዩ። ታሪኽ ከም ዚሕብሮ፡ ድሕሪ ግዜ፡ ኣብ መንጎ ኣቕሽሽትን ምእመናንን ምክፍፋል ተላዒሉ እዩ። ኣብ ሳልሳይ ዘመን ድ.ክ. ድማ፡ “እቲ ጠሓስ ሕጊ ዝዀነ ሰብ” ተገልጸ፣ እዚ ኸኣ ንጕጅለ ኣቕሽሽቲ ህዝበ ክርስትያን ዜመልክት እዩ።—ኣብ 3/2/111 ገጽ 1-9 (ወይ፡ w90-E 2/1 ገጽ 10-14) ርአ።