ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ኣብ ጽላሎት ኣኽራን ኣዕቈቦም

የሆዋ ኣብ ጽላሎት ኣኽራን ኣዕቈቦም

ሓንቲ ሰበይቲ ኣንጊሃ ኻብ ቤታ ውርድ ኢላ ምስ ወጸት፡ ኣብ ኣፍ ደገኣ ሓንቲ ጥቕላል ረኣየት። ነታ ጥቕላል ኣልዒላ ድማ ቍሊሕ ምሊሕ በለት፣ ግናኸ ኣብቲ ጐደና ዚንቀሳቐስ ሰብ ኣይነበረን። ሓደ ዘይተፈልጠ በጻሒ፡ ብለይቲ ኣቐሚጡላ ኪኸውን ኣለዎ። ነታ ጥቕላል ብኸፊሉ ኸፊታ ረኣየታ እሞ፡ ቀልጢፋ ንቤታ ተመሊሳ ማዕጾኣ ዓጸወቶ። እታ ጥቕላል፡ እተኣገደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘት እያ ነይራ። እታ ሓብቲ ነታ ጥቕላል ሓቚፋ፡ ስለቲ ኽቡር መንፈሳዊ ምግቢ ንየሆዋ ብጸሎት ኣመስገነቶ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ፡ ኣብ ጀርመን ኣብ 1930ታት እዩ ዜጋጥም ነይሩ። ናዚ ብ1933 ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋላት እታ ሃገር ተኣገደ። ሕጂ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዕድመ ዘለዎ ሪቻርድ ሩዶልፍ፡ “ብዛዕባ የሆዋን ስሙን ዚግበር ኣዋጅ፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ትእዛዝ ሰብ ኪዕገት ከም ዘይክእል ኣሚንና ነበርና” በለ። * “ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ንመጽናዕትናን ንኣገልግሎትናን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ብምኽንያት እቲ እገዳ ብቐሊሉ ኺርከብ ዚኽእል ኣይነበረን። እቲ ዕዮ ብኸመይ ኪቕጽል ከም ዚኽእል ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና።” ሪቻርድ ነዚ ኣገዳሲ ነገር እዚ ንኣሕዋቱ ንምብጻሕ፡ ብዘይተለምደ መገዲ ኺሕግዝ ከም ዚኽእል ፈለጠ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ጽላሎት ኣኽራን እዩ ዚግበር ነይሩ።—መሳ. 9:36

ብመገዲ ኮንትሮባንዲስታታት

ብኣንጻር እቲ ፈለግ ኤልቤ (ወይ ሌቤ) ዚውሕዘሉ ገጽካ እንተ ኼድካ፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ዶባት ቸክ ሪፓብሊክን ፖላንድን ናብ ዚርከብ ገዘፍቲ ኣኽራን (ካርኮኔሼ) ኢኻ እትበጽሕ። እዚ ኣኽራን እዚ፡ ካብ 1,600 ሜተር ዘይሓልፍ ብራኸ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ኣብ ማእከል ኤውሮጳ ዚርከብ ደሴት ኣርክቲክ ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ። እቲ ጤረራት ንፍርቂ ዓመት ዚኸውን በቲ ኽሳዕ 3 ሜተር ኣቢሉ ዚበጽሕ ዕምቈት ዘለዎ በረድ እዩ ዚሽፈን። እቶም ነቲ ተለዋዋጢ ዅነታት ኣየር ኣትሒቶም ብምግማት ብእኡ ዚሓልፉ ሰባት፡ ሃንደበት ንጫፋት እቲ ኣኽራን ዚሽፍን ጽዑቕ ግመ ኼጋጥሞም ይኽእል እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት እዚ ሰንሰለት ኣኽራን እዚ፡ ኣብ መንጎ ኣውራጃታትን መንግስታትን ሃገራትን ናይ ተፈጥሮ ዶብ ኰይኑ ኼገልግል ጸኒሑ እዩ። እቲ ሓደገኛ ዝዀነ ሰንሰለታዊ ኣኽራን ንኽትሕልዎ ስለ ዜጸግም፡ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት፡ በዚ ኣኽራን እዚ እናተሳገሩ፡ ብኮንትሮባንድ ኣቕሑ የእትዉ ነበሩ። ብ1930ታት እቲ ገዘፍቲ ኣኽራን ንቸኮስሎቫክያ ኻብ ጀርመን ይፈልያ ስለ ዝነበረ፡ ተባዓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ቐደም ኮትሮባንዲስታታት ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ መገዲ ኺጥቀሙሉ ጀመሩ። ንምንታይ ዕላማ፧ ነቲ ኽቡር ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብቲ ብቐሊሉ ዚርከበሉ ሃገር ንኼበጻጽሑ እዩ። እቲ ሽዑ መንእሰይ ዝነበረ ሪቻርድ ድማ ሓደ ኻባታቶም እዩ ነይሩ።

ኣሕዋትን ኣሓትን ንዙረት ዚኸዱ መሲሎም በቲ ገዘፍቲ ኣኽራን እናተጓዕዙ፡ ናብ ጀርመን ጽሑፋት የበጻጽሑ ነበሩ

ሓደገኛ “ዙረት”

ሪቻርድ፡ “ኣብ መወዳእታ ሰሙናት፡ በብሸውዓተ ኣቢልና እንኸውን መንእሰያት ኣሕዋት ዙረት ከም ዚገብሩ መሲልና ናብቲ ኣኽራን ንድይብ ነበርና” በለ። ኣስዒቡ እውን፡ “ካብ ጀርመን ነቲ ኣኽራን ሰጊርና ናብ ስፒንድለሩቭ ማሊን [16.5 ኪ.ሜ. ዚኸውን ርሕቐት ዘለዋ ኣብ ቸክ እትርከብ መዘናግዒት ቦታ] ንኽንበጽሕ ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ይወስደልና ነበረ” በለ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዙሓት ጀርመናውያን ኣብ ስፒንድለሩቭ ማሊን ይነብሩ ነበሩ። ሓደ ኻባታቶም ምስ ኣሕዋት ንኺተሓባበር እተሰማምዐ ሓረስታይ እዩ ነይሩ። ንሱ ኣብ ጥቓኡ ናብ እትርከብ ከተማ ኸይዱ፡ ነቲ ኻብ ፕሬግ ብባቡር እተላእከ ጽሑፋት ዝመልአ ሳጹናት፡ ኣብታ ንዕረፍቲ ንዚመጹ በጻሕቲ ንምብጽጻሕ ዚጥቀመላ ዝነበረ ዓረብያ ፈረስ ጽዒኑ ይወስዶ ነበረ። ነቲ ሳጹናት ናብ ሕርሻኡ ወሲዱ ኣብ ሓሰር ይሓብኦ እሞ፡ እቶም መበጻጻሕቲ ኸኣ ነቲ ጽሑፋት ናብ ጀርመን የብጽሕዎ ነበሩ።

ሪቻርድ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ኣብቲ ሕርሻ እቲ ምስ በጻሕና፡ ነቲ ኸቢድ ጾር ንምስካም እተሰርሐ ዚሕንገጥ ቦርሳና በቲ ጽሑፋት ንመልኦ ነበርና። ነፍሲ ወከፍና 50 ኪ.ግ. ዚኸውን ክብደት ንስከም ነበርና” በለ። ምእንቲ ኸይርከቡ ድማ፡ ጸልማት ተጐልቢቦም ይጐዓዙ ነበሩ፣ ማለት ጸሓይ ምስ ዓረበት ተበጊሶም፡ ከይበረቐት ከላ ቤቶም ይበጽሑ ነበሩ። አርነስት ቪስነር፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጀርመን ሓላው ወረዳ ዝነበረ ሓው፡ ብዛዕባ እቲ ንድሕንነት ዚውሰድ ስጕምታት ከምዚ በለ፦ “ክልተ ኣሕዋት እናመርሑ ይኸዱ እሞ፡ ዝዀነ ሰብ እንተ ርእዮም፡ ብላምባዲና ሓንሳእ ብልጭ የብሉ ነበሩ። እዚ ነቶም 100 ሜተር ዚኸውን ርሒቖም ደድሕሪኦም ዚስዕቡ ዝነበሩ፡ ከቢድ ጾር እተሰከሙ ኣሕዋት፡ ኣብ መገዶም ኣብ ዘሎ ቝጥቋጥ ንኺሕብኡ ምልክት ይዀኖም ነበረ፣ እቶም ክልተ ኣሕዋት መጺኦም እተፈልየ ገለ ምልክት ክሳዕ ዚህብዎም ከኣ ተሓቢኦም ይጸንሑ ነበሩ። እቲ ምልክት በብሰሙን ይቀያየር ነበረ።” ይኹን እምበር፡ እቶም ሰማያዊ ዩኒፎርም ዝለበሱ ፖሊስ ጀርመን ጥራይ ኣይኰኑን ዜስግኡ ነይሮም።

ሪቻርድ ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ሓደ ምሸት ግድን ንንውሕ ዝበለ ሰዓታት ክሰርሕ ኣድልዩኒ ነበረ። ስለዚ፡ ኣሕዋተይ ምስ ከዱ ንበይነይ ናብ ቸክ ኣምራሕኩ። ጸልማትን ጽዑቕ ግመን ነበረ፣ በቲ ቐዝሒ ዝነበሮ ዝናብ እናተወቓዕኩን እናኣንቀጥቀጥኩን ድማ እጐዓዝ ነበርኩ። ሽዑ፡ ኣብቲ ሓጸርቲ ኣግራብ ፓይን፡ ንሓያሎ ሰዓታት መገደይ ሰሓትኩ። ናብቲ ኣኽራን ዙረት ዚገብሩ ብዙሓት ሰባት በዚ ኸምዚ ሞይቶም እዮም። ኣሕዋተይ ኣንጊሆም ኪምለሱ ኸለዉ እየ ብኣጋጣሚ ረኺበዮም።”

እታ ተባዓት ኣሕዋት ዝሓዘት ንእሽቶ ጕጅለ፡ ንሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ኣብ ሰሰሙን ናብቲ ኣኽራን ትኸይድ ነበረት። ኣብ ግዜ ኽረምቲ፡ ኣብ ትሕቲ እግሪ ዚእሰር መንሸራተቲ ወይ ከኣ ቶቦጋን ዚብሃል መንሸታትሒ ጣውላ ተጠቒሞም ነቲ ኽቡር ጾሮም የጐዓዕዝዎ ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ክሳዕ 20 ዚበጽሑ ኣሕዋት ዝሓዛ ጕጅለታት፡ መለለዪ ዘለዎ መገድታት ሒዘን ነቲ ዶብ ብመዓልቲ ይሰግራኦ ነበራ። ንዙረት ዚወጽኡ ሰባት ጥራይ ምእንቲ ኼምስሉ፡ ገሊአን ኣሓት ምስኣቶም ይኸዳ ነበራ። ገሊኣቶም ቀዲሞም ይኸዱ እሞ፡ ሓደገኛ ዅነታት ከም ዘሎ እንተ ጠርጢሮም፡ ቆቢዖም ንላዕሊ ይስንድውዎ ነበሩ።

እቲ ገዘፍቲ ኣኽራን ብበረድ ተሸፊኑ ስለ ዝነበረ፡ ብእኡ ኽትጐዓዝ ሓደገኛ እዩ ነይሩ

እቶም ኣሕዋት ብለይቲ ተጓዒዞም ጽሑፋቶም ሒዞም ምስ ተመልሱኸ እንታይ እዮም ዚገብሩ ነይሮም፧ እቲ ጽሑፋት ብቕልጡፍ ዚዝርግሓሉ መደባት ይግበር ነበረ። ብኸመይ፧ እቲ ሕታማት ከም ሳሙና ይጥቕለል እሞ፡ ናብቲ ኣብ ሂርሽበርክ ዚርከብ መደበር ባቡር ይውሰድ ነበረ። ድሕሪኡ እቲ ጥቕላላት ናብ እተፈላለየ ቦታታት ጀርመን ይለኣኽ እሞ፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ንክርስትያን ብጾቶም ብሕቡእ የብጽሑሎም ነበሩ። እዚ ብሕቡእ ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ምብጽጻሕ ጽሑፋት፡ ብገለ መገዲ እንተ ተፈሊጡ ኣዝዩ ሓደገኛ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ ጥንቃቐ እዩ ዚግበረሉ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ግና ዘይተሓስበ ዕንቅፋት ኣጋጠሞም።

ብ1936፡ ኣብ ጥቓ በርሊን ዚርከብ መኽዘን ጽሑፋት ተቓልዐ። ገለ ኻብቲ እተረኸበ ነገራት፡ ኣብ ሂርሽበርክ ዚነብር ዘይተፈልጠ ሰብ ዝለኣኾ ሰለስተ ጥቕላላት ይርከቦ። ፖሊስ ናይ ኢደ ጽሑፍ ምርመራ ብምግባር፡ ነቲ ቐንዲ ኣባል ጕጅለ ኮንትሮባንዲስታ ረኸብዎ እሞ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእተውዎ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓው ሪቻርድ ሩዶልፍ ዚርከቦም፡ ክልተ ኻልኦት ጥርጡራት፡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተዉ። እቶም ኣሕዋት ንዝቐረበሎም ክሲ ምሉእ ሓላፍነት ስለ ዝወሰዱ፡ እቶም ዝተረፉ ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ንእተወሰነ እዋን ኪቕጽልዎ ኽኢሎም እዮም።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ

ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ዚረኽቡ ዝነበሩ፡ በቲ ኣሕዋት ኣብ ዝባኖም ተሓንጊጦም በቲ ገዘፍቲ ኣኽራን እናተጓዕዙ ዚገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ እዩ። ግናኸ፡ ጽሑፋት ንምብጽጻሕ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ መገድታት እቲ ገዘፍቲ ኣኽራን ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ። ክሳዕ እታ ሰራዊት ጀርመን ንቸኮስሎቫክያ እተቘጻጸሩላ ዓመት፡ ማለት ክሳዕ 1939፡ ምስታ ሃገር ዜዳውብ ካልእ መገድታት እውን ነይሩ እዩ። ኣብተን ከም ፈረንሳን ነዘርላንድስን ስዊዘርላንድን ዝኣመሰላ ምስ ጀርመን ዚዳወባ ሃገራትን ኣብ ጀርመንን ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብሓደገኛ ዅነታት እናተጓዕዙ ነቶም መስጐጕቲ ዚበጽሖም ዝነበረ ኣሕዋቶም መንፈሳዊ ምግቢ ኸም ዚበጽሖም ይገብሩ ነይሮም እዮም።

ሎሚ መብዛሕትና ብዝደልናዮ መጠንን ብእተፈላለየ ዓይነትን ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ሕታም ክትረክብ ከለኻ፡ ወይ ከኣ ካብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ኸተራግፍ ከለኻ፡ እቲ ሕታም እቲ ናብ ኢድካ ንኺበጽሕ እንታይ ጻዕሪ ኸም ዚግበር ስለምንታይ ዘይትሓስበሉ፧ ክብደት እቲ ዚግበር ጻዕሪ፡ ማዕረ እቲ ብበረድ ብእተሸፈነ ኣኽራን ብለይቲ እናተጓዓዝካ ዚግበር ዝነበረ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ጥቕሚ ርእሶም ሰዊኦም ዜገልግሉኻ ሓያሎ ክርስትያን ብጾትካ፡ ብዙሕ ከም ዚጽዕሩ ፍሉጥ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 3 ኣብ ሲሌሽያ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ሂርሽበርክ ኣገልጊሉ እዩ። ከተማ ሂርሽበርግ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፖላንድ እትርከብ፡ ሎሚ የሌንያ ጉርጋ ተባሂላ እትፍለጥ ከተማ እያ።